መንፈሳዊ ዓመጽ

“መንፈሳዊ ዓመጽ” ዝብል ናብ ሓሳበይ ዝመጸ፡ ሓደ መምህር ንእግሩ መገዱ ጥቅስ ኣቢልዋ ክሓልፍ ምስ ሰማዕክዎ’ዩ። ብዙሕ ጊዜ ኣካላዊ፡ ጾታዊ፡ ስምዒታዊ ዓመጽ ክበሃል ንኣእዛነይ ልሙድ’ዩ። መንፈሳዊ ዓመጽ ይህሉ ኢለ ግና ሓሲበ ኣይፈልጥን። ኣጸቢቀ ከጽንዕ ኸኣ ሓሳበይ ተቀሲቡ። ሓቂ ኰይኑ ኸኣ ረኺበዩ። ዋላ’ኳ ዓቀኑ ዝሓለፈ ይኹን፡ ብግለይ’ውን ተሞኪረዮ ኣለኹ። መንፈሳዊ ዝበልናዮ ምኽንያት ከኣ ገሊኣቶም ቃል ኣምላኽን ስም ኣምላኽን ተጠቂሞም መገባብሮ ረብሕኦም ክገብሩ ስለ ዝፍትኑ’ዮም። ኣብ ክንሲ ሰብ ናብ ፈጣሪኡ ከም ዝጥምት ዝገብሩ፡ መንፈሳዊ ዘረባ ብዝመስል ብምፍርራህ ከም ዝእዘዞምን ክገብርዎ ይፍትኑ። እዚ ከኣ ረሲእነት’ዩ።

ከምዚ ዝስዕብ ገጢምኩም ይፈልጥ’ዶ፧

  • ጸገም ኰይኑ ዝተሰምዓካ ናብ ብርሃን ስለ ዘይመጸኻዮ፡ ከም መናዓቢ ተቆጺርካ መጠንቀቅታ ዘለዎ ተግሳጽ ቀሪብልካ ይፈልጥ’ዶ፧
  • ንኽርስቶስ ትእዘዝ እንተዀይንካ፡ ብዘይ ሕቶ ንመሪሕነት ማሕበር ክትእዘዝ ኣለካ ተባሂልካ’ዶ፧
  • መራሕቲ ጌጋኦም ዘይእመኑ፡ ብኣንጻሩ ዝተገብረ ጌጋ ካብ ካልኦት ክደልይዎ ብዙሕ ዝጽዕሩ ኣጋጢሞምኻ ይፈልጡ’ዶ፧
  • ባህሊ ‘ታ ትኸዳ ማሕበር፡ ሓርነትካ ተገፊፉ፡ ብፍርሕን ስክፋትን ክትኣቱ ክትወጽእ ይገብረካ’ዶ፧
  • ጌጋ ተጌሩ ስለ ዝበልካ፡ ኣብ ቅቡኣት ኢድካ ኣይተወጣውጥ፡ መርገም ከተምጽእ ኢኻ ብምባል ምፍርራሕ ተዋሂቡካ’ዶ፧
  • ፈጺምካ ኣብ መራሕቲ ማሕበር ከም ትጽጋዕ፡ ካብኦም ተጸባይ ከም ትኸውን ክገብሩኻ ዝፍትኑ ኣገልገልቲ ገጢሞምኻ ይፈልጡ’ዶ፧
  • ገዛእ ርእሱ ካብ ወቀሳ፡ ክሲ፡ ክከላኸል፡ ኩሉ ጊዜ “እወ” ጥራይ ዝብልዎ፡ ፈጺሞም ተሓታቲ ዘይገብርዎ ሰባት ኣብ ከባቢኡ ብምግባር፡ ነቶም ዝሓቱ ዝብሎም ብብዙሕ መገዲ እናርሓቀ ክንጽል ዝፍትን መራሒ ኣጋጢሙካ ይፈልጥ’ዶ፧
  • ትገብሮ ብፍቅሪ ተደሪኻ ዘይኰነ፡ ፈሪሕካን ተሰኪፍካን ክትገብሮ ዝደፋፍኣካ መሪሕነትን ኣገልጋልን ገጢሙካ ይፈልጥ’ዶ፧
  • ዕሽር ናብዚ እትግልገልሉ ማሕበር እንተዘይ ኣምጺኻ፡ ኣብ ቁጠባኻ ቀውሲ ክኣቱ ‘ዩ እናበሉ ዘፈራርሁኻ ኣገልገልቲ ገጢሞምኻ ይፈልጡ’ዶ፧
  • ክትገብሮ እትደሊ ጌጋ ዘይኰነ ክነሱ፡ ገበንነት ክስምዓካ ብምግባር ከይትገብሮ ተቀሲብካ ትፈልጥ’ዶ፧

እዚ ኹሉ ምልክት መፈሳዊ ዓመጽ’ዩ።

“መንፈሳዊ ዓመጽ” ከነለልዮ ቀሊል ኣይኰነን። ብብዙሕ መንፈሳዊ ብዝመስል ዘረባን ትርጉም ዝሰሓተ ጥቅስን ስለ ዝሽፈን፡ ሓቐኛ ክመስለና ይኽእል’ዩ። ብፍላይ እቶም መንፈሳዊ ዓመጽ ዝፍጽሙ ዝበሃሉ ኣብ ቦታ መሪሕነት ዘለው፡ ወይ’ውን ኣዝዮም መንፈሳዊ ብጽሕና ኣለዎም ኢልና ንግምቶም ስለ ዝዀኑ፡ ብዙሕ ጊዜ ኣይንጽበዮን ኢና።

“መንፈሳዊ ዓመጽ” ማለት ኣብ ቦታ መሪሕነት ዘለዉ ስልጣኖም ተጠቂሞም ንኻልኦት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ንኸእትው ወይ’ውን ካብ ጥቃኦም ከርሕቅዎም ብምድላይ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍለጥ፡ ካልኦት ክጥብሩ ከፍትኑ ከለው ዝፍጸም ‘ዩ። ምርጫ ምእመናኖም ንምዝዋር፡ ዘይግቡእ ጽልዋ ክገብሩ ከለው ዝኸውን ስጋውን ምድራውን ጥበብ’ዩ። “ምዕማጽ” ዝብል ኣምር ኩሉ ጊዜ ምስ ስልጣንን ሓይልን ዝተኣሳሰረ’ዩ።

ጓሳ ወይ’ውን ሽማግለታት ማሕበር ከይፈቀድሉ ማሕበር ዝገድፍ በረኸት ኣይስዕቦን ዝበሃል ኣዘራርባ፡ ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ክገብር ዝደሊ ምሕደራ ዝወጽእ ምርዳእ’ዩ። ኣብ ስልጣን ዘለው መሪሕነት ዘይምኽታል፡ ኣብ ገዛእ ርእሶምን ቤተሰቦም መርገም የስዕቡ ብምባል፡ ቦታ ኣምላኽ ክሕዙ ዝፍትኑ፡ “መንፈሳዊ ዓመጽ” ይፍጽሙ ኣለዉ። ካብ ተሓታትነት መታን ክሞልቅ፡ ዝተፈጸመ ጌጋ ትኽኽል ኣይኰነን ንዝበለ ሰብ፡ ኣብ ስልጣን ትዕምጽ ኣለኻ ብምባል ስቅ ከነብሎ እንተፈቲና፡ ንዓና ክጥዕመና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርና ከነእትዎ ንፍትን ስለ ዘለና፡ መንፈሳዊ ዓመጽ ንዕምጾ ኣለና።

ናይ ሰብ ነጻ ምርጫ ብምፍርራህን ብምጥባርን ክጠዊ ብምፍታን፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ክገብር ዝፍትን ምሕደራ፡ ማዕረጉ ብዝግባእ ስለ ዘይተጠቀመሉ ብ“መንፈሳዊ ዓመጽ” እንተተኸሰ ፍጹም ጌጋ ኣይኰነን። ካልእ ሓሳብ ከምጽእ ዝፍትን ከም ዓለወኛ ተቆጺሩ ካብ ሕብረት ክእለን ክፍለን እንተተጌሩ፡ ብሓቂ መንፈሳዊ ዓመጽ ተፈጺሙ ኣሎ።

ሓደ ጓሳ ማሕበር ኣፉ መሊኡ፡ ንስልጣነይን ውሳኔይን ዘይእዘዙ፡ ማሕበር ገዲፎም ዝኸዱ ቁጥዓ ኣማልኽ ይጽበዮም። ንሰይጣን ቦታ ስለ ዝህብዎ፡ ሓለዋ ኣምላኽ ካብታቶም ተላዒሉ፡ ንዕንወት ገጾም የምርሑ እናበለ ጉባኤ ብምፍርራህ፡ ሓርነት ህዝቢ ኣምላኽ ክወስድ ዝፍትን፡ ዕቁባ ኣምላኽ ኣብታ ንሱ ዝጓስያ ምሕበር ጥራይ ከም ዘሎ ዘምስል፡ ፍርሒ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ክኣቱ ምኽንያት ስለ ዝዀነ፡ መንፈሳዊ ዓመጻ ከም ዝፈጸመ ክርዳእ፡ ክንሳሕ ከኣ ብፍቅርን ብዓቅልን ክንመኽሮ ኣለና። ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከእትዉ ዝደልዩ መራሕቲ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ይሃንጹ ከም ዘለዉ ኣምሲሎም፡ መንግስቲ ገዛር ርእሶም ብምፍርራህን ብረቂቅ ጥበራን ይሃንጹ።

መንፈሳዊ ትምክሕተ-ፍልጠት (spiritual elitism) ኣብ ማሕበር ኣምላኽ እንክርአ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ሃዋርያ ዮሃንስ ግና በቲ ቅኑዕ ስሙ ማለት “እኩይ (evil)” ብምባል ሰሚዎ ኣሎ። 3ዮሃ9-10 ንርእሶም ከም ዝለዓለ መፈሳዊ ምግላጽን ምርዳእን ከም ዘለዎም ብምቁጻር፡ ኣውራ ክዀኑ፡ ከይተፈለጦም ከኣ ኣብ ልቢ ሰባት ቦታ ኣምላኽ ክሕዙ ይፍትኑ። እዚ መንፈሳዊ ዓመጽ እንተዘይተባሂሉ፡ እንታይ ካልእ መጸውዒ ክንህቦ ንኽእል፧

ነዚ ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ግህሰት ዝቃልዑ፡ እቶም የዒንቶም ካብ ኣምላኽ ኣልዒሎም፡ መሪሕነት ካብ ሰብ ዝጽበዩ’ዮም። ንኣምላኽ ኣብ ልብኻ ብጓሶትን ነብያትን ምትካእ ሓደገኛ ምኻኑ ክንርዳእ ኣገዳስነቱ ብዙሕ’ዩ። ንመንፈሳዊ ዓመጽ ከኣ ከም ትቃላዕ ይገብረካ።

ኣብ ኣምላኽ ድሮ ቅቡልን ፍቁርን ኢኻ

ክንርድኦ ዘለና ደስ ዘብል ዜና እንተሃልዩ፡ ኣብ ክርስቶስ እንተሃሊኻ፡ ኣብ ኣምላኽ ድሮ ሞጉስ ኣለካ። ብኣምላኽ ድሮ ቅቡል ኢኻ። ዓመጽቲ መራሕቲ ማሕበር ብዝገብርዎን ብዝብልዎን፡ ካብቲ ኣምላኽ ድሮ ኣፍቂሩካ ዘሎ ክውስኸልካን ክንክየልካን ኣይክእልን’ዩ። ከም ድሌትና ብስድነት ክንመላለስ ኣለና ማለት’ኳ እንተዘይኰነ፡ እንገብሮ ዘበለ ብፍቅሪ ተደሪኽና ደኣ እምበር፡ ስለ ዝፈራህና እንገብሮ ዘበለ ኣብ ኣምላኽ ዓስቢ የብሉን። የሱስ ብሞቱ ካብ ፍርሂ ሓራ ኣውጺእና ስለ ዝዀነ፡ ተመሊሱ ኣብ ፍርሒ ክቁርነና ዝፍትን ትምህርቲ እምቢ ክንብሎን ከም ዓመድ ክንወስዶን ይግብኣና። እብ 2:14-16 ገላ5:1

ጥዑይ ርክብ ምስ ዝህሉ፡ መራሕቲ ማሕበር ኣምላኽ፡ ንዘገልግልዎም ብቅኑዕ ሕልናን ድርኺትን የተባብዑ። ፍቃድ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ክከናወን ይጽዕሩ። ንኻልኦት በረኸት ዝዀኑ እንተኼይኖም፡ ካብ ዓንኬሎም ብዘይ ምትኑኻል ባሪኾም ክፍንውዎም ውሽጦም ኣይቃጸዎምን። ንጻውዒቶም ብጹሓትን ብቅዓትን ኬይኖም ክርከቡ ይጽዕቱ። ዝገብርዎ ኹሉ ብፍቅሪ ኣምላኽ ተደሪዀም፡ ናብ ኣምላኽ ከም ዝጥምቱ ክገብርዎም ይፍትኑ። ካልኦት ዓብዮምን ሞጎስ ረኺቦምን ክርእዩ ከለዉ ይሕጎሱ።

ጥዕና ዘለዎ ጉስነታዊ ኣመራርሓ ኣብ ህይወትካ ሰላም ይፈጥር። ሓጢኣት ብዘይ ምእዛዝ ናብ ዓለም ካብ ዝኣቱ፡ ፍጹምነት ዝብሃል ካብ ፍጥረት እኳ እንተረሓቀ፡ ዞባዊት ማሕበር ኣምላኽ ንክርስቶስ ዘማእኸለት፡ ህይወት እትዘርእ፡ ካብ ርእሶም ወጺኦም ንኻልኦት ዘገልግሉ ኣገልገልቲ ዘለውዋ ክትከውን ንጥዕናኣ ኣገዳሲ’ዩ። ክርስቶስ ናይ ኩሉ ማእኸል ምኻኑ ዝተረደኣ፡ ንገዛእ ርእሱ ሞይቱ፡ ስም ኣምላኽ ከጸውዕ ኣብ ጸጽባሕ ዝጽዕት ኣገልጋሊ ኸኣ የድሊ።

ንመንፈሳዊ ዓመጽ ብኸመይ ነቃልዖን ንኣለዮ፧

መንፈሳዊ ዓመጽ ክገጥመና ከሎ ንዞባዊ ማሕበር ኣምላኽ ገዲፍና ምኻድ ቅኑዕ ኣይኰነን። ዋላ’ኳ ኣብ ሓደ ደረጃ ምስ በጻሕና ክንገብሮ ንኽእል እንተዀነ፡ ከም ቀዳማይ ግብረ መልስና ክንወስዶ ግና የብልናን። ነቲ ክዕምጽ ዝተረኽበ ሰብ ረኺብና፡ ህይወቱ ዘፍርስ ግጥመት ክንገጥሞ’ውን ጥበብ ዝጎደሎ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ’ዩ።። እንታይ ደኣ ንግበር፧

1. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጸሎት ንቅረብ

“ጸሎት” ቀዳማይ ስጉምትና እንተጌርና፡ ኣብ እንኸዶ ኹሉ ይቐንዓና። ብዛዕባ’ቲ መንፈሳዊ ዓመጽ ዝዓመጸ ኣገልግሊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንጽሊ ግድነት ኣለና። መንፈስ ቅዱስ ንልቡ ናብ ንስሓ ከቅንዖ ክንጽልየሉ ይግባእ። ንቃል ኣምላኽ ናብ ረብሓና ምልዋጥ፡ ንስልጣን ብዘይግባእ መገዲ ምጥቃም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓመጽ ስለ ዝዀነ፡ መቅጻዕቲ የምጽእ። ስለዚ ምሕረት ኣምላኽ ክበዝሓሎም ክንጽሊ ኣለና።

ብተወሳኺ’ውን ንዝተጋገየ ካብ ጌጋ ተመለስ ክንብሎ ሓላፍነት ኣለና። ከም ዝመጸልካ ዝግበር ግና ኣይኰነን። ልዕሊ ኩሉ ብፍቅሪ ተደሪኽና ንገብሮ ከም ዘለና ርእስና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንምርምር ኣለና። ብምቅጻል ከኣ ጥበብን ምቹእ ዕድል ክወሃበና ካብ ኣቦና ክንሓትት ኣለና። “ኩሉ ንምህናጽ ግበርዎ” ስለ ዝብል፡ ከነቅንዕ ኢልና ከነፍርስ ኣብ ቅድሚ እ/ሔር ከኣ በደልቲ ኰይና ከይንርከብ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ክንገብሮ ይግብኣና።

2. ንዝቀርበና ሰብ ነካፍል

እቲ ንሕና ዝገጠመናን ዝተዓዘብናዮን ካልኦት ዘለዎም ርእይቶ ክንፈልጥ ጽቡቅ ‘ዩ። ምናልባት ተነቀፍቲ ስለ ዝዀንና፡ ነገራት ክመስለና ይኽእል ‘ዩ። ነገር ብምስክር ክልተ ክጸንዕ ከሎ ሓይሊ ስለ ዝህልዎ፡ ንዝቀርበና ክንውከስ ጥበብ’ዩ። እዚ ክንገብር ከለና ግና ነገራት ከም “ሕሜት” ከይነቅርቦ ክንጥንቀቅ ኣለና። ወይ’ውን ስም ‘ቲ ዝዓመጸ እንብሎ ሓው ንምጽላም ከም ዘይኰነ ንጹር ዝዀነ መርገጺ ክህልወና ኣለዎ።

ብኸመይ ብፍቅሪ ክንገጥሞ ከም ዘለና ክንመክር ኣለና። ጥርዓን ቅድሚ ምስማዕና፡ ነቲ መንፈሳዊ ዓመጽ ዝገበረ ሰብ፡ ብግሉ ረኺብና ከነዘራርቦ ቃል ኣምላኽ ይእዝዘና’ዩ። “እቲ ከምዚ ዝበልካዮ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምህሮ ኬይኑ ኣይተረደኣንን። ኣብ ውሽጠይ ፍርሒ ፈጢሩለይ። እዚ ኸኣ ፍቃድ ኣምላኽ ኣይመስለንን ብምባል ዝተሰምዓና፡ ርእስና ገቲእና ክንቀርቦ ናብ ብጽሕናና ምልክት’ዩ።

3. ተደጋጋሚ ምስ ዝኸውን ጥዕና ዘለዋ ማሕበር ምቅያር ኣብ ግምት ነእትዎ

ኣገልገልቲ ክጋገዩ ንቡር’ዩ። ክምከሩ፡ ብፍቅሪ ክእለዩ፡ ስለቲ ዝገበርዎ ጌጋ ኸኣ ሓላፍነት ክስከሙ ኣለዎም። ምሕረት ንምግባር ገፊሕ ልቢ ክህልወና ኣለዎ። ተመኺሮም ምስማዕ ምስ ዝኣብዩ፡ ንመንፈሳዊ ዓመጽ ከኣ፡ ብዙሕ ሕብሪ ብዘለዎ መገዲ እናደጋግምዎ እንተቀጺሎም፡ ‘ቲ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ መገዲ ምስራሕ እንተኣብዩ፡ ካብዚ መርዛም ዝዀነ ርክብ ገዛእ ርእስና ክንኣሊ ይግብኣና።

ገዛእ ርእስና ንማህሰይቲ ቁልዓት ክንገብር ዘገድደና ሰብ ክህሉ የብሉን። ገሊኣቶም ኣብ ጥዑይ ዘይኰነ ሕብረትን ርክብን ተጸሚምና ክንነብር ከም መንፈሳዊ ምእዛዝ ዝቆጽርዎ፡ ብመንፈስ ዘይዓበዩ ብዙሓት ኣለውና። ዘይጥዑይ መሪሕነትን ርክብን ገዲፍካ ምኻድ ከም ዘይመንፈሳውነት ከረድኡና ብምፍታን፡ ኣብ ስምዒት ገበንነት ዝቁርኑና ኣይስኣኑን ይዀኑ። መንፈሳዊ ዓመጽ ንምድግጋም ዝተሸኽለ ኣገልጋሊ ግና፡ ኣምላኽ እንተዘይበጺሕዎ ክምለስ ቀሊል ኣይኰነን። ብፍላይ ዝገብሮ ከም ኣገልግሎትን ከም ዓቢ መንፈሳዊ ብጽሕናንን ምግላጽን ዝወስዶ እንተኰይኑ፡ ክንእለየሉ ጥራይ ኢና ዘለና።

4. ንምእመናና ነዕጥቕ

ሓውና ሃኒባል ዳኒኤል ከምዚ ክብል ይመኽረና።

“ንቁብኣተይ ኣይትተንክይዎም” እትብል ጥቕሲ፡ ብቐዳምነት በቶም ተቐቢእና ኢና ዝብሉ እሞ ንገዛእ ርእሶም ከም ምርኡያት ዝቖጽሩ ሰባት ትዝውተር ቃል’ያ። እዚ ድማ ካብ ተሓታትነትን ሓላፍነት ንምህዳምን፡ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቶም ድማ መንፈስ ፍርሕን ራዕድን ብምእታው ክጉይተቱ ስለ ዝፍትኑ’ዮም።

ነዚ ከምዚ ዝበለ ስነ-ሓሳብ ንምብዳህ፡ ንነፍሲ ወከፍ ምእመን ናብ ወደ መዝሙርነት ንምብጻሕ ምግዳል ቀንዲ ኣጀንዳና ክንገብሮ ኣለና። ብቐንዱ ኣማኒ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ እምበር፡ ወደ መዝሙር ሰብ ክኸውን ኣይተጸወዐን። ቃል ኣምላኽ ከኣ “ባሮት ሰባት” ክንከውን ከም ዘይብልና፡ ኣሕሚሙ የጠንቅቀና። ‘ቲ ሓቀኛ ወደ መዝሙር ድማ ተሓታትነቱ ንኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ተሓታቲ ክኸውንን ንሰባት ድማ ተሓተትቲ ሙዃኖም ክብድሆም ኣይጽግሞን ‘ዩ።

እቶም ኣይትተንክዩና፡ ኣይትቕረቡና፡ ቁቡኣት ኢና፡ ዝብሉ፡ ንሰባት ደቂ መዛምርቶም እምበር ናብ ወደ መዝሙርነት መድሓኒና ከብጽሕዎም ዝደልዩ ኣይመስለንን። ኣምላኽ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ንዓታቶም ቀረብኦም ሙኻኑ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ፡ ከረድእዎም ብምፍታን፡ ብእኦም ኣቢልሞ በረኸት ዝረኽቡ ሙዃኖም እናነገሩን ኣናመሃሩኑን፡ ኣብ ልዕሊኦም መንፈሳዊ ዓመጽ ይፍጽሙ። እዚ ኸኣ ብኹሉ ሸነኽ ቅኑዕ ኣይኰነን።

ስለዚ ከም መጠቓለሊ ኩላትና ብማዕረ፡ ብዘይ ኣፈላላይ፡ ደቀ-መዛሙርቲ ክርስቶስ ሙዃናን፡ ናብኡ ገጽና ብሓባር ንኽንዓቢ ብመንፈሱን ጸግኡን ክንጋደል ኣለናዩ።