ኣብ ሓይሊ “ይቅሬታ” ዝርከብ ምንጋፍን ምሕዋይን

ሰብ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ብብዙሕ ኣሉታውን ኣውንታውን ተመኩሮታት ይሓልፍ። ኣሉታዊ ተመኩሮታት ኣብ ህይወቱ ዝገድፎ ስምብራትን ኣሰርን ድማ ብዙሕ’ዩ። ንቅድሚት ገጹ ከይስጉም፡ ሕሩፍ ተመክርኡ ማሕለኻ ዝዀነ ብዙሕ ሰብ ኣሎ።

ብሓቂ ናብ ፍጻሜ ክንሓል እንተደሊና፡ ኣብ “ይቅረ ምባል” ዘሎ ሓይሊ ክርድኣና ኣለዎ። ይቅረ ንምባል ልብና እንተኸፊትና፡ ስልጣን መንግስቲ ኣምላኽን ሓይሊ ተኣምራቱን ኣብ ኩሉ ናብራና ክንምከሮ ይቀልል። መሳኹቲ ሰማይ ተሪሑ፡ ብጠሊ ሰማያዊ በረኽት ነንጀርብብ። ማቴ6:14-15 ማቴ 18፡21-25 ማር11:25

ማቴ5:23-24 “እምብኣር መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሀዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ እንተ ሐሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ዳሓር ድማ ተመሊስካ ማባእካ ኣቕርብ። ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ። እንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ ፈራዲውን ንጊልያኡ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ኣኣቱ።

“ይቅረ ምባል” እንታይ ማለት እዩ፧ ብዙሓት ሰባት ይቅረ ምባል እንታይ ምዃኑ፡ ከመይ ኢሎም ይቅረ ክብሉ ከም ዘለዎም ብዙሕ ዝፈልጡ ኣይመስሉን። ክንዝክሮም ዘለና ኣገደስቲ ነጥብታት ብዛዕባ “ይቅረ ምባል” እምበኣር፡

1. ይቅረ ምባል ማለት “ምርሳዕ” ማለት ኣይኰነን

ሰባት ኣባታቶም ዝወረደ ክርስዕዎ ይፍትኑ። ብፍጹም ዝከኣል ግን ኣይኰነን። ከም ኣበሃህላ ቋንቋ እንግሊዝ፡ “ይቅረ በለ፡ ረሰዓዮ (forgive and forget)”፡ ዝብል ኣዘራርባ ቅኑዕ ኣበሃህላ ኣይኰነን። ኣጆኻ ምስ ጊዜ ክርሳዕ ‘ዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ። ክሳዕ ክንደይ ክንርስዖ ፈቲንና ብዘየገድስ፡ ኩሉ ጊዜ ክንዝክሮ ምኻና ምፍላጥ ካብ ዘይተደልየ ምንዋጽ የድሕነና።
ኣብ እብ10:17 “ደጊም ሓጢኣቶምን ኣበሳኦምን ኣክዝክርን እየ” ክብል ከሎ፡ እቲ ኩል ዝፈልጥ ፈጣሪ ፈጺሙ ይርስዖ ማለት ኣይኰነን። “ኣይዝክርን” ማለቱ ናይ ሕሉፍ ሓጢኣትና፡ ንሕጂ ክኸሰና ኢላ ፈጺሙ ኣይጥቀመሉን ማለት’ዩ። (መዝ103:12) ሓንሳእ ይኺድ ዝሓደጎ፡ እንደጋ ምኽንያት ኣይገብሮን’ዩ።

“ምርሳዕ” ማለት ይኺድ ምሕዳግ ማለት’ዩ። ዝተበደልናዮ ይኺድ ሓዲግና፡ ኣምላኽ ኣብ ልብና ክነግስ ከለና ዝከናወን ሓቂ’ዩ። ናይ ሕሉፍ፡ ብፍላይ ዝተጎዳእናዮ ይኺድ ንሕደጎ። ይቅረ ክሳዕ ዘይበለና፡ ይኺድ ዘይሓደግናዮ፡ ዝበደሉናን ዘቁሰሉናን መመሊሶም ክጎድኡና ስልጣን ምሃብ’ዩ።

2. ይቅረ ምባል ምርጫ ደኣ እምበር ስምዒት ኣይኰነን

እ/ሔር ይቅረ ክንብል ስለ ዝተኣዘዝና፡ ይቅረ ንኽንብል ዓቅሚ ከም ዘለና ንፍለጥ። ክንገብሮ ዘይንኽእል እ/ሔር ኣይሓተናን’ዩ። ዘይንኽእሎ ምሕታት ባህርያኡ ኣይኰነን።
“ይቅረ ምባል” ኣንጻር ስምዒታትናን መጉዳእትናን ክንምርሽ ስለ ዝስሕበና፡ ክንትግብሮ ከቢድ ኰይኑ ክስምዓና ባህርያዊ’ዩ። “ይቅረ ምባል” ንስምዒታትና መጉዳእትናን ምርሳዕ’ውን ኣይኰነን። መብዛሕትኡ ጊዜ “ይቅረ ክንብል” ከይስምዓና ተኽእሎ ኣሎ። ይቅረ ክንብል ግና ክንመርጽ ኣለና። ከምቲ ጎይታ ክንጽሊ ዝመሃረና፡ “ከምቲ ንኻልኦት በደሎም ዝሓደግናሎም” እንብል፡ መታን ክጥዕመና ይቅረ ክንብል ክንመርጽ ጽቡቅ’ዩ።  ብኣና ዝመጸ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክንነብር ስለ ዝግብኣና፡ እቲ ምርጫ ኣባና’ዩ። ይቅረ ክንብል ክንመርጽ ከለና ዝደኸምና ክመስለና ዝከኣል’ዩ። ብ ኣንጻሩ ግና ይቅረ ምባል ናይ ብርቱዓትን ቆራጻትን ውሳኔ’ዩ።

ተጎዲእና ክነስና እ/ሄር ስለምንታይ ይቅረ ክንብል ይሓተና፧ ዝብል ሕቶ ኣብ ሓሳብና ክንሳፍፍ ንቡር’ዩ። እዚ ኸኣ ክንፍወስ፡ ሰማያዊ ሓይሊ ክንጥዕም ስለ ዝደልየና’ዩ። ንቁስልና ክዝንን፡ ዝተሰብረ ልብና ክጽግን እንተዀይኑ፡ ብመንፈሱ ኣብ ውሽጥና ክሰርሕ፡ ይቅሬታ ናይ መጀመርያ ስጉምቲ’ዩ።

ዝተጎድአ ስምዒታትና ብሽዓ ክሓዊ እ/ሔር ኣይጽበየናን። ዋላ’ኳ ከምኡ ክገብር ተኽእሎ እንተለዎ፡ መታን ኣብኡ ክንድገፍ፡ መታን ክንኣምኖ፡ ብመስርሕ ይገብሮ። ዝተጎድአ ስምዒታትና መቁሰልትና ይፈልጥን ይርዳእን። ፈቃርን ደንጋጽን ስለ ዝዀነ፡ መታን ክበጽሓናን ክሕግዘናን ድሌት ኣለዎ።

ቅልጡፍ ዝኰነ ስምዒታዊ ፈውሲ እንተዘይረኺብና፡ እ/ሔር ቅር ኣይብሎን። ይቅረ ክንብል ክንመርጽ፡ ንዝጎድኡናን ንመጉዳእትናን ሓላፍነት ክወስድ ክንኣምኖ ፍቃድ ክህልወና ግና ይደልየና። ክንድቲ ዘፍቀድናሉ ከኣ፡ ስሌና ክጣበቅ፡ ብመንፈሱ ክፍውሰና፡ ድልው’ዩ።

3. “ይቅረ ምባል” ነቲ ገበን ዝገበረ ነጻ ምውጻእ ማለት ኣይኰነን

“ይቅረ ምባል” ንርእስኻ ሓራ ምግባር ደኣ እምበር፡ ንዝበደለ፡ ዝገበሮ በደል ብዘየገድስ፡ ነጻ ንምግባር መገዲ ምቅያስ ኣይኰነን። ስለቲ ዝገበሮ በደል፡ ዋጋ ዓስቡ ንምርካብ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኰነ ኣብ ቅድሚ እ/ሔር ክቀርብ ናይ ግድን’ዩ።

ኣንጻር ኣንፈት ብዛዕባ “ፍትሒ” ዘልና ምርዳእ ስለ ዝስሕበና፡ ብዙሕ ጊዜ ይቅረ ክንብል ይኸብደና። ስለ ዝተበደልናዮ ከኣ፡ ሰብኣዊ ባህርያትና ሕነ ክንፈዲ ይቀስበና። ሕነ ናብ ምፍዳይ ገጽና ንዛዙ። ንነገራት ኣብ ኣእዳውና ክነሕውዮም ግና ክንፍትን የብልናን።

ሮሜ12:9 “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።” ሕነ ምፍዳይ መሊሱ ይጎድኣና እምበር ዝቅይሮ ነገር የልቦን። ካብ “ፍትሕን ሕግን (justice) ዘምልጥ የልቦን። እቶም ዝበደሉና ስለቲ ዝገበርዎ ዝሕተቱላ ሰዓት ስለ ዘላ ኣይንፍራህ። ስለ ነገርና መሰልናን እ/ሔር ክጣበቅ ክንሓድገሉ ኣለና።

ይቅረ ክሳዕ ዘይበልና፡ ምስቲ ዝበደለና ሰብ ዘላግበና ሰንሰለት ኣይተበትከን። ስለዚ ህይወትና ክዝውሮ፡ ናብ ዝደለዮ ክስሕበና ነፍቅደሉ ከም ዘለና ንፍለጥ። ብሕሉፍ ስለ ዝተኣሰርና፡ ናብ ቅድሚት ናይ ምኻድ ዓቅምና ሒደት ይኸውን።

“ክሳዕ ክንደይ ከም ዝበደለኒ፡ ቃንዛ ከም ዝፈጠረለይ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ ክንብል ንኽእል ኢና። ሓቂ’ዩ! ቃንዛና ካልእ ክርድኦ ኣይክእልን’ዩ። እንተዀነ፡ ነቲ ሰብ ኢልና ዘይኰነ፡ ንርእስና ክንብል ይቅረ ክንብል ኣለና። ሓራ መታን ክንከውን፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብዘይ ምኽልካል መታን ክሰርሕ፡ ይቅረ ክንብል ኣለና። ይቅረ ናይ ምባል ጉዳይና፡ ኣብ መንጎናን ዝበደለና ሰብን ዘይኰነ፡ ኣብ መንጎናን እ/ሔር’ዩ። ይቅረ ኢልና ይኺድ ምስ እንሓድጎ፡ ቃንዛና ንእ/ሔር ምስ እንህቦ፡ ቃንዛን ድያብሎስን ኣባና ዘለዎም ሓይሊ ይደክም።

4. “ይቅረ ምባል” ምስ ሳዕቤን ሓጢኣት ክንነብር ምስምማዕ ማለት’ዩ።

“ይቅረ ምባል” ዋጋ ዝሓትት ምኻኑ ብምፍላጥ; ብምርዳእ ክንገብሮ ኣለና። ይቅረ ክንብል ክንውስን ከለና፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፡ ምስቲ ኣብ ልዕሌና ዝወረደ ሳዕቤን ክንነብር ንሰማማዕ ኣለና ማለትዩ። እንተ ብምረት ወይስ ይቅረ ምባል፡ ምስ ሳዕቤን ዝወረደና በደል ክንነብር ምዃና ርዱእ’ዩ። ፈቲና እንተገበርናዮ ግና ስምዒታዊ ጥዕናና ሕልው ይኸውን። ንምሳሌ፡ ሰኺሩ ዝዝውር ዝነበረ መራሕ መኪና ሃሪሙና ምስ እንስንክል፡ ሳዕቤን ናይቲ ሓደጋ ኩሉ ጊዜ ተሰኪምናዮ ክነብር ናይ ግድን’ዩ። ብዛዕብኡ ዘለና ስምዒታዊ ምላሽ ግና ኣብ ውሳኔና ይግደፍ። ይቅረ ክንብል ከለና: ዝሓለፈ ንቅይሮ ነገር የልቦን። ንዝመጽእ መገድና ግና ጥጡሕ ባይታ ንገብር። ምስ ኣምላኽን ምስ ገዛእ ርእስና ብሰላም ክንነብር መታን፡ ሳዕቤን ዝተበደልናዮ ንጎኒ ገዲፍና፡ ቅሓር ነፍሲ ዝዀነና ይኺድ ንሕደጎ።

5. ይቅረ ኢልና ማለት ነቲ ዝበደለና እንደገና  ክንኣምኖ ንመርጽ ኣለና ማለት ኣይኰነን።

ይቅረ ምባል ትእዛዝ ስለ ዝዀነ ክንገብሮ ኣለና። ምርጫ’ውን የብልናን። ብፍላይ ዝተጎድአ እንታይነትና ክፍወስ እንተዀይኑ፡ ይቅረ ክንብል ምርጫና ክኸውን ኣለዎ። ይቅረ ኢልና ማለት ግና ነቲ ዝጎድኣና ሰብ እንደገና ኣሚንና፡ ቀረባና ንገብሮ ኣለና ማለት ኣይኰነን። ይቅሬታ ብቅጽበት ዝፍጸም ኰይኑ። እንደገና ምትእምማን ግና ጊዜ ዝወስድ፡ ብመስርሕ ሓሊፉ ዝህነጽ ክፋል ዝምድና’ዩ። ንዝጎድኣና ሰብ እንደገና ክንኣምኖ (trust) እንተዀይኑ፡ ጽዒሩ ክረኽቦ ክንገድፈሉ ኣለና። ይቅረ ስለ ዝበልናሉ፡ እንደገና ክንኣምኖ ኣብ ልብና ቦታ ንህቦ ኣለና ዝብል ምርዳእ፡ እንደገና ገዛእ ርእስና ንተወሳኺ መጉዳእቲ ምቅላዕ እዩ። ስለዚ ኣብ መንጎ ይቅረ ምባልን ምትእምማንን (trust) ዘሎ ዓቢ ሃጓፍ ክንርድኦ ኣለና።

መደምደምታ

የሱስ ሳዕቤን ሓጢኣትና ኣብ መስቀል ተሰኪምዎ’ዩ። ንኹሉ ዕዳና ብስጋኡ ከፊልዎ። ብደሙ ኸኣ ሕደገት ሓጢኣት ረኺብና። ስለዚ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝተሓድገልና ኩሉ ጊዜ ክንዝክር ኣለና። ትእዛዝ ኣምላኽ’ውን፡ ከምቲ ክርስቶስ ይቅረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ይቅረ ተበሃሃሉ ‘ዩ። ኤፌ4:32 ይቅረ ናይ ምባል ዓቀንን ዓቅምን፡ ብቀጥታ ምስቲ ካብ ክርስቶስ ዝተቀበልናዮ ይቅሬታ ዕምቆት ምርዳእ ይዛመድ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንብዙሓት ናብ ንስሓ ዝመጹ ኣብነት መታን ክኸውን ምሕረት ከም ዝረኸበ ተዛሪቡ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብ ይቅሬታን ሕምረትን ዝነበሮ ምርዳእ ኣጉሊሑ የርእየና። እዚ ኸኣ ብጽእና’ዩ። ንሕና’ውን ይቅረ ክንብል ክንመሃርን ክንለማመድ ኣለና።

“ኣነ ቐደም ጸራፍን ሰጓጕን ገፋዕን ነይረ ኽነሰይሲ፡ ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበርክዎ፡ ምሕረት ረኸብኩ። ጸጋ ጐይታና ምስቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ። ክርስቶስ የሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ። ግናኸ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዚኣምኑ ንኣርኣያ ዅሉ ትዕግስቱ ቕድም ኣባይ ምእንቲ ኼርኢ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ።” 1ጢሞ1:13-16

ማቴ6፥14-15 ንሰብ በደሎም እንተ ሐደጉምሎም፡ ንኣኽእትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሀድገልኹም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ።