“ስምዒታዊ ብቅዓት” ኣብ ምህናጽ ጥዕና ዘልዎ ርክብን ዝምድናን

ስምዒት ጽቡቅ ሕብሪ ዘለዎም፡ መሳጢ፡ ማራኺ፡ ሰሓቢ፡ ኣገዳሲ ዓቀን ዘለዎ፡ ሰብኣዊ ተመክሮ’ዩ። እዚ ኸኣ ሰብ ካብ ዝፍጠር ኣትሒዙ ዝነበረ፡ ንኽንነብርን ብህይወት ንኽንህሉን ኣዝዩ ካብ ዝጠቅመና፡ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት’ዩ። ህይወት ብምልኣት ንምንባር፡ ምሉእ ዝርጋሐ ዘለዎ ስምዒት ክንምኰር ኣለና። ብኣንጻሩ ንመብዛሕትና “ስምዒት” ዝበሃል ኣምር ዘይምቹእነት ይፈጥረልና። እዚ ኸኣ ካብታ ሓጢኣት ብዘይ ምእዛዝ ዝኣተወላ እሞ ሰብ መርገም ናብ ርእሱ ዘምጽኣላ ኣትሒዙ፡ ዝበዝሕ ናይ ሰብ ተመክሮ ቃንዛ፡ ሓዘን፡ ሕፍረት፡ ጭንቀት፡ ጻዕሪ፡ ዝበዝሖ ስለ ዝዀነ’ዩ።

ዘፍ3:17 “ኵሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ኻብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ።” እታ “ጻዕሪ (sorrow)” እትብል ሓረግ፡ “ሓዘን፡ ጓሂ” ዝብል ትርጉም ኣለዋ። እዚ ድሕሪ ሓጢኣት ዝኣተወ ኣሉታዊ ተመክሮ ግና ነቲ ኣምላኽ ሰብ ክመላለሰሉ ቅድሚ ሓጢኣት ዝፈጠሮ ሓሳብ ከንቱ ኣይገብሮን’ዩ። የሱስ ወዲ ኣምላኽ ዝተገልጸ ኸኣ ንሰብ ካብዚ ብዘይ ምእዛዝ ዝኣተወ ጻዕሪ መታን ከዕርፎ እዩ። “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።” ማቴ11:28

ብዛዕባ “ስምዒት” ዘልና ዘይጥጡሕ ኣረዳድኣ፡ ንስምዒታትና ብሰንኰፍ ክንሕዞን ክንጥምቶን ይገብረና። እንታይ ከም ዝዀነ፡ እንታይ መልእኽቲ ከም ዘሕልፉልና፡ ብኸመይ ከም ዝሕግዘና፡ ወይውን ብኸመይ ክንምልሰሉን ክንኣልዮን ከም ዘለና ክንፈልጥ ንሽገር። ካብዚ ዝተላዕለ መብዛሕትና ንስምዒታትና ክነጽጎም፡ ክንዕምጽጾም፡ ክንከድኖም፡ ክንጭፍልቆም፡ ክንክሕዶም ንፍትን።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ እንምኰሮም ስምዒታት ግቡእ ኣቃልቦ ንህቦ’ዶ፧ ከነብራህርሆም ዓቅሚ ኣለና’ዶ፧ ገሌና ከይተረድኣና ኣብ ትሕቲ ኩራ፡ ቁጥዓ፡ ጽልኢ፡ ገበንነት፡ ሓርቆት፡ ሓዘን፡ ፍርሒ፡ ጭንቀት፡ ሕፍረት፡ ውርደት፡ ቅንኢ፡ ቃንዛ፡ ናዕቢ፡ ተቆሪናን ተዋሒጥናን፡ ንህይወትና ሃሚኽዋ ይርከብ። ገሊኣትና ኸኣ ሓቀኛን ብርቱዕ ስምዒታትና ምእላይ ስለ ንሽገር ወይውን ክንገጥሞም ስለ እንፈርህ፡ ርእስና ገሊልና፡ ብሕታውነት ዝገዝኦ ህይወት ክነብር ንግደድ።

ክንርድኦ ዘለና ሓደ ሓቂ እንተሃልዩ፡ መብዛሕትና ንነዊሕ ዝጸንሕ፡ ዘይበላሾ፡ ዝምድና ክንምስርትን ክንሃንጽን ድሌት ኣለና። ብሓንሳብ ኬንካ፡ ኩሉ ጊዜ ብሓጎስ ምንባር፡ ናይ ኩሉ ሰብ ዕላማ’ዩ። ግብ2:46 መዝ133 ከምዚ ንምግባር እንታይ የድሊ፧ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ብዙሕ ፋሕተርተር ክንብል ንርአ። መንፈሳዊ ጥዕናን ብጽሕናን፡ ኣእምሮኣዊ ብጽሕና፡ ፋይናንሳዊ ድልውነትን ካልእን ዝብል ትንታነ ንሰምዕ ኢና። ብዙሕ ጊዜ ተጎስዩ ዝሓልፍ ፍልጠተትን ምርዳእን እንተሃልዩ፡ “ስምዒታዊ ጥዕናን ብቅዓትን” ዝብል’ዩ። ኣብ ማእኸል ኣብቲ ክንሃንጾ ንደሊ ዝምድና ከም ዝርከብ ዘለና ኣፍልጦ ሒደት’ዩ።

“ስምዒታዊ ብቅዓት” ማለት ንስምዒታዊ ተመኹሮና ንምልላይን ግቡእ ምላሽ ንምሃብን ዘለና ብቅዓትን ዓቅምን የመልክት። ፊሊ4:11 1ጢሞ6:6 ንስምዒታትካ ብግቡእ ምምላስ ማለት ከኣ ጠቃምን ዘይጠቃምን ንብሎም ስምዒታት ዘሎ ፍልልይ ምርዳእ ማለት’ዩ። ፊሊ4:8 ብተወሳኺ ነቶም ዘይጠቅሙ ስምዒታት እንብሎም ኣብ ጊዚኡ ብግቡእ መገዲ ንምፍታሕ ዝተመሃርና ንኸውን። 1ጢሞ4:15,16  እቶም ዘይጠቅሙ ስምዒታት፡ ኣብ ኣተሓሳስባናን ኣብ እንወስዶም ውሳኔታት ክዕንቅጹና ከነፍቅድ የብልናን። እዚ ኸኣ ኣብ ስምዒታዊ ብቅዓትና ዝተወሰነ’ዩ።

ስምዒታዊ ብቅዓት” ምስ ዝህልወና፡ ካብ ወሽጣዊ ህድኣትን ንጹርነት ተበጊስና ስጉምቲ ክንወስድ ዓቅሚ ይህልወና። እዮ11:18 ብግዚያዊ ዘየርብሑና ስምዒታት ውሽጥና ክብዳህ ከሎ ኸኣ፡ ውሽጣዊ ህድኣትን ንጽሩነት ሃልዩና፡ ብውሕልና እንደገና ንምምላስ፡ ናብ ጸጋ ኣምላኽ ክንቀርብ ናይ መጀመርያ ስጉምትና ይኸውን። ኢሰ30:15 እብ4:16 ኣብ መንጎ የዕርኹትና፡ መሳርሕትና፡ መማህርትና፡ ቤተሰብናን ኣዝማድናን “ምቅሉልን ልኡምን” ዘለዎ ህይወት ሒዝና ክንመላለስ ዝተሰርሐ ህይወት ይህልወና። ምሳ15:1 ብዕውቱን ብጽጹዩን መገዲ ስምዒታትና ክንገልጽ ክእለት ይህልወና። ምሳ16:24 1ጢሞ ኣባና ዘሎ ይኹን ኣብ ካልኦት ዘሎ ስምዒታት ክንርዳእ፡ ከነለሊ፡ ግቡእ ምላሽን ተግባብሮን ክንህቦ ዘኽእለና ኣገዳሲ ማሕበራዊ፡ ምሕዝነታዊ፡ ብቅዓት’ዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ከብ ኣብ ሰለስተ ኣገዳስቲ ነጥብታት ክንጥቅልሎ ንኽእል። “ስምዒታዊ ብቅዓት” ማለት

  1. ስምዒታትካ ብግቡእ ምቁጽጻር። እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝተፈላለየ መገዲ ይገልጾ። ኣብ ገላ5፡21 “ርእስኻ ምግታእ” ይብሎ። ኣብ ያእ3:2 “ንብዘሎ ስጋኡ ክለጉም ዝከኣሎ….” ኣብ 2ጢሞ1:6,7 “….መንፈስ ቅጽዓት….” ማለት በቲ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ዝሰርሖ ሰማያዊ ስራሕ ገዛእ ርእሱ ክገትእ ዝኽእል ማለቱ’ዩ። ኣብ ምሳ16:32 “መንፈሱ ዝገትእ” ይብሎ”። ምሳሌ25:28 1ቆሮ9:24-27
  2. ንውሽጣዊ ስምዒታት ከኣ ብግቡእ መስርሕ ምፍታሕ ማቴ5:23,24 ኣብዚ ሓሳብ ሓደ ሰብ ምስ ዝኹሪ፡ ዝጉቢ፡ ንምፍታሑ ክንኸዶ ዘለዎ መገድን መስርሕን ይነግረና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ነዚ ዝመሰለ ብዙሕ ተጠቂሱ ኣሎ። ማቴ18፡15 ያእ4:11-12
  3. ንስምዒት ካልኦት ምርዳኣን ኣፍልጦን ሓገዝን ምሃብ። እዚ ካብ ድንጋጸ ዝጅምር ኰይኑ፡ ሰብ ኣብ ዝሓልፎ ድሕሪ ቃላቱ ዘሎ ስምዒት ክትርድኦ ምኽኣል’ዩ። እዚ ኸኣ ደገፍ ኣምላኽን ተመክሮን ዝሓትት ኣገዳሲ ብቅዓት እዩ። 1ጴጥ3:8 ሮሜ12:15

ዓይነትን መለለይ ባህርይን ስምዒታዊ ብቅዓት

ጥዕና ዘለዎ “ስምዒታዊ ብቅዓት” ዝሃንጹ ባእታታት ከመይ ዝበሉ እዮም፧ ዝብል ሕቶ ክንምንልስ ግቡእ’ዩ። መለለይ ስምዒታዊ ብቅዓት ክንፈልጥ ኣገዳስነቱ ወሰን የብሉን። ኣብ 5 ክፍልታት ከኣ ክንውዝዖም ንኽእል። እቶም ቀዳሞት ሰለስተ “ንርእሰ ምሕደራ (self-management) ዝውክሉ ክዀኑ ከለው፡ እቶም ዝደሓሩ ክልተ ከኣ ምስ ካልኦት ዘለና ዝምድና፡ ርክብ፡ (relationship management) ዝሕግዙና እዮም።

  1. ርእስኻ ምፍላጥ። “ርእስኻ ምፍላጥ” ዝብል ኣምር ኣብ ንነብሮ ናብራ ዓቢ ቦታ ኣለዎ። ነገራት ክገጥሙና ከለው እንህቦ ስምዒታዊ ምላሽ፡ ግብረ መልሲ፡ ከምይ ከም ዝኸውን ክንፈልጥ ዓቢ ብጽሕና’ዩ። እዚ ማለት ንዛዝወሉ፡ ንዝንብለሉ ባህርይ ምፍላጥ ማለትና’ዩ።

 

ገሊኣትና ሰብ ዘይተጸበናዮን ዘይደለናንዮ ክገብር ከሎ፡ ቀልጢፍና ናብ ሓርቆት፡ ቁጥዓ፡ ሕነ ምፍዳይ ንዘብል። ገሌና ነቲ ሰብ ብኣሉታ ብምጥማት ናብ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅርሕንቲ ንዛዙ። ገሊኣትና ኸኣ ናብ ምርሓቅ፡ ምርጥራጥ፡ እንደገና ዘይምዝራብ፡ ገጽና ንቀንን። ገለ ዓቅሚ ዝበዝሓሉ ኸኣ ምኽንያት ንምፍላጥን ንምርዳእን ዝዕገስ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንዝጸልእዎ ዝምርቅ፡ ስለቶም ዘሳድድዎን ዘዋርድዎን ዝብድልዎን ዝጽልን ዘማልድን ኣሎ።

 

ገለ ነገር ክገጥመና ከሎ፡ ኩሉና ስምዒታዊ ምልዕዓል፡ ፈሊጥና ይኹን ከይተፈለጠና፡ እንህቦ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ኣሎ። ገሊኡ ስምዒቱ ንባህርይኡን ተግባሩን ዝዝውሮ ኣሎ። ገሊኡ ኸኣ ገዛእ ርእሱ ገቲኡ፡ ስምዒቱ ዛርዩ፡ ብግቡእ ሓሲቡ ተግባብሮ ዝወስድ ኣሎ።

 

ብዛዕባ ርእስና እዚ ምፍላጥና ከኣ ዓቢ ጥቅሚ ኣለዎ። ቅኑዕ ዝዀነ ርእሰ ግምገማን ርእሰ ንቅሓትን ይሃልወና። መዝ4:4 “ስምዒታዊ ንቅሓት” (emotional awareness) ማለት ብዛዕባ ነቲ ብደፈነ እንህቦ ምላሻት ዘለና ኣፍልጦን ምርዳእን ብንጹር ኣፍልጦ ክንህብ ከለና’ዩ። ዘይንደልዮ ግን ከኣ በጨቅ እናበለ ዘሸግረና፡ ቐሓር ነፍሲ ዝዀነና፡ ስምዒታት ዘለና ኣፍልጦ ክዓቢ ኣለዎ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብምእማን ከኣ፡ ፈውስን ምንጋድን ክንረክብ ናብ ዝፋን ጸጋ ክንቀርብ ይግብኣና።

 

ኣብ ዘይምቹእ ኩነት፡ ድልዱል ዝዀነ ምትእምማን ክህልወናን ክንሃድን መታን፡ ብዛዕባ ርእስና ዘለና ኣፍልጦ ወሳኒ’ዩ። መዝ131፡1,2 እዚ ርእሰ ኣፍልጦ ኸኣ ብጻዕርና፡ ጥበብና፡ ብልሓትና ዘይኰነ፡ ካብ ብርሃን ኣምላኽ ዝርከብ ጥበብን ንቅሓትን’ዩ። መዝ36:9; መዝ43:4 1ዮሃ1:7-9 ርእስና ብዝግባእ ክንፈልጣ፡ ካብቲ ዝግብኣና ኣዕዚዝና ወይውን ኣጉዲልና ከይንሓስብ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ተደጊፍና ርእስና ክንድህስስ ይግብኣና። ሮሜ12:3

 

  1. ርእስኻ ምግታእ፡ ምሳ25፡9 1ቆሮ9:25 “ርእስኻ ምግታእ” ብቐጥታ ምስ ኣምልዀ ይተሓሓዝ። ንርእሱ ኣምልዀ ዘልምድ፡ ርእሱ ክገትእ ዓቅሚ ኣለዎ። 1ጢሞ4:7 ብቃል ኣምላኽን ብመንፈስ ኣምላኽ ኣብ ጸጽባሕ እትሕደት ነፍሲ ምስ እትህልወና፡ ርእስና ንምግታእ ዘለና ዓቅሚ እናዓበየ ይኸይድ። መዝ23፡3 ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ ወለዶ፡ ኩሉ ቅጽበታዊ ዕጋበት ንምድላይ ኣብ ዝቅሰበሉ፡ ርእሱ ዝገትእ ዘበለ ንኣምላኽ ዝኸውን ህይወት ክነብር ዓቅሚ ይህልዎ።

 

ነፍስና ብብዙሕ ነገር እናላሕለሐትን ማራኣ እናጥጥፍአትን እንተኸይዳ፡ ተጻዋርነትናን ትዕግስትና ተጸንቂቁ፡ ተነቀፍት ንኸውን። ንኣምላኽ ብምጽባይ ነፍስና ክትሕደስ ኣለዋ። ኢሰ40፡28-31 ዘይተጸበናዮ ክኸውን ከሎ፡ ኩነታት ክቅየር ከሎ፡ እንታይ ምላሽ ንህብ፧

 

ለዛቢነት (adaptability) ኣብ ህይወትና ዝጻወቶ ተራ ዓቢ’ዩ። እምነት ኣጥፊእና ምስ ዝለዋወጥ ኩነታት ህይወት ክንለዋወጥ ኣይግብኣናን።፡ ምትዕጽጻፍን ለዛቢነትን ዘድልየና ኩነት ክመጽእ ከሎ ድልዋት ኬንና ክንጸሕን ኣለና። ንኹሉ ጊዜ ስለ ዘለዎ፡ ንወቅቱ ዝኸውን ዝእመን ህይወት ክህልወና ንጥዕናና ሕሉው ይገብሮ። መክ3:1 1ቆሮ19-23 ግቡእ ለዛቢነት ዝህልወና፡ ልዕሊ ዝገጥመናን ዝለዋወጥ ኩነታትን ክነብር ከለና’ዩ። ፊሊ4:11-13፡

 

ንዝጀመርናዮ፡ ብፍላይ ካብ ኣምላኽ ዝተቀበልናዮ ዕዮ፡ ክሳዕ መጨረሽታ ብጽንዓት (conscientious) ክንፍጽም፡ ዝተሃንጸ ስምዒታዊ ብቅዓት ክህልወና ናይ ግድን’ዩ። ነቲ ዝገጥመና ብድሆታትን ፈተናታትን ስዒርና፡ ክሳዕ ፍጻሜ ክንበጽሕ፡ ዘለና ውሽጣዊ “ጽንዓት” ወሳኒ’ዩ። ሃጌ4:2 ያእ5:8 እዚ ኸኣ ካብቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለና እምነት ዝጅምር ኰይኑ፡ ናብ ኩሉ ክፋል ስምዒታትና ዝልሕም ናይ ኣምላኽ ስራሕ’ዩ። 1ቆሮ16:13 ብፍላይ “ምሕላል” እንታይ ምኻኑ ኣብ ህይወቱ ዝተመከሮ፡ ነዚ ንብሎ ዘልና ክርዳእ ኣይሽገርን’ዩ።

 

  1. ውሽጣዊ-ድረኻ/ቅስቀሳ፡ እቲ ካልእ ስምዒታዊ ብቅዓትና ከኣ “ድርኺትና” እዩ። ናብ ግብራውነት ኣቢሉ ዝደፍኣና ውሽጣዊ ሓይሊ “ድርኺት” ንብሎ። እዚ ኸኣ ንድሌት ገዛእ ርእስና ክኸውን ይኽእል ወይውን ንፍቃድ ኣምላኽ ንምትግባርን ንምንባርን።

 

ንጉስ ዳዊት ከምዚ ክብል ዘሚሩ፡ “ፍቃድካ ክገብር ድሌት ኣሎኒ”። መዝ40፥8 ሃዋርያ ጳውሎስ’ውን ዝተጸለልና ውይስ ምስ ቀልብና ዘለና እተመሰልናኩም፡ ኣብ ውሽጥና ኰይኑ ዝደፍኣናን ዝድርኸናን ዘሎ “ፍቅሪ ኣምላኽ’ዩ ብምባል ዘለዎ ውሽጣዊ ጥዕና ገሊጽሎም። 2ቆሮ5፡14 ንርእስና ባህ ከነብል ዲና ንጽዕር ዘለና ወይስ ካብ ገዛእ ርእስና ወጺና ድሌት ኣምላኽ ንምፍጻምን ንኻልኦት ዝሕሾም እናጠመትና ንደፍእ ኣለና፧ ገላ1:10 ፊሊ2:3 ገሊኡ ብስስዐ ተደሪኹ፡ ንጥቅሚ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ዝሓስብ ብዙሕ’ዩ። ካብ ገዛእ ርእሱ ኣሳጊሩ፡ ንምህናጽን ጥቅሚ ካልኦትን ክሓስብ ብቅዓት ዘይብሉ ክንደይ ኢልካ ክቁጸር።

 

ዳዊት ጉያኡን ድሌቱን ናይ ሰማይ ከም ዝነበረ ክገልጽ ከሎ፡ “ኣብዚ ምድሪ ንዓኻ ካብ ረኸብኩ ዝደልዮ የብለይን” ኢሉ። እታ “ዝደልዮ” ትብል ሓረግ ከነስምረላ ኣለና። መዝ73:25 ሃዋርያ ጳውሎስ እዚ ሓቂ ብዓውታ ኣቃሊሑ ኣሎ። ፊሊ3:12,13 ብዝገጥመና ከይተሰናበድና ከይሰጋእናን ንቅድሚት ክንግስግስ፡ ነስፍና ብተሰፋ ሃብታም ክትከውን ኣለዋ። እዚ ኸኣ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝርከብ ጸጋ’ዩ። ሮሜ15:13

 

ብተወሳኺ’ውን ውሽጣዊ ድረኻኡ ዝጠዓየ ሰብ፡ ዝተመባጽዖ ዝፍጽም ሰብ’ዩ። መዝ15:4 ኩሉ ንዓይ፡ ንባዕለይ፡ ንርእሰይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዘይብል፡ ካልኦት ከይጎድእ ይሓስብን ይሓልን ይጥንቀቅን። ንኻልኦት ከገልግልን ክረብሕን ርእሱ ዘትሕት ሰብ ይኸውን። ማቴ23፡11,12 የሱስ’ውን ኣሰር ገዲፉልና ኣሎ።ዮሃ4:34

 

ጥዕና ዘለዎ ስምዒታዊ ብቅዓት ዘለዎ ከኣ ትህኺት ኣይለግቦን። ኢዲ ኣጣሚሩ፡ ኣብ ናይ ሓሶት ተስፋን ባህግን ኣይነብርን። ካብ ጥዑይ ሃቀና ተበግሶ (initiative) ይወስድ። ሮሜ12:11 ኣብ ኣምላኽ ተወኪሉ ፍረ ዕያኡ ክርኢ ህርድግ ይብል። 1ቆሮ15:58 ኢሰ3:10፡ ብትግሃት ስለ ዝመላለስ፡ ኣምላኽ ብዘይ ፍረ ክኸውን ኣይሓድጎን’ዩ። 2ጴጥ1:8

 

እዚ ኸምዚ ዓይነት ህይወት ብኸምኡ ዝርከብ ውሽጣዊ ጥዕና ኣይኰነን። ንኣምላኽ ዝተወፈ ህይወት ምስ ዝህልወና፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ዝህነጽ መንፈሳዊ ስራሕ ኣሎ። ምስ ድሌትን ፍቃድን ኣምላኽ ዝቃዶ ድሌትን ድርኺትን ክህልወና፡ ምድላይን ምግባርን ኣብ ውሽጥና ይቦቁል። ፊሊ2:14-16

 

  1. ተደናጋጽነት፡ ካልእ ኣገዳሲ ዝዀነ ክፋል ስምዒታዊ ብቅዓት ከኣ “ተደናገጽነት” እዩ። እዚ ብፍላይ ውሽጣዊ ጥዕናና ንመዝነሉ መምዘኒ’ዩ። ኩሉ ሰብ ዝሓልፎ ፈተናን ድኻምን ኣሎ። ካብቲ ዝሓልፎ ተማሂሩ፡ ኣብቶም ሰንከልከል ዝብሉ ድንጋጸ ክልግስ እንተዘይክኢሉ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዝጥምት ዕዉር’ዩ ክንብሎ ንኽእል።

 

1ዮሃ3:17 “ድንጋጸ (empathy) ማለት ስምዒት ካልኦት ምርዳእ ማለት’ዩ። ምስቶም ዝሕጎሱ ዝሕጎስ፡ ምስቶም ዝሓዝኑ ዝሓዝን ሰብ ውሽጣዊ ጥዕናኡ ዝተሓለወ ሰብ ጥራይ’ዩ። ሮሜ12:15-17 ንሓድሕድና ምድንጋጽ፡ ምትሕልላይ ክህልወና ፍቃድ ኣምላኽ’ዩ። 1ጴጥ3:8 የሱስ ንስቃይን መከራን ካልኦት ኣቃልቦ ዝንበሮ’ዩ ነይሩ። ማቴ9:36 ሉቃ7:11-16 እብ4:15 መዝ56:8 ድንጋጸ ዝበዝሓሉ ሰብ፡ ስምዒታዊ ጥዕናኡ ዝተሓለወ ስለ ዝዀነ፡ ብዝሰለጠሎም ይሕጎስ፡ ካልኦት ኸዕቢ ኸኣ ይጽዕር። ፊሊ2:3 ክግልገልን ብዝፍልይ ዝበለ ክእለን ዘይኰነ፡ ከገልግል ዕላምኡ ይኸውን። ማር10:45፡ ንኻልኦት ክርዳእ ብዕቱብን ንጥፉን ክሰምዕ ይፍትን። ያእ1:19 በይነይ ከይበለ፡ ብብዙሕነት ዝሕጎስን ብሓንጎፋይ ይቅበል። ኢፌ4:32 ሮሜ12:15 ማቴ7:12 1ጴጥ3:8

 

  1. ማሕበራዊ ሜላ፡ ዕላማ እ/ሔር ካብ መጀምርታ፡ ንዕኡ ዝኸውን ሕብረተሰብ ምህናጽ’ዩ። እዚ’ውን በቲ ንኣዳም ዝሃቦ ትእዛዝ ብሩህ ጌርዎ። “ብዝሑን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ምልእዋ…” ዘፍ1:28 ንኖህ፡ እዚ ተስፋ ኸኣ ንኣብርሃም፡ ንሙሴን ደቂ እስራኤል፡ እንደገና ብምሃብ ኣረጋጊጽዎ። ቅኑዕን ሓቀኛን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ከኣ ብዙሕ ነገር ይሓትት። ንእ/ሔር ናይ ኩሉ ማእኸል ብምግባር፡ ስምዒታዊ ጥዕናና ኸኣ ዓቢ ተራ ይጻወት።

 

“ማሕበራዊ ሜላ” ክንሓስብ ከለና መጀምርያ ኣብ ሓሳብና ቅጅል ዝብልዝርርብ (communication) ዝብል’ዩ። ብዘይ ምኽንያት ከኣ ኣኰነን። “ዝርርብ” ዝጻወቶ ተራ ዓቢ ምዃኑ ንኹልና ብሩህ እዩ። ርእስና ክንገትእ እንተዘይክኢልና፡ ካብ ኣፍና ዝወጽእ ጎዳእን ኣፍራስን ክኸውን ይኽእል’ዩ። ናይ ምዝርራብን ምስማዕን ዓቅምና ብቀጥታ ምስ ስምዒታዊ ጥዕናና ዝተተሓሓዘ’ዩ። መዝ19:14 መዝ37:30 ምሳ25:11 መክ10:12 ኤፌ4:29 ብዛዕባ “ዝርርብ” ብዙሕ ክንዛረብ ዘለና ቦታ ኣየፍቅደልናን’ዩ። ሓንቲ ክንርድኣ ዘላትና ሓሳብ እንተሃልያ፡ ጥዑይ ዝዀነ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ናይ ምዝርራብ ክእለትና ክዓቢ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ምስ ስምዒታዊ ብቅዓትና ብቀጥታ ይተሓሓዝ። ምረትን ጽልእን ቅርሕንትን ቁጥዓን ዝመልአ ሰብ፡ ስርዓት ዘልዎ ዝርርብ ክገብር ኣዝዩ ይሽገር።

 

ካልእ  ኣገዳሲ ሓሳብ እንተሃልዩ ኸኣ “ግጭት” ብውሕልና ምእላይ’ዩ (conflict resolution)። ኣብዚ ዘለና ድኻም ርኡይ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ካልእ ጊዜ ብሰፊሕ ክጽሕፍ’የ። ስምዒታቱ ዘይጠዓየ ህዝቢ፡ ግጭታቱ ብግቡእ ክኣሊን ክፈትሕን ዘይክእል ምኻኑ ርዱእ’ዩ። ማቴ18:15-17፡ ማቴ5:24 ክንርድኣ ዘላትና ሓንቲ ሓቂ እንተሃልያ፡ ብግቡእ መገድን ኣብ ግቡእ ጊዜን ዘይተፈትሐ ግጭት፡ ከምቲ ዘይተኣልየ ቁስሊ እናመጎለን እናገደደን ይኸይድ።

 

ኣብ ትሕቲ ማሕበራዊ ሜላ ኸኣ ከም መሪሕነት (leadership)፡ ምትእስሳር፡ ምትሕግጋዝ (collaboration) 1ቆሮ1:10 ሮሜ15:5-6፡ ምትሕብባር (cooperation) ኣሞ3:3 ነህ4:6 መክ4:8-12፡ ኣብ ዓቅሚ ጋንታ/ብሕብረት ምስራሕ (team capability) ሮሜ12:17-21 ምሳ15:1 ማቴ5:9 ፊሊ2:3 ምሳ27:17 ኤፌ4:16 ዝብሉ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ ሓሳባት ኣለው።

ሓደ ሰብ ዘይጥዓየ ውሽጣዊ ስምዒት ምስ ዝህልዎ፡ ማለት ጽልኢ፡ ምረት፡ ቁጥዓ፡ ቅሬታ፡ ይቅረ ዘይምባል፡ ንርእሰይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል ድሌት፡ ክትከብር ምድላይ፡ ግብዝና፡ ባዕለይ ጥራይ፡ ንርእስኻ ባህ ከተብል ምጽዓት፡ ካልእን ዝገዝኦ ምስ ዝኸውን፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስና ዓይነታት “ስምዒታዊ ብቅዓት” ንምህናጽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሽገር ክንርዳእ ቀሊል’ዩ። ኣብ ናሓድሕድና ሓቂ ክንዛረብን ሓጢኣትና ክንእመንን እንተኽኢልና፡ ፈውሲ ካብ ኣምላኽ ንረክብ። ርክብናን ዝምድናና ድማ ይጽብቅ። ኤፌ4:25-32 ያእ5:16

እዚ ኹሉ ቀሊል መገዲ፡ ሕድር ኢልካ ክትበጽሖ ትኽእል ብጽሕና፡ ብባዕልኻ ክትሃንጾ እትኽእል ድልዱል ሰረት፡ ከስምዓና የብሉን። ብዓቢኡ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘድልየና ክንርዳእ ኣለና። ገላ5:21 ዮሃ15:1-11 በቲ ሓይሊ ዝህበና ብኽርስቶስ ክንበጽሖ ከም ንኽእል እምንቶ ይሃልወና። 2ቆሮ3:5 ምስ ኣምላኽ ዘቋርጽ ሕብረት ክህልወና ኣለዎ። እቲ በብምዓልቲ ንሓልፎ ፈተናታት፡ ልዕሊ ዓቕማና ከም ዘይዀነ፡ ኣምላኻዊ ባህርይ ኣባና ከም ዝሃንጽ፡ ክንርዳእ ኣለና። ያእ1:3 ሮሜ5:3 ምስ ገዛእ ርእስና ትዕግስቲ ክህልወና ኣለዎ። ብፈተና እንተወዲቅናን እንተፈሺልናን፡ እንደገና ክንትንስእ፡ ንቅድሚት ገጽና ክንግስግስ ብጸጋ ኣምላኽ ክንድልድል ኣለና። 2ጢሞ2:1-7 ምሳሌ24:16

 

Author

Samson Mesghena