ካብ “ጾታዊ ዓመጽ” ናብ ሓሳብ “ርእሰ-ቅትለት”

ክልታኣተን ዕድሚአን 20 ዓመት ይገብራ። “ቅዛነት” ስለ ዘሸነፈን፡ ንሓሳበትን ጸልማት ስለ ዘገልበቦ፡ ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ናይ ኣእምሮ ሕኽምና ብወለንትንአን መጺአን። እዚ ኸኣ ዝነኣድ ስጉምቲ’ዩ። ኣብዚ ከምዚ በዳሂ ኩነታት እንከለዋ ኸኣ ኢና ዝተራኸብና። ብዕድመ ኣዝየን ንኣሽቱ ስለ ዝዀና ኣዝየ ደንጊጸ። ኣብ ንኡስ ዕድምአን ናብዚ ናይ ጸልማት ጣቃ ዝሸመመን ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ክፈልጥ ከኣ ተሃንጥየ።

ቀሪበ ከዕልለን ምስ ጀመሩ ከኣ ድሕረ ባይትአን በብሓደ ክነግራኒ ፍቃደኛታት ኰና። እዚ ከኣ ብቀሊሉ ዘይርአ፡ ዓቢ ዕድል’ዩ። ህይወተን ከፊተን ከርእያኒ ፍቃደኛታት ብምዃነን፡ ኣብ ትኽክል ጎደና ሕውየት ከም ዝኣተዋ ተረድኣኒ። ተጠንቒቕ ክሰምዕ ከኣ ኰፍ መበልየይ ኣዐረኹ። ኣዒንተይ ምስ የዒንተን ፊት ንፊት ከም ዝገጥም ጌረ፡ ኣእዳወይ ኣብ ኣብራኸይ ኣዕሪፈ፡ ኣእዛነይ ኣዋደድኩ። ብገለ መገዲ ይፈርደን፡ የቃልለን ከም ዘለኹ ከይመስለን፡ ኣዝየ ነቒሐ ክሰምዐን ወሰንኩ። ድሕሪ ዘረብኣን ዘሎ ስምዒት ንምርዳእ፡ ቃላተን ጥራይ ዘይኰነ ዘይቃላዊ ምንቅስቃስ ኣካለተን ክርዳእ እናፈተንኩ፡ ብዘይምቁራጽ ስቅ ኢለ ሰማዕክወን።

እታ ቀዳመይቲ ናይ ሳዕስዒት (ዳንስ) ተመሃሪት ምዃና፡ ብዙሕ ዝዓይነቱ ቅዲ ዘለዎ ሳዕስዒት ከም ትስዕስዕ ነገረትኒ። ብሓቂ ክእለታ ክርኢ ተሃንጥየ፡ ግን ከኣ ቦታን ጊዜን ስለ ዘየፍቅዶ ክሓታ ኣይደለኹን። ግቡእ’ውን ኣይኰነን። ‘ታ ካልኣይቲ ከኣ ማሕበራዊ ናብራ ዘተኰረ (ሶሻል ዎርክ) ከም ተጽንዕ ነጊራትኒ። እዝዩ ዝመሰጠኒ ኸኣ ከይከፈለት፡ መንግስቲ ካብ ዝህባ ምሉእ ሓገዝ (ስኰላርሺፕ)) ከም ትመሃር ምስ ነገረትኒ’ዩ። ኣዝያ በላኽ ክትከውን ኣለዋ ኢለ ሓሰብኩ።

ኣማቲ ተርእዮታት 

ዝሓለፋኦ ናይ ህይወት ተመክሮ፡ ምስ ድሕረ ባይታ ናይ ቤተሰብን ጌረን ከዕልላኒ ምስ ጀመራ፡ ሓሳባይ ብምልኣት ተታሕዘ። ሕጂ ዘለዋኦ ኩነታት፡ ክልቲኣተን ሓገዝ-ኣልቦነት፡ ተስፋ-ኣልቦነትስ ስለ ዘሸነፈን፡ ድቃስ ካብ የዒንተን በሪሩ ሰላም ዘይብሉ ለይቲ እናደቀሳ፡ ካብ ዝፈትውኦ ንጥፈታትን ዝጀመራኦ ትምህርትን ዓዲ ውዒል ኰይነን፡ ንምንባር ትርጉም ስለ ዝሰኣናሉ፡ ርእሰን ንምጥፋእ ሓሳበን ዝተረበሸሉ፡ ጸልማት ዝገዝኦ ህይወት ምህላወን ኣዝዩ ከበደኒ። ተመኪረዮ ስለ ዘይፈልጥ፡ ንምርዳኡ ሕርብት በለኒ። ኣብዚ ንኡስ ዕድሚአን ክሳዕ ክንድዚ ክሽነፋ ዝገበረን እታይ ኰን ይኸውን፧ ኢለ ኸኣ ብውሽጠይ ሓተትኩ።

ናይ ህይወት መዝገበን (diary) ከፊተን ክዕልላኒ ከለዋ ኸኣ፡ በብቅሩ እናተገልሃለይ መጺኡ። ናብ ናይ ኣእምሮ ሕክምና ክመጻ ናይ መጀመርያአን ከም ዘይነበረ ካብ ዕላለን ተረዳእኩ። ካብ ክልተ ጊዜ ዝበዝሕ ተሓኪመን’የን። ንልበይ ዝዘብሐ ነገር እንተነይሩ፡ ክልቲኣተን ቅድሚ ሕጂ ነፍሰን ከሕልፋ ፈቲነን ምንባረን፡ ግን ከኣ ከም ዘይተዓወታ ምስ ፈለጥኩ’ዩ። ርእሰ-ቅጥለት ንኽፍጽማ፡ ድፍረት ካበይ ከም ዝረኸባ ንምርዳእ ልዕሊ ዓቅመይ ኰነኒ። ግን ከኣ ብሓቂ ንነፍሰን ዝረበሸ፡ ከም ብርቱዕ ንፋስ ዝቦቆጸ፡ ነገር ክህሉ ኣለዎ ኢለ ሓሰብኩ። ገዛኢ እዛ ዓለም ዝሓለፋኦ ሕማቅ ተመኪሮ ተጠቂሙ፡ ንህይወተን ናብ ጥፍኣት ይኽብክ ምህላዉ ተረድኣኒ። ንርእሰን ዓትዒቱ ዝሓዘ፡ ጽባሕ ዝመጽእ ወጋሕታ ከየማዕድማ ተስፋአን ኣማህሚኑ፡ የዒንተ ዘዐረ እንታይ ኰን ይኸውን፧

ርእሰን ንምቅታል ብኸመይ ክትግብርኦ ከም ዝፈተና ምስ ሓተትክወን ከኣ፡ ክልቲኣተን ካብ ዓቀን ንልዓሊ ብዝሒ ዘለዎ መድሃኒት ከም ዝወሰዳ ነገራኒ። መቅርበን ስለ ዝረኸብወን ናብ ሕክምና ከም ዝተጓየዩ፡ ኣብ ሕክምና ከኣ ከምልሳ ከም ዝተገብራ (induced vomiting)፡ ነቲ ዝወሰዳኦ መድሃኒት ዘምክን ካልእ መድሃኒት ስለ ዝተዋህበን ትንፋሰን ከም ዝደሓነት ፈለጥኩ። ኣብ ሓሳበን ይኹን ስምዒተን ዝሓድጎ በሰላ ከም ዘሎ ርዱእ’ዩ። ሓንሳእ ነፍሱ ንምሕላፍ ዝፈተነ ሰብ ከኣ፡ እንደገና ክፍትን ዓቢ ተኽእሎ ከም ዘለዎን፡ ካብቲ ቀዳማይ ዝኸፍአ መገዲ ከም ዝጥቀምን፡ ዝተጸንዐ ሓቂ ስለ ዝዀነ፡ ክሕገዛ ኣለወን ኢለ ሓሰብኩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ህይወት ዘለወን ተስፋ ክሕደስ ኣለዎ።

እታ ተማሃሪት ጓል፡ ስምዒታ ክተዕልለኒ ከላ ብዙሕ ትነብዕ ስለ ዝነበት፡ ኣብ ነፍሳ ተሰኪማቶ ዝነበረት ጾር ከቢድ ምዃኑ ተሰወጠኒ። ኣነ ዘይጠቅም፡ ዘይረብሕ፡ ንጽቡቅ ዕድል ዘይተፈጠርኩ ሰብ’የ። ውርደተኛ፡ ከም ቀይሕ ክዳን ዝተኸድነ ኣመንዝራ (a woman with red harlot) ዝዀንኩ ይስምዓኒ። ዝጥምተኒ ዘበለ፡ ነውራም፡ ውርደተኛ፡ ሕስርቲ፡ እናበለ ዝጥቅነኒ ይመስለኒ። ኣነ ንስድራይ ጾር’የ። ኣነ ተመትኩሎም ይሕሾም፡ ብምባል ርእሳ ገሊጻ ነገረትኒ። ምንባር ኣዝዩ ከም ዘድከማ፡ ንዓኣ ኰነ ንስድራኣ ዝሓሸ፡ እንተሞይታ ጥራይ ምኻኑ ምስ ነገረትኒ፡ ኣነ’ውን ክነብዕ ጀመርኩ።

እታ ሳዕስዒት ብዛዕባ ህይወታ ከተዕልለኒ ከላ ከኣ፡ ካብ ጓል 13 ዓመት ኣትሒዛ ዘይሕጋዊ መድሃኒታት ከም ዝወሰደት፡ ንሱ ንሕይወታ ከም ዝተቆጻጸራ ነገረትኒ። ዕድሚኣን ውቁብ ገጻን ምስ ረኣኹ ምእማን ሰኣንኩ። ምእንቲ ዘይሕጋዊ መድሃኒት ክትብል ከኣ፡ እዱብ ዘይኰነ ባህርይ ዘለዎም፡ ብዕድመ ምስ ዝዓብይዋ ኣወዳት፡ ዘይጥዑይ ርክብ ከም ዘለዋ ወሲኻ ነገረትኒ። ኣብ ህይወታ ምልኪ ከም ዘለዋ ርእሳ ከተእምን ከኣ፡ ዘይምብላዕ ስለ ዝመረጸት፡ ሸውሃተ ኣልቦነት (anorexia) ከም ዘጥቅዓ ኣካላታ የፍልጥ።

ዝሓለፋኦ ተመክሮ ኣዝዩ ሓርፋፍ ከም ዝዀነ ምስ ተረዳእኩ፡ ንልበን ሰቢሩ፡ ንስምዒታተን ኣበላሹ፡ ናብዚ ዓይነት ጸልማት ዝገዝኦ ናይ ህይወት ተመክሮ ዝመርሐን እንታይ ምኻኑ ንምፍላጥ ኣዝየ ተሃንጠኹ። እዚ ኹሉ ሳዕቤን እምበር፡ ብስሩ ጠንቂ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ ኢለ ብምሕሳብ፡ ኣዕሚቐ ክፍሕር ከም ዘለኒ ሓሰብኩ። ስለ ዝዀነ ኣብ ሓሳበይ ዝመጸ፡ ኣዝዩ ከቢድ ሕቶ ክሓተን ከም ዘለኒ ተረዳኒ። ግን ከኣ ኣዝየ ፈራህኩ።

እንታይ’ዩ ‘ቲ ጠንቂ፧

ኣቐዲመ ከኣ ሕቶ ክሓተን ከም ዝደለኹ፡ ክምልሳኦ እንተዘይደልየን ከም ዘየገድደን፡ ምትእምማን ዝተሓወሶ ቃላት ነገርክወን። ወሲኸ ኸኣ ከም ዘይፈርደንን ዘየቃልለንን መብጽዓ ኣተኹለን።
ከምዚ ክብል ኸኣ ሓተትክወን፡ ኣብ ጊዜ ቁልዕነትክን ኣብ ልዕሌኽን ዝተፈጸመ ዓመጽ፡ በደል፡ ኣሎ’ዶ፧

ዋላ’ኳ በበይነን ገይረ የዛርበን እንተነበርኩ፡ ኣብ ክልቲኣተን ዝረኣኽዎ ግብረ መልሲ ሓደ ዓይነት’ዩ ነይሩ። መጀመርያ ከም ዝሰንበዳ፡ ጸኒሐን ክምልሳለይ ሰጋእ መጋእ በላ። ጸኒሐን ግና ክልቲኣተን ክነብዓ ምስ ጀመራ፡ መልሱ ተረዳእኒ።

እታ ሳዕስዒት፡ ገና ጓል 5 ዓመት ከላ ኣኰኣ ብጾታዊ ርክብ ከም ዝዓመጻ፡ ‘ታ ካልኣይቲ ከኣ ካብ 7 ክሳብ 9 ዓመት፡ ሰብኣይ ኣዲኣ ከም ዝዓመጻ ነገራኒ። ኣእምሮይ ከኣ ምዕቋሩ ሰኣነ። ኣብ ክምዚኣተን ንጹሃትን ዓቅሚ ዘይብለን ቆልዑ፡ ከምዚ ዝበለ ሰይጣናዊ ተግባር ዝፍጸም ሰብ፡ ከመይ ሕልና ክህልዎ ከም ዝኽእል ምርዳእ ኣበየኒ። ግን ከኣ ኣብዛ ውድቅቲ ዓለም፡ ሞራል ሰብ ባይታ ኣብ ዝዘበጠሉ ዘመን፡ ከምዚ ክፍጸም ንመጀርያ ኣይኰነን። ሓጢኣት ፍኑው ስለ ዝኸደ፡ ልቢ ሰብ ከኣ ኣዝዩ ስለ ዝተበላሸወን ዝተበከለን፡ ሃቀናኡ ስለ ዝተበረዘን፡ ዓመጻ ንምፍጻም ተለቂቁ ምህላዉ ርዱእ’ዩ። ነዛ ውድቅቲ ዓለም ከኣ ክሳዕ ክንደይ “ወንጌል” ከም ዘድልያ መሊሱ ተሰወጠኒ።

እቲ ስዒቡ ኣብ ህይወተን ዝዀነ ኸኣ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ቁልዕነተን ዝተፈጸመ በደል ምዃኑ በርሃለይ። ክልቲኣተን ብዛዕባ ርእሰንን ዝነብራሉ ዘለዋ ዓለምን ዘለወን ኣጠማምታን ስምዒትን፡ ዝወሰድኦ ተግባብሮን ኣዝዩ ይመሳሰል። “ጾታዊ ዓመጽ” ንዕሸል ኣካላተንን ንድንግል ስምዒታተን ብሓይሊ ጠሪሩ ስለ ዝኣተወ ከኣ፡

  1. ርእሰን ዘይትጠቅም፡ ዘይትረብሕ፡ ዘብቅዕቲ፡ ውርደተኛ፡ ነውራም፡ ኣመንዝራ፡ ጌረን ክርእያ ገይርወን
  2. ንስምዒተን ስለ ዝበከለ ኸኣ፡ ጓሂ፡ ሓዘን፡ ሓርቆት፡ ቁጥዓ፡ ጭንቀት፡ ቅዛነት ኣብ ህይወተን ገዚኡ
  3. ብዘይ ፍቃደን ድንግል ማንነተን ስለ ዝተጋህሰ፡ ምትእምማን ኣጥፊአን፡ ብሑት፡ ግሉል፡ ዝዀነ ህይወት መሪጸን። ማንም ክኣምና ስለ ዝተሸገራ፡ ዝተመከረኦ ጥዑይን ድልዱልን ዝምድና ኣብ ህይወተን የለን። ብኣንጻሩ ክፍቀራ፡ ቅቡላት ከም ዝዀና ንርእሰን ከእምና ስለ ዝደለያ፡ እዱብ ጠባይ ንዘይብሎም ኣወዳት ገዛእ ርእሰን መጢወን።
  4. ኣብ ህይወተን ዘሎ ቃንዛ ንምሽፋን ንምድንዛዝን፡ ገዛእ ርእሰን ንመስተ፡ ዘይሕጋዊ መድሃኒታት ኣብ ምውሳድ ኣዋፊረን
  5. ኩሉ ምስራሕ ስለ ዝኣበየን፡ ናይ ምንባር ትርጉም ስለ ዘጥፍኣ፡ ምሕላፍ ነፍሰን ናይ መጨረሽታ መፍትሕን ተስፋን ኰይኑ ስለ ዝተሰምዐን፡ ገዛእ ርእሰን ከሕልፋ ወሲነን።

ጌሌካትኩም እዚ ምስ ነበብኩም፡ ዝተጋነነ ታሪኽ’ዩ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ዘይፍጸም ንውር ተግባር’ዩ ኢልኩም ትሓስቡ ትዀኑ። እዚ ግና የዋህነት’ዩ። ኣብ ቆልዑት ይኹን ዓቅመ ሄዋን ኣብ ዝበጽሓ ኣዋልድና፡ ብዘይ ፍቃደን፡ ብሓይሊ ዝዕመጻ ብዙሓት’የን። ባህልና ሕሱም ስለ ዝዀነ፡ ንኽትዛረብ ኰነ ታሪኽካ ንኽትነግር ዘየፍቅድ ብምዃኑ፡ ውሽጠን እናደመየ ስቅ ክብላ ዝመረጻ ብዙሓት ምዃነን ምግማት ኣየድልየናን።

ክንነቅሕ፡ ክንዛረበሉ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ልብና ከነግፍሕ፡ ኣእዳውና ክንዝርግሕ ይግብኣና። እዘን ከምዚ ዝገጠምን ኣሕዋት እንተዘይተሓጊዘን፡ ህይወት ጣዕሚ ኣጥፊኡ፡ ኣብ መንደልሃጽ ደው ኢለን ከም ዘለዋ ክንዝንግዕ የብልናን። ልብና ንምድንጋጽ ቅሩብ ክኸውን፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ጎደና ሕይወት ከነሳልየን ፍቃደኛታት ክንከውን ኣለና። ፍትሒ ዝረኽባሉ፡ ልዕሊ ኩሉ ኸኣ ናብ ሕውየት ዝመጻሉ መገዲ ከነናዲ ሓላፍነት ኣለና።

እሞ እቲ ጎደና ሕውየት ከመይ ዝበለዩ፧