ዝምድናዊ ብልሒ

ቅድሚ ቅሩብ እዋን ከምዚ ዝበሃል ኣበሃህላ ነይሩ፡ “እንታይ ትፈልጥ ዘይዀነ፤ መን ትፈልጥ እዩ ኣገዳሲ”። ነዚኣ ኣገዳሲ ሓሳብ ቀጸላ ክውስኹላ ምስ ደለዩ ከኣ፡ “መን ትፈልጥ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ምስቶም ትፈልጦም ብኸመይ ትዋሳእን ትተኣሳሰርን ቀንዲ ረቋሒ ዝምድናታትና እዩ” ብምባል ይእልምቱ። እዚ ኸኣ “ዝምድናዊ ብልሒ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።

 ምድናዊ ብልሒ” ማለት ዝምድናን ርክባዊ-መርበብን ናይ ምፍጣር ክእለት ምህላው፡ ነቶም ዝተፈጥሩ ከኣ ትሕዝቶታቶም ብምብርባርን ብምጉልጓልን ክንከስበሎም ብእንኽእል መገዲ ኣብ ግቡእ መዓላ ምውዓልን እዩ።

ኣብ ህይወት ኰነ ኣብዛ ዓለም ለውጢ ንኸነምጽእ፤ እዚ ባህርይን ክእለትን ክህልወና ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። ሓደ ሓደ ጊዜ ዝዓበየ ናውቲ: ጸጋታት፤ ርእሰማል: ሃብቲ፡ ኣብቲ ዘይተጸበናዮ ቦታ ንረኽቦም ኢና። ዝምድናታትናን ርክባዊ-መርበባትናን ከኣ ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ቦታታት ትሕዘት ክህልወናን ከነቅልበሎምን ይሕግዙና።

ኣብ ዓንኬል ርክባታትና መክሰብ ንምምጻእ፤ ንዘለውና ዝምድናታትን መርበባትን ከመይ ጌርና ብዝበለጸ መገዲ ከም እንጥቀመሎም ክንፈእጥ ብሓቒ ዓቢ ጥበብ እዩ። ኣብ ከባቢና ዘይተሃንደሰ ዕቁር ፍልጠትን ተመክሮን ከም ዘሎ ክንግምት ዘድሊ ኣይኰነን። ነዚ ንምዕዳን ከኣ ሓድሕዳዊ ርክብ ጥራይ ዘይዀነ፤ ዝምድናዊ-ብልሒ ክህልወና ናይ ግድን እዩ።

ዝተበላሸወ ክንርኢ ከለና፡ ቀልጢፍና ብምፍራድ ዘይትስፍውነትን ክወረና መዓልታዊ ተርእዮ እዩ። ብዝረኣናዮ ጌጋ ተሰኒፍና፡ ተስፋ ክንቆርጽን ኣእዳውና ክንድርብን ተፈጥሮኣዊ ግብረ-መልሲ ጌርና እንወስደሉ ህሞት ብዙሕ እዩ። እንተዀነ ግና ካብ ዝተበላሸወን ናብ ጸጋም ዝኣንፈተን ስራሕ፡ ናብ ጽቡቕ ብምቕናዕ ንመኽሰብና ክንቕይሮ ከም እንኽእል፡ ከምዚ ዝበለ ቅኒተ-ሕልና ክህልወና ይግባእ። እዚ ኸኣ ኣብ ካልኦት ዘሎ ዘይተተንከፈን ዘይተጎልጎለን ዕቑር ሃብቲ ከም ዘሎ ብምርዳእን፡ ንዕኡ በዝቢዝና ንጥቕምናን ጥቕሚ ሕብረተሰብን ንምቕያር ክእለትን ጸዓትን ክህልወና ኣለዎ። እዚ ኸኣ እዚ ንብሎ ዘለና “ዝምድናዊ-ብልሒ” ቀንዲ ሓጋዚ መገዲ እዩ።

“ዝምድናዊ-ብልሒ” ሓደ ኣገዳሲ ክእለት መርሒነት እዩ። ኩሉ ከኣ ኣብ ገለ ክፋል ህይወቱ ክጥቐመኡ ዘለዎ ሰብኣዊ ክእለት ከኣ እዩ። ኣብ ገዛ፡ ስራሕ፡ ምስ የዕርኹትና፡ ኣብ ማእኸል ሕብረተሰብ ክነብር ከለና ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ስለ ዝዀነ፡ ኣፍልጦና ክዓቢ ከም ዘለዎ ዘየማትእ ሕቶ እዩ። ስለዚ ከነቕልበሉ ይግባእ።

ርክባትና ብዝበለጸ መገዲ ንምጥቓምን ንምብዝባዝን፡ ኣብ ዓንኬላት ዝምድናታትና እዞም ዝስዕቡ 5 ኣኻእሎ ክህልውና የድሊ።

  1. ህንጥዩነት –

ቅድሚ ኣብ ስራሕ ምጽማድና፡ ሓደ ጸገም ክንፈትሕ ቅድሚ ምፍታንና፡ “ህንጥዩነት” ክህልወና ዓቢ ጸጋ እዩ። እዚ ማለት ከኣ ኣጠማምታና ንምስፋሕ ዝተፈላለየ ኣገዳሲ ሕቶታት ክንሓትት ክእለት ምህላው እዩ። ህንጥዩነት ንነገራት ብብዙሕ መኣዝኑ ክንጥምቶ፡ ካብ ላዕሊ ላዕሊ ሓሊፍና ብዕምቖት ክንርእዩ ዘኽእለና ውሽጣዊ ድፍኢት እዩ።

ብዙሕ ጊዜ ተቐዳዲምና ናብ መፍትሒ ንጓየይ ኢና። ኣብ ኢድና ዘሎ ጸገምን ዓቕምን፡ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሃብትን ጸጋን ከይተረዳእና፡ ናብ ዝቕጽል መድረኽ ክንሓልፍ ንፍትን። መገድና ኸኣ ዘይንጽሩን ዝተሓላለኸን ይኸውን። “ህንጥዩነት” ግና ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ኣገዳሲ ሕቶታት ብምሕታት፡ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ብንጹር ክንርድኦ፡ ከባቢና ክንጥምትን ኣብ ከባቢና ዘሎ ናባና ገጹ ክሰሓብ ዘኽእለና ማግኔታዊ ሓይሊ እዩ።

  1. ምጽንባር –

እዚ ካልኣይ ዓቕሚ ከኣ፡ ሓድሽ ስነ-ሓሳብ ንምህናጽ፡ ብዙሕ ኣተሓስስባን ኣጠማምታን ጸጋታትን ከነእንግድን ክንጸናብርን ከለና ዝኸውን እዩ። ከም ሕብርና ኣተሓሳስባናን ኣጠማምታና ክእለታትና ብዙሕ እዩ። ኣጠማምታና ከየጽበብና፡ ንብዙሕ ሓሳባት ንምእንጋድ መድረኽ ክንፈጥርን፡ ጸጋማትና ንምፍታሕ ከኣ ንሓድሕዱ ብምልጋብ ሓድሽ ሓሳብ ክንሃንጽ ዘኽእለና ስነ-ኣእምሮኣዊ ዓቕሚ እዩ።

  1. ማሕበረ-ሰብ

ምሕበረ-ሰብ፡ ብዙሓት ንሓድሕዶም ክደጋገፉ ናብ ሓደ ብምምጻእ ክደምቑ ዝገብር ተፈጥሮኣውን መሰረታውን ትዕድልቲ እዩ። ስሙ ከ ዝሕብሮ ሰባት ክሓብሪ ከለው ዝፍጠር ዓንኬልን ምትእስሳርን እዩ። ኣብ ከባቢና ዘሎ ኩሉ ሰብ ጠቓሚ ዝዀነ ክእለትን ፍልጠትን ኣለዎ። ፋሕ እንተኢሉ ክረብሖ ዝኽእል ሒደት ምኻኑ ፍሉጥ እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ንኹሉ ጠርኒፍካ፡ ኣብ ውሽጡ ዝተዓቑረ ፍልጠትን ተመክሮን ንምጉልጓል ዓንኼል ናይ ምፍጣር ክእለትን ዓቕምን ክህልወና ከሎ ዓቢ መኽሰብ እዩ። ብፍላይ እኳ ደኣ ሰባት ንሓድሕዶም ክተሓላለዪን ክተሓጋገዙን ክተባብዑን ዘኽእሎም ዓንኬልን ስርዓትን ምፍጣር ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ።

ካብ ባህላውን ዝኣረገን መሳልል ወጺና፡ ብዙሕ ዝዓይነቶም ዝተፈላለይ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት፡ ንሓድሕዶም ዝዋስኡሉ መርበብ ምፍጣር፡ ግዑዝ ይኹን ኤሌክትሮኒካዊ፡ ማሕበረ-ሰብ ተባሂሉ ይጽወ። እዚ ከኣ ኣብ ምዕዋት ስራሕ ዘበርክቶ ተራ ዘይከሓድ እዩ።

  1. ትብዓት

ትብዓት ድፍረት ጥራይ ዘይኰነ፡ ነት እትውጥኖ ብምሉእ ልብኻ ክትገብሮ ከለኻ ማለት እዩ። ማንታ ሓሳብ፡ ዝተኸፋፈለ ኣእምሮ፡ ነዊሕ ክንከድ ኣየኽእለናን እዩ። ኣብ መገዲ ብዝፍጠር ጸገማትን ማሕለኻታትን ቀልጢፍና ክንሰዓር ይገብረና። ንእንገብሮ ብምሉእ ልቢ ክንገብሮ ከለና ግና ተናኺፍና ኣይንሓድጎና ኢና። ከቢድ ዝበሃል ስራሕን ዘተን ሃንጎፋይ ንብሎ። ቀቀሊሉ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከቢድ ዛዕባን ጉዳይን ኣልዒልና፡ ብኽፉት ክንዝትየሉን ክንኣልዮን ዘኽእለና ውሽጣዊ ሓይሊ እዩ።

ምስ ካልኦት ሓንሳእ ተኣሳሲርካ ማለት ኩሉ ተወዲኡ፡ ዝተበገስካሉ ንምፍጻም መሰናኽል የለን ማለት ኣይኰነ። ትብዓት ዝሰነቁ ግና ኣማዕድዮም ብምጥማት፡ ንዝገጥሞም ጸገምን ብድሆን ብውሕሉል እናኣለዩ፡ ውጥኖም ክሳዕ ዝጭብጡ ይጎዓዙ። ብፍላይ ምዝርራብ ኣገዳሲ ባህርይ ናይ ዕዉት ስራሕ ስለ ዝዀነ፡ ትብዓት ዝሰነቁ ሰባት ከበድቲ ዝበሃሉ ዛዕባታት ንምጅማር ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ መጨረሽታ ንምብጻሕን ፍረ ንምሕፋስን ዝተጀመረ ዝርርብ ዝቕጽሉ ሰባት እዮም።

  1. ምቅጽጻል

ሰብኣዊ ጸጋታት ኣኪብካ፡ ዝለዓለ ውጥን ንምጭባጥ ንሓድሕዱ ከም ዝቐጻጸል ንምግባር ዘኽእል ዓቕሚ እዩ። ከምቲ ዕንጨይቲ ክውዳእ ከሎ ሓዊ ዝጠፍእ፡ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዕቑር ሰብኣዊ ሃብቲ፡ ንሓድሕዱ ብምውህሃድ ንዝልዓለ ዕላም ከነቀጻጽሎን ክንጥቐመሉ ከለና እንረክቦ ውቁብ ዝዀነ ውጽኢት ኣሎ። ዕቑር ዓቕሚ ዘለዎም ሰብ-ጸጋ ምእካብ፡ ሓደ ነገር እዩ፡ ኣብ ውሽጦም ዘሎ በዝቢዝካ ንሓድሕዱ ክቀጻጸል ብምግባር፡ ሓደ ምስ ሓደ ኣልጊቡ ብምህናጽ ዓቢ ስራሕ ክስራሕ ምግባር ከኣ ናቱ ዝዀነ ክእለት ዝሓትት መድረኽ እዩ።