ጽልዋ ማህሰይቲ ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕና

ኣዝዩ ዘገርምን ንነፍሲ ባህታ ዝህብን ሓቂ እንተሃልዩ፡ ሰብ ንርክብ፡ ዝምድና፡ ከም ዝተፈጥረ ምፍላጥ’ዩ። ብሓቂ ተኣሳሲሩ ናይ ህይወት ጉዕዝኡ ክገብር ምስ ዝኽእል፡ ዝሰንቆ ሓይሊ ብዙሕ’ዩ። ካብታ ብዘይ ምእዛዝ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወሉ ህሞት ጀሚሩ ግና፡ ዝበዝሕ ተመክሮ ሰብ ንጽገት፡ ንፍገት፡ ምፍልላይ፡ ብፍታሕ፡ ብትዕምማጽ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ልቢ ሰብ በሲዑ ዝኣተወ ማህሰይቲ ኣሎ።

ነዚ ንምርዳእ ከኣ ብዙሕ ክንፍትሽ ኣየድልየናን። ኣቦ ኩሉ ኣዳም ሓጢኣት ምስ ገበረ፡ ፈሪሁ ካብ ፈጣሪኡ ተሓቢኡ። ቀጺሉ ኸኣ ከይርአ እሞ ከይሓንኽ ሕፍረቱ ክሽፍን ፈቲኑ። ነታ መቅርቡ ክትከውን ዝሃቦ ሰበይቱ ሄዋን ከኣ፡ ኣእዳዉ እናዋጣወጠ፡ ክኸሳን ካብኡ ከርሕቃን ክፍትን ፈቲኑ። እዚ ምኽሳስ፡ ምንጻግ፡ ከኣ ኣብ ደቆም፡ ኣብ ኣቤልን ቃኤልን፡ ብዝኸፍ መገዲ ተጋሂዱ። ሓው ንሓው ተሲኡ ክቀትሎ ከሎ፡ ናይ ሓጢኣት መግደራ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ከም ዝዀነ የረድኣና። እቲ ታሪኽ ከኣ ከምኡ ኢሉ፡ እናገደደ፡ ኣብዚ ዘለና ዘመን በጺሑ።

ሞራል ሰብ ኣዝዩ ስለ ዝተበላሸወ፡ ሰብ ብዝቀርቦም ወለዱ ከይተረፈ፡ ነፍሱ ብስምባደን ቃንዛን ክሳዕ ትዝባሕ፡ ዝሓልፎ ኣሉታዊ ተመክሮ ብዙሕ’ዩ። ምእንቲ ስልጣን፡ ገንዘብ፡ ዝና፡ ሕነ ምፍዳይ፡ ሃይማኖትን ካልእን ተባሂሉ፡ ሰብ ኣብ ከምኡ ዝበለ ሰብ ዘውርዶ ማህሰይቲ፡ ንምስማዑ ዀነ ንምርኣዩ ኣዝዩ ዘሰክኽ ኰይኑ ኣሎ።

ማህሰይቲ” ዘሰምብድ፡ ዘፍርህ፡ ንስምዒት ሰብ ዝትንክፍ ሓደገኛ ተመክሮ’ዩ። ‘ቲ ተመክሮ ከኣ “ተፈጥሮኣዊ”፡ ከም ህቦብላ ንፋስ፡ መሬት ምንቅጥቃጥ፡ ወይ’ውን ካብ “ካልኦት ሰባት” ዝበጽሓካ፡ ከም መኪና ሓደጋ፡ ገበን፡ ዓመጽ፡ ግበረ ሽበራ መጥቃዕቲ፡ ማእሰርቲ፡ ማህረምቲ፡ ምፍታሕ፡ ቀጻሊ ምቁሻሽን ምፍርራህን፡ ጸርፊ፡ ክኸውን ይኽእል።

ሰብ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ዝበጽሖ ማህሰይቲ፡ ኣብ ኣእምርኡ ኰነ ስምዒታቱ ዝገድፎ በሰላ ኣሎ። ሰብ ካብ ማህሰይቲ ከምልጥ እኳ ዘይክእል እንተዀነ፡ ንዝገጠመና ኣሉታዊ ተመክሮ እንህቦ ምላሽ፡ ብኸመይ ንኽእሎ (cope) ግና ኣባና ዘለዎ ጽልዋ ይውስኖ።

“ማህሰይቲ” ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ግላዊ ዝዀነ ጽልዋ የሕድር። “ማህሰይቲ” ሕመረት ዝዀን ክፋል ገዛእ ርእስና ስለ ዝትንክፍ፡ ብባህርያኡ ጥልቅን ቀያሪ ዝዀነ ተመክሮ’ዩ። ንማህሰይቲ ክንቃላዕ፡ ኣደዳ ክንከውን ከለና፡ ብዙሕ ክፋል ህይወትና ይትንከፍን ይጽሎን’ዩ።ንብዙሕ ኣሉታዊ ነገራት ከኣ ንቃላዕ።

1. ርክባዊ ጸገማት፡- እዚ ኸኣ ጸገም ምዝርራብ፡ ጥዕና ዘለዎ ባዕላዊ ደረት (boundry) ከነቅውም ንሽገር። እዚ ኸኣ ነቲ “ሓቂ” ሕራይ፡ ነቲ ክንገብሮ ዘይንደሊ ኸኣ “ኣይፋል” ክንብል ንሽገር። ሰባት መታን ክቅበሉናን ገጾም ከፋሕሽውልናን “መሐጉስቲ ሰባት” ክንከውን ንቅሰብ። እዚ ከኣ ከርፋሕ ናብራ’ዩ። ቀረባ ሰባት ክንከውን ንፈርህ። ካልኦት ክንኣምን ንጽገም።

2. ማሕበራዊ ተነጽሎ፡– በይንና ኰይኑ ይስምዓን። ካብ ካልኦት ፍልይ ዝበልናን ዕድልና ዝኸፍአ ጌርና ርእስና ንቆጽር። ካልኦት ክቅበሉና ክሓቁፍና ከም ዝኽእሉ ክን ኣምን ንሽገር። ዝተጸላእና፡ ዝተኸፋእና፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ዝተረገምና ይመስለና። እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጥና ዝፈጥሮ ፍርሒ ብዙሕ’ዩ። ፍቅሪ ክንልግስን ከነካፍልን ንፈርህ።

3. ትሑት ረእሰ ጠመተ፡ ሕፍረት/ነውሪ ይገዝኣና። ኣነ ዘይጠቅም፡ ዘይረብሕ፡ ዘይቅቡል፡ ዘይፍቀር፡ ድርቡይ፡ ሰብ’የ ዝብል ዝተበላሸወ ኣተሓሳስባ ንሓሳብና ይገዝኦ። ሕማቅ፡ ክፉእ፡ ሰብ ከም ዝዀና ንርእስና ንቆጽራ። መደናገርቲ ኰይኑ ይስምዓና። ወቀሳ፡ ገበንነት፡ ይወረና። እዚ ከኣ ቓንዛኡ ብርቱዕ’ዩ። ብዛዕባ ዝወረደና ብቀጻሊ እናሓሰብና፡ ንርእስና ብእኡ ስለ ንርእያ፡ ትሕቲ ሰብና ዝዀና ይመስለና። ንምረር ከኣ።

4. ጸገም ስምዒት፡ ስምዒትካ ከተላሊ ትሽገር። ስምዒታትካ ብዝግባእ ክትገልጽ ትፈርህ። ቅዛነት፡ ጭንቀት፡ ቁጥዓ፡ ሃዋኺ ፍርሂ፡ ይገዝኣካ። ብለይቲ ትስምብድን ትብህርርን። ስምዒት ካልኦት ተረዲእካ፡ ድንጋጸ ክትገልጽ ትሽገር። ኩነታት ብቀሊሉ ይብድሃካ። ብቀሊሉ ተሳዓራይን ተስፋ ትቆርጽ ሰብ ትኸውን። ሓይሊ-ኣልቦነት ይወረካ። ምኽንያቱ ብዘይፍለጥ ትሓዝን፡ ትሓርቅ፡ ትጭነቅ። ምኽንያት ዘይብሉ ብኽያት ተፍስስ። እዚ ኸኣ ኣብ ነፍሲ በሲዑ ዝኣተወ ማህሰይቲ ከም ዘሎ ግሉጽ ምልክት’ዩ።

5. ሕማቅ ልምድታት፡ ብማህሰይቲ ኣቢሉ ኣብ ውሽጥኻ ዝሓደረ ቃንዛ ንምድንዛዛ፡ ናብ ብዙሕ ኣመላት ዝተቃላዕካ ትኸውን። ኣብ ምዝንጋዕ (entertainment) ብዙሕ ጊዜ ተሕልፍ። ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ፊልም ምርኣይ፡ ሙዚቃ ምስማዕ፡ ቲቪ ምዕዛብ፡ ኣብ ኮምፒተር ብዙሕ ጊዜ ምሕላፍ፡ ጸወታ (game) ኤልክትሮኒክ ምጽዋት ክኸውን ይኽእል። ፍኑው ስጋዊ ርክብ ምዝውታር። ፖርኖግራፊ መጽሔታትን ፊልምታን ምርኣይ፡ ብዙሕ ትምኒት ፋንታዝያ ምግባርን ካልእን። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንመስተ፡ ዘይሕጋዊ መድሃኒታት ርእስኻ ምቅላዕ።

6. ኣካልዊ ጸገም፡ ምኽንያቱ ዘይፍለጥ ዘየቋርጽ ኣካላዊ ቋንዛ። ሕማም ጨጎራ ተጥሪ። ቃንዛ ሕቆ፡ ርእሲ ሕማም፡ ብድቃስ ዘይእለ ኣካላዊ ድኻም፡ ኣካላዊ ምዕልባጥን ካልእን። እቲ ኣብ ውሽጥና ዝሓደረ ቃንዛን ጓህን ን ኣካላትን ዘይጸልዎ ኰይኑ ይስምዓና እንተዀኑ፡ ስሒትና ኣለና። ጥዑም ክንድቅስ ንሽገር።

ፈውሲ ሽግርካ፡ ብምፍላጥን ኣፍልጦ ብምሃብን ይጅመር ምኻኑ ክንፈልጥ ኣገዳሲ ስጉምቲ’ዩ። ብዙሕ ጊዜ ንመፍትሒ ዘለና ህንጥዩነት ትጽቢትን ብዙሕ’ዩ። ብባዕሉ ጽቡቅ እኳ እንተኰነ፡ እኩል ግና ኣይኰነን። ሽግርካ ምፍላጥን ቀሊዕካ ኣፍልጦ ምሃብን ዘሎ ቋንዛ ክንምከሮ ስለ ዘይንደሊ፡ ምስ መንቀሊ ጸገምና ዓይኒ ንዓይኒ ክንራኸብ ኣይንደልን። ስለዚ ትብዓት እንተበዚሑልና፡ ሓደ ኢልና በዚ ንጀምር። ፈቃር ፈጣሪ ከኣ ክረድኣና’ዩ።