ናይ መጨረሽታ ሽቶ፡ “ወደ መዝሙር” ሙዃንና

የሱስ ካብ ምውዋታት ድሕሪ ምትንሳኡ፡ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ዝሃበና ዝዓበየ ትእዛዝ እንተሃልዩ፥

“ስለዚ ኪዱ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኩሉ ክሕልው እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም። እንሆ ድማ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኩሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ማቴ28:19,20

ኣብዚ እዚ ዝዓበይ ቀንዲ ሓሳብ፥ “እናመሃርኩም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም” ዝብል እዩ።

ቀጥታ ትርጉም “ወደ መዝሙር” ብግሪኽ ማዘተስ (mathētēs) ዝብል ኰይኑ፡ “ተመሃራይ: ተለማማዲ፡ ሰዓቢ”፡ ማለት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኸኣ 262 ጊዜ ኸኣ ተጠቂሱ ንረኽቦ። ኣብ መንጎ መምህርን ተማሃራይን ዘሎ ዝምድና ከኣ የረድኣና። እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መንጎ እ/ሔር ሰብን ዝህሉ ዝምድና ንምምልካት ተገሊጹ ኣሎ።

ሰብ ብጎይታ የሱስ ምስ ኣመነን ምስ ተጠምቐን፡ ንጎይታኡ ክመስልን፡ ውጥንን ዕላማን ጎይታኡ ክርዳእን፡ ንጎይታኡ ዘሕጉስ ፍረ ዘለዎ ህይወት ክነብርን እንተዀይኑ፡ ካብ መምህሩ “ከመሃር፡ ቀሪቡ ክስዕብ፡” ኣለዎ። ማቴ11:29,30 ዮሃ13:14,15 እቲ “እናመሃርኩም” ዝብል ሓሳብ፡ ሓንሳእ ጥራይ ዝግበር ዘይኰነ፡ ብቀጻሊ፡ ብተደጋጋሚ፡ ንነዊሕ ዝኸይድ ግሳዊ ቅጽል (participle) ምኻኑ፡ ካብ ቦኽሪ ጽሑፍ ክንርድኦ ንኽእል። ተመሃራይ ንመምህሩ፡ ባርያ ኸኣ ንጎይትኡ፡ ክመስል እንተዀይኑ፡ ከየቋረጸ፡ ርእሱ ወፍዩ፡ ክመሃር ክጽዕት ኣለዎ። ስለዚ’ዩ የሱስ ከምዚ ዝበለ፡

“ተመሃራይ ካብ መምህሩ ኣይበልጽን፡ ተሚህሩ ዝወድአ ኩሉ ግና ከም መምህሩ’ዩ ዝኸውን”
ሉቃ6:40 ማቴ፥24-25

ተማሂሩ ዝወደአ” እትብል ሓሳብ ከኣ ከነስምረላ ጽቡቅ’ዩ። ንኽመሃር እዝኑ ዘንቅሕን፡ ልቡ ዘትሕትን ጥራይ’ዩ፡ ተማሂሩ ከም መምህሩ ክኸውን ዝኽእል። ናይ ሓቂ “ወደ መዝሙር” ናብ ምኻን ዝዓቢ። ኢሰ50:4 ንኽመሃር ኢሉ ልቡ ዘትሕት ጥራይ’ዩ ዝዓብን፡ ኣብ ድልዱል መሰረት ዝቐውምን። ቈሎ2:7 2ተሰ2:15 2ጢሞ2:14,15

ቐንዲ መዐቐኒ: “መስዋእቲ”

ናብ ምልኣት “ወደ መዝሙር” ገጽና ንኽንዓቢ፡ ‘ቲ ጉዕዞ ብመስዋእቲ ዝጅመርን ዝድምደምን ምዃኑ ምፍላጥ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ከምቲ ኣብዚ ግዑዝ ዓለም፡ ሰብ ክመሃር ከሎ ዝኸፍሎ ጻዕርን ጉልበትን ጊዜን ዝህልዎ፡ ከምኡ’ውን ወደ መዝሙር የሱስ ምዃን ዝሓቶ ዋጋ ኣለዎ። ክሳራ ዘለዎ ግና ኣይኰነን። መክሰብን ዓስብን ዝመልኦ ሰማያዊ ጉዕዞ’ዩ።

ኣብ ሉቃ18:28-30 የሱስ ናይ ምስዓብ ቅድመ ኩነት ክገገልጽ ከሎ፡

1. ነፍሱ ይቅበጽ
2. መስቀሉ ኣልዒሉ ኣብ ጸጽባሕ ይስዓበኒ፡ ብምባል ወደ መዝሙር የሱስ ምዃን ዘኽፍሎ ዋጋ ብንጹር ተዛሪቡ። (ሉቃ9:23; 14:27; ሉቅቃ14:25-35)

ሰብ ንየሱስ ክስዕቦ ክውስን ከሎ፡ ድሌቱ፡ ፍቃዱ፡ ንብረቱ፡ ጊዚኡ፡ ገንዘቡ፡ ምእንቲ ጎይታኡን መምህሩን ኢሉ ክገድፍ፡ ክስውእ፡ ፍቃደኛ እንተዘይኰይኑ፡ “ወደ መዝሙር” ክኸውን ኣይበቅዕን’ዩ። ንክርስቶስ ብምስዓቡ መከራ፡ ፈተና፡ ስደት፡ ሞት ክወርዶ ምዃኑ ክፈልጥን ክጽበን ኣለዎ። ሉቃ18:28 ማቴ21-22 ማር8:34-38 ስለ ክርስቶስ ኢሉ ንህይወቱ ኣብዛ ዓለም ዝጸልኣ፡ ንናይ ዘልኣለም ህይወት ክሕልዋ፡ ንህይወቱ ዝፈትዋ ግና ከጥፍኣ ምዃኑ ቅዱስ ቃል ብንጹር ይነግረና። ዮሃ12:24,25 ክርስቶስ’ውን ኣሰኣሰሩ መታን ክንስዕብ ኢሉ ሓሳራ መከራ ጸጊቡ። 1ጴጥ2:21 ንሓጢኣት ዝሓደገ ዘበለ፡ ሓሳረ መከራ ክሰግብ ናይ ግድን ስለ ዝዀነ፡ እዚ “መስዋእቲ” ዝብል ከም ኣጽዋር ጌርና ክንሕዞ ይግብኣና’ዩ። 1ጴጥ4:1,2

ግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም። 2ጢሞ3:12

ናብ “ወደ መዝሙር” ምዕባይ መስርሕ

1) ምንጋር፡ ምምስካር
2) ምጥማቅ
3) ምምሃር ዝብል ኣምር ዝሓቆፈ’ዩ።

እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ዘይንእስ እኳ እንተዀነ፡ ሰብ ንምድሓኑ ዝኸውን ቃል ምስ ሰምዐ፡ ብእኡ ኸኣ ምስ ኣመነ፡ ይጥመቅ። እዚ ሓንሳብ ዝግበር መስርሕ’ዩ። እቲ “ምምሃር” ዝብል ኣምር ግና፡ ንኩሉ ጊዜ ክንገብሮ ከም ዘለና ዝነግረና “ግሳዊ ቅጽል” እዩ። ወደ መዝሙር ንምኻን ድሌት ዘለዎ ኣምኒ እምበኣር፡ ን”ትምህርቲ” ርእሱ ክውፊ ኣለዎ። ኣሰኣሰር የሱስ ክስዕብ ዝደሊ፡ ከምቲ የሱስ ዝተመላለሶ ኰይኑ ክመላለስ ንዝደሊ፡ ኣእዛኑን ልቡን ን”ትምህርቲ” ዝተኸፍተ ክኸውን ኣለዎ። ኢሰ50:4 እብ16:14 ዘዳ33:3 ኤፌ5:1,2

እታ “ትምህርቲ” ትብል ሓረግ ካብ ካተቸሲስ (catechesis) ዝብል ቃል ዝመንጨወት ኰይና ብንጡፍ፡ ብሕቶን መልስን መገዲ ናይ ምምሃር መስርሕ ተመልክት። እዚ ኸኣ ነቲ ዝምህር ኰነ ነቲ ዝመሃር ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። እቲ ዝመሃር፡ ነቲ ዝተማህሮ ብደምቢ መታን ክርድአ ከሰላስሎ፡ ዘይተረድኦ ክሓተሉ ዝኽእል ጥጡሕ መድረኽ ክግበረሉ ኣለዎ። እንተዘይኰነ እቲ ዝምህር፡ ኣብቲ ዝመሃር ብዙሕ ፍረ ከይርኢ ይኽእል።

ናብ “ወደ መዝሙር” ናይ ምዕባይ መስርሕ ብሰለስተ መገዲ ክንበጽሖ ንኽእል፡

I. ብቃል የሱስ ንደቀ መዛምርቱ ኣገዳስነትን ኣጠቓቅማ ጽሑፋት ብንጹር ምሂርዎም’ዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝነበሮ ውፉይ ህይወት፡ ንጸላኢ ንምስዓርን ኣብ ሰባት ዝነበረ ጽኑዕ ዕርድታት ኣፍሪሱ፡ ናብ እ/ሔር ኣቦ ንምምራኽን ዝነበሮ ኣተክሮ የረድኣና። ኣማኒ ዘበለ’ውን ንቃል ኣምላኽ ዘፍቅርን ንኽመሃር ልቢ ዘለዎን፡ ንምእዛዝ ከኣ ዝተወፈየ ህይወት ክህልዎ ኣለዎ። ኣብ ወሓይዝ ቃል ኣምላኽ ዝተተኽለ ህይወት ዘለዎ ኣማኒ፡ ብዙሕ ፍረ ይፈሪ። ኤር 15:16 መዝ119፡82 መዝ119፡162 ሉቃ11:28 2ጢሞ3:16,17 1ጢሞ4:6 2ጢሞ3:10 ዮሃ6:45 ኢሰ54:13

ዮሃ15:8 – “ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም።

II. ብዝምድና ፍቅሪ፡ መብጽዓ፡ ቅንዕና፡ ሓቅነት፡ ቅሉዕነት፡ ተሓታትነት፡ ዘለዎ ዝምድና ምስ ዝህነጽ፡ ሰብ ናብ ብጽሕና “ወደ መዝሙር” የሱስ ክኸውን ይዓቢ። የሱስ ንሃዋርያት ዝጸውዖም፡ ምስኡ መታን ክዀኑ’ዩ። ምስኦም ድማ ብዙሕ ጊዜ የሕሊፉ። ምስኦም በሊዑ፡ ሰትዩ፡ ተዛሪቡ፡ ደቂሱ። ማር3:14 ዮሃ1:39 ዮሃ11:34 እዚ ኸኣ ንዕኦም ንምስልጣን ዝተጠቀመሉ ስልቲ’ዩ። የውሃንስ’ውን ብወገኑ፡ ዝሰምዓናዩ፡ ዝረኤናዮ፡ ዝጠመትናዮ፡ ዘረምሰስናዮ ብምባል ክሳዕ ክንደይ ቀረባኦም ምንባሩ ገሊጹ ኣሎ። 1ዮሃ1:1

ንየሱስ ብዝበለጸ ክንፈልጦ፡ ወደ መዝሙሩ ክንከውን፡ ምስኡ ዝጠበቀ፡ ዝቀረበ ዝብምድና ርክብን ክህለውና ኣለዎ። ዮሃ15 እቲ ዝምድና ኸኣ ምስ ክርስቶስ ጥራይ ዘይኰነ፡ ምስ ኣመንቲ ኣሕዋት ዝህልወና ጥቡቅን ጥዕና ዘልዎን ዝምድና ኸኣ የጠቃልል። መዝ133 እዚ ምስ ኣመንቲ ንገብሮ ሕብረት ጥዕና ዘለዎ ምስ ዝኸውን፡ ንምዕባይ ናብ ወደ መዝሙር ገጽና ዓቢ ተራ ኣለዎ። ንሓድሕድና እናተኣሳሰርና እናተደጋገፍናን፡ ንሓቂ ብፍቅሪ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ክንዓቢ ይድግፈና። ኤፌ4:

III. ብኣገልግሎት፡ እዚ ኸኣ ወንጌል ብምንጋርን ካልእ መንፈሳዊ ዕዩ ብምዕያይን ምስልጣን የመልክት። የሱስ ብቃል ጥራይ ዘይኰነ ብግሪ ኣሰልጢንዎም’ዩ። ሮሜ15:17-19 ብቓላትና ወንጌል ብምስባኽ ግቡእን ጽቡቅን እኳ እንተዀነ፡ ኣኻሊ ግና ኣይኰነን። ንመሳርሕትኻ ቡን ብምግዛእ፡ ብሕብረተሰብ ዝተነጽጉን ዝተጎሰዩን ብምእላይ፡ ፍትሒ ዝሰኣኑ ብምጥባቅ፡ ንሕሙማትን እሱራትን ብምብጻሕ፡ ንዝሰኣኑ ብምልጋስ፡ ክግበር ኣለዎ። ማቴ25:34-36

እዚ ኸኣ ንኣካይዳን ንብረትን የሱስ ብዙሕ እናቋመትና እናሰዓብናን ክንዓቢ ይገብረና። የሱስ ምስ መሃሮም፡ ብብኽልተ ጌሩ ክሰብኩ ምልኣኹ፡ ክፋል ናይቲ ዝህቦም ዝነበረ ስልጠና’ዩ። እዚ ከኣ ደቀ መዝምሩ ንምኻኑ ክዓብዩ ደጊፍዎም’ዩ። ስ ለዚ ነቶም ዝኣመኑን ዝተጠምቁን ንኸገልግሉ ከነተባብዖም፡ መድረኽ ክጣጣሓሎምን ሓላፍነት ከነሰክሞም እንተኺኢልና፡ ናብ ወደ መዝሙር ናይ ምዕባይ ተኽእልኦም ከነዕብዮ ኢና።

የሱስ ንዓለም ንኽኸስባ ክጥቀሉ ዝመረጸ መገዲ “ወደ መዝሙር” ብምግባር’ዩ። ኣብዛ ምድሪ ዝጸንሓለን ዓመታት፡ ብፍላይ እተን መጨረሽታ 3 ዓመትን ፈረቃን፡ ኣብ 12 ሰባት ብምቱካር፡ ብዙሕ ጊዜን ጉልበትን ኣጥፊኡ። ብቃልን ብግብርን እናመሃሮም ምስኦም ተመላሊሱ። ንብዙሓት መታን ክረብሑ ኣዕጢቅዎም። ሃዋርያት’ውን ነዚ ቅዲ ብምጥቃም፡ ብቃልን ብግብርን እናመሃሩ፡ ንብዙሓት ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣዕጢቆም። ግብ20፥20-27 ቆሎ1:28 1ጢሞ2:2 ነዚ ኸኣ እዩ፡ የሱስ ቅድሚ ናብዛ ምድሪ ቅድሚ ምምላሱ፡ “እናገበርዮ” ክንጸንሕ ዝኣዘዘና።

ማሕበር ኣምላክ ልዕሊ ኩሉ፡ ኣብ ምምሃር ከተተኩር፡ ካብ ዓለም ናብ መድሓኒኦም ንዝተመልሱ፡ ኣብ ምዕጣቅን ምስልጣንን ዓቢ ተራ ክትጻወት ኣለዋ። ቈሎ4:11 ግብ20:220-27 ቈሎ1:28-29 እቶም ነዕብዮም መንፈሳዊ ህጻናት፡ ስኑዕ መግቢ (fast food) እናበሃጉ ከይክርሹን ከይከስዑን (obese) ፡ ንጉያ ድኹማትን ጎሳሳትን ከይኰኑ፡ ጥዑይ መግቢ ክምገቡ ስርዓት ከተትሕዞም ኣለዋ።