ብልሂ ሰማዒ

ብ ል ሂ  ሰ ማ ዒ

መበገሲ ጥቕስታት


ኢሳይያስ 50 (Isaiah) 4፤

ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ። ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ።

ያእቆብ 1 (James) 19—20፤

ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዅራ ደንጓዪ ይኹን። ኢሳይያስ 9 (Isaiah) 6፤ ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂብና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም፡ #መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ።


መእተዊ


ብዙሓት ክርስትያናት ሰኣን ምዝራቦም፣ ገሊኦም ድማ ሰኣን ዝሰምዖም ብልሂ ሰማዒ ዝተላዕለ፣ ነፍሶም ኣብ ውሽጦም ዝጎበጠት ሒደት ኣይኮኑን እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን። ብሕልፊ ኣብዚ ካብ ምድርና ወጺና ፋሕ ኢልናሉ ዘሎና ኽፋእን ከቢድን ጊዜ፣ ብዙሕ ዝተፈላለዩ ዓይነት ስነ–ኣእምሮኣዊ፣ መንፈሳዊ ይኹን ማሕበራዊ ብድሆታት ኣለዉና እዮም።

ነዞም ዝጠቀስናዮም ብድሆታት ምላሽ ክህበና ዝኽእል ብስለት ዘለዎን፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርዓመን “ናይ ምኽርን ምጽንናዕን ኣገልግሎት” የድልየና ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይ፣ ሓደ ዓብይ ሃጓፍ ዘሎና ኾይኑ ይስምዓኒ። ቅርብ ኢልካ ናይ ገሊኦም መንእሰያት ምስክርነት ክትሰምዕ እንከሎኻ እኮ፣ እትሕዞን እትርምስሶን እዩ ዝጠፍኣካ። መን ይርድኣሎም? ምቹእ ሃዋሁ ብዘይምህላዉ፣ ዘይተዘረብሎም ግናኸ ንብዙሓት ዉሽጦም ዘሳቅዮም ተወሰኽቲ ዛዕባታት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ርግጸኛ እየ።

እዛ ጽሕፍቲ እምብኣር፣ ንኹሉ ኣማኒ ክትምልከት ትኽእል እኳ እንተኾነት፡ ብሕልፊ ነቶም ንቅዱሳን ብጉስነት፣ ብምኽሪ፣ ብምጽንናዕ፣ ከምእዉን ብዝተፈላለዩ መዳያት ዘገልግሉ ኣገልገልቲ ግና ፍልይ ዝበለ ምዕዶ ዝሓዘት እያ ኢለ ይሓስብ።ብተገዳስነት ክትንበብ ድማ ይላቦ። ልዕሊ ኹሉ ግና፣ ኣንቢብና ምስ ወድኣናያ ብዙሕ ሓሳባት ካባኻትኩም ክፈስስ እሞ፣ ሓደ ዓቢይ ዶክሜንት ኾይኑ ንኣገልገልቲ ምኽርን ጓሶትን ዝሕግዝ ሰነድ ክኸዉን ይምነ። እቶም ዓይነት ሽግራትን መፍቲሒታቶምን እትብልዎ ወስ ከተብሉ እላወበኩም። ጽቡቕ ናይ ንባብ ጊዜ ይግበረልኩም።


ትሕዝቶ 


ክቡር ኣንባቢ፡ 2ተ ዝመሳሰላ ሕቶታት ክሓተካ ፍቐደለይ። ካብ ተዘክሮታትካ፡ ገለ ሽግሮም ዝኸበዶም ሰባት ናባኻ ብምምጻእ ኣጻዊቶሙኻ‘ዶ ይፈልጡ? ማዕረ ክንደይከ ኣምላኻዊ ዝኾነ ምኽርን ምዕዶን ካባኻ ረኺቦምን ካብቲ ዝኸብዶም ዝነበረ ጾር ኣዕሪፎም? ወይ ድማ ንስኻ በዓልኻ፡ ኣብ ህይወትካ ክንደይ ጊዜ ዓብይ ጾር ኣጋጢሙካ፣ ነቲ ጾርካ‘ኸ ከም ጾሮም ቖጺሮምን ጽን ኢሎም ብምስማዕ፣ ንህይወትካ ዝረብሕዋ ኣገልገልቲ ወይ መሓዙ ክንደይ ኣጋጢሞሙኻ ይፈልጡ? ምስ ሕቶኻን ጾርካን መጺእካ፣ ከምኡ ኢልካ ዝተመለስካሉ ገለ ጊዜታት ይህልዉ‘ዶ ይኾኑ?

ብመሰረት ኢሰ.9፡6፣ ሓደ ካብቲ መጸዉዒ ስም ናይ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ”መካር…መስፍን ሰላም” ዝብል መጸዉዒ እዩ። እዚ “መካር ጎይታ” ነዚ ስሙ፣ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ብህይወቱን ኣገልግሎቱን ብግብሪ መስኪርዎ እዩ። ብትሑትን ድንጋጽ ብዝተመልኦ ልብን፡ ንናይ ብዙሓት ጾር ቅርብ ኢሉ ዝሰምዕ እዩ ነይሩ ። ኣስዒብ አቢሉ ድማ ግቡእ ዝኾነ ምኽርን ምላሽን ብምሃብ፡ ናብ ፍጹም ሕቶኻን ዕትሮኻን እትርስዓሉ ህይወት ዘሰጋገረ ጎይታ እዩ።

ናይ ጎይታ ህይወቱ፣ ብኣምላኻዊ ምኽሪ ዝተመልአ ስለዝኾነ፡ ኣብ ማቴ.11፡28 ዘሎ ሓሳብ እንተሪእናዮ ”ኣቱም ኩልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ…..ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም” እዩ ዝብል። ኣብዛ ጥቅሲ እተን “እትጽዕሩ” “ጾር ዝኸበደኩም” ዝብላ ቃላት ንመንፈሳዊ፣ ነፍሳዊ፣ ከምኡ`ውን ስጋዊ ኩነታት ሰብ እየን ዝገልጻ። ነዚ ኩሉ ኩነታት መፍትሒ ድማ፣ ንሱ ክርስቶስ ሙዃኑ እንከመልክት “ኣነ ከዕርፈኩም” “ናባይ ንዑ” “ንነፍስኹም ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም” ይብል። እዚ መልሲ ናይ ኩሉ ሕቶ ዝኾነ ጎይታ፣ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እንክዛረብ ድማ ኣብ ማቴ 11: 29–30 ከምዚ ዝስዕብ ይብል:–


ኣነ ለዋህ እየ

ልበይዉን ትሑት

ኣርዑተይ ፈኲሽ ④ ጾረይዉን ቀሊል

ኣርዑተይ ጹሩ

ኻባይዉን ተምሀሩ


ስለዚ እቲ ኣብ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ዝዋፈር ሰብ፣ ነቲ ኣብ ጸገም ዘሎ ሰብ ከዕርፎ ወይ ናብ መፍትሒ ዝርከቦ ኲነት ከሰጋግሮ እንተድኣ ኾይኑ፣ ነዘን ባህርያት ናይዚ “መካር” ተብሂሉ ዘሎ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ” ክለብሰን ክምሃረንን፣ ከምኡ`ውን ርእሱ ዘለማመደ ብሱል ሰብ ክኸዉን ይግብኦ። ጎይታ የሱስ ንሰብ ጽን ኢለን ዝሰምዓ ኣእዛንን፡ ንሽጉራት ከዕርፋ ምእንቲ ድማ ዝፈሳ ፍሉያት ቅቡኣት ከናፍርን ኣለዋኦ። ናብኡ ምስ ሕቶኡ ዝመጸ፡ ምስ ሕቶኡ ከቶ ኣይተመልሰን። ስለምንታይ? ምኽንያቱ ንሱስ እምበር ብልሂ-ሰማዕን ግሩም-መካርን እዩ!

እምብኣር ብዘይ ምኽርን ፍልጠትን እዚ “መካር/Counsellor” ጎይታ፣ ገለ ናይ ሽግር ፍታሕ ክንረክብ ይኹን ክንህብ ኣይክአለናን እዩ። እስኪ ነዘን ዝስዕባ 2ተ ጥቕስታት ብምስትውዓል ነንብበን:–

ነቲ ስውር ምኽሪ ኣምላኽዶ ትሰምዖ ኔርካ፧ ጥበብከ ንርእስኻዶ ሒዝካያ ኣሎኻ፧እዮብ 15 (Job) 8፤

እዮብ 26 (Job) 3፤ ነቲ ጥበብ ዝሰኣነ ኸመይ ዝበለ ምኽሪ ሀብካዮ። ክንደይ ፍልጠትከ ዘይገለጽካሉ። ስለዚ ከም ጎይታ የሱሰ ብልሂ-ሰማዕን መካርን ሙኻን ከምዘድልየና ቅድሚ ዝኣገረ መንጸፍ ኣንጺፍና ኣሎና። ሕጂ እምብኣር ናብቲ ሓደ ብምኽሪ ምሃብ ዘገልግል ብልሂ ሰማዒ ሰብ፣ ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሽግራት (ግርጭታት፣ ዝተፈላለዩ ማህሰይትታት ፣ ወዘተ) መፍትሒ ኣብ ምርካብን፣ ምኽሪ ኣብ ምሃብን ክጥንቀቀለን ዝግብኦ ነጥብታት ክንድህስስ ክንፍትን ኢና።

I. መምዘኒታት ብልሂ-ሰማዒ


ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ፡ ንሰባት ተጠንቒቅካ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምስማዕ ልምድን ባህርይን ዘኻዕበተ ክኽዉን ይግባእ። እቶም ብዛዕባ ገለ ሽግር ኣጋጢምዎም ዘዛርብዎ ዘለዉ ሰባት፡ እንታይ ይብሉ ከምዘለዉ ክትሰምዖም እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ዝብልዎ ዘለዉ ጉዳያት ድማ ምሉእ መረዳእታ ኣገናዚብካን፣ ዝግባእ ምኽሪ ወይ ማዕዳ ወይ ድማ ምጽንናዕ ዝርከበካ ሰብ ክትከውን ክድለየካ እዩ።

ነዚ ብዝምልከት፣ አብ ምሳሌ 21፡28 “…..ዚሰምዕ ሰብ ግና ኩሉ ጊዜ ኺዛረብ ይፍቀደሉ።“ ይብል።

ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ ዘይሰምዕ ሰብ ክዛረብ ኣይተፈቕደሉን ማለት እዩ።ስለዚ እቲ ክዛረብ እምበር ንኻልኦት ክሰምዕ ዘይኽእል ኣገልጋሊ፣ ኣገልግሎቱ ምልኣት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ኣየናይ ኣገልጋሊ እዩ‘ኸ ንሰብ ምስማዕ እንዳተሸገረ፡ ንእግዚኣብሄር ክሰምዕ ዘይሽገር? ስለዚ ነቶም አብ ጸገም ዘለዉ ሰባት ጽን ኢልካ ብምስማዕ ጥራይ ኢኻ ዘዕግብን ዘዕርፍን ምላሽ ክትህቦምን ከተጸናንዖምን እትኽእል።

ብዝበለጸ፡ ሓደ ምኽሪ ብምሃብ ዘገልግል ኣገልጋሊ፣ ነቲ አብ ሽግር ዘሎ ሰብ ኣብ ዝሰምዓሉ እዋን፡ ነዘን ዝስዕባ ሰለስተ ኣገደስቲ ነጥብታት ጽቡቕ ገይሩ ከድህበለን ይግባእ፡-

ኣብ ምኽሪ ኣገልግሎት ዘድልያ 3ተ ኣገደስቲ ነጥብታት


①ብኣፍ እቲ ዝዛረብ ዘሎ ሰብ ዝወጹ ዘለዉ ቓላት ወይ ጉዳያት እንታይ ምኻኖም ተጠንቒቕካ ምስማዕ »»»»»»ጽን ምባል

② ኣብ ኣፍ እቲ ዝዛረብ ዘሎ ሰብ፣ ተሰዊሮምን ተሸፊኖምን ዘለዉ ቓላት ወይ ጉዳያት እንታይ ምኻኖም ምስትብሃል»»»ምድማጽ

③ ኣብ ዉሽጢ ልቢ እቲ ዝዛረብ ዘሎ ሰብ፣ ተሰዊሮም ዘለዉ ጉዳያት እንታይ ምኻኖም ምልላይ»»»» ምርዳእ ወይ ምልላይ


① ጽን-ምባል


(እንታይ ይብሉ ከምዘለዉ ተጠንቂቕካ ምስማዕ)

ብመጀመሪያ ደረጃ፡ እቲ ዝዛረብ ዘሎ ሰብ ማለቱ ኾይኑ ዝብሎ ዘሎ ጉዳይ ተጠንቒቅካ ምስማዕን ምርዳእን ከድሊ እዩ። እዚ ንምግባር፡ እቲ ሰማዒ ኣብ ቅድሚ ጎይታ ህዱእ ዝኾነ መንፈስ ዘለዎን ስምዒታዊ ዘይኮነ ሰብ ክኸዉን ይሕተት። ኣእምሮኻ ንጹህ፡ መንፈስካ ድማ ህዱእ ሙዃን፣ ነቲ በዓል ጉዳይ ጽን ኢልካ ንኽትሰምዖ ዓቢይ ዝኾነ ኣበርክቶ ኣለዎ። ብዓይኒ እግዚኣብሄር ክትርኣ እንከሎኻ፡ ከምታ ምንም ቐለም ዘይተንከፋ ጸዓዳ ወረቐት ክትከዉን ይግባእ።

ብዛዕባ እቲ በዓል ጉዳይ ምንም ዓይነት ቅድመ-ግምት ወይዉን ዝንቡዕ ዝኾነ ኣመለኻኽታ ዘይብልካ ሰብ ኾይንካ ክትርከብ ጽዓር። ምኽንያቱ ከመዮ ኣብ ግብ.24፡16 “ስለዚ አብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን እንታ ዜብሉ ሕሊና ኺህልወኒ፡ ኩሉ ጊዜ እጽዕር አሎኹ።“ ከምዝብል፣ ቐለም ዘይብሉ ሕልና ምህላዉ ጽዓሪ ይሓትት እዩ። ማለት፡ ቕድሚ ጽን ኢልካ ምስማዕካ፡ ዝኾነ ዓይነት መደምደምታ ወይ ናይ ፍርዲ ሚዛን ብዛዕባ እቲ በዓል-ጉዳይ ኣብ ልብኻ ኣይሃሉኻ። እቲ በዓል-ጉዳይ ክዛረብ ኣፉ ምስ ኸፈተ፡ ተጠንቒቅካ ብጽሞና ስምዓዮን ዘረባኡ ኣወድኣዮን። ስቕ ኢልካ ብጽሞና ምስማዕኻ፣ እቲ ዝዛረብ ዘሎ በዓል-ጉዳይ፣ ብልክዕ እንታይ ይብል ከምዘሎ ንምርዳእ ኣዝዩ ክሕግዘካ እዩ።

ሰብ ዘረባኡ ምዝራብ ክሳዕ ዝዉድእ፣ ጽን ኢልካ ምስማዕ ቐሊል ተሞክሮ ኸይከዉን ይኽእል እዩ። ሰለዚ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ጉዳዩ ተንቲኑ ክነግረካ ክፍትን እንከሎ፡ ማዕረ ክንደይ ነቲ ዝብሎ ዘሎ ጉዳይ ትርድኦ? እዚ ካብቲ ሓደ መምዘኒ ናይ ሓደ ብልሂ-ሰማዒ ወይ ፍቱን ናይ ምኽሪ ኣገልጋሊ እዩ። ከም ሓደ ሰማዒ፡ እቲ በዓል-ጉዳይ ብቓላት አፉ ንምግላጽ ዝፍትኖ ዘሎ ጉዳይ ብምልኣት ከይተረዳኣካ ምላሽ ክትህቦ ኢልካ ኣይትፈትን። እንተዘይኮነ፡ ካብ ጾሩ ኣብ ክንዲ ምዕራፍ መሊሱ ኣደዳ ሽግሩ ክኸዉን ኢኻ እተቓልዖ ዘሎኻ። ልቢ በል፡ እቲ ብልሂ-ሰማዒ ክኸዉን ዝደሊ ኣገልጋሊ፡ ንዘረባ ወይ ቓላት ሰብ ብጣዕሚ ተጠንቒቁ፡ ብኽፉት ልብን ብህዱእ መንፈስን ክሰምዕ ይግብኦ። ነቲ ብዝተፈላለዩ ዓይነት ጾር፡ ነፍሱ ኣብ ዉሽጡ ዝጎበጠት ሰብ፡ ከዘራርበካ እንከሎ ሃዲኢኻ እንታይ ይብል ከምዘሎ ብትኽክል ክትርድኦ ፈትን። ንሽግሮም ጽን ኢሉ ብምሰማዕ ዝርድኦም ኣገልጋሊ ዝስኣኑ ቕዱሳን ሒደት ኣይኮኑን።

② ምድማጽ

(እንታይ ይብሉ ከምዘየለዉ ምፍላጥ)

(ኣብ ኣፍ እቲ በዓል-ጉዳይ ዝተሰወሩ ጉዳያት ምፍላጥ)

ብኻልኣይ ደረጃ፡ ነቲ በዓል-ጉዳይ ከተድምጾን፡ እንታይ ይብል ከምዘየልቦን፣ ወይዉን እንታይ እንዳበለ እንታይ ካብ ምባል ይቑጠብ ከምዘሎን ክትርዳእ የድሊ። ብረዲኤት መንፈስ ቅዱስ፡ እቲ በዓል-ጉዳይ ካብ ምዝራብ ይቑጠበሎም ንዘለዉ ጉዳያት ከተድምጽ ብመንፈስካ ንቑሕ ሙዃን ከድልይ እዩ። ከምተርእዮ፡ ብዛዕባ ካብ ኣፍ እቲ በዓል-ጉዳይ ዝተሰወሩ ወይ ዘይወጹ ቓላት ወይ ፍጻሜታት ብናይ ገዛእ ርስእኻ ብልሓት ዳህሲስካ ንምርካብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ። ብዙሓት ከምዝብልዎ፡ ሰብ ንሓደ ኽዉን ነገር ብቓላት ኣፉ ክዛረበሉ እንከሎ፣ ፍርቁ እዩ እንተገለጸ ይብሉ። ሰብ ንሓደ ጉዳይ ኣንትዕ ኣቢሉ ኣይዛረብን እዩ።

እቲ ብልሂ ዘይኮነ ሰማዒ ግና፡ በዓል-ጉዳይ ካብ ምዝራብ ተቖጢብሎም ንዘለዉ ጉዳያት ኣድሚጹን መምዩን ክርዳእ ክእለት ክህልዎ ኣይክኣልን እዩ። ብኣንጻሩ፡ በዓል-ጉዳይ ብዝብሎ ዘሎ ጥራይ ተሓጺሩ እዩ ናብ ዘይግባእ ወይ ሚዛናዊ ናብ ዘይኾነ መደምደምታ እዩ ዝበጽሕ። እዚ ድማ ኣብ ዘመንና ካብ ገለ ገለ ኣገልገልቲ ዝርኣዩ ዘለዉ ሽግራት ሓደ እዩ። ማለት፡ በቲ ኣብ ኣእምሮኻ ዝተኸዘኑ ስነ-ሓሳባት ጥራይ፡ ንቓላት እቲ በዓል-ጉዳይ ክትርዳእ ምፍታን ናብ ፍጹም ጌጋ እዩ ዘምርሕ። ስለዚ ረዲኤት ካብ እግዚኣብሄር ብምጽብባይ፡ እቲ ዝዛረብ ዘሎ ሰብ እንታይ ይብል ከምዘሎን፤ እንታይ ይብል ከምዘየሎን ፈላሊኻ ከተስተዉዕልን ከተድምጽን ፈትን። ሰብ ብባህሪኡ ገለ ነገር ኣትሪፍካ ናይ ምዝራብ ልምድታት ኣለዎ ኢልና አሎና። ብሕልፊ ኣብ ህዝብና። እንተኾነ ግና፣ እቲ ምስ መንፈስ ቅዱስ ናይ ቐረባ ምሕዝነት ዘለዎ ኣገልጋሊ፡ ነቲ ብኣፍ በዓል-ጉዳይ ዘይወጹ ሓበሬታታት እዉን እንተኾኑ፡ ኣድሚጽካ ናይ ምርዳእ ኣምላኻዊ ዝኾነ ዓቅሚ ኣለዎ እዩ (ግብ.5፡1-11 ተወከስ)። እዞም ብኣፍ በዓል-ጉዳይ ዘይወጹ ጉዳያት ድማ፡ እንታይ ይእምቱ ወይ እንታይ የመልክቱ ኢልካ ምላሽ ምርካብ፡ ነቲ ንበዓል-ጉዳይ ናብ መፍትሒ ጉዳዩ ናይ ምምራሕ መስርሕ የቃልሎ እዩ። ስለዚ እዩ እምብኣር፡ እቶም ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕ ሽግር ዘይብሎም ኣገልገልቲ፡ ኣምላኻዊ መፍትሒ ናይ ምሃብ ክእለትን ተሞክሮን ዘጥርዩ።

③ ልቢ በዓል-ጉዳይ ፈሊኻ ምርዳእ/ምልላይ

(ኣብ ልቢ እቲ በዓል-ጉዳይ ዝተሰወሩ ጉዳያት ምርካብ)

ብሳልሳይ ደረጃ፡ እቲ በዓል-ጉዳይ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት፡ ብቓላት ኣፉ ክገልጾም ዘይኽኣለ፡ ብልቡ ግና ዝብሎም ዘለዉ ጉዳያት እዉን እንተኾኑ ብረዲኤት መንፈስ ቅዱስ ዳህሲስካ ምርካብ አዝዩ ኣድላይ ምኻኑ ክትፈልጥ የድሊ። ኣብዚ ደረጃ፡ እቲ ሰማዒ ናይ ብሓቂ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ረዲኤትን መሪሕነትን ከምዘድልዩ ኣጥቢቐ ክዛረብ የድልየኒ ኣሎ። ሰብ አብ ልቡ ነገራት ሰዊሩ ዝዛረበሉ ጊዜታት ስለዘሎ፡ ብቓላት ኣፉ ኣቢልካ ናብ ናይ ልቡ ሓሳባት ክትኣቱ፣ ምሉእ ብምሉእ ረዲኤት ናይ ብሩኽ መንፈስ ቅዱስ የድልየካ። ናብ ልቢ ሰብ ምእታዉ ማለት ድማ ምልኣት ናይቲ ጉዳይ ምርካብ ማለት እዩ። እዚ ድማ እቲ ሰማዒ ወይ ኣማኻሪ ምስ ኣምላኽ አብ ዘለዎ ሕብረት ዝተመርኮሰ ሙዃኑ ኣቐዲመ ገሊጸዮ ነይረ እየ።

ማለት፡ እቲ ምስ ጎይታ ናይ ቐረባ ሕብረት ዘለዎ ሰማዒ፡ እቲ በዓል-ጉዳይ እንታይ ይብል ከምዘሎ፡ እንታይ ይብል ከምዘየሎን፡ ከምኡዉን ኣብ ልቢ እቲ በዓል-ጉዳይ ዝተሰወሩ ቓላትን ሓቅን መምዩ ክፈልጥ ተኽእሎ ካብ ጎይታ ይረክብ‘ዩ።

ከመዮ ከምቲ ምስላ አበዋት “ሓባኢ ቊስሉ፣ ሓባኢ ፈዉሱ” ከምዝብልዎ፣ ናይ ልቡ ሓሳባት ንምግላጽ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተቖጢቡ ነገሩ ዝስዉር ኣማኒ ከምኡ`ውን ኣገልጋሊ ከይተረፈ ኣሎ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝርሓቀ ኣይኮነን። ስለዚ ቓላት ኣፉን ሓሳባት ልቡን ሓደ ዓይነት ዘይኮነ በዓል-ጉዳያት ኣሎ ማለት እዩ። መብዛሕትኡ ጊዜ ድማ፡ ከም ዓይኒ ሓቂ እንተሪእናዮ፣ እቶም ኣብ ዉሽጢ ልቢ ሰብ ተሰዊሮም ዘለዉ ጉዳያት ወይ ቓላት እዮም፣ እቶም ዓይኒ–ብርኪ ናይቲ ጉዳይ ይኹን መፍትሒ ክኾኑ ዝኽእሉ ክብል እፈቱ። ሰለዚ እዩ ድማ እግዚኣብሄር “ነታ ሓቂ ካብ ዉሸጥና ዝደልያ”። መብዛሕትኡ ጊዜ፣ ጉዳይ ሰብ ከም ሽንፍላ እዩ ዝኾነካ። ሰብ ነቲ ናይ ግዳም እዩ ዝርእይ፡ እግዚኣብሄር ግና አብ ዉሸጢ ዘሎ ይርኢ (1ሳሙ.16፡6-7 ተወከስ)። ኣብ ዉሽጢ ልቢ በዓል-ጉዳይ ዝተሰወሩ ሓቅታት ወይ ሓበሬታታት ፈሊኻ ምርዳእ ወይ ምልላይ እዩ እምብኣር ናብ ምሉእ ኣምላኻዊ ዝኾነ መፍትሒ ዘብጽሓና።

እምብኣር እዞም ክንድህስሶም ዝጸናሕና 3ተ ነጥብታት ኣብ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎትና ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም። እስኪ ልቢ እሞ በል፡ ከም ኣገልጋሊ ኣምላኽ መጠንሲ፡ ንኹነታት በዓል-ጉዳይ ወይ እተገልግሎም ሰባት ብዕምቆት ኸይተረዳእኻዮምሲ፡ እንታይ ዓይነት ምኽርን ምጽንናዕን ሂብካ ኢኻሞ፡ ካብ ጾሮም እተዕርፎም? ስለዚ ንኻልኦት ሰሚዕካ ግቡእ ምላሽ ንምሃብ፣ ከመይ ዝበለ ሕብረት ምስ ጎይታ ኣሎካ? ንበዓል-ጉዳይ ንምስማዕ፡ ከመይ ዝበለ ናይ ተመሃራይ ንቑሕ አእዛንን ከምኡ`ውን ናይ ምሁራት ልሳንን እዩ ዘሎካ? መደምደምታ


II.ኸመይ ገይርካ ብልሂ-ሰማዒ ትኸዉን?


ኣቐዲምና፡ ሓደ ብልሂ ዝኾነ ሰማዒ ንበዓል ጉዳይ ኣብ ዝሰምዓሉ እዋን ከስተብህለሎም ዘለዎ 3ተ ኣገደስቲ ነጥብታት ርኢና ኣሎና። ኣስዒብና ድማ ከም መደምደምታ ሓሳብ፡ ሓደ ኣገልጋሊ ብልሂ-ሰማዒ ንክኸዉን ዝሕግዝዎ 3ተ ኣገደስቲ ነጥብታት ርእይና መልእኽትና ክንዛዝም ኢና፡–

ብመጀመሪያ ደረጃ፡–ሓደ ኣብ ኣገልግሎት ምኽሪ ዘገልግል ሰብ፣ ካብ ዓቐኑ ዝሓለፈ ርእሰ-ተኣማንነትን ኣነ እፈልጥ እየ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ምዉጻእ የድልዮ። እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ነቲ በዓል-ጉዳይ እንታይ ይብል ከምዘሎ ንኸይትርድኦ ጠንቂ እዩ ዝኾነካ። ኣእምሮኻ ሓንቲ ከምዘይፈልጥ ነጻ እንተዘይኮይኑ፡ብልሂ-ሰማዒ ንሙኻን ኣሸጋሪ እዩ። ናብ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ሓሳባት፣ ርእይቶታትን ኣመለኻኽታትን፡ ንናይ ሰብ ጉዳይ ክትርዳእን መፍትሒ ክትህብ ናብ ምፍታንን የዋህነትን እዩ ከምርሓካ። ማለት፡ እቲ በዓል-ጉዳይ ተዛሪቡ ጉዳዩ ከይወድኣ፡ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ሓሳብን ኣመለኻኽታን፣ ናብ ናይ መወዳእታ መደምደምታ ምብጽሓ መፍትሒ ኣይኮነን። ስለዚ “ኣነ ይፈልጥ እየ”፣ “ከምዚ ማለቱ እዩካ”፣ “ፈሊጠዮ ኣሎኹ” ካብ ዝብል ግጉይን ሕልፉን ርእስ-ተኣማምነት ወጺእካ፡ ኣብ ጎይታ ብምዉካል፡ ሓንቲ ከምዘይትፈልጥ ልብኻን ኣእምሮኻን ጸዓዳ ወረቐት ገይርካ፡ ነቲ በዓል-ጉዳይ ስምዓዮን ምላሽ ሃቦን። ኣብ ልቦናኻ ብምዉካል ምላሽ ንምሃብ ኣይትትሃወኽ።

“ተሀዊኹ ዝዛረብ ሰብዶ ርኢኻ፡ ካብ ብእኡስ ብዓሻ ተስፋ ኣሎ።“ ምሳሌ 29፡20

ብኻልኣይ ደረጃ፡–ናይ ኣእምሮ ዲስፕሊን ምህላዉ የድሊ። ማለት፡ በዓል-ጉዳይ ካባኻ መፍትሒ እንተረኸበ ኢሉ ነገሩ እንዳካፈለካ እንከሎ፡ ናብ ቐረባን ርሕቑን ዝዛዉን፣ ዲስፕሊን ዘይብሉ ኣእምሮ ክህልወካ የብሉን። ሰብ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ እንዳኣዘራረበካ እንከሎ፡ ኣእምሮኻ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጉዳያት ወይ ብዛዕባ ናይ ኻልኦት ሰባት ጉዳይ ከሰላስል ወይ ክዛዉን አይትሕደጎ። ነቲ በዓል-ጉዳይ ኩለንትናኻ ሃቦ። ብዝተኸፍለ ልቢ ጊዜኻን ጊዜኡን ንምንታይ ይባኽን። ብዝተኽፍለ ልብን፣ ብዘይረግእ ኣእምሮን ብልሂ-ሰማዒ ምዃን ፍጹም ዘይክኣል እዩ። ስለዚ ክቡር ኣገልጋሊ ካብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ነገር ወጺእካ፡ ንኻልኦት ብኹለንትናኻ ተረኸበሎም፣ ጊዜኻን ኣቋልቦኻን ሃቦም። ብሳልሳይ ደረጃ:– እቲ ብምኽርን ምጽንናዕን ዘገልግል ሰብ፡ ኣብ ሽግር ወይ መከራ ናይቲ በዓል-ጉዳይ፣ ብልቢ ተኻፋሊ ሙኻን ዝተመሃረ ክኸዉን ይግባእ። ናይ ሰብ ጉዳይ ንምርዳእ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል-ጉዳይ ድንጋጸ ክህልወካ ይግባእ። ብዘይድንጋጽ ዝግበር ኣገልግሎት፡ ክርሰቶሳዊ ኣገልግሎት ኣይኾነን። ማለት፡ ስምዒት ናይቲ በዓል-ጉዳይ ከይተሰምዓካ ወይ ከይተንከፈካ፡ ነቲ በዓል-ጉዳይ ካብ ቓላት ኣፉ ጥራይ ክትርድኦ ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ ዘጋጠሞ ነገር ዘይትንክፈካ ዓይነት ሰማዒ እንተድኣ ኾይንካ፡ ምላሽካዉን ንእኡ ኣይክትንክፎን እዩ። ልብኻ ምስቲ ልቢ እቲ በዓል ጉዳይ ምትሕሓዝ ይሃልዎ። ኣብ ጫማ እቲ በዓል ጉዳይ ኣቲኻ መጉዳእቱ ክትርድኣሉ ጽዓር። ዘክር! ስምዒት ናይቲ በዓል-ጉዳይ ክስምዓካን ድንጋጸ ዘሎካን ኣገልጋሊ ኩን።

ዝኸበርካ ኣንባቢ፡ ኣብ መደምደምታ፡ ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ኣልጊብካ ብምንባብ ደጊምካ ኣስተንትነን ክብል መልእኽተይ ይዛዝም። ጎይታ ኣዕዚዙ ይባርኽካ/ኪ!!! ዚሰምዕ ሰብ ኩን

ምሳሌ 21 (Proverbs) 28፤ሓሳዊ ምስክር ይጠፍእ፡  ዚሰምዕ ሰብ ግና ኵሉ ጊዜ ኺዛረብ ይፍቀደሉ።

ዝህወኽ ሰብ ኣይትኹን

ምሳሌ 29 (Proverbs) 20 ተሀዊኹ ዚዛረብ ሰብዶ ርኢኻ፡ ካብ ብእኡስ ብዓሻ ተስፋ ኣሎ።


ካብ ብልቡ ዘፍቅረኩም

ሮቤል ነጸርኣብ