ካብ ስምዒታዊ ቃንዛ ንምሕዋይ ዝሕግዘና ምኽሪ

“…ዝኸብደናን ዝጠብቀናን ኣርሒቅና፡ በቲ ዝተሓንጸጸልና መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ንጉየ”

ህይወትና ምስ ርክብ፡ ዝምድና፡ ዝተኣሳሰረ’ዩ። ኩልና ጥዕና ዘለዎ ዝምድና ክንሃንጽ ጽምኣትና ጥልቂ’ዩ። እቲ ሓቂ እዚ ስለ ዝዀነ ኸኣ; ከም ንጽገትን ብሕታውነት ጌሩ ዘፍርሃናን ንልብና ዝሰብር ተመክሮ ሒደት’ዩ። ኣብ ዓራት ሞት ኰይንና ናይ መጨረሽታ እስትንፋስና ክትሓልፍ እናተጸበና፡ በይንና ምዃና የፍርሃና።

ኩሉ ክሓውየሉ ዘለዎ ቁስልን መስበርትን ኣብ ውሽጡ ተሰኪሙ ይኸይድ። እዚ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ካብዚ ተመክሮ ነጻ ዝዀነ ሰብ የለን። ዝበጽሖ ደረጃ ፍልጠት፡ ዝዘገቦ ሃብቲ፡ ብዝሒ የዕሩኽን ብዘየገድ፡ ተመክሮ ህይወት ዘየቋሰሎ ልቢ የለን። ሓጢኣት ናብ ዓለም ካብ ዝኣቱ ኣትሒዙ፡ ኩሉና ደቂ ኣዳም ንቓንዛ ቁልዓትን ተነቐፍትን ኰንና። ካብ ኣካላዊ ቃንዛ ንልዓሊ ስምዒታዊ ቃንዛ ከም ዝኸብድን ሓይልና ከም ዝበልዕን፡ ብዙሕ ጊዜ ኣይነስተውዕሎን ኢና። ካብ ኣጨናቂ ኩነታት ዝብገስ ጸቅጥን ኣሉታዊ ስምዒታትን፤ ንኣካላዊ ቃንዛን ሕማምን ከም ዘቃልዓና ምፍላጥ፤ ደው ኢልናሉ ዘለና ብዕቱብ ክንርእዮ ይገብረና።

ስምዒታዊ ቃንዛ ኣዝዩ እንተጸንኪሩ፤ ንጉዕዞ ህይወት ክንሕጎሰሉ ይኽልክለና። ኣብ ጉዕዞ ህይወት ብዝግባእ ከይንጎይይ ይገብረና። ክንደክምን ክንሕለልን፡ ኣብ መጨረሽታ ኸኣ ንሽንፈት ኣእዳውና ክንህብ ይገብረና። መፈጸምታ ከይንበጽሕ ንድሕሪት ይጎተና። ምስ ሕሉፍ ተመክሮና ኣዝዩ ዝተጠናነገ ምስ ዝኸውን፤ ናይ ምንባር ትርጉም ኣብ ሕቶ ምልክት ከነእትዎ ይገብረና። ኰነ ኢልና መሳልል ሕውየት ክንድይብ እንተዘይመሪጽና፡ ስለ ዝተተምነና ወይ’ውን ምስ ጊዜ ክሓውዩ ኢልና ተስፋ ስለ ዝገበርና፡ ናብ ደሴት ሕውየት ኣይንበጽሕን

ንስምዒታዊ ሕውየት ዝሕጉዝና 5 ንኣሽቱ ምኽርታት እምበኣር
1. ኩሉ ጊዜ ኣብ እ/ሔር ንጀምር

እቲ ቁም ነገር እምበኣር ንዝተሰከምናዮ ቃንዛን መስበርት ብኸመይ ንኣልዮ’ዩ። ታሪኽና ንምንጋር ትብዓት ልቢ ክህልወና ኣለዎ። እቲ ጥበብ ከኣ ኣብ እ/ሔር ክንጅምር ኣለና። ዓይኒ ማያትና ካብኡ ከም ዝዀነ ይሰወጠና። ሱር መሰረትና ንሱ ክኸውን ኣለዎ። ክሰልጠና ኣብ ኩሉ መገድና ንእ/ሔር ከነቋጽሮ፡ ኣብኡ ክንድገፍ፡ ልብና ከነውድቀሉ ኣለና። ሕውየትና ኩሉ ምስ ምትእስሳር ዝተተሓሓዘ ‘ዩ። ጥዕናኡ ዝሓለወ ርክብ መጀምርያ ምስቲ ዘየሕፍር እ/ሔር፡ ብምቅጻል ምስ እንኣምኖ ሰብ ።

እ/ሔር የፍቅረካ እዩ። ነዚ ንምርዳእ ኸኣ ናይ መስቀል ስራሕ ክንርዳእ ኣለና። ኣብ መስቀል ዕዳ ሓጢኣትና ኸፊሉ። “ብቁስሉ ኸኣ ሓዊኹም” ይብልና። እዚ ምሕዋይ ዝብል ኣምር ምስ ምጽጋን፡ ምሕዳስ፡ ዝብል ሓሳብ ዝተኣሳሰረ’ዩ። እዚ ኸኣ ንኹለንትና ዘመልክት ፈውሲ’ዩ። ስለዚ ናይ ፍቅሩ ሓይሊ ክንምኰር ናብ እ/ሔር ንቅረብ።

 “ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቅሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ።

2. ንመንጸግቲ ይኺድ ንሕደጎ:

ንዝምድና ስለ ዝተፈጠርና፤ ከም መንጽግቲ ጌሩ ዘፍርሃና ነገር ሒደት ዩ። ዝተነጸግና ክመስለና ከሎ ዝስምዓና ቃንዛ፤ ምስ ኣካላዊ ቃንዛ ዝበኣሰ’ዩ እንተበልና ምግናን ኣይኰነን። ይብጽሓኒ እንብሎ ሕበረተሰብ ክህልወና ምድላይና መፋጥርትና ‘ዩ። ስለዚ ዝተነጸግና ኰይኑ ክስምዓና ከሎ፡ ጭንቀት ናይ ምዝካር፤ ምሕሳብ፤ ውሳኔ ምግባር ዓቅምና የግድሎ።

መንጸግቲ ካብ ወለድና፡ መጻምድና፡ ኣዝማድና፡ መቅረብና፡ መሓዙትና፡ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ቃንዛኡ ኸኣ ከቢድ’ዩ። ሰብ ክቅበለናን ክሓቁፈናን እንተዘይፈትዩ ከነገድዶ ኣይንኽእልን። እንልውጦ ነገር ከኣ የልቦን። ኣብቲ ኣገጠመና እንህቦ ግብረ መልሲ ግና ኣባና ይውሰን። ንርእስና ከነቅልለና እንተደሊና፡ ንመንጸግቲ ይኺድ ንሕደጎ። ዋጋና ሰብ ብዘርእየና ገጽ ክንመዝና ቅኑዕ ኣይኰነን። ብፍላይ እቲ ልዑል ፈጣሪ ከም ዘፍቀረናን ከም ዝተቀበለና እንተሰዊጥና፡ ሰብ ብዛዕባና ዝህቦ ርእይቶ ግዱ የብልናን። ናብ ጎኒ ዘይኰነ ናብ ላዕሊ ደኣ ንጠምት።

3. ምክሙሳዕ ነወግድ

ሕሉፍ ማህሰይትና ከነከማስዖ ወይ’ውን ከምቲ ደርሆ ንእንቋቁሖ ክሳዕ ዝጫጭሕ ከም እትሓቅፎ ምስ እንሓቅፎ፤ መሊሱ ኣጨናቅን ንሓርቆትና ጓህሪ ይውስኸሉ። ብዛዕባ መጉዳእትና ምሕሳብ፡ ንነገርና ኣብ ሚዛን ከነእትዎን መዕጸዊ ክንገብረሉ ዝሕግዝ’ኳ እንተኰነ፤ ምክሙሳዕ ብኣንጻሩ ንስምዒትና ኣደባን ዩ፤ ኣብ ተወሳኺ ስልሚ ጭንቀት ይተኽለካ። ወልፊ’ውን ክዀነና ይኽእል።

ካብ ቃንዛና ንልዓሊ ተስፋ ኣምላኽ ከነኰማስዕ፡ ንሓሳብና ሕልው ይገብሮ። እዚ ብግልና ክንወስዶ ዘለና መዓልታዊ ምርጫ እዩ። ንዝሓለፍናዮ ተመክሮ፡ ሕማቅ ይኹን ጽቡቅ፡ ንኽሓዶ ማለት ኣይኰነን። ንዕኡ ኣፍልጦ ሂብና፡ ኣብ ፈጣሪ ደርቢና፡ ሓሳብና ኣብ ተስፋ ኣምላኽ ከነውድቅ ግን ምርጫ ኣለና።

“ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ክትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ይሰልጠካ”

4. ውድቀትና ንኣዎንታ ንለውጦ

ምስ ወደቅና ስምዒት ሓገዝ ኣልቦነት ክስምዓና ንርእስና እንተፈቂድናላ፤ ወይውን ንርእስና እንተነቂፍና፤ ወይውን ንሕማቅ ዕድል እንተኣላጊብናሉ፤ ኣብ ርእስና ዘለና ኣጠማምታ የበላሽዎ። ኣብ ክንዲ ገዛእ ርእስና እንነቅፍ፤ ካብ ሕሉፍ ተማሂርና ንመጻኢ ብኸመይ ብዝሓሸ መገዲ ከም እንገብሮ እንተሓሲብና ንጥዕናና ጽቡቅ’ዩ።

ነዚ ጽቡቅ ምሳሌ ዝዀና የስዮፍ ወዲ ያእቆብ’ዩ። የሕዋቱ ዝገበርዎ ዝሓለፎ መሪር ተመክሮ እናዘከረ ክምረር ኣማራጺ ነይርዎ። ንሱ ግና “ንስኹም ንሕማቀይ ሓሰብኩም፡ ኣምላኽ ግና ንጽቡቀይ ሓሰበ” ብምባል፡ ንኣሉታዊ ተመክርኡ ናብ ጽቡቅ ለዊጥዎ። እዚ ኸኣ ብጽእና ዩ።

“እቲ ጻድቅ ሸውዓተ ጊዜ ይወድቅ እሞ ይትንስእ…..። 

5. ስምዒት ገበንነት ክስዕረና ኣይንሕደግ

ድሕሪ ዝኾነ ኣሉታዊ ተመክሮ፤ ገበንነት ክስምዓና ንቡር ዩ። ገበንነት ንህይወትና ክዝውሮን ንድሕሪት ክጎተናን እንተጀምሩ ግና ጸገም እዩ። ብፍላይ ገጽ ኣምላኽ ንርኣይን ንምድላይ ዝኽልክለና እንተዀይኑ ዓቢ ጾር ኰይንና ኣሎ። “ልብና እንተዘይከቀፈና ኣብ ኣምላኽ ትብዓት ኣለና”። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትብዓት ዘለዎ ሰብ ከኣ ንቅድሚት ክምርሽ ሓይሊ ኣለዎ። ነቀፋ ልቢ ከቢድ ዩ።

ኩሉ ጌጋ ይፍጽም። እቲ ቁም ነገር ግን መን ብኸመይ ይስዕሮ። ገበንነት ምስ ሕሉፍ ታሪኽና ይኣስረና። መዓልታዊ እንደገና ክነብሮ ይገብረና። ንቅድሚት ንኸይንስጉም ይሓልከና። ስለዚ ክስዕረና ክንገድፎ የብልናን። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቅሬታ ብምሕታት፡ ርእሰ-ይቅሬታ ክንመሃር ኣለና።

“ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገብረ እንተሎ፡ ጠበቓ ኣብ ኣቦ ኣሎና። ንሱ የሱስ ክርስቶስ እቲ ጻድቅ እዩ።”

6. ትሑት ርእሰ ጠመተ ንምስዓር ማንነትና ንፍለጥ

ኣብ ግዕዞ ህይወትን ንሓልፎን ንገብሮን ንማንነትና ይትንክፎ። እንተ ንጽቡቅ ንምህናጽ፡ ወይውን ንሕማቅ ንምብልሻብ ኣብ ርእስና ዘለና ኣጠማምታ ይትንክፎ። ብፍላይ ብብዙሕ ውድቀትን ዓመጽን እንተሓሊፍና፡ ኣብ ርእስና ዘለና ጠመተ ይሰባብሮ። ስለዚ ናይ ሓቂ ማንነትና ክፈልጦ ኣማራጺ ዘይብሉ መገዲ ሕውየት’ዩ።

ኣነ መን እየ፧ ካበይ መጺአን ወጺአን፧ መወዳእታይ እንታይ’ዩ፧ እንታይ ክእለትን ተውህቦን ኣለኒ፧ ዝብል ሕቶታት ጊዜ ሂብና ብዛዕባ ሓቀኛ መንነትና ክንፈልጥ ክንጽዕት ኣለና። ብዝሓለፍናዮን ብዝገጠመና ገዛእ ርእስና ክንርእዮ የብልናን። ካብ ተመኩሮና ወጺና ንገዛእ ርእስና ንጠምታ። እዚ ድማ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዝውስኸልና ጸዓት ኣለዎ።

“ሓደ’ኳ ብክርስቶስ እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ። እቲ ብሉይ ሓሊፉ፡ እንሆ ኩሉ ሓድሽ ኰይኑ።”