የሱስ፡ ብሉጽ ምሳሌ ስምዒታዊ ብጽሕና (1ይ)

ብ ስምዒታዊ ብጽሕና ገጽካ ትዓቢ’ዶ ኣለኻ፧ ኣብ ሕብረተሰብና ዘይዓበዩ ብዙሓት’ዮም። ወግዓዊ ትምህርቲ ብኸመይ ናብ ስምዒታዊ ብጽሕና ገጽና ንዓቢ ኣይምሃረናን። ብኣንጻሩ ንኸመዛዝን ኣእምሮና ኣዕብይዎ ክነሱ፡ ግን ከኣ ብኽሳራ ስምዒታትና’ዩ።

ሃይማኖት’ውን እንተዀነ ንስምዒት ዝበሃል ኣምር ኣይጣበቀሉን’ዩ። ንስምዒታዊ ረስኒ ከም መአወጂ ሕጋዊ ሃይማኖታዊ ተመክሮ ጥራይ ይጥቀመሉ። ካብኡ ዝተላዕለ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘለና ጦብላሕታ ዘደናግር ኰይኑ ኣሎ። “ንስሓ” ዝበሃል ከኣ ግምኣዊ (ዘይንጹር) ስምዒት ዝተቆጽለሩ ዘመን ኣርኪብና። እዚ ኸኣ ሓሳብ ብፍላይ ኣብ ዘለናዩ ወለዶ፡ ድሕሪ ዘመናውነት ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ መዋእል፡ ግኑን’ዩ። ካብቲ ዘገርም ከኣ የሱስ ኰነ ደቀ መዛሙርቱ ከምኡ ዝበለ ምሳሌ ኣይገደፉልናን።

የሱስ ከመይ ዝበለ ኣሰር’ዩ ገዲፉልና፧ ከምቲ ገሊኣቶም ክገልጽዎ ዝፍትኑ፡ የሱስ ኣመና ስምዒታዊ፡ እምነተ ደረቅ/ሕሉፍ (fanatic)፡ እዃ እንተዘይነበረ፡ ብስምዒት ዝመጸ ዓባስ፡ ዝንቡዕ፡ ሸለል በሃላይ’ውን ኣይነበረን።

ህይወት ‘ቲ ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ ከነጽንዖ እንተፈቲና፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ምልኪ ዝነበሮ፡ ገዛእ ርእሱ ዝገትእ ከም ዝነበረ ኣነጺሩ ይነግረና። እዚ ማለት ከኣ ናብ ክልተ ጫፍ ዝኸደ፡ ማለት ንስምዒታቱ ዝኽሕድ ወይ’ውን ከም ቆልዓ ኣብ ጭጫ፡ ኣብ ስምዒታቱ ጦፋዕ-ጦፋዕ ዝብል ዘይምንባሩ ኣነጺሩ ይምህረና። እዚ ከኣ መርኣያ ስምዒታዊ ብጽሕና’ዩ። ወንጌላት እንተኣጽኒዕና፡ የሱስ ዝምከሮ ዝነበረ፡ ኣዝዩ ጽኑዕን ብርቱዕን ስምዒታት ተዘጊቡ ንረክብ።

ንግሉጽ “ስምዒታዊ ብጽሕና” ክንግስግስ መታን፡ ምድራዊ ጉዕዞ የሱስ ክንምርምር ይግብኣና። ንስምዒትና ብኸመይ ከም ንገልጾም ከይሓብአ ይምህረና። ስምዒታትካ ምግላጽ ግቡእ ምዃኑ፡ የሱስ ምሳሌ ብምግባር ክንመሃር የኽእለና። እ/ሔር ንስምዒታትና ብኸመይ ውድዓዊ ከም ዝገበሮ፡ ንመንፈሳዊ ተመኩሮና ሓጋዚ ከም ዝዀነን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብሪሁ የረድኣና። እዚ ኸኣ ዓቢ ብስራት’ዩ።

የሱስ ዘየዋትእ ብሉጽ ምሳሌና’ዩ። ናብቶም ዝሰሓቱ፡ ዝተታለሉ፡ ብጌጋ ዝተሳዕሩ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ምስ ጠመተ፡ ዝተሰምዖ ከቢድን ዓሚቅን ቃንዛን ሓዘንን ትፈልጡ’ዶ፧ ስለ ዘፍቀሮም ከምዚ ክብል ጨዲሩ፡ “የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ፡ ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም “ ማቴ23፡37 ኣዝዩ ውሕሉልን ግቡእን ብዝዀነ መገዲ ስምዒቱ ገሊጹ። ሰምዒቱ ኣዝዩ ቅዱስን ንጽሁን ነይሩ። ቅድስና ገዛእ ርእሱ ርእዩ፡ ከቃልሎምን ክንዕቆምን ይኽእል ነይሩ’ዩ። ብኣንጻሩ ግና ብሓዘን ኣምዕቱ ስለ ዝተናወጸ፡ በኽዩ። እዚ ኸኣ መርኣያ ስምዒታዊ ቅድስና‘ዩ። ካብ ምስትውዓል ዝረሓቀ፡ ልጋም ዘይብሉ ስምዒታዊ ሃንደፍታን ድፍኢትን ኣይነበሮን።

ኣብ ሉቃ 19፡41 እንተዀነ፡ ኣብ የሩሳሌም ዝገለጾ ስምዒት ይነግረና፡ “ምስ ቀረበን ነታ ኽተማ ምስ ረኣያን፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፥” ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ርእዩ፡ ነቢዑ። ብቋንቋ ግሪኽ እታ “ነቢዑ እትብል ሓረግ ጓሂ ዝመልኦ ቁዘማ፡ መልቀስ የስምዕ። እዚ ናይ የሱስ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ኸኣ፡ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘጊቡ ዘሎ ኣዝዩ ብዙሕ ተመክሮታት ሓደ’ዩ።

ብቋንቋ ግሪኽ እታ “ነቢዑ” እትብል ሓረግ “ጓሂ ዝመልኦ ቁዘማ፡ መልቀስ” የስምዕ።

ካብዚ ኣስዒብና ኣብ ወንጌላት ዝተዘገቡ ስምዒታት የሱስ፡ ዘለዎም ትሕዝቶን፡ ኣሕጽር ኣቢልና በብሓደ ክንምልከት ኢና።

ብድንጋጸ ተመሊኡ

ካብቲ ልሙድ መገለጺ ስምዒታት የሱስ ሓደ “ድንጋጸ” እዩ። ማቴ 9:36 ኣብ ገሊላ ከገልግል ከሎ ብዙሓት ሰባት ርእዩ፡ ሕሉላትን ጓሳ ከም ዘይብለ ፋሕ ዝበላ ኣባጊዕ ምዃነን ምስ ረኣየ ደንጊጹለን።

“ድንጋጸ” ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተወስደ ኰይኑ፡ ትርግሙ ኸኣ ባሕሪ ኸብድኻ ምግልባጥማለት’ዩ። ግሪኻውያን ንኸብዲ ከም መሕደሪ ጽዑቅ ተምሳጣዊ ስምዒት ኢሎም ይኣንምኑ ከም ዝነበሩ ይንገር። እዚ ኸኣ ጥምዓዊ፡ ደጋዊ፡ መግለጺ ዘይምንባሩ የረድኣና። የሱስ ከኣ ካብ ውሽጡ ዝመንጨወ፡ ጥልቂ፡ ዝዀነ ስምዒት ከም ዝነበሮ የነጽረልና።
ድሕሪዚ ኸኣ ናይ የሱስ ኣዝዩ ግኑን ዝዀነ ዘረባ ንሰምዕ፡ “እቲ እኽሊ ብዙሕ’ዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም….” ጥ37
ብዙሕ ክግበር ዝነበሮ ነገር ስለ ዝነበረ የሱስ ኣምዕቱ ተናዊጹ። መንፈሳዊ ድኽነቶም ምስ ረኣየ፡ ኣብ ውሽጡ ብርቱዕ ስምዒት ስለ ዝፈልሐ፡ ምንም ክሳዕ ዘይዛረብ ካብ ውሽጡ ድንጋጸ ገንፊሉ።

ኣብ ማር6:30-32፡ ዕረፍቲ ደልዮም፡ ናብ ብሕት ዝበለ፡ ጽምዋ ቦታ ክኸዱ ምስ ደለዩ፡ ብዙሓት ስዒቦሞም። የሱስ ድማ ነዚ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ሂብሉ። ከምቲ ንሕና ንህበሉ ግና ኣይኰነን። ናይ የሱስ ስምዒት ዝገንፈለ ነይሩ። ካብ ኣገልግሎት ከዕርፍ ከኣ ከልኪልዎ። “የሱስ ምስ ወጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ። ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም፡ ብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ”። ጥ 34 ብጥሙያቶም ከሰናብቶም ስለ ዘይደለየ፡ ተኣምራት ፈጺሙ መጊብዎም። እዚ ኩሉ ከኣ ናይ የሱስ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ነይሩ።

ማቴ15 ከኣ የሱስ ብዙሓት ሕሙማትን ድኑሳትን ምስ ፈወሰ፡ ብኣጋንንቲ ዝተኣስሩ ሓራ ክገብር ድሕሪ ምውዓሉ፡ ኩነታት እቲ ህዝቢ ተረዲኡ ከዕርፍ ኣይበለን። ድሕሪ ‘ቲ ዝወዓሎ ኣገልግሎት ንዕኡ ከዕርፍ ዝሓሸ ኣማራጺ ነይሩ። ምስ ረኣዮም ግና ከምዚ ኢሉ ታዛሪቡ፡

“እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም እሞ፡ ዚበልዕዎ ስለ ዜብሎም፡ የደንግጹኒ ኣለዉ። ኣብ መገዲ ኸይደኽሙ ኸኣ፡ ጸሞም ከሳናብቶም ኣይፈቱን።

ኣብዚ ጥቅሲ ክልተ ኣገደስትን ዓሚቅ ትሕዝቶ ዘለወን ስምዒታዊ መግለጽታት፡ “ደንገጸሎም” ን “ኣይፈተወን” ዝብላ’የን። ብምስትውዓል ምስ እንነበን ከኣ ኣብ የሱስ ዝነበረ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ የረድና። ብፍላይ ምስቲ ንሕና ዝለና ኣጠማምታን ስምዒታዊ ግብረ መልስን ከነወዳድሮ ከለና፡ ስምዒት የሱስ ክሳዕ ክንደይ ይንቀሳቀስ ከም ዝነበረ ክንርድኦ ቀሊል’ዩ።

ስምዒታትካ ምግላጽ ተባዕታዊ ባህርይ ኣይኰነን ኢሎም ዝኣምኑ ኣይሰኣኑን ይዀኑ። ኣብዚ ግና የሱስ ነቶም ሰባት ዝነበሮ ሓያል ስምዒት ጥራይ ዘይኰነ፡ ከም ዝገለጾን ከም ዝተዛረበሉን ይነግረና። ስራሕ ኣምላኽ ክገብሩ ከለው ኸኣ ክህልዎም ዘለዎ ተምሳጣዊ ስምዒት ብግብሪ ምሂርዎም። ማቴ 14:14፡ 20፡34፡ ማር1:41 ሉቃ7:13 ርኤ። ብዙሕ ጊዜ ጽዑቅ ስምዒት ንስራሕን ኣካይዳን የሱስ ክርስቶስ የሰንዮ ከም ዝነበረ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ወንጌላት ነንብብ።

“ኡፍ ኢሉ”፡ የተንፍስ ከም ዝነበረ

ማሪ 7:31-34 “ከም ብሓድሽ ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ጢሮስ ወጸ፡ ብሲዶና ገይሩ ኸኣ፡ ንማእከል ዓሰርተ ዓዲ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ። ሓደ ጸማምን ዓባስን ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኢዱ ኼንብረሉ ለመንዎ። ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ወሲዱ ድማ፡ ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩ፡ ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ። ናብ ሰማይ ቍሊሕ ኢሉ ኣተንፊሱ ኸኣ፡ ኤፋታ፡ በሎ። እዚ፡ ተኸፈት፡ ማለት እዩ።

ኣተንፈሰ፡ ኡፍ በለ ምስቲ ኣብ ሮሜ 8:23 ተጠቂሱ ዘሎ ሓደ ዓይነት ትሕዝቶ ኣለዎ። ከምቲ ውሉድ ኣምላኽ ምድሓን ስጋኦም እናተጸበዩ ዘስቆርቁሩ ዘለው፡ የሱስ ንሕሙማት ክጽሊ ከሎ ዝግለጽ ዝነበረ ስምዒት የረድኣና። እዚ ኣስተንፈሰ ዝብል ሓሳብ ከኣ እህህ እናበለ ከም ዝጸለየ የረድኣና። ዋላ’ኳ ንፈውሲ ይጽሊ እንተነበረ፡ ሓጢኣት ዘውረዶ መግደራ፡ ኣብ ሰብ ዘሕደሮ ቃንዛ ብምርዳእ፡ ከምቲ ሰብ ዝስምዖ ኰይኑ ይጽሊ ስለ ዝነበረ’ዩ።

ኣብ ዝቅጽል ምዕራፍ፡ በቶም ተረርቲ ክሳድ ዝዀኑ ፈሪሳውያን ምስ ተሓተ፡ ግብረ መልሲ የሱስ፡ ስምዒት ዝተሓወሶ ነይሩ፡ “ንሱ ድማ ብመንፈሱ ኣሕዘንዚኑ፡ እዚ ወለዶ እዚ ንምንታይ ትእምርቲ ይደሊ አሎ፧ ነዚ ወለዶ እዚ ትእምርቲ ኸም ዘይውሀቦ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በለ።” ማር 8:12 ብናይ ግሪኽ ኣገላልጻ፡ ‘ቲ ኣተንፈሰ እትብል ሓረግ ካብ ኣፍ ልቡ ኣዕሚቁ ትንፋስ ቀድሐ ዝብል ትሕዝቶ ኣለዋ። እዚ ከኣ ዝተሰምዖ ጓሂን ሓዘንን ይገልጽ። ምስቲ ኣሕዘንዘነ ዝብል ከኣ ሓደ ትሕዝቶ ኣለዎ።

የሱስ ንስምዒታቱ ኣይቀተለን። ብኣንጻሩ ከም ዝገዝኦን ዝገለጾን፡ ንዕዮ ኣምላኽ ከም ዝተጠቀመሎም የረድኣና።
እዚ የሱስ ዝገጠምዎ ተመክሮታት፡ ንዓና ከም ዝገጠሙና ጌርካ ንሕሰብ እሞ፡ ኣቀራርባና ከመይ ምዀነ፧ ንዝሓመሙ ንምጽላይ ኰነ፡ ግንባሮም ዓረ ጌሮም ንዝታረኹና ብኸመይ ምገጠምናዮም፧ ከም ዝተረግሙ፡ ተረርቲ ክሳድ፡ ጌርና ምወሰድናዮም ወይስ ድንጋጸ ምለገስናሎም፧ የሱስ ሰብኣውነት፡ ህንጥዩነት፡ ሓጎስ፡ ድንጋጸ፡ ጽዓት፡ ሓዘን ካልእን ከወግድ ምኸኣለ። ከምኡ ግን ኣይገበረን። የሱስ ብዙሕ ፍሽኽ ክብል፡ ካብ ልቡ ክስሕቅ፡ ኣኽቢዱ ክበኪ፡ ተበሳጭዩ ከተንፍስ እንተትርዮ ከመይ መተሰምዓካ፧

የሱስ ህድእ ኢሉ፡ ብላዛ ጥራይ ዝዛረብ ሰብ ኣይነበረን። ዮሃ 7:37በታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል የሱስ ደው ኢሉ ጨደረ በለውን፥ ዝጸምኤ እንተሎ፡ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ።
ጨደረ እትብል ሓረግ “ዓው ኢሉ፡ ካብ ውሽጢ ኸብዱ ዝመንጨወ፡ ስምዒት ዝተሓወሶ፡ ዘረባ ከም ዝዀነ ይገልጽ። ኣዝዩ ሓያልን ውሽጥኻ ዘንቀሳቅስ ተዛራባይ ምንባሩ ይገልጸልና። እዚ ኸኣ ምስ ዘረባኡ፡ ስምዒቱ ይሕውስ ስለ ዝነበረ’ዩ። ኩሉ ጊዜ ሓደ ዓይነት ኣቀራርብ ብምቅራብ ሰብ ኣየሰልቸወን። ንዝርእዮን ንዝገጥሞን ዝኸውን ዝተፈላለየ ስምዒታት ነይርዎ። እዚ ኸኣ ክሳዕ ክንደይ ውሽጡ ዝተቃነየ ሰብ ምንባሩ የረድኣና።

****ይቅጽል*****

Author

Samson Mesghena