8ተ ምልክታት “ተቆጻጸርቲ ስምዒት”

ጥዕና ዘለዎ ዝምድና፡ ኣብ ምትእምማንን ሓባራዊ ምክብባርን ውሕስነት ዝተሰረተ’ዩ። ነፍሲ ወከፍ ዋጋ ከም ዘለዎ፡ ብዘይ ቅድመ ኩነት ቅቡል ምኻኑን ክስምዖ ኣለዎ። ድሕረ ባይታኡ ብዘየገድስ፡ ህይወቱ ከርኢ ውሕስነትን ትብዓትን ክህልዎ መምዘኒ’ዩ። ድኻም ኩላትና ኣብ ቦታኡ ከሎ፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ርክብ፡ መሰረታዊ ምሳኤኣዊ ጥዑይ ዝምድና’ዩ።

ብዙሕ ጊዜ ቃንዛና ክንገልጽ፡ ካብ ዘይምርድዳእ ክንሞልቅ፡ ሰላሕታዊ መጥቃዕቲ (passive aggressive) ክንጥቀም እንፍትነንሉ እዋናት ሒደት ኣይኰነን። ገዛእ ርእስና ካብ ሃስያ ንምክልኻል፡ ዝወረደና ቃንዛን ሓርቆትን ክንሽፍን፡ ጻዕዳ ሓሶት ብምዝራብ ወይ’ውን ሃሳይ ቃላት ክንድርቢ ንርከብ። እዚ ከምዚ ዝበለ ኣተሓሕዛ ነገራት ግና ንምቅርራብ ወይውን ንምትእስሳር ኣየተባብዕን’ዩ።

መጠኑ ይፈላለ ደኣ እምበር፡ ኩልና ፈተውቲ ርእስና ኢና። ስምዒታዊ ብጽሕናን ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎም ግና፡ ዘይጥዑይ ባህርያቶም ኣለልዮም፡ ይቅሬታ ክሓቱ ኣይሽገሩን። ነገራቶም ንምዕራይ ከኣ ብፍቅርን ሓልዮትን፡ ርክባቶም ከዐንብብ ብዘኽእል መገዲ ይቀርቡ።

ኣብ ግላዊ ዝምድና፡ ምክብባርን ምትእምማን ስምዒት ውሕስነትን ኣገዳስነቶም ዕዙዝ’ዩ። እዚ ኸኣ ኣብ መርዓ፡ ፍቅራዊ ዝምድና፡ ምስ ቤተሰብ ኣብ ዝህልወና ርክብ፡ ምስ የዕርኹትናን መቅርብናን፡ መሳርሕትና፡ ብዘይ ኣፈላላይ ይዓይይ። ብሓደ ኢድካ ከም ምጥቃዕ ዘይኰነ፡ ብኽልቲኡ ወገን ዘለው ተዋሳእቲ፡ ገዛእ ርእሶም ክህብሉ ዘለዎም ኣካይዳ ኰይኑ፡ ስምዒታዊ ብልሓት ይሓትት።

እንተዀነን ግና፡ ስምዒታትና መታን ክጥምዝዙን ንዝውሩን መታን ከታልሉና ዝፍትኑ ኣብ መገዲ ከጓኑፍና ተኽእሎ ኣሎ። ንሳቶም ዘይደልይዎ ከይንብልን ከይንገብርን፡ ሰላሕታዊ መጥቃዕቲ ተጠቂሞም ሱቅ ከብሉና ይፍትኑ።

ምቁጽጻር ስምዒት“፡ ረቂቅን ደብዛዝን ምትላል ዝመልኦ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ምንዋጽን እተዛብዐ ኣተሓሳስባን ክህልወኻ ይገብር። ፍርህን ውርደትን ካብኡ ሓሊፉውን ስምዒት ገበንነትን ሕፍረትን ከም ዝስምዓካ ዝገብር ግሉጽን ኣህላኽን ክኸውን’ውን ይኽእል።

ብኹሉ መዐቀኒ፡ “ምቁጽጻር ስምዒት” ቅቡል ኣይኰነን። ኣብዚ በይነ-ጎናዊ ዝዀነ ርክብ፡ ዝነውሐ ጊዜ ዘፍቀድካሉ፡ ዓቅሚ ተቆጻጻሪ (manipulator) ይስዕርርን ይሕይልን። ድሕሪ ጊዜ ኸኣ ዝተረፈ ጥዑይ ርክብ እናተባሕጎገ ይኸይድ። እዚ “ምቁጽጻር ስምዒት” ዝበሃል ንምትእምማን፡ ቅርበት፡ ምክብባር፡ እናቀጥቀጠ የጥፍኦ እሞ፡ ዘይምትእምማን ምንኽኻስን ክጥጥዕ ምቹእ ባይታ ይፈጥረሉ።

ካብዚ ብምቅጻል እምበኣር 8ተ  ምልክታት “ተቆጻጸርቲ ስምዒት” ክንርኢ ኢና።

1. ንዝተዛረብካዮ ዘረባ ንጥቅሞም ይልውጥዎ

“ተቆጻጸርቲ ስምዒት”፡ ኩሉ ጊዜ ሓላፍነት ክስከሙ ኣይደልዩን። ምስ እትሓቶምን ሓላፍነት ከተሰክሞም ምስ እትፍትን፡ ሕማቅ ወይውን ገበንነት ከም ዝስምዓካ ዝገብር ኣካይዳን ቃላትን ኣለዎም።

ነዚ ባህርይ ዝገልጽ ምሳሌ ንምጥቃስ፡

“ከምቲ ቃል ዝኣተኻዮ ገዛ ዘይምጽራይካ ጽቡቅ ኣይተሰምዓንን” ዝብል ቅቡል ጥርዓን ምስ እተስምዕ፡ “ተቆጻጸርቲ ስምዒት” ኣብ ክንዲ ቅይሬታ ዝሓቱ፡ ምላሾም ኣብ ውሽጥኻ ሕማቅ ስምዒት ዝፈጥር’ዩ። ከምዚ ድማ ይብሉ፡ “ክሳዕ ክንደይ ነገራት ጽዒቁኑ ከም ዘሎ እንተትፈልጥ፡ ከምዚ ኣምበልካን። ሓንሳእ ትኹን ብዛዕባይ ኣትሓስብን፧”

ወይ’ውን ዘይምሉእ ይቅሬታ ብምስማዕ ካብ ሓላፍነት ክመልቁ ይፍትኑ። ከምዚ ድማ ክብሉ ይስምዑ፡ “እወ ሓቅኺ ይቅሬታ። ዋላ’ኳ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ክሰርሕ ኣንተኣምሰኹ።”

ዝህብዎ ይቅሬታ ካብ ሓቂ እንተዘይኰይኑ፡ ወይውን ርእሰ ምክልኻል ብዘስምዕ መልሲ ከቅርቡ እንተፈቲኖም፡ ወይውን ስምዒተ ገበንነት ከም ዝስምዓካ እንተጌሮም፡ ስቅ ኢልና ክንሓልፎ ግቡእ ኣይኰነን። እንተዘይኰይኑ እዚ ባህርይ ክቅጽልዎ ነተባብዖምን ነደፋፍሮምን ኣለና። ስለዚ ምሉእ ሓላፍነት ክስከሙ ክንገብሮም ንእንሃንጾ ዝምድና ጥዕና ይህቦ።

2. ሓደ ንገር ይብሉ እሞ፡ ጸኒሖም ይኽሕዱ

“ተቆጻጸርቲ ስምዒት” ንዝሓተትካዮ ሕራይ ክብሉን መብጽዓ ክኣትዉን ይኽእል’ዩም። ዝፍጽምሉ ጊዜ ምስ መጸ ግና ይርስዕዎ። ዝተዘገበ ነገር እንተዘይሃልዩ፡ ክትረዖም ኣይትኽእልን። ንፉዕ ተቆጻጻሪ ስምዒት፡ ንዝተዘርበ ንዕኡ ናብ ዝጥዕሞ ናይ ምጥዋይ ዓቅሙ ልዑል’ዩ። ከም ትርስዖ ክገብሩኻ ይፍትኑ። ዓቅሊ ተጸንቅቅ ሰብ ምዃንካ ክረድኡኻ፡ ከባጭውሉካ ከኣ ይፍትኑ። ንዓታቶም ዝተዋህበ መብጽዓ ምስ ዘይፍጸም ግና ቦረዀዳ ብዕራይ ክሰብሩ ክሳዕ ዝደልዩ ኣዝዮም ይቁጥዑ። ንሳቶም በጻብዖም ዘይትንክፍዎ ጾር ንኻልኦት ከሰክምዎ ምንም ኣይመስሎምን።

ኣብ ዝምድናና ከምዚ ዝበለ፡ ከም ሰፍኢ ዝገላበጥ እንተገጢሙና፡ ዝተባህለና ምስ ዕለቱን ጊዚኡን ንጽሓፎ። ኣብ ውሑስ ቦታ ከኣ ነቀምጦ። ከምዚ ምግባርና “ንተቆጻጸርቲ ስምዒት” ከሕርቆምን ንዘለካ ምትእምማንን ኣብ ሕቶ ምልክት ከእትውዎ ይኽእሉ’ዮም። ንደሓር ግና ንዝኣተውዎ መብጽዓ ከም ዘይክሕዱ ይገብሮም። ዕትቡነትካ ርእዮም ከኣ ካብ ከምዚ ዝበለ ሃሳይ ባህርይ ክምለሱ ክሕግዞም ይኽእል’ዩ።

3. ብስምዒት ገበንነት ሓንኪሎም ክቆጻጸሩኻ ይፍትኑ።

እዚ እቲ ዝረቐቀ መሳርሒ ናይዞም “ተቆጻጸርቲ ስምዒት” እዩ። ድኹም ጎኒ ስምዒታትካ ፈሊጦም እናሰርሰሩ፡ ኢድካ ከም እትህብን ኣብ ትሕቲ ቀይዶም ከም እትኣቱ ይገብሩኻ።

“ኣነ ክዳን እናሓጸብኩ፡ ብዘይ ብኣይ ናብ የዕርኹትኻ ክትከይድ እንተገይሩልካ ደሓን ኪድ።”
“መቸም ኩሉ ብዛዕባኻ እዩ። ኣተዓባብያይ ከመይ ምዃኑ እንተትፈልጦ፡ እዚ ትብሎ ዘለኻ ኣይምሓተትካንን”።
“ሓዳሽ መኪና ክንገዝእ ዓቅሚ የብልናን። ኣብ ህይወተይ ሓዳሽ መኪና ከይረኣኹ ክነብር’የ። በዛ ዘላትኒ ዓካስ መኪና ክነብር’የ። ንጽቡቅ ኣይተዓደልኩን።”

“ተቆጻጸርቲ ስምዒት”፡ ከመይ ጌሮም ብግዳያዊ ኣተሓሳስባ ንሰብ ከም ዝወግኡ ጽቡቅ ኣፍልጦ ኣለዎም። ገበንነት ከም ዝስምዓና ጌሮም፡ ብጭልፋ እናቐድሑ ድሌቶም ክረኽቡ ይጽዕቱ። ብፍላይ ርሕሩሕን ተነቃፍን ልቢ እንተረኺቦም፡ ዝዀነ ኢሎም ድሌቶም ክረኽቡ ፋሕተር ይብሉ።

እምበኣር እዞም ከምዚ ዝበሉ ከቢድ ጾር ገበንነት ዘሰክሙ ሰባት፡ ኣብ መፈንጣራኦም መታን ከይንወድቅ ከነለልዮም ይግብኣና። ናብቲ ዘይንጡፍ ግን ከኣ መታለሊ ጠላባቶም ከይንወድቅ ንጠንቀቅ። ውሳኔናን ተግባብሮናን ፈጺሙ ከም ዘይትንክፎም ንገሮም።

4. ንሽግርካን ወይውን ጸገምካ የነኣእስዎ

“ተቆጻጸርቲ ስምዒት”፥ ንነገራቶም እንተዘይ ኣዳሚቅሎም፡ ብዛዕባ ጸገምና ግዲ የብሎምን። ኩሉ ኣብ ናቶም ዓለምን ድሌቶም ክዘውር ይደልዩ። ናቶም ነገር ብምትዕብባይ፡ ናትካ ከም ዘጠቅምን ንእሽቶ ጌሮም ከቅርብዎ ይፍቱኑ።

“እዚ ሎሚ ዘጋጠመካ ትራፊክ ኢልካ ዲኻ ሓሲብካዮ፧ መዓልታዊ ብኸመይ ትራፊክ ከም ዝሓልፍ ሓሲብካ ትፈልጦ፧ ንዓይ ዓመት ምሉእ’ዩ ዝገጥመኒ። ስለዚ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ስለ ዝገጠመትካ ኣመስግን።”
“ምስ ኣዴኻ ምብኣስካ ሕማቅ ረኺብካ። ግን ከኣ ኣደ ስለ ዘላትካ ኣመስግን። ኣደይ ካብ ትመውት ጊዜ ኣቁጺሩ ኣሎ። ብህይወታ ከላ ከማን ካብዚ ናትካ ንልዓሊ ንበኣስ ኔይርና። ኣደ ዘላትኒ ኰይኑ ከማን ኣይስምዓንን ነይሩ”።

እዞም ተቆጻጸርቲ ስምዒት፡ ንዘረባ ከምይ ጌሮም ከም ዝግልብጥዋ ኣፍልጦ ኣለዎም። ስስዑን ተሕዝን ሰብ ከምስሉኻ ይፍትኑ። ንኣንነቶም ፈጺሞም ኣፍልጦ ኣይህብዎን።

ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ክትገብሮ ትኽእል ነገር ብዙሕ የለን። ብዘይካ ክትርሕቀሎምን፡ ካልኦት ሓለይትን ደንገጽትን ብጹሓት መሓዙትን ኣዕሩኽን ክትረክብ ሃሰው ክትብል’ዩ ዘለካ። ተመሊሱ ንዝረግጾን ዱጭዱጭ ንዝብለሉን ሰብ ገዛእ ርእስኻ ቅሉዕ ኣይትግበር።

5. ብሕጓ ስምዒት ይኣትዉ

ኣብ ክንዲ ቀጥታውን ጋህዲ ዘረባ ዝዛረቡ፡ ሰላሕታዊ መጥቃዕቲ ጌሮም ንግሩህ ዝርርብ ንጎኒ ይደፍኡ። ብድሕሬኻ ምዝራብ ልማድ ኣለዎም። ወይውን ከም ገባር ክፉእ ከይቁጸሩ ብምስጋእ ካልእ ክዛረበሎም ይገብሩ።

ንምሳሌ ምሳኻ ዘለዎም ጸገም ኣብ ክንዲ ንዓኻ፡ ብዝቀርበካ ዓርክኻ ጌሮም ዘረባኦም ክበጽሓሎም ይደልዩ። ከም ዝድግፉኻ ይዛረቡ፡ ተግባብሮም ግና ኣንጻር ቲ ዝዛረብዎ ይኸውን።
ብዛዕባኻ ከም ዘይተሓጎሱ ብዘይ ንጥፉን ዘይፍሉጥን መገዲ የርእዩኻ። እዚ ኸኣ ሻንፈቶም ብምጅላዕ፡ ዱጭዱጭ ብምባል፡ ስቅታዊ ኣተኣላልያ ብምርኣይ ክገብርዎ ይፍትኑ።

ሰላም ኣእምሮኻ ሕሉው ንኽኸውን፡ ዝገብርዎ ከተፍልጦም ጽቡቅ’ዩ። ርእሰ ምክልኻል ከርእዩ ወይውን ክሓርቁ ዓቢ ተኽሎ ኳ እንተሃለወ፡ እንተወሓደ ከም ዝተዓዘብካዮም ክፈልጡ ብዙሕ ከይቅጽሉ ይገብሮም።

6. ኣብ ገዛ ዘሎ ሕጉስ መንፈስ ይዝርጉ

“ተቆጻጸርቲ ስምዒት”፡ ናብ እኩብ ክጽንበሩ ከለዉ ምስኦም ጎቲቶሞ ዝኣትዉ ጸልማት ጣቃ ኣሎ። ኣቃልቦ ናብኦም ክኸውን ስለ ዝደልይዎ፡ ‘ተሓሪቆም፡ ‘ተዘይተሓጊሶም፡ ‘ተተፈልዮም፡ ኩሉ ሰብ ክፈልጠሎም ይደልዩ።

ንስምዒታቶም ከሳንዩ እሞ ደሓን ከም ዝስምዕዎም ክገብሩ፡ ብዙሕ ዝጨናነቁ ኣለው። ደሓን ዲኻ፧ ገለ ሕማቅ ጎኒፍካ ድዩ፧ እንታይ ጌጋ ዝተገበረ ኣሎ’ድዩ፧ ክብሉ ዝሓትዎም ኣለው። እዚ ኸኣ ንተቆጻጸርቲ ስምዒት ምቹእ ባይታ’ዩ። ንተነቀፍትን ርሑርሓት ሰባት፡ ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ኣብ ሓደ ገዛ ምኻን የድርቆምን ምዛን ምህላዎም ከም ዝስሕቱ ይገብሮም።

ካብ ሓይልኻን ኣቃልቦኻ ንተቆጻጸርቲ ስምዒትን ትህብ፡ እንተኽኢልካ ገዛ ሓዲካሎም ውጻእ። እንተዘይኰነ ኣቃልቦኻ ኣብኦም ኣይትግበር። ክመቲ ቆልዓ እንተበኽዩን እንተረብሹን ጥራይ ኣቃልቦ ዝወሃቦ እንተመሲልዎ፡ ምብካይ ኣብ ኩሉ ክጥቀመሉ ዝፍትን፡ ተቆጻጸርቲ ስምዒት ከኣ ከምኡ ይገብሩ። ስለዚ ኣብ መፈንጠራኦም ዘይምእታው። ስርዓት ክመሃሩ ንከቢድ ገጾም ኣቃልቦ ዘይምሃብ።

7. ጎነጽ ወይውን ቁጥዓ ይጥቀሙ

“ተቆጻጸርቲ ስምዒት” ጎናጻዊ ቃላት፡ ረቂቅ ምግቡዕባዕ፡ ርኡይ ሓርቆት ብምጥቃም ካልኦት ከፈራርሁ ይፍትኑ። ብፍላይ ምስ ገታር ሰብ ዘይምቹእነት ከም ዝስምዓካ እንተፈሊጦም፡ መታን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከእትዉኻ ኣዘውቲሮም ይጥቀምሉ።

ገሊኣቶም ቀልጢሞ ጣዕ ጣዕ ይብሉ። ገሊኣቶም ድምጾም ዓው ብምባል ነገራቶም ክስማዓሎም ይደልዩ። ገሊኦም ማዕጾ ብሓይሊ ገም የብሉ። እዚ ኹሉ ከኣ ነገራት ከም ድሌቶም ክዀነሎም ስለ ዝደልዩ’ዩም።

ከምዚ ክገብሩ ከለዎ ቅቡል ከም ዘይኰነ፡ ምቹእነት ከም ዘይስምዓካ ንገሮም። ከምዚ ምግባርካ ንጎነጽ ኰነ ሓርቆት ዘጋድዶ እንተዀይኑ ብኣካል ካባታቶም ርሓቅ። ንቀጻሊ ከምኡ እንተጌሮም፡ ዝደልይዎ ከም ዘይረኽቡን ከም ዘይትምልሰሎም ብግቡእ ኣጠንቅቆም።

8. ንተነቃፊ፡ ዘይተኣማመን፡ ካብ ዓቀን ንልዓሊ ንዝኣምን ይደልዩ

“ተቆጻጸርቲ ስምዒት”፡ መታን ክብዝብዝዎ፡ ድኻም ሰብ ሃሰብ ይብሉ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፡ ዝምድናታቶም ብቀሊሉ ክዝውርዎም ምስ ዝኽእሉ ሰባት ይገብሩ።

መሐጎስቲ ሰባት ዝዀኑ፡ መሰረት ምትእምማኖም ሰንኰፍ ዝዀነ ሰባት ብቀሊሉ የለልይዎም። ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ከም ዝጽግዑ ከኣ ይገብርዎም። መጀመርያ ክቀርቡኻ ከልው ከም ሓለይትን ርሕሩሓትን ብምምሳል ናይ ሓቂ ሃቀናኦም ይሽፍኑ። ምስ ጊዜ ግና ብረቂቅ መገዲ ስምዒት ሰባት ይብዝብዙ።

ኣዚኻ ለዋህን ወሃብን እንተዀንካ፡ ግዳይ ናይዞም ከምዚ ዝበሉ ሰባት ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ባህርያኦም ካብ ርሑቅ ከተለልዮ ብምስትውዓል ተመላለስ።
ምስ ከምዚ ዝበሉ ሰባት ድሮ ዝምድና እንተሃልዩካ፡ ከተንሳሕብ ክኸብድ ይኽእል’ዩ። ክሕግዙኻን ከማኽሩኻን ዝኽእሉ ሰባት ክትረክብ ጽቡቅ መፍትሒ ኽኸውን ይእኽል’ዩ።