ንኸይፈሪ ሓኒቑ ዝሓዞ እሾኽ፡ ዘይተገርሐ ስምዒት

ዝሓተትናዮ ኣገዳሲ ሕቶ እንተነይሩ፡ ስለምንታይ ኢና ብዙሕ ንመሃር፡ ፍሬና ግና ሒደት ዝኸውን፧ ዝብል እዩ። ብዙሕ እናበልና ከለና ኸኣ፡ ሓደ ሓሳብ ተገሊሁልና። እቲ ሓሳብ ምስ በርሃልና ኸኣ፡ እንሆ ኣብ መርበብካ ክትጽሕፎ ዘለካ ምርዳእ ኢላትኒ። ኣነ’ውን ዛዕባ ‘ቲ ዝደፍኣሉ ዘለኹ ኣገልግሎት ስለ ዝዀነ፡ ንምክፋሉ ቶጓእ ኣይበልኩን።

እቲ ዝተኸፍተልና ምርዳእ ኸኣ ካብ ምስላ ‘ቲ ዘረኢ ‘ዩ ነይሩ። ማቴ13 እቲ ዘረኣይ ክዘርእ ኢሉ ምስ ወፈረ፡ እቲ ዝዘርኦ ዝነበረ እኽሊ ገሊኡ ኣብ መገዲ፡ ኣብ ከውሒ፡ ገሉኡ ኸኣ ኣብ እሾኽ ወዲቑ። እቲ ዝተረፈ ኸኣ ኣብ ልሙዕ መሬት ወዲቁ። 30፡ 60፡ 100 ኸኣ ፈርዩ። ኣብ በይኖም ጌሩ ጎይታና የሱስ ክፈትሓሎም ከሎ፡ ከምዚ ክብል ገሊጽሎም

ኣብ “መገዲ” ዝወደቀ፡ እቲ ዝሰምዕ ስለ ዘየስተውዓሎን ዘይተረድኦን፡ እቲ ክፉእ እመጽእ እሞ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርአ ይምንጥሎ። ዘይተሓርሰን ዘይተተለመን ልቢ ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ዝተዘርአ እኽሊ ኣይሸፈኖን። ስለዚ ንኣዕዋፍ ዝተቃልዐ ኰይኑ።

ኣብ “ከውሒ” ዝወደቐ፡ ነቲ ቃል ንሽዑ ብሓጎስ ይቅበሎ፡ ሱር ግና የብሉን። ስለቲ ቃል መከራ ወይ ስደት ምስ ዝመጽእ፡ ብእኡ ይንቀፍ። እዚ ከምዚ ዝበለ ልቢ ዘለዎ ሰብ፡ ምዉቅን ትስፉው ህይወት ዘለዎ ይመስል። እቲ ዘሕዝን ግና ደጋዊ ነጸብራቅ ዝበዝሖ ጥራይ’ዩ። ህይወቱ ዘይዓሚቑን ዘይብሱልና ‘ዩ። ኣዕሚቁ ዘይኣተወ ሱር ስለ ዘለዎ፡ ሙቐት ናይ ጸሓይ ቀልጢፉ የቀምስሎ። ብቀሊሉ ኸኣ ብፈተና ይሰዓር።

እቲ ኣብ “እሾኽ” ዝወደቀ ኸኣ፡ ጓሂ እዛ ዓለምን ምዕሻው ሃብትን” ነቲ ቃል ይሓንቆ፡ ከይፈረየ’ውን ይተርፍ። እቲ ኣብ ልቢ ዝቦቆለ ዳንዴር ከኣ፡ ንምፍራይ ‘ቲ ቓል ከንቱ ይገብሮ።

ጓሂ እዛ ዓለም

ሰብ ካብቲ ዝወረዶን ዝዀኖን ዝተላዕለ ኣብ ውሽጡ ዝሓደረ ጓሂ ክህልዎ ይኽእል’ዩ። ኩሉ ጓሂ ሓደገኛ’ዩ እንተዘይበልና፡ ገለ ኣብ ልቢ ዝሓደ ጓሂ ግና ክንጥንቀቀሉ፡ ብኣግኡ ክንኣልዮን ይግብኣና። እንተዘይኰነ ነቲ ኣብ ልብና ዝተዘርአ ብሉጽ እክሊ ክይፈሪ ይሓንቆ።

ገለ ሓጢኣት ስለ ዝገበረ፡ ንንስሓ ዝጉሂ ኣሎ። እዚ ከኣ ኣብ ህይወቱ ንምድሓን ንዝኸውን ንስሓ ይመርሖ። እዚ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝጕህዮ ኸኣ ኽንደይ ጸዓት፡ ክንደይ ምምጽራይ፡ ክንደይ ምንጽርጻር፡ ክንደይ ፍርሃት፡ ክንደይ ናፍቖት፡ ክንደይ ቅንኣት፡ ክንደይ መግናሕቲ ዘየምጽኣሉ። 2ቆሮ7:9-11 እዚ ከምዚ ዝበለ ጓሂ ክንለማመዶ ፍቃድ ኣምላኽ እዩ። ኣቦና ክቀጽዓና ከሎ’ውን ጓሂ ክስምዓና ግቡእ’ዩ። ነቶም ዝተቀበልዎን ዝለመድዎ ግና፡ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ ይፈርየሎም። እብ12:11

እቲ ካልኣይ ዓይነት ግና፡ ጓሂ ዓለም’ዩ። ፍሪኡ ድማ ሞት’ዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ጓሂ ንውሽጥና ዘቀምስል፡ ካብቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጸዓት ዝምገብ ሓደገኛ እሾኽ’ዩ። እዚ ኣብ ልቢ ዝሓደረ ጓሂ፡ ንመንፈስ ሰብ ስለ ዝጸቅጦ፡ ነቲ ኣብ ልቢ ዝተዘርአ ቃል፡ ሓኒቁ ከም ዘይፈሪ ይገብሮ።

ምሳሌ 12:25 “እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ፡ ሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ።”

ሓንሳብ ኣብ ልቢ በሲዑ ዝኣተወ ጓሂ፡ እናዓበየ ብምኻድ ንነፍሲ ሰብ ይብክልን የበላሽውን። ብምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ጽቡቅ ነገር እናወሓደን እናደረቀን ይኸይድ። መዝ107፡39 ንኸምዚ ዝበለ ኣሉታዊ ስምዒት እንተዘይ ተጠንቂቅናሉ፡ ሓይልና ኣላሕሊሑ፡ ንዓጻጽምትና የማህምኖ። መዝ31:10 ክንጉሂ ንቡር እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ልብና ክሓድር፡ ጊዜ ወሲዱ መሪር ሱር ከብቁልን ግና ከነፍቅድ የብልናን።

ዝተዘርአ ጽቡቅ ዘርኢ ክዓቢ ጊዜ ይወስድ። ተፈጥሮኣዊ ስርዓት ስለ ዝኽተል፡ ቀስ እናበለ ምድሪ ይኸድን። እንተ ጸሃያይ ግና ኣይከምኡን። ከየስተውዓልናሉ ኣብ ሓጺር ጊዜ ዝበቁል ኰይኑ፡ ነቲ ጥዑይ ዘርኢ ይቋጸጾ። ጠልን ራሕስን እናመጸየ፡ ንጽቡቅ ዘርኢ ከም ግቡእ ከይምገብ ይቃጸጾ። ንድኹዒ መሬት ከኣ የድክሞ። እቲ ጥዑይ ዘርኢ፡ ዝግባእ ጸሓይ ብርሃን ከይረክብ ይኽልክሉ። መሊሱ ከየስፋሕፍሕ ከኣ ይሓንቆ። ምውሓድን ምቅምሳልን ‘ቲ ጽቡቅ ዘርኢ ኸኣ ደፋእታዊ ስለ ዝኸውን፡ ብዙሕ ኣይነስተውዕለሉን። ቀስ ኢሉ ኸኣ ይደርቅን ይመውትን። ምፍራይ ናይቲ ጽቡቅ ዘርኢ ኸኣ ከንቱ ይገብሮ። እዚ ኸኣ ዘፍርህ ተመክሮ’ዩ።

ገሊኣትና ብዙሕ ንመሃር ክነስና፡ ፍሬና ግና ሒደት እዩ። ስለምታይ ዝብል ሕቶ ሓቲትና ንኸውን።  እዚ ምርዳእ ሓሲብናሉ ንፈልጥ’ዶ፧ ዘይተገርሐ ስምዒታትና፡ ማለት ጓሂ፡ ሓዘን፡ ምረት፡ ነቲ ኣባና ዝተዘርአ ቃል ኣምላኽ ሓኒቁ፡ ከም ዘይፈሪ ከም ዝገብሮ ኣስተውዒልና ኣለናዶ፧

እሞ እንታይ ንግበር፧

መልሲ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ሓቲትናዮ ዘለና ከቢድ ኣይኰነን። ፍቃድ ግና ይሓትት። እቲ ዝተርአ ኣብ ጽቡቅ ልሙዕ መሬት ወዲቁ፡ ብዙሕ ፍረ ክፈሪ፡ ነቲ ዝዘርእ ኸኣ ዘሕጉስን ዘኽብርን ክኸውን፡ ኩሉ ጊዜ ዝተዳለወ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት ከኣ ክሕረስ፡ ክጉልጎል፡ ኣእማን ክእለየሉ፡ ጻሃያይ ካብ ሱሩ ክመሖ፡ ዝግባእ ጸሓይን መግብን ክረክብ ኣለዎ።

እቲ ካብ ልብና ክንኣልዮ ዘለና ጸሃያይ ብዙሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘይንሰሕቶ ‘ኳ እንተዀነ፡ ብግቡእ ዘይተኣለየ ስምዒት ግና፡ ነቲ ኣብ ልብና ዝተዘርአ ጽቡቅን ምርጹን ዘርኢ ከይፈሪ ሓኒቁ ስለ ዝሕዞ፡ ብኣጋኡ ክንኣልዮ ኣለና። ኣብ ልቢ ዝሓደረ ጓሂ፡ ነፍሱ በሲዑ ዝኣተወ ኩራ፡ ንሓሳባት ዘጎልብብ ጣቃ ቅዛነት፡ ፍቃድ ዝሰርቅ ትምኒትን፡ ካልእ፡ ብዝግባእ ብመንፈስ ቅዱስ ክድህሰስ ኣለዎ።

ንጉስ ዳዊት ከምዚ ክብል ዘሚሩ ኣሎ፡ “ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሐ፡ ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ”። ኣብ ልቢ ዝተዘርአ ጓሂ፡ ብኣጋኡ እንተዘይተኣልዩ ይበዝሕን ይባዛሕን። ነቲ ምሩጽ እኽሊ ኸኣ ይቋጸጾን ቦታ ይኸልኦን። ስለዚ ምጽንናዕ እ/ሔር ክበዝሓልና፡ ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ኣለና።

እ/ሔር ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኩሉ ምጽንናዕ’ዩ። ኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር፡ ተባሂልና ምእንቲ ኺንስመ ድማ፡ ንሓዘና፡ ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ክደፍኣልና፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህበና መንፈስ ቅዱስ ተተቂብልና ኣለና። ኢሰ61:3

ምጽንናዕ እንተኣቢና፡ ኣይኰነን ዝተዘርአ ክቦቅል፡ ቦቂሉ ዝነበረ ክጽምስል’ዩ። ነፍስና ክትቅሕቱ’ያ። ደመት ትርኢትና ይሃድም። ምጽንናዕ ኣምላኽ ግና ይመልሰናን ይመርሓናን። ስለዚ ምጽንናዕ ኣምላኽ ኣባና ክዓዝዝ፡ ዝተዘርአ ብሉጽ ዘርኢ ቃል ኣምላኽ ብዙሕ ፍረ ክፈሪ፡ ናብ ዝፋን ጸጋ ኣምላኽ ብፍታውን ብትብዓትን ንቅረብ።

እግዚኣብሄር ንሰብ ይሁዳን የሩሳሌምን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በዱኹም ጽግኡ እሞ ኣብ እሾዂ ኣይትዝርኡ። ኤር4:3