የሱስ፡ ብሉጽ ምሳሌ ስምዒታዊ ብጽሕና (2ይ)

ምዒታዊ ብጽሕናን ፍህመትን ክንሃንጾ ኣብ ንደሊ ዝምድና ኣገዳስነቱ ታእላው የብሉን። እዚ ኸኣ እ/ሔር ንሰብ ዝዓደሎ ጽቡቅ ውህበት ‘ዩ። እ/ሔር ስምዒት ኣለዎ። ንሰብ ድማ ብምስሉን ብመልክዑን ስለ ዝፈጠሮ፡ ስምዒት ዝበሃል እንታይነት ኣምቢርሉ።

ስምዒታዊ ብጽሕና ክንብል ከለና ካብ ምርዳእ ርእስኻን ስምዒታትካ ዝብገስ ኰይኑ፡ ምግታእ ርእስኻ ዝብል ዓቢቅ ኣምር ኣለዎ። ምስ ካልኦት ንምትእስሳር ከኣ ስምዒታቶም ምርዳእ፡ ኣብ ዝጋገይሉን ሰንከልከል ኣብ ዝብልሉን ጊዜ፡ ብድንጋጸ እናጠመትና፡ ነገራት ምእላይ ክንፍትን የኽእለና።

ኣብ ዝሓለፈ፡ የሱስ ኣብዛ ምድሪ ክመላለስ ከሎ ዝገለጾን ዘንጸባረቆን ስምዒታት ክንድህስስ ፈቲነ ኣለኹ። ኣብኡ ብምህናጽ ከኣ፡ ነቲ ሓሳብ ከስፍሖ ክፍትን’የ።

ቅንኣት ዝመልኦ

ብዛዕባ ቤት መቅደስ ኣምላኽ ክንዛረብ እንተኬንና፡ እቲ ብስጋ ዝተገልጸ ወዲ ኣምላኽ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ስምዒት ከም ዝነበሮ ንርዳእ።
ኣብ ቤት መቅደስ ከኣ ኣብዑርን ኣብጊዕን ኣራግብን ዝሻየጡ ምስ ረኣየ (ዮሃ2:13-14) የሱስ እንታይ ዓይነት ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ከም ዝሃበ ንስሕቶ ኣይመስለንን። ጥ15 “ካብ ገመድ መግረፊ ጌሩ ከኣ……” እምበኣር ግብረ መልሱ ሃንደበት ዘይኰነ፡ ብምስትውዓል ዝተወጠነ ነይሩ። ኣብቲ ጥቅሲ ብምቅጻል ከኣ “…ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንኹሎም ካብ ቤት መቅደስ ኣውጽኦም፡ ንወርቂ እቶም ሸረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቃኦም ከኣ ደንከሎ”።

እዚ ከምዚ ዝበለ ተግባብሮ፡ ጎነጻዊ ነድሪ ኣይነበረን። እ/ሔር ኣቦ ብወዱ ዝገለጾ ጽድቂ ዝመልኦ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ’ዩ ነይሩ። ደቀ መዛምርቱ እዚ ምስ ረኣዩ፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተዘርበ ሓደ ንጹር ትምቢት ትዝ ኢልዎም። ከምዚ ዝበል ዝተጻሕፈ ከም ዘሎ ኸኣ ዘኪሮም፡ “ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ” (ጥ17)

እቲ ቅቡእ ኣምላኽ; ብርቱዕ ስምዒት ዘለዎ ቀናእ ምዃኑ ከም ዝተዘርበሉ ዘኪሮም። ቅንኣት ቤት እ/ሔር ከም ዝህምዀ ኣስተውዒሎም።

ብቋንቋ ግሪኽ “ቅንኣት” ማለት ንሓደ ነገር ንምሕቋፍ፡ ንምስዓብ፡ ንምክልኻል፡ ንምድሓን ነርእዪ ርሱን ስምዒት፡ ምቅጽጻል መንፈስ፡ ምንቅስቃስ ኣእምሮ ማለት’ዩ።

ኽንድቲ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ክገዝእ ዝፈቀድናሉ፡ ክንድኡ ኸኣ ተማቀልቲ ባህርያኡ፡ ቅንኣቱ፡ ንኸውን። 1ዮሃ4:2 ጎይታ የሱስ ዝሞተ ንሰናይ ግብሪ ዝቀንኡ ንዕኡ ገንዘቡ ዝዀኑ ህዝቢ ንምጥራይ እዩ። ቲቶ2:14 እ/ሔር ዝሓተተና ንምግባር ክሳዕ ፍቃደኛታት ንኸውን ውሽጥና ክፈልሕን ሸረኽረኽ ይብል።

ሓርቆት፡ ኩራ

ሓደ ጊዜ የሱስ ብመዓልቲ ሰምበቲ ኣብ መቅደስ ምስ ኣተወ፡ ኢዱ ዝነቀጸት ሰብኣይ ናብኡ ኣምጽእዎ። ብመዓልቲ ሰምበት ዝፍውሶ እንተዀይኑ ከኣ ፈርሳውያን ተጸናተውዎ። ማር3:2
ክርስቶስ ድማ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ፡ “በቲ ድርቅና ልቦም ጕህዩ፡ ብዅራ ጠመቶም፡ ነቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ዘርግሓ፡ እታ ኢዱውን ሐወየት።” ጥ5

የሱስ ዝተሰምዖ ኩራ መሊኡ ዝጀርበበ ነይሩ። ኣብ ርእሱ ገለ ከም ዝወረዶ፡ ስስዐ ዝመልኦ ኩራ፡ ሓርቆት፡ ኣይነበረን። ኣብ ማር 10 እንተዀነ፡ ነዚ ዝመሳሰል ስምዒታዊ ግብረ መልሲ የሱስ ንምልከት። ኢዱ ከንብረሎም፡ ንቆልዑት ናብ የሱስ ምስ ኣምጽእዎም እሞ ደቀ መዛምርቱ ክምለሱ ምስ ገሰጽዎም፡ ኣብ ጥ 14 ከምዚ ክብል፡ ሓርቆት ዝተሓወሶ ዘረባ ተዛሪቡ፡ “የሱስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ኣይፈተወሎምን እሞ፡ ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም።”

እታ “ኣይፈተወሎምን” እትብል ትግርኛ ቃል፡ ንስምዒት የሱስ ብግቡእ ኣይትገልጽን’ያ። ኣብ ቋንቋ ግሪኽ እዚኣ ቃል “ቁጥዓ” (indignation)” ዝብል ትሕዝቶ ኣለዋ። እዚ ኸኣ እቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ፡ ውሽጣዊ ቃንዛ፡ ሓርቆት፡ ከም ዝፈጠረሉ የረድእ።

የሱስ ደቀ መዛምርቱ ዝገበርዎ ርእዩ ተቆጢዑ። ውሽጣዊ ቃንዛ ተሰሚዕዎ። ብዛዕባ ቆልዑ ዝነበሮ ተምሳጥ፡ ብርቱዕ ስምዒት (passion) ከኣ ኣጉሊሑ ይረድኣና።

ኣብዚ ታሪኽ ውቁብ ዝገብሮ፡ የሱስ ቅዱስ ንምምሳል ስምዒቱ ክውሕጦ ዘይምፍታኑ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ስምዒቱ ስዒርዎ ብዝተጋነነ ናብ ርኽሰት ዝኸደ ግብረ መልሲ ዘይብምሃቡ’ዩ። የሱስ ስለ ዝጎሃየን ዝሓረቀን ተዋቂዑ ከም ዝፈልጥ፡ ግቡእ ዘለፋ ከም ዘስምዐ፡ ጨዲሩ ከም ዝተዛረበ፡ ግን ከኣ ዝተጋነነ፡ ካብ መስመር ዝወጸ፡ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ከም ዘይሃበ ኣይገርምን። ነዚ የሱስ ዝነበሮ ስምዒታዊ ብጽሕና ክንበጽሖ ብዙሕ ከም ዝተርፈና ርጉጽ’ዩ። ግን ከኣ ክንቀድሖ፡ ኣሰኣሰሩ ክንስዕብ፡ ገዛእ ርእሱ ቀሊዑ ኣርእይና’ዩ።

የሱስ ነብዐ

እዚ ኣርእስቲ፡ ንመብዛሕትና ደቂ ተባዕትዮ ዝተፈራረቀ ስምዒት ከም ዝስምዓና ዝገብር ምርዳእ’ዩ። ብባህሊ ኰነ ኣብ ቤት ኣምላኽ ምስ መጻና’ውን እንተዀነ “ብኽያት” ከም ሓደ ድኻም ስለ ዝውሰድ፡ ስምዒትና ክንውሕጥ እንፍትን ብዙሓት ኢና።

ኣልኣዛር ምስ ሞተ፡ ምርያም ሓፍቲ ማርታ ንየሱስ ክትረኽቦ ናብ ግዳም ናብቲ ዘለዎ መጺኣ። ኣብ ዮሃ 11:33 ድማ ከምዚ ይብለና; “ሽዑ የሱስ፡ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፡ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ኪበኽዩ ኸለዉ ርእዩ፡ ብመንፈሱ ተኪዙ እናሕነቕነቐ፡….”

ሱር ትርጉም እታ “ኣሕነቅነቀ” እትብል፡ “ተከዘ፡ ብሓዘን ፊፍ በለ” ከም ዝዀነ ናይ ቋንቋ ግሪኽ ዝተማህሩ ይዛረቡ። ኣብዚ ድማ የሱስ ብዝርአ መገዲ “እሕነቅኒቁ”። እዚ ከምዚ ዝበለ ስምዒት፡ የሱስ ቅድሚ ምትሓዙ፡ ናይ መጨረሽታ ድራር ዝበልዑላ ዝነበሩ ምሸት’ውን ተገሊጹ ንረኽቦ። ዮሃ13:21 “የሱስ እዚ ምስ በለ፡ ብመንፈሱ ጕህዩ፥ ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ መስከረ።” እታ ጉህዩ እትብል ሓረግ ምስታ ኣሕነቅኒቁ እትብል ቃል፡ ሓደ ትርጉም ከም ዘለዋ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መማሃራን ይዛረቡ።

ናብቲ ኣልኣዛር ዝተቀብረሉ መቃብር ክወስድዎ ከለዎ ኸኣ፡ እቲ ጸሓፊ ኣመንጉው ኣቢሉ፡ እታ ዝሓጸረት ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ከኣ ዝዓሞቀ ስምዒት ዘለዋ ቃል ተዛሪቡ፡ “የሱስ ነብዐ”ጥ35 ወዲ ኣምላኽ ንብዓት ኣፍሲሱ። ካብ ቃላት ዝሓለፈ ኸኣ፡ ብንብዓቱ ፍቅሩ ገሊጹ። “ርኣዮ እሞ ክንደይ የፍቅሮ ነይሩ” ኢሎም ተዛሪቦም። ስለ ዘፍቀርካዮ ብንብዓትካ ፍቅርኻ ገሊጽካ ትፈልጥ’ዶ፧ ምንባዕ ድኻም ኣይኰነን። ርኡይ መግለጺ ስምዒታዊ ጥዕና’ዩ።

ኣብ ጥ37 ከኣ ገሊኣቶም ከምዚ ክብሉ ተዛሪቦም፡ “ገሊኦም ግና፡ እዚ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ዝኸፈተስ፡ ነዚውን ከም ዘይመውት ኪገብሮ ደዀን ኣይምኸኣለን፧ በሉ”። እዚ ክብሉ ሰምዒዎም ከኣ ዘይምእማኖም ኣሕሲብዎ፡ መሊሱ ብልቡ ከም ዝተከዘ” ይነግረና። ብልቡ ከም ዝተከዘ እዚ ጸሓፋይ ብኸመይ ፈሊጡ፧ ናይ ልቡ ኩነታት ኣብ ገጹ፡ ወጀሃቱ ስለ ዝተገልጸ ‘ዶ ይኸውን፧ የሱስ ስምዒታቱ ክገልጽ ኣይፈርሀን። ስለዚ ንስኻ’ውን ከምኡ ክትፈርህን ክትሓንኽን የብልካን። ብግቡእ ጥራይ ደኣ ይዀን እምበር።

ንማርታ እንተኣሚና ዘገርም ተኣምር ከም ትርኢ ምስ ኣረጋገጸላ፡ ናብ ኣብኡ ጸልዩ። ናብ መጨረሽታ ዘረባኡ ኣብ ጥ43 ተዛሪቡ፡ “እዚ ምስ በለ፥ ኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ፡ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ።” እቲ ብስጋ ዝተገልጸ ወዲ ኣምላኽ፡ ናይ መጨረሽታ ስምዒታቱ “ብምጭዳር” ከም ዝገለጾ ይነግረና። የሱስ ህድእ ኢሉ፡ ከም ባህርይ ጓልጓሎ፡ ድኹም መሳሊ፡ ጥራይ ዝዛረብ ሰብኣይ ኣይነበረን።

ናይ መጨረሽታ ድራር

ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት፡ ብዙሕ ስምዒታት ዝተፈራረቆ ናይ መጭረሻ ድራር፡ ኣብ ላዕለዋይ ደብሪ ተኸናዊኑ።
ሉቃ22:15 “ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ፡ ብዙሕ ሃረር ኢለ አሎኹ፡ በሎም።

እታ “ሃረር” እትብል ሓረግ “ሃንቀውታ፡ ናፍቆት፡ ባህጊ፡” ዝብል ዓሚቅ ትሕዝቶ ኣለዋ። ከምቲ ኣብ ጽሙእ በረኻ፡ ኢራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም እትናፍቅ፡ ክሳዕ ክንድኡ ሃረር ኢሉ። ክሳዕ ክንዳኡ ጽዑቅ ዝዀነ ባህጊ ነይርዎ። ሃንቀውታን ተመስጦ ነፍሱን ክሳዕ ክንዳኡ ዓቢ ነይሩ።

ናይ መጨረሽታ ጊዚኡ ምስቶም ሰለስተ ዓመትን ፈረቃን ብዙሕ ጊዜ ዘጥፍኣሎም ከሕልፍ ሃረር ምባሉ፡ ዝነበሮ ስምዒታዊ ጥዕና የረድኣና። ከም ስሱዕ መራሒ፡ ብዛዕባ ዕላምኡን መንግስቱን ጥራይ ዘይኰነ፡ ምስቶም መሳርሕቱን ኣዕሩኽተይ ዝበሎም፡ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ጊዜ ከሕልፍ “ሃረር” ምባሉ፡ ጊዜ ከለና ምስ እንትፈትዎምን፡ የዕሩኽትናን፡ መገላግልትናን ከመይ ዝበለ ጊዜ ከነሕል ከም ዝግብኣና ብሉጽ ምሳሌና’ዩ።

ሓጎስ

በታ ለይቲ ኣብ ላዕለዋይ ደብሪ፡ የሱስ ብዙሕ መከራ ይጽበዮ እንተነበረ፡ ብዙሕ ብዛዕባ “ሓጎስ” ተዛሪቡ። ዮሃ15:11 “ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሓጐስኩምውን ኪፍጸምሲ፡ እዚ ነገርኩኹም።” ከም ባሮት ዘይኰነ ከም የዕርኽቱ፡ ናይ ልቡ ስለ ዝነገሮም፡ ኣዝዩ ባህ ኢልዎ። ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ መከራ ስለ ዝኸሓዶ፡ ከም ዘየለ ስለ ዝቆጸሮ ኣይኰነን። ዝፈለጦ ዘበለ ስለ ዘፍለጦም፡ ኣዝዩ ተሓጊሱ።እዚ ቃላት ናይቲ ጸኒሑ ከም በሃም ኣድጊ ዝሕረድ ሰብኣይ ‘ዩ። ኣተኩርኡ ኣብ ሓጎሶም ጥራይ ዘይኰነ፡ ናቱ ሓጎስ ኣባታቶም’ውን ይድምር።

ኣብ ሉቃ10:21 ከምዚ ዝብል ኣሎ፡ “በታ ጊዜ እቲኣ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሐጐሰ፡….”። የሱስ ዘሐጎሶ፡ ሰማያዊ ምስጢር ንብልህታትን ለባማትን ስለ ዝተዋህበ ዘይኰነ፡ ንሕጻናት ስለ ዝተገልጸ’ዩ። ሓጎስ የሱስ፡ ሰማይዊ ምስጢር ንሰብ ብምግላጹ ነይሩ። ምኽሪ ኣምላኽ፡ እቶም ንዑቃት ዝመስሉ ስለ ዝተገልጸሎም፡ ብመንፈሱ ተሓጊሱ። እዚ ኸኣ ሓጎስና ብዝያዳ ኣበይ ክንገብሮ ከም ዝግብኣና የረድኣና።

ዮሃ17:13 “ሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ አሎኹ፡ ሓጐሰይ ኣባታቶም ምእንቲ ኺፍጸም ድማ እዚ ኣብ ዓለም እዛረብ አሎኹ። ብዛዕባ ሰማያዊ መንነት ደቀ መዛምርቱ ብምዝራቡ ተሓጊሱ።
የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ኩሉ ዓይነት ቅዱስ ስምዒታት ነይርዎ።

Author

Samson Mesghena