“ቃንዛ” ጽቡቕ ዶ ሕማቕ፧

ርዙዝ ክርስትያን ጸሓፊ ፊሊፕ ያንሰይ፡ ከምዚ ክብል ኣብ መጽሓፉ ጽሒፉ። ብለምጺ (leprosy) ዝፍለጥ ፍሉይ ሕማም ኣሎ። እዚ ለምጺ’ዚ ነቶም ቃንዛ ተቐበልቲ (pain receptors) ወይ ደወል ቃንዛ ኣካላትና ዝዀኑ ወሃዮታት ብምሒር የጥቕዕ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ህይወትና ዝዀነ ስምዒት ከም ዘይህልወና ይገብር።

ነዚ ሕሱም ሕማም ግዳያት ዝዀኑ፡ ኢዶም ጥርሙዝ እናጠብሖም፡ ኢዶም/እግሮም ብሓዊ እናተቓጸለ/እናነደደ፡ ወይ ድማ ካልእ ኣካላቶም ምስ ዝዀነ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ባእታ ተተናኽዩ እንከሎ፡ እቶም ወሃዮታቶም ንሓንጐሎም መልእኽቲ ስለ ዘይሰድሉ፡ ዝስምዖም ቃንዛ የልቦን። ስለዚ፡ ንሕሱም ሓደጋ ቅሉዓት ማለት እዩ።

እሾኽ ክወግኣና እንከሎ፡ ቃንዛ ክስመዓናን፡ ካብ ሓደጋ ክንእለን፡ ከመይ ጸጋ ይመስለኩም። እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ነዞም ኣብ ኣካላትና ዝርከቡ ደወላት ሓደጋ፡ ብዘይ መደብ ኣየቐመጦምን። በዚ ኸኣ ክንድነቕን ኣመስገንቲ ክንከውን ይግባእ።

ብዛዕባ ስምዒት ብዙሕ ክንብል ዝከኣል ከነሱ፡ ኣብ ስምዒት ዘለና ኣቃልቦ ሒደት እዩ። ስምዒት ንህይወትና ዝሕቦ ውቑብ ሕብሪ ኣለዎ። እንተዀነ ብዛዕባ ስምዒት ዘለና ምርዳእ ዝተፈራረቐ እዩ። ብሓቒ ግና ህይወት ብዘይ ስምዒት ኣዝዩ ደረቕን ትርጉም ኣልቦ እዩ።

ስምዒት ዝብል ኣምር ክለዓል ከሎ፡ ቀልጢፉ ኣብ ሓሳብና ቕጅል ዝብል “ኣሉታው” ን “ኣውንታው”ን ኢልና ኣብ ክልተ ምኽፋል እዩ። ብዛዕባ ስምዒት ዘለና ፍልጠት ኣዝዩ ሒደት ምዃኑ ምዝራብ ዘድሊ ኣይመስለንን። እተን ኣለዋና እንብለን ቁንጣሮ ፍልጠትን ኣቃልቦ እንተዀነ፡ ናብ ዘይጥዑይ ኣረኣእያ ዝዘቕበበ እዩ።

ስምዒት ከም መልእኽቲ

ግን ከኣ “ስምዒት” ብፍላይ “ቃንዛ”፡ ጽቡቕ ዶ ሕማቕ፧ መገዲ ከየንዋሕና፡ ስምዒት ጽቡቕ ኣይኰነ ሕማቕ’ውን ኣይኰነን። ነቲ ኣብ ህይወትናን ዝፍጸም ኩነት ዝሕብር መልእኽቲ ወይ’ውን ቋንቋ ጥራይ እዩ። እዚ ምፍላጥን ብዝሁም (neutral) መገዲ ምቕባልን ጥበብ እዩ። ነቲ መልእኽቲ ብኸመይ ነመሓድሮ ግና ንስምዒታትና ጽቡቕን ሕማቕን ይገብሮ።

እቶም መሰረታውያን ስምዒታት ዝብሃሉ 6 እዮም። ንሳቶም ከኣ “ሓጎስ፡ ፍርሒ፡ ሓርቖት፡ ሓዘን፡ ክርሃት (disgust)፡ ምግራም” እዮም። ነዚኦም ስምዒታት ጽቡቕን ሕማቕን ኢልና ክንከፋፍሎም ኣይንክእልን ኢና። “ጹብቕ” ውን “ሕማቕ” ኣይኰኑን። እቲ ንሳቶም ዝህቡና “መልእኽቲ” ተቐቢልና፡ ናብቲ ሱር ምኽንያት ኣቲና ከነመስርሖም ግና ሓላፍነት ኣለና። “ጽቡቕ” ወይ’ውን “ሕማቕ” ኢልና ኣብ ዝኸፋፈልዮም ህሞት፡ ኣከፋፍላና ንእንህቦ ግብረ መልሲ ይዝውሮ። እዚ ከኣ ዝበዝሕ ጊዜ ኣሉታዊ ውጽኢት ኣለዎ።

ንምሳሌ ብዛዕባ ስምዒት “ቃንዛ” ክንዛረብ እንተዀይና፡ “ቃንዛ” ሕማቕ ወይ’ውን ጽቡቕ ኣይኰነን። “ቃንዛ” ኣብቲ ንሕና ክንርእዮ ዘይንኽእል ህይወትና ዝኸውን ዘሎ ዝዛረብ “ቋንቋ” ወይ’ውን “መልእኽቲ” እዩ።

ንምሳሌ ዝቀነየ፡ ዝተበላሸወ መግቢ በሊዐ ከብደይ የሕመኒ።  እዚ “ቃንዛ” ኣብ ከብደይ ዝኸውን ዘሎ ዝሕብር መልእኽቲ ስለ ዝዀነ “ሕማቕ” ወይ’ውን “ጽቡቕ” ከይበልኩ፡ ስለምታይ የሐመኒ ኣሎ ኢለ ብምሕታት፡ ናብቲ ቀንዲ ምኽንያት ገጸይ ከቕንዕ ይግባእ። “ሕማቕ” እዩ ኢለ እንተሓሲበ ግና፡ ንምእላዩ ቀልጢፈ ፈውሲ-ቃንዛ ወሲደ፡ ሽዑ ንሽዑ ስቕ ከብሎ ክፍትን እየ። እቲ ምኽንያት ክኣልዮ ከይፈተንኩ፡ ነቲ ቃንዛ ክኣልዮ ምፍታነይ ጥራይ ጽቡቕ ኣይኰነን። ናብ ዝገደደ ሳዕቤን’ውን ክመርሓኒ ይኽእል።

ከምኡ’ውን “ክሓርቕ” ከለኹ። ስለ ምንታይ ይሓርቕ ኣለኹ ኢለ ብምሕታት ነቲ ክሓርቕ ዝገብረኒ ነገር፡ ብምኽኑይ መገዲ ክኣልዮ ክፍትንን ክጽዕርን ኣለኒ። ኣብ ሓርቖተይ ተግባብሮ ብምውሳድ፡ ወይ’ውን ንሓርቖተይ ክሽፍኖ ብምፍታን ዘይተደለየ መገዲ ምኻድ፡ ንምሳሌ ክሕጎስ መስተ ምስታይ፡ ነቲ ክሓርቕ ዝገብረኒ ክፈትሖ ኣይኽእለንን እዩ። እኳ ደኣ ምስ ጊዜ ተበላሊዑ ናብ ቅሬታን ምረትን ፍሑኽ ክብል ይኽእል። እዚ ከኣ ስምዒተይ ተበሪዙ፡ ንባህርያተይ ከርፋሕ ይገብሮ።

ስለዚ ክንገብሮ ዝግብኣና ነገር እንተሃልዮ፡

1ይ. ንስምዒትና “ኣፍልጦ” ምሃብ እዩ። ኣካላዊ ይኹን ስምዒታዊ ቃንዛና ኣቃልቦን ኣፍልጦ ምሃብ። ብቕንዕና ብርግጽ ቃንዛ ይስምዓኒ ኣሎ ምባል። እዚ ኸኣ ጽቡቕ ኣይኰነ ሕማቕ።

2ይ. ብምቕጻል “ምኽንያቱ” ክንፈልጥ ምፍታሽን  ምምርማርን። ንኹሉ ቓንዛ፡ ኣካላዊ ይዀን ስምዒታዊ፡ “ምኽንያት” ኣለዎ። ገሊኡ ፍሉጥ እዩ። ገልኡ ኸኣ ሕቡእ እዩ። ገሊኡ ብቀሊሉ ይልለ። ገሊኡ ኸኣ ግዜን ጻዕርን ይሓትት። ንቓንዛና ክንሽፍኖ ወይ’ውን ከም ዘየለ ክንክሕዶ ምፍታን ሳዕቤኑ ከብዲ ምዃኑ ክንርዳእ መኽሰብ እዩ።

3ይ. ኣብ መጨረሽታ ንቃንዛና ዘይኰነ፡ ነቲ ምኽንያት ምእላይን ምምስራሕን። ኩሉ ጊዜ ምኽንያት እንተተኣልዩ፡ ቃንዛ ይእለ እዩ። ቁስልና ከፊትና ከነጽርዮን ክንከናኸኖን፡ እቲ እንኰ መፍትሒ እዩ። ብዙሕ ጊዜ ሰብ ናብ ዘይተደለየ አመልን ወልፍን ዝሽመም፡ ንቃንዛ ምኽንያት ዝዀነ ዘይኰነ፡ ነቲ ቃንዛ ክኣልዮን ከወግዶን ስለ ዝፍትን እዩ። እዚ ኸኣ ግዚያዊ መፍትሒ ጥራይ ይህበና። ኣብ ነዊሕ ጊዜ ግና ንቃንዛና ዘጋድዶ ምዃኑ ንፍለጥ።

ስለዚ “ቃንዛ” ጽቡቕ ዶ ሕማቕ፧ እቲ ፍርዲ ንዓኹም ይገድፎ።