የሱስ፡ ብሉጽ ምሳሌኣዊ ስምዒታዊ ብጽሕና (3ይ)

ምድራዊ ጉዕዞ የሱስ፡ ብዙሕ ስምዒታት ዝተፈራረቆ ነይሩ። የሱስ ምሩጽ ምሳሌና ስለ ዝዀነ፡ ካብ ዝነበሮ ሰብኣዊ ባህርይ ብዙሕ ንመሃር። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ክፋላት; የሱስ ብዝግባእ ዝገለጾ ስምዒታት ጽሒፈ ኣለኹ። ኣብኡ ብምህናጽ፡ የሱስ ዝነበሮ ስምዒታዊ ድርኺትን፡ ኣብ መጨረሽታ ምድራዊ ጉዕዝኡ ዝተመከሮ ስምዒታት ክገልጽ’የ።

  • ድሕሪ ስምዒታቱ ዘሎ ድርኺት

ናይ ክርስቶስ ስምዒት ምእንቲ ካልኦት ኩሉ ሳዕ መሊኡ ምስ ፈሰሰ’ዩ። ከምቲ ሓደ ጸሓፊ ዝበሎ፡ “የሱስ ብዛዕባ ብዙሕ ነገር ዝጉሂ ሰብ ምንባሩ እፈልጥ’የ። ጓሂኡ ግና ስለቲ ዝወርዶ ዝነበረ መከራ ዘይኰነ፡ ብዙሓት ንሓቂ ስለ ዝነጸጉ፡ ብምገዶም ናብ ጥፍኣት የምርሑ ስለ ዝነበሩ ዝስምዖ ዝነበረ ቃንዛ’ዩ። ኣብ መገዲ ወዲቆም ክርእዮም ከሎ ኣዝዩ ይጉዳእ ነይሩ።

የሱስ “ስምዒታቱ ዝገለጸለን” ኣጋጣሚታት ተመሊስና እንተመርሚርናየን፡ ስለ ዕዮ ኣምላኽ ብድንጋጸ ተመሊኡ ንርእዮ። መንፈሳዊ ድኽነት ርእዩ ኣዝዩ ሓዚኑ። ሰባት ከም ኣባጊዕ ብዘይ ጓሳ ፋሕ ኢለን ምስ ረኣየ ቃንዛ ተሰሚዕዎ። ኣብ ዝኸዶ ደድሕሪኡ ተጓዒዞም ከም ዝጠመዮ ምስ ረኣየ ስምዒቱ ገንፊሉ። እዚ ኸኣ ዝነበሮ ስምዒታዊ ጥዕና የብርሃልና። ስጋዊ ፈውሲ ከም ዘድልዮም ምስ ረኣየ፡ ብድንጋጸ ባሕሪ ከብዱ ተናዊጹ። ሕሙማት ምስ መጽዎ፡ ከም ዘይረኣዮም ኢዱ ኣጣሚሩ ስቅ ከይብል፡ ስምዒቱ ምኽኣል ኣብይዎ።

ፈሪሳውያን ነቶም ዝስዕብዎም ዝነበሩ ህዝቢ ዝገብርዎም ርእዩ ጉህዩ። ብቁጥዐ ኸኣ፡ ብኩርማጅ ቃላቱ ዘሊፍዎም። ቤት ኣብኡ፡ ቤት ሸቀጥ ኰይና ምስ ረኣያ ተቆጢዑ። ቆልዑት ናብኡ ከይመጹ ስለ ዝተኸልከሉ ሓዚኑ። ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ፡ ፈርሳውያንን ገለ ካብ ደቀ መዛምርቱን እምነት ጎዲልዎም ምስ ረኣየ በኽዩ።

ኣብኡ ዝገብሮ ዝነበረ ስራሕ፡ ንትሑታት ዝገለጾ ምስጢር ርእዩ ተሓጊሱ። ናይ እ/ሔር ዕላማ ንደቂ-ሰባት ተረዲኡ፡ ኣብ ቤት መቅደስ ኰይኑ ዓው ኢሉ ጨዲሩ። ናይ መጨረሽታ ፋሲካ ክፋስግ ዝነበሮ ሃንቀውታን ድሌትን ገሊጹ። ንባዕለይ ከይበለ፡ ንሰብ ዝጠቅም ጥራይ ብምሕሳቡ ተሓጊሱ።

እዚ ድማ ‘ዩ ሕመረት ስሞዒታዊ ብጽሕናኡ። ስምዒታዊ ብጽሕና፡ ደረቱ ካብ ንርእስኻ ንምህናጽን ንምሕዋይን “ምውሳድ” ጀሚሩ፡ ክሳዕ ካልኦት መታን ክህነጹን ክዕረዩን፡ ብኸምኡ ብልግሲ “ምሃብ” ይዝርጋሕ። ናይ የሱስ ስምዒታዊ ጥዕና ኸኣ ብሰፊሕ፡ ደረት ኣልቦ ብዝዀነ መገዲ ይገልጽ። ብፍላይ እኳ ደኣ “ምብሃብ” ዝብል ኣምር፡ ኣብ ህይወቱ ጎሉሑ ንርእዮ። ኣምላኽነቱ ገዲፉ፡ ርእሱ ባዶ ካብ ምግባር ይጅምር። እዚኸኣ ዝለዓለ መግለጺ ፍቅሩ’ዩ።

ሰባት ክህቡ ክመሃሩ ኣለዎም። “ምሃብ”፡ ትመሃሮ መግለጺ ብጽሕና’ዩ። ስምዒትካ ምልምማድ፡ ስምዒትካን ድርኺትካን ምቁጽጻር፡ ናብ ትኽኽል ኣንፈት ምምራሕ የጠቃልል። ትኽክል ኣንፈት ክንብል ከለና ብመገዲ ሕጋጋት እ/ሄር ማለትና’ዩ። መገዲ እ/ሔር ከኣ ፍቅሪ’ዩ። ሰረት-ሕጊ ፍቅሪ ኸኣ ካብ ንዓይ ንብጻየይ ዝብል’ዩ። ፊሊ2:3

  • ናይ መጨረሽታ ስምዒታዊ ገድሊ

የሱስ ምርድራዊ ጉዕዝኡ ክውድእ ክቀርብ ከሎ፡ ብርቱዕ ዝዀነ ስምዒታዊ ቃልሲ የሕሊፉ። ዝወርዶ ብርቱዕ; ዕቱብ፡ ሰብኣዊ ቁጥዓን መግደአራን ተረዲኡ፡ ስምዒታዊ ምላሽ ሂቡ። ካብታ ፋሲጋ ዝፋሰጉላ ሰዓትን ህሞትን ጀሚሩ፡ ክሳዕ ኣብ መስቀል ዝተመከሮን ዝገለጾን ቃንዛን ስቅያትን ክትንትኖ ብዙሕ ዘድልየኒ ኣይመስለንን።

“ጌተሰማኔ ናብ እትብሃል ቦታ መጹ። ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ክሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ወሰደ፡ ኪጕህን ኪትክዝን ጀመረ እሞ… ፥”ማር14:33 የሱስ ኣዝዩ ርዒዱ፡ ተሸቢሩ። እታ “ኪትክዝን” እትብል ሓረግ፡ ኣብ ቋንቋ ክሪኽ፡ ካብተን ኣዝዩ ብርታዔ ዘለወን፡ ስምዒት ንምግላጽ ዝጥቀሙለን 3 ቃላት ሓንቲ ምዃና መሃርቲ ይዛረቡ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከኣ ከም “ቅዛነት ዝበለ ትሕዝቶ ኣለዋ።

ኣብ ጥ34 ከኣ የሱስ ከምዚ ኢሉ፡ “ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ጉህያ ኣላ እሞ…..”. ነቶም 3ተ ደቀ መዛምርቱ ስምዒቱ ኣካፊሉ። እዚ ስምዒት ከኣ ኣብ መዝ69:20 ዘሎ ትምቢታዊ ቃል መፈጸምታ ኰይኑ። “ንልበይ ጸርፊ ቐጥቂጥዎ ደኸምኩ፣ ዚድንግጸለይ ተጸቤኹ፣ ሓደ እኳ ኣይነበረን፣ ዜጸናንዑኒ ደልየውን፣ ሰአንኩ።” እዚ ጸሎት፡ የሱስ ዝተከከሮ መስበርቲ ልቢ የረድኣና።

እዚ ከምዚ ዝበለ ስምዒት ዝተሰምዖ ኸኣ፡ የሱስ ሰብ ስለ ዝነብረ’ዩ። ከምኡ ዝበለ ስምዒት ብምግላጹ ጌጋ ወይውን ሓጢኣት ኣይነበረን። ብዘይ ሓጢኣት ክኸውን ዝገበሮ፡ ኣብቲ ዝተሰምዖ ስምዒት ተግባብሮ ካብ ምውሳድ ስለ ዝተሓለወ’ዩ። ስም ኣምላኽ ኣየማረረን ኣይጸረፈን። ልቡ ካብ ኣብኡ ክሽፍት ኣይፈቀደን። ነፍሱ ደኣ ኣብ ኢድ ኣብኡ ኣማዕቂቡ።

ሽዑ ንሽዑ ክጽሊ ርእሱ ፈልዩ። ኣብ ፍቃድ ኣብኡ ኣተኪሮ ጠሚቱ። ማር14:35 “ኣባ፡ ኣቦይ፡ ኵሉ ይከኣለካ እዩ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን፡ በለ።” ዝገጠሞ ስምዒታዊ ኰነ መንፈሳዊ ቅልስ ከቢድ ‘ኳ እንተነበረ፡ ነፍሱ ኣብ ፈጣሪኡ ኣማዕቂቡ። ኣብ ኣብኡ ክተኣማመን መሪጹ። እዚ ከምዚ ዝበለ ምትእምማን ከኣ ኣብ ህይወት ክስዕርን ስምዒታዊ ጽንዓትን ክህልዎ ሓጊዝዎ።

ዝሓልፎ ዝነበረ ቅልስ ኣዝዩ ጽዑቅ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ከም ደም ክሳዕ ዝርህጽ ገይርዎ። ጸሎቱ ድማ ቅልስ ኣንጻር ሓጢኣት ‘ዩ ነይሩ። እብ12:4 ሓደ ክስዕሮ ዝነበሮ ሓጢኣት ከኣ ስምዒቱ ከይገዝኦ፡ ንህይወቱን ውሳኒኡን ከይዝውሮ ነይሩ። ፍቃድ ኣብኡ ንኽገብር ዘኽእሎ ሓይሊ ብጸሎት ተዓጢቁ። ኣንጻር ሓይልታት ጸልማት ብጸሎት ተቃሊሱ። እዚ ድማ ስምዒታዊ ብጽሕና፡ ኣብ ውሻጠ “ብጸሎት” ከም ዝጅምር የረድኣና።

  • ኣብ ጸሎት ዝግለጽ ስምዒት

ጽኑዕ ልባዊ ጽምኣትን ሃንቀውታን ምስ ዝህልወና፡ እ/ሔር ኣእዛኑ ናባና የድንን። መዝ34:15 ኢሰ26:3 “ነቲ ጽኑዕ ዝሃቀናኡ፡ ኣባኻ ስለ እተማሕጸነ፡ ብሰላም እወ ብሰላም ትሕልዎ”። ዓሚቅ፡ ናይ ሓቂ ስምዒት እ/ሔር የቅልበሉ። ስቅ ኢልና ብዕሽነት፡ ብዘይ ተገትአ ስምዒት ዘይኰነ፡ ካብ መዓሙቅ መንፈስናን ልብናን ገንፊሉ፡ ብብርቱዕ ስምዒት ንእ/ሔር ክንደልዮ ከለና፡ እ/ሔር ኣይጽመሞን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና እንተነቢብና ኸኣ ብብዙሕ መገዲ ተገሊጹን፡ እ/ሔር ከኣ ኣፍልጦ እናሃበ፡ ግብረ መልሲ ሂብሉ ኣሎ። ብኣንጻሩ ኣፍኣዊ ጥራይ ዝዀነ ናይ ጥበራ ጸሎት ኣምላኽ ገሲጽዎ’ዩ።

ሆሴ 7:14 “ኣብ ምድቃሶም ኰይኖም ይበኽዩ ኣለዉ እምበር፣ ብልቦም ናባይ ኣይድሀዩን።….” ሓቂ ዘይኰነ፡ ብጥምዓዊ ስምዒት ንእ/ሔር ስለ ዝቀረብዎ፡ ኣይተሓጎሰሎምን። ንሓቂ ካብ ውሽጢ ስለ ዝደልያ ከነዕሽዎ ኣይንኽእልን። ተሓጊስና ብምዝላልና፡ ጉሂና ብምካይና፡ ኣምላኽ ቅኑዕ ዝዀነ ሚዛን ኣለዎ። እዞም ሰባት ከኣ ልቦም ኣብ ጸሎቶም ስለ ዘየንበርዎ ኣይተሰምዑን። ስለ ግብዝናኦም መግናሕቲ ተቀቢሎም።
ግቡእን ካብ ቅኑዕ ድርኺት ዝመንጨወ ጽኑዕ ስምዒት ዘለዎ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ትኽእልዶ፧ ስቅ ኢልካ ዲኻ ኣብ ዓራትካ ኰንካ ተድሂ፧ ሰብኣውነትን ህንጥዩነትን ዘይብሉ ኣቀራርባ ዲኻ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ትመጽእ፧

ንጉስ ዳዊትን ነብዩ ዳኒኤልን እንተነጽንዖም፡ እዞም ናይ ኣምላኽ ሰባት ብድሩቃት የዒንቲን ዝሑል ልብን ናብ ኣምላኽ ዝቀርቡዶ ይመስለካ፧ ኣይመስለንን። የዒንቶም ከም ፈልፋሊ ማይ፡ ናብ መዓጓጉርቶም ዘፍስሶ ንብዓት ከም ዝነበረ ክንግምት ኣየድልየናን። ገዛእ ርእሶም ንፈጣሪኦም እናሃቡን እናወፈዩን፡ ብዕቱብ ጸሎት ቀሪቦም።

እብ5:7 “ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከአሎ፡ ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበን፡ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን፡ ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ።” እዚ ከምዚ ዝበለ ጸሎት፡ ኣብ ናይ መጨረሽታ ሰዓታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ኩሉ ምድራዊ ጉዕዞ የሱስ ነይሩ’ዩ። መንፈስ ቅዱስ’ውን ኩሉ ድኻምና ስለ ዝፈልጥ፡ ኣብ ውሽጥና ኰይኑ ብዘይንገር እህህታ ይጽልየልና ዩ። ሮሜ8:26 ስምዒት መንፈስ ኣምላኽ ምስ እንለማመድ ከኣ፡ ጸሎትና ደረቅ ኣይከውንን።

ኣብ ማቴ 9፡ የሱስ ብድንጋጸ ስለ ዝተመልአ፡ ከምዚ ኢሎም ክጽልዩ ከም ዘለዎም ትእዛዝ ሂብዎም፡ “ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ፡ በሎም።”ጥ38 ስለዚ ንሕና ዝኣክል ንጽሊ ዲና፧ ከምቲ የሱስ ዝነበሮ፡ ብቅኑዕ ስምዒትን ርክብን ንጽሊ ዲና፧ ክንድቲ የሱስ ኣብ ህይወትና ክነግስ ዘፍቀድናሉ፡ ዝነበሮ ድንጋጸ፡ ህንጥዩነት፡ ስምዒታዊ ሙቀት ንጸሎትና ይመልእ።

ገሊኣቶም ሃይማኖት ስምዒት ጥራይ ዝመስሎም ኣለዉ። ስምዒት መንፈሳውነት ኣይኰነን። ስምዒት ኣብ መንፈሳውነት ግና ዓቢ ቦታ ኣለዎ። ስምዒታዊ ብጽሕና ዘለዎም፡ ኩሉ ዓይነት ስምዒት ብዝግባእ ይገልጹ። ኣብ ጸለቶም ኰነ ንኣምላኽ ከምልኽዎ ከለው ሞሳ፡ ውሬታ፡ ኣኽብሮት፡ ፍቅሪ ይገልጹ። ከም ኡ’ውን ድንጋጸ፡ ምሕረት፡ ጣዕሳ…. ይስምዖም። ዋላ፡ኳ ስምዒት ኣካላዊ ምላሽ እንተዀነ፡ ካብ ሓቀኛ መንፈሳዊ ኣምልዀ ይምንጩ።