ጽልዋ “ጾታዊ ዓመጽ” ኣብ ስምዒታዊ ጥዕና

ኣብዚ ምድራዊ ጉዕዞና ዘይተጸበናዮ፡ ዘይሓሰብናዮ፡ ብዙሕ ነገር ይገጥመና’ዩ። ከም ሳዕቤኑ; ኣብ ህይወትና ዝገድፎ ስምብራትን ስብራትን ታእላው የብሉን። ከም ጾታዊ ዓመጽ (sexual abuse) ጌሩ ንልቢ ዝዘብሕን ዝሰብርን ከም ዘየለ ግና ፈላጣት ይምስክሩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ናይቲ ሰብ ኩለንትናዊ ማንነት፡ ማለት መንፈሳዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ ስምዒታዊ፡ ኣካላዊ፡ ብሓይሊ ስለ ዝገሃስ’ዩ። ጾታዊ ርክብ ካብ ስጋዊ ርክብ ሓሊፉ፡ ብሓይሊ ኣብ ቑጽጽር ናይ ምእታው ባህጊ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣምላኽ ንሰብ ዝዓደሎ ነጻነት ስለ ዝሰርቅ፡ መጉዳእቱ ከቢድን ዓሚቅን’ዩ።

“ጾታዊ ዓመጽ” ኣብቲ ሰብ ዘሕድሮ መንፈሳዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ ስምዒታዊ፡ ኣካላዊ፡ ማህሰይቲ ምግማቱ ከቢድ’ዩ። ዝሓለፎ ጥርይ’ዩ ክርድኦ ዝኽእል። ኣዝዩ ከቢድ ዝገብሮ ኸኣ፡ ኣብቲ ሰብ ምስ ወረደ፡ ንብዙሕ ዓመታት ምስቲ ሰብ ዝነብር ጉድኣት ስለ ዘለዎ’ዩ። ብዝግባእ እንተዘይተኣልዩ ከኣ፡ ነቲ ሰብ ከም ጅሆ ሒዙ፡ ዘመን ህይወቱ እናዘወረ ኣብ ጭንቀትን፡ ገበንነትን፡ ሓርቆትን፡ ምረትን ቅሬታን ቅዛነት የንብሮ። መጨረሽታኡ ኸኣ ዝኸፍአ ይገብሮ።

ስለምታይ’ዩ ኣብ ቆልዑት ኰነ ኣብ ዓበይቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝወርድ እንተኢልና፡ ብሓጢኣት ኣብ ዝተበላሸወትን ዝዓነወት ዓለም ንነብር ስለ ዘለና’ዩ። ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ ወለዶ፡ ሞራል ሰብ ኣዝዩ ስለ ዝተበላሸወ፡ ኣብ ህጻናት ኰነ ኣብ ዓበይቲ ዝወርድ ግህሰት ክንደይ ኢልካ ክቁጸር። እቶም ዝዕምጹ እንተዀነ፡ ዝበዝሑ ንባዕሎም ዝተዓመጹ፡ ሰብኣውነቶም ዝተጋህሰ፡ ሰባት ‘ዩም። ‘ቲ ኣብ ህይወቶም ዝወረደ፡ ነቲ ብድሕሪኡ ዝፍጽምዎ ገበን ምኽኑይ ‘ኳ እንተዘይገበሮ፡ ስልጣንን ሓይልን ዘምልሱ ስለ ዝመስሎም ዝኸድዎ ዝተጋገየ ተግባብሮ’ዩ።

ብዛዕባ እዚ መግደራ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብተሪርን ንጹርን መገዲ ይዛረበሉ’ዩ። ኣብ ቆልዑ ዀነ ኣብቶም ርእሶም ክከላኸሉ ዘይክእሉ ዝወርድ ጾታዊ ዓመጽ ከኣ ኣትሪሩ ይቃወሞ። ነቶም ብዘይሓሰብዎን ዘይመረጽዎን፡ ኣብዚ ኸብድ ኣሉታዊ ተመክሮ ዝወደቁ፡ ከቢድ ኩለንትንኣዊ ማህሰይቲ ዝገጠሞም፡ መውጽእን ፈውስን ከም ዘሎ ተስፋ ይህብ።

ቆልዑትናን ደቂ ኣንስትዮና ክስምዑን ክሕለዋን ኣለወን። እ/ሄር ንስለ ጥቑዓትን ልቅሶ መሳኺንን ከም ዝትንስእ (መዝ12:5)፡ ብሉይ ኪዳን ኣብሪሁ የረድና። ዘዳ 22:25-27

ኣብዚ ጽሑፈይ ከኣ ካብቲ ዝተዓመጸ ሰብ ኣትሒዙ፡ ኣብ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ዝርአ ግብረ መልሲ፡ ብሕጽር ዝበለ ክድህስስ ክፍትን’የ። በዓል ሞያ ናይዚ ከምዚ ዝበለ ፍጻመ ስለ ዘይኰንኩ ዝጎድለኒ ብዙሕ ከም ዘሎ ይርድኣናኒ’ዩ። ዓቅመይ ዘፍቅዶ ግና፡ ካብ ተመክሮ ታማርን ዲና ተበጊስና ክንርኢ ኢና። ዘፍ 34 መሳ19-21 2ሳሙ 13 ጾታዊ ዓመጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ኣይተሓብአን፡ ኣይተጎስየን። ብኣንጻሩ ደኣ ፈጣሪ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ዘይሰብኣዊ ተግባብሮ ሕነ ከም ዝፈድዮ የረድኣና።

ካብቲ ዘገርም፡ ዝበዝሕ ጾታዊ ዓመጽ፡ ብዝቐርቡና ፈተውትና ኣዝማድና ዝፍጸም ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳስነቱ ዓቢ’ዩ። ኣብ ሰባት ዝወርድ ጾታዊ ዓመጽን ግህሰትን ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምኻኑ ምግማቱ ኣሸጋሪ’ኳ እንተዀነ፡ ኩሉ ነናቱ ዝዀነ ግብረ መልሲ ከም ዝህብ ርዱእ’ዩ። ካብቲ ዝገጠሞን ዝስምዖን ዝተላዕለ፡ ዝህቦ ግብረ መልሲ ቅኑዕ ከይከውን ዝከኣል እንተዀነ፡ ብዙሕ ክንፈርዶ ኣይግባእን። ዕላማ እዚ ጽሑፍ ከኣ ነቲ ምጻሩ ከቢድ ዝዀነ መግደራ ንምንእኣስ፡ ነቲ ነዚ መገደራ ተሸኪሙ ዝኸይድ ሰብ ንምፍራድ ዘይኰነ፡ ንእሽቶ ፍልጠት ንምስናቅን ንሓሳብና ንምንቃሕን’ዩ።

ጽልዋ ጾታዊ ዓመጽ ኣብቲ ዝተዓመጸን ሕብረተሰብን

1. ነውሪ

“ንሳ ኸኣ፡ ኣይፋልካን ሓወየ፡ ኣይተነውረኒ፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ፡ ነዚ ዕሽነት እዝስ ኣይትግበሮ። ነዚ ነውረይ ተሰኪመኸ ኣነ ናበይ ክኸይድ እየ፡….” 2ሳሙ13:12-13

ጾታዊ ዓመጽ ዝወረዳ ጓል ኣንስተይቲ፡ ዝስምዓ ነውሪ ንምጻሩ ከቢድ’ዩ። ኣዝያ ዝሓሰረትን ዝተቃለለት ኰይኑ ስለ ዝስምዓ፡ ንርእሳ ዘለዋ ንዕቀት ዓቢ ይኸውን። ኸምዚ ታማር ዝበለቶ፡ ዝወረዳ ነውሪ ኣብ ህይወታ ተለጢፉ፡ ዘዝርኣያ ነውራም፡ ሕስርቲ፡ ዝብላ ኰይኑ እናተሰምዓ፡ ዓጻጽምታ ተሓምሽሹ፡ ነፍሳ ኣብ ውሽጣ እናማህመነ ይኸይድ። እዚ ዝወረዳ ነውሪ ኣብ ውሽጣ ስለ ዝኸብድ፡ ንምንባር ዘለዋ ዓቅሚ ሑደት ይኸውን።

“ነዚ ተሰኪመ ናበይ ክኸይድ እየ፧ ብምባል፡ ታማር ገና ከይኰነ ኸሎ ክብደቱ ተረዲእዋ። ካብ ፈተውታ ክትግለልን፡ ክትሕባእን፡ ምሕዋስ ክትጸልእን ከኣ ይገብራ። ንርእሳ ከም ዘይብቅዕትን፡ ዘይትፍቀርን፡ ዘይቅብልትን ጌራ ክትርእያ ንሓሳባ ስለ ዘበላሹ፡ ኣብ ካልእ ዘይጠቅምን ሕሱርን ህይወት ክትሽመም ይገብራ። ተቀባልነት እንተረኸበት፡ ክብረታ ንሰብኡት ክትውፊ፡ ፍኑው ጾታዊ ርክብን ዘይጥዑይ ዝምድናታት ክትገብር ትቅሰብ። ወይ’ውን ዝወረደን ኣብ ሓሳበን ብልጭ እናበለ ስለ ዝዝከረን፡ ዝምድና ዝበሃል ይጸልኣ። ከም ብሓታዊ በይነን ክዀና ይደልያ።

2. ሓዘን

“……ታማር ድማ ብጒህይታ ኣብ ቤት ኣቤሴሎም ሓዋ ተቐመጠት።” 2 ሳሙ13:20

ካብቲ ቀዳማይ ዘይንእስ፡ ጾታዊ ዓመጽ ዝወረዳ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ውሽጣ በሲዑ ዝኣቱ ጓሂ፡ ሓዘን፡ እዩ። ታማር ሓዋ ካብኣ ሓይሉ ምስ ዓመጻን ተጋሰሳን፡ ካብ ቅድሚኡ ወጺኣ ንሕብረተሰብ ምስ ኣቃልዓን፡ ሓኹምሽቲ ኣብ ርእሳ ነስኒሳ፡ ወለል ዝብል ደቂ ንጉስ ዝኽደናኦ ቀምሽ ቀዲዳ፡ ኢዳ ኣብ ርእሳ ጌራ እናእወየት ከይዳ። እዚ ክትምከሮ ኣይኰነን፡ ብዓይንኻ ክትርእዮ፡ ብሓሳብካ ክትስእሎ እውን እንተዀነ፡ ኣዝዩ ዘደንግጽን ዘቆጥዕን ተመክሮ’ዩ።

ብዘይ ፍቃዳ፡ ደረታ ጥሒሱ፡ ንክብረታን መንነታን ስለ ዝጠረረ፡ ጓሂ ኣብ ነፍሳ በሲዑ ኣትዩ። ዝተረፈ ህይወታ ኸኣ ጓሂ ንልባ ስለ ዝገዝአ፡ ትሓስቦን ኣማዕድያ ትርእዮን ዝነበረት ተስፋ ደርብያ፡ ኣብ ቤት ሓዋ ብጉሂታ ተቀመጠት። እዚ ኸኣ መግደራ እዩ። ኣብ ክንዲ ሓልዮት ጭካነ፡ ኣብ ክንዲ ውሕስነት ነውሪ ስለ ዝበጽሓ፡ ከመይ ዘይትጉሂ፧

ክዳንካ ቀዲድካ፡ ሓኹምሽቲ ኣብ ርእስኻ ነስኒስካ ምቅማጥ ናይ ሓዘን ምልክት’ዩ። ክብረታ ሓዋ ምስ ገሃሰ፡ ዝተረፋ ክብረት ከም ዘየለ ርእሳ ቆጺራ። ገጻ ከይርአ፡ ኢዳ ኣብ ርእሳ ጌራ ናብ ቤት ሓዋ ምኻዳ፡ ዝተሰምዓ ነውሪ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምንባሩ የረድኣና።

ታቦት እ/ሔር ምስ ተማረኸ፡ ‘ቲ ናይ ስዕረት ዜና ሒዙ ዝመጸ ሰብኣይ፡ ከምዚ ታማር ዝገብረቶ እናገበረ ናብ ከተማ ኣትዩ። 1ሳሙ4:12 እዚ ኸኣ ክብረት ካብ እስራኤል ስለ ዝረሓቀ’ዩ። ክብረት ካብኣ ስለ ዝረሓቀ፡ ዝወረዳ ሓዘን ንምግላጽ፡ ታማር ከምቲ ታቦት ኣምላኽ ምስ ተማረኸ ዝገበርዎ እናገበረት፡ ገጻ ብእዳዋ ሸፊና፡ ናብ ቤት ሓዋ ኣምሪሓ። እዚ ከኣ ኣብ ነፍሳ በሲዑ ዝኣተወ ጓሂ ክሳዕ ክንደይ ዘቐንዙ ምንባሩ የረድኣና። ኣስ4:1

3. ገበነኛነት

ገለን እዚ ዓመጽ ዝወረደን ኣሓት፡ ካብ ነውርን ሓዘንን ሓሊፉ ኣብ ገበነኛነት ክቑለፋ ይቀስበን። ዝወረደን ኣደራዕ፡ ናታተን ጌጋ ኬይኑ ስለ ዝስምዐን፡ ኣብ ጣዕሳን ጸጸትን ክነብራ ይገብረን። ከምዚ እንተዘይገብር፡ በዚ መገዲ እንተዘይከይድ፡ ካብ ገዛይ እንተዘይወጽእ፡ ሕራይ እንተዘይብሎ፡ ኣብ ከምዚ እንተዘይሳተፍ፡ ክሕግዞ ኢለ ሕራይ እንተዘይብሎ፡ ፍሽኽ እንተዘይብሎ፡ እዚ ኹሉ ኣይምበጽሓንን እናበላ ንርእሰን ብጣዕሳ ክቅጥቅጣ ይርከባ። ናይዚ ኹሉ ዓደራዕን መግደራን፡ ተሓታቲ ኣነ ክኸውን ይኽእል’የ ኢለን ብምሕሳብ፡ ውሽጠን ንሓድሕዱ እናተቃጸወን እናነቀፈንን ይነብራ። ብስሩ ከምኡ ኢለን ክሓስባ ዘይግብአን ክነሱ፡ ገበንነት ግና ተወሳኺ ሸኸም ይዀነን።

ንርእሰን በቲ ዝወረደን ዓመጽ እናጠመታ ኣብ ኩነኔ ስለ ዝነብራ፡ ከም ዘይረብሓን ዘይጠቅማን፡ ንጽቡቅ ከም ዘይተዓደላን ጌረን ንርእሰን ይርእያኣ። ነቲ ኣብ መዓልቲ ዝዀንኦን ዝረኸብኦን ጽቡቅ ነገር ከርእየኦ ንሓሰበን ስለ ዘደናብዎ ኸኣ፡ ከይሕጎሳን እፎይ ከይብላን ይገብረን።

4. ኣብ ልብኺ ግበርዮ

ከምቲ ኣቀዲመ ዝጸሓፍክዎ፡ ካብ ቀረባ ስድራቤት ዝወርድ ጸታዊ ዓመጽ ብዙሕ’ዩ። ንኽብሪ ቤተሰብ ንምሕላው ተባሂሉ ኸኣ፡ ዝተፈጸመ ዓመጽ ዕበጦ ዕበጦ እናተባህለ ክሽፈን ዝፍተን ክንደይ ኢልካ ክቑጸር። ኣደ ሰብኣያ ወይውን ዓርካ መታን ከይዋረድ እሞ ሓዲግዋ ከይከይድ፡ ኣብ ደቓ ዝወረደ ክትሽፍን ትፍትን። ዓሌትና ፋሕ ከይብል፡ ንሓድሕዱ ከይናቆት ተባሂሉ፡ ብጭካነ ዝተፈጸመ ጾታዊ ርክብ ክዕበጥ ይግበር። ወይ’ውን ‘ታ ዝተዓመጸት ነገራ ምስ ኣፍሰሰት፡ ክኣምንዋ ስለ ዘይደለዩ ወይውን ዘይከኣሉ፡ ከም ሓሳዊት ተቆጺራ፡ ቓንዛኣ ኣብ ውሽጣ ጌራ ስቅ ምባል ትመርጽ።

ኣቤሴሎም ሓዋ ኸኣ፡ ኣምኖን ሓውኪዶ ምሳኺ ነይሩ እዩ፡ ሕጂ ግና ሓብተይ፡ ንሱ ሓውኪ እዩ፡ ስቕ በሊ፡ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኺ ኣይትሐዝዮ፡ በላ። 1ሳሙ13:20

ክብረታን ማንነታን ብዘይፍቃዳ ተጋሂሱን ተጠሪሩን ክነሱ፡ ስቅ በሊ፡ ኣብ ልብኺ ኣይትሓዝዮ’ዶ ይበሃል’ዩ፧ ፍትሒ ንምንጋስ፡ ንገበነኛ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ምቅራብ ምተጓየዩ እምበር፡ ናይ ሓሶት ምጽንናዕ፡ ናብ ሕውየት ፈጺሙ ኣየብጽሕን። እዚ ኸኣ ኣብታ ዘለታ ተወሰኸታ ስለ ዝዀነ፡ ‘ታ ዝተዓመጸት ከም ሓሳዊት ክትቁጸር ዝውስዀ ቃንዛ ከቢድ’ዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ፍትሒ ዝወሃባ፡ ከም ዘይኰነ ተዓቢጡ ዝነብር ብዙሕ’ዩ። እዚ ኸኣ ተወሳኺ ዓመጽ እዩ።

5. ቅዛነት

እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ኸኣ ንሓሳባት ዘጎልብብ ጥቃ ጸልማት፡ ማለት ቅዛነት፡ ኣብ ህይወተን ይገዝእ። ናይዚ ምልክት ከኣ ቀጻሊ ዝዀነ ሓዘን፡ ተስፋ ኣልቦነት (ብቀሊሉ ተስፋ ምቁራጽ)፡ ሓጋዚ ኣልቦነት (ኣይክእልን’የ ዝብል ኣተሓሳስባ) ዝጸቀጦ ስምዒት መገደን ይዝውር። ድቃስ ካብ የዒንቲ በሪሩ፡ ብዝሰምዕዎ ድምጺ ባህሪሮም እንተተስኡ ዘገርም ኣይኰነን። ካብ ዝፈትውዎ ስራሕን ፈተውቶም ክፍለዩ ይመርጹ። ሸውሃቶም ስለ ዝጎድል፡ ሚዛኖም ይቅንስ። ኣካላቶም ይሓስእ።

ኣብ ዝጸልመተ ምሕባእ የዘውትሩ። ጽቁጥ መንፈስ ስለ ዝህልዎም፡ ንዝቀርቦም ምቹኣት ስለ ዘይኰኑ፡ ዝምድና ክሃንጹ ይሽገሩ። ናይ ምውሳን ዓቅሞም ስለ ዝጎድል፡ ኣርሒቆም ክሓስቡን ክውጥኑን ይሽገሩ። እቲ ዝኸፍአ፡ ንምንባር ትርጉም ስለ ዝስእንሉ፡ ሓሳብ ርእስኻ ምጥፋእ ንሓሳቦም ክወርር ይጅምር። ብኣጋኡ እንተዘይተኣልዩ ኸኣ መፈጸምታኦም ነፍስኻ ብምሕላፍ ይኸውን።

6. ቁጥዓን ሓርቆትን

ጾታዊ ዓመጸ፡ ነቲ ዝወረዶ ሰብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ቤተሰቡ፡ ከባቢኡ፡ ብሃገር ደረጃ’ውን እንተዀነ ዘስዕቦ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሎ። እዚ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸሊም ስምዒታት፡ ብግቡእ ተዘይተኣልዩ፡ እናገደደን እናረኸሰን ስለ ዝኸይድ፡ ዘስዕቦ ዕንወት ታእላው የብሉን።

የሕዋት ደቂ ያእቆብ፡ ዲና ብወዲ ንጉስ ሓሞር ዝነወረት ስለ ዝመሰሎም፡ (ዘፍ34) ኣጉባዝ ‘ታ ኸተማ ብስሕሌት ሴፍ ምስ ቀተሉ፡ ያእቆብ ስምዒታት ሌዊን ስምኦንን ብኸምዚ ገሊጽዎ፡

“ብቝጥዓኦም ሰብኡት ቀተሉ፡ ብዅራኦም ድማ በረዀዳ ኣብዑር ቈሪጾም እዮም እሞ፡ ነፍሰይ ናብ ምኽሮም ኣይትእቶ፡ ክብረይ ከኣ ኣብ ኣኼባኦም ኣይትሕበር። ዘፍ49:6

እቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ምኽኑይ’ኳ እንተዘይነበረ፡ ጾታዊ ርክብ ኣብ ቤተሰብ ዝቅስቅሶ ኩራን ቁጥዓን ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል የረድኣና። ኣብ ሓንቲ ሓፍቶም ዝወረደ መግደራ፡ ንብዘላ ቁሸት ብስሕለት ሴፍ ከጥፍእዋ ደፊእዎም።

ኣብ ሓፍቱ ታማር ዝወረደ፡ ንኣቢሰሎም ኣዝዩ ስለ ዝጉሃዮ፡ ንሓዉ ጸሊእዎ ክነሱ ጽቡቅ ኰነ ሕማቅ ኣይተዛረቦን። ጽልኢ ኣብ ውሽጡ ስለ ዝተጠጀአ፡ ንሓው ንምጥቃዕ ክልተ ዓመት ዝኣክል ተጸብዩ። እዚ ኸኣ ዘሰምብድ’ዩ። ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ ኢሉ ሕነ ክፈዲ፡ ጉዳይ ሓፍቱ ኣብ ኣእዳው ክሓዊ ክገብሮ ምፍታኑ፡ ጽልዋ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ቤተሰብ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል የረድኣና።

ንጉስ ዳዊት ምስ ሰምዖ ጉህዩ ክነሱ፡ ከም መራሒ ፍትሒ ክገብር ስለ ዘይከኣለ፡ ኣቢሰሎም ብገዛ ኣእዳዉ ሕነ ክፈዲ ተገዲዱ። 1ሳም13 እዚ ከኣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ግቡእ ፍትሒ እንተዘይገይሩ፡ ነገራት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ክኸዱ ከም ዝኽእሉ የብርሃልና።

“ንጉስ ዳዊት ግና፡ እዚ ነገር እዚ ኩሉ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ተናደደ። ኣቤሴሎም ከኣ ኣምኖን ንታማር ሓብቱ ስለ ዝዐመጻ፡ ጸሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣቤሴሎም ንኣምኖን ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ኣይተዛረቦን።” 2ሳሙ13:21-22

እቶም ሕሱማት ደቂ ብንያም፡ ነቲ ኣብ ከተማኦም ዝሓደረ ጋሻ፡ ሰበይቲ ወሰኑ ወሲዶም ምሉእ ለይቲ ስለ ዝዓመጽዋ፡ እሞ ስለ ዝሞተት፡ ኣብ ሃገር እስራኤል ናዕቢ ተላዒሉ። ዓሌት ቢንያም ከኣ ክጸንቱ ቅሩብ ክሳዕ ዝተርፎም፡ ቁጥዓ ኣምላኽን እቶም ዝተረፉ ዓሌታት እስራኤል በጺሕዎም’ዩ። መሳ19-21

‘ቲ ዝገበርዎ ዘይሰብኣዊ ተግባር ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቶም ነቲ ርኽሰትን ዕብዳንን ዝገብሩ ሰባት፡ ንሕጊ ከቅርቡ ምስ ተሓቱ እምቢ ስለ ዝበሉ ‘ዮም። ነቲ ናይ ጸልማት ስራሕ ምፍጻሞም ጥራይ ዘይኰነ፡ ክሓብእዎ ምፍታኖም ካልኣይ ጌጋ’ ብምግባሮም ቁጥዓ ወሪድዎም። እዚ ኸኣ ፍትሒ’ዩ።

እሞ ብኸመይ ንእለዮ፧