ካበይ መጺኺ፧ ናበይ ትኸዲ ኣለኺ፧

ጋር ሰበይቲ ወሰን ኣብርሃም ‘ያ። ብዓልቲ ቤቱ ሳራ ክትወልድ ሰለ ዘይከኣለት፤ ብስምምዕ ካብ ሰራሕተኛ ገዝኦም ዝነበረት ኣጋር ክወልዱ ተሰማሚዖም። ኣጋር ከም ዝጥነሰት ምስ ረኣየ ግና ንእመቤታ ከተቃልላን ከተስተናዕቓን ጀሚራ።

እመቤታ ሳራ በቲ ትርእዮን ትሰምዖን ዝነበረት ኣይተሓጎሰትን። ብውሽጣ ስለ ዘንጸርጸረት፡ ንዝጠነሰት ገረዳ ኣዋሪዳታን ዘቢሓታን። ኣጽቢባትላን ወጺዓታን። ኣጋር ከኣ ነዚ ከምዚ ዝበለ ሃዋህው ክትጽመሞ ኣይከኣለትን። ኣዝያ ተኻፊኣ። ምስ ዝነበራ ናይ ጥንሲ ኩነታት ኣብ ዝነበረቶ ክትቅመጥ ‘ኳ ውሑስ ‘ተነበረ፤ መፍትሒ ግን ደልያ። ትገብሮ ጠፊእዋ ዓቅላ ኣጽቢባ። ናበይ ከም ‘ተብል ሕርብት ኢልዋ። ገዛ ገዲፋ ኸኣ “ክትሃድም” ወሲና። ዝወሰደቶ ናይ ህድማ ውሳኔ መፍትሒ ኣምጺእላ ዶ፧

ሰብ ክውስን ዓቅሚ ኣለዎ። ናይ ውሳኔኡ ፍረ ክበልዕ ከኣ ናይ ግድን ‘ዩ። ገለ ኣብ ጉዕዞ ዝገጥመና ዘይተጸበናዮ፤ ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ዝዀነ ኩነት ኣሎ። ዝገጥመና ዝተሓላለኸ፤ ኣንፈት ህይወትና ኸኣ ዝቅይር ኩነት ከነመስርሖ ኣለና። ክንጎስዮ፤ ክንክሕዶ፤ ከም ዘይኰነ ክንቆጽሮ፤ ካብኡ ክንሃድም ተፈቲና፤ ደድሕሬና ‘ናሰዓበ ድቓስ ክኸልኣና ‘ዩ። ንሓይልና ክውድኦ ‘ዩ። ነዚ ድማ ተመኩሮና እኹል መምህር ‘ዩ። ንዝገጥመና ብድሆን ጸገምን፡ ኣብ ሕጅን መጻእን ህይወትና ዓቢ ጽልዋ ስለ ዘለዎ ብግቡእ ንምእላዩ ርዱኣትን ክእለት ዘለና ክንከውን ይግባእ።

“ምህዳም” መፍትሒ ኣይኰነን
ጋር ምስ ጥንሳ ገዛ ገዲፋ ክትሃድም ሓደገኛ ውሳኔ ‘ዩ ኔሩ። ። ካብ ሽግራ ምህዳም መፍትሒ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዓ፡ ኣብ መገዳ ዝገጥማ ከይፈለጠት ገዛ ገዲፋ ኰብሊላ ። ‘ቲ መልኣኽ ምስ ሓተታ ከኣ “…እሃድም ኣለኹ” ኢላ መለሰትሉ።

ሰብ ብድሆ ክገጥሞ ከሎ፤ ዝወሰዶ ውስኔ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምጽኣሉ ተኽእሎ ኣሎ። ግርጭት ዘይፈትሖን ዘይስዕሮን ክመስሎ ከሎ: ዝወስዶ ሰለስተ ዘይግቡእ መገዲ ኣሎ

፩. ምህዳም – ኩሉ ገዲፍካ፡ ከም ዘይናትካ ቖጺርካ፡ ከም ዘየለ ክሒድካ፡ “ምህዳም”። እዚ ምህዳም ብኣካል፡ ብሓሳብ፡ ብስምዒት (emotional withdrawal) ክኸውን ይኽእል።

፪. መጥቓዕቲ – ኣብ ክንዲ ምቕልል ኢልካ፡ ገዛእ ርእስኻ ገቲእኻ፡ ንሽግራካ ክትገጥሞ ትፍትን፡ ዘይተደለየ ቃልሲ፡ ንዘይግብኦ መጥቓዕቲ ምፍናው ከም መፍትሒ ሽግሮም ዝቖጽርዎ ኣለው።

፫. ርእሰ ምክልኻል (self defense) – ኣብ ክንዲ ምእማንን ሓላፍነት ገዛእ ርእስኻ ምውሳድን፡ ገለ ጉድለት ከም ዘይብሎም ከመጻድቑ ዝፍትኑ፡ ኩሉ ጉድለት ካብ ካልእ ዝደልይዎ ኸኣ ብዙሓት ‘ዮም።

ኣጋር ዝተሓተቶ ሕቶ ህይወትካ ክትምርምር ዝገብር፡ ትኸደሉ ዘለኻ ኣንፈት ክትቕይር ዝቐስብ ኣገዳሲ ሕቶ ‘ዩ። ዝኸደቶ መገድን ዝወሰደቶ ውሳኔን ክንርዳእ ተፈቲና፡ ኣብ ህይወት ክጠቅመና ዝኽእል ኣገዳሲ ሓቂ ክንመሃር ኢና።

ካበይ መጺኺ፧ ናበይትኸዲ ኣለኺ፧
ጋር ዝተሓተተን ሕቶ፡ መስርዐን ኣገዳስነት ኣለወን። “ናበይ ትኸዲ ኣለኺ” ኢሊ ቅድሚ ምሕታቱ፤ “ካበይ መጺኺ፧” ብምባል ሓቲትዋ። “ናበይ” ቕድሚ ምምላስና፡ “ካበይ” ክንምልስ ግድን ክዀነና ኣለዎ። እዚ ማለት ከኣ፡ ብንጹር “ናበይ” ከም ንኸይድ ክፈልጥ፤ “ካበይ” ከም ዝመጸና ብንጹር ክንፈልጥ ኣለና። ካበይ ከም ዝመጸና፡ ኣበይ ከም ዝነበረና፡ ብኸመይ ከም ዝሓለፍና ‘ተዘይፈሊጥና፤ ናበይ ገጽና ከም እንእንፍት ክጠፍኣና ‘ዩ። ዋላ’ውን ናበይ ክንከድ ከም ዘለና ‘ተፈለጥና፤ ካበይ ከም ዝመጻና ‘ተዘይፈሊጥና፤ ዘይምፍላጥና ንመገድና ይሓላልዀ።

ኣብ “ሕጂ (present)” ሃዲእና፡ “ንመጻኢ (future)” ብንጹር ክንእንፍት፡ “ሕሉፍ (past)” ኣባና ዘሕደሮ ጽልዋ ክንፈልጦን ብግቡእ ከነመስርሖን ኣለና። ‘ተዘይኰኑ ህይወትና ምድንጋር ዝመልኦ ክኸውን ‘ዩ።

ኣብዚ ዘለናዮ ዝበጻሕና፤ ዝሓላፍናዮ መድረኽ ስለ ዘሎ ‘ዩ። ገሊኡ ጥጡሕ ‘ዩ። ገሊኡ ኸኣ ዓቀበትን ቁልቁለትን ዝበሖ ‘ዩ። ሓጎስን ሓዘንን ዝተፈራረቖ ‘ዩ። ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ መጉዳእቲ ኣለዎ። “ዝሓለፍናዮ”፡ ኣብ ሕጅን መጻእን ጽልዋ ከም ዘለዎ ‘ተዘይ ኣስተውዒልና፤ መገድና ብዙሕ ምንዋጽን ሕልኽላኽን ዝበዝሖ ይኸውን።

ገሊኣትና ናይ ሕጂ ቃልስናን ገድልናን፤ ካበይ ከም ዝመጻና፡ ሕሉፍ ተመክሮና ኣባና ዘሕደሮ ጽልዋ ዘይምፍላጥና ‘ዩ። ብኣሉታ ዝጸለወና፤ ኣረኣእያና ዝቐየረ፤ ኣብ ድሕንነት (safety) ዘለና ኣጠማምታ ቅርጺ ዘትሓዘ፤ ሕሉፍ ተመክሮናን ውሳኔናን ግቡእ ኣፍልጦ ‘ተዘይሂብና፤ ከም ኣጋር ህይወትና ብዙሕ ሕቶ ዝመልኦን፤ ኰለል ዘለዎን ተዀነ ዘገርም ኣይኰነን።

ግርጭትን መገጉዳእትን ዘይተርፍ ናይ ህይወት መጓዕዝቲ ‘ዩም። ክንገራጮ፤ ክንጎራፈጥ፤ ብፍላጥን ብዘይፍላጥ ንዀድእን ክንጉዳእን ከም ንኽእል ክንገረና ዘድሊ ኣይመስለንን። ‘ቲ ቁም ነገር እምበኣር፡ ‘ቲ ኣብ “ሕሉፍ” ዝዀነ፡ ኣብ “ሕጂ” ኰይንና ከመይ ጌርና ንኣልዩ ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ክንዲ ብግቡእ መገዲ ምፍታሑ፡ ክንሃድም ‘ተፈቲና፤ ኣብ ዝኣተናዮ እናሰዓበ ከሸግረና ‘ዩ። ካብ ጽልዋኡ ከነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ናብ ምድረ በዳ ገጹ ክኽብክበና ‘ዩ። ናብ ዝገደደ ሽግርን ጸገምን ክመርሓና ‘ዩ። እዚ ኸኣ ከም ኤርትራውያን ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ተሞኪርናዮን ንምኰሮን ኣለና።

ገሌና ኣብ ሓዳርና ዘሎ ምፍሕፋሕ፤ ምስ ስድራናን የሕዋትናን ዘለና ምጉርፋጥ፤ ዝጥዕመና መሲሉና ካብ ሓደ ስራሕ ናብ ካልእ፡ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክንሃድም ጸሓይ ዝዓርበና፡ ዝጀመርናዮ ዝምድና እናፈረሰ ዘሸግረና፡ መልሲ ስኢናሉ ሕርብት ኢሉና ይኸውን። ህይወትና እናደረቐ ተሸጊርና ንኸውን። መልሲ ናይዚ ኩሉ ንድሕሪት ተመሊስና፡ ዝሓለፍና ክንጥምትን ብግቡእ ከነመስርሖን ስለ ዘለና ክኸውን ይኽእል ‘ዩ።

“…ተመለሲ” በላ
ጋር ዘርኣየቶ ዘይግቡእ ባህርያት፡ ምስ እመቤታ ከይትቓዶ ጌይርዋ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ‘ተደረፊኣ ብዘይድሌታ፡ ወይ’ውን ጸገም ልዕሊ ዓቕማ ኰይኑ ተራእይዋ፡ “ክትሃድም” መሪጻ። ክትፈትሖ፡ ክትገጥሞ፡ ብይቕሬታ ከተዐርዮ ኣይፈተነትን። ካብ ጸገማ ተምልጥ መሲልዋ “ምህዳም” መሪጻ።

“ናበይ” ትኸዲ ኣለኺ ምስ በላ፡ መልሲ ኣጋር ብዓሚቕ ተተመልኪትና፡ “እሃድም ኣለኹ” ደኣ በለቶም ‘ምበር፡ ትኸዶ ዝነበረት ንጹር ዝዀነ መዕልቦ (destination) ኣይነበረና። እዚ ከኣ ኣሻቓሊ ዩ።

‘ቲ መልኣኽ ‘ውን ‘ትኸዶ ዝነበረት ዘይምፍላጣ፡ ከዋጥራን ክዘብሓን ኣይፈተነን። ናይ ሽግራ መፍትሒ፡ ንቕድሚ ምቕጻል ዘይኰነ፡ ንድሕሪት ምምላስ ምኻኑ ገለጸላ። “ተመለሲ” ኸኣ በላ።

ዘይተወደአ፡ ብግቡእ ዘይተዓጽወ፡ ጉዳይ ስለ ዝነበራ፡ ክትኣልዮ፡ መደምደምታ ክትገብረሉ፡ “ተመለሲ” ኢልዋ። ምስ እመቤታ ዝነበራ ግርጭት ብግቡእ ክትፈትሖ ‘ሞ፡ መጻኢ መገዳ ውሑስን ህድኡን ክኸውን፡ “ምምላስ” መፍትሒ ሽግራ ምኻኑ ነጊርዋ። ናይ ጸገምና መፍትሒ ኩሉ ጊዜ ንቅድሚ ምምራሽ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንድሕሪት ብምምላስ ‘ውን ክኸውን ከም ዝኽእል ጽቡቕ ምሳሌ ሂቡና።

ናይ ገሊኣትና ጸገም ካብ ቁልዕነትና ይጅምር። ገሊኣትና ምስ ስድራና፡ መዕበይትና፡ ዘይተፈትሐ ጸገም ኣለና። ገሊኣትና ብቓል ዘይግለጽ መግደራ ምስ በዓል/ቲ ቤትና ሓሊፍና ኣለና። ገሊኣትና ብመሓዙትና፡ መሳርሕትና፡ ኣሕሉቕና ተጎዲእናን ተዓሚጽናን ኣለና። ስለ ዝዀነ ዝተኸዘነ ሓርቖት፡ ምረት፡ ቅሬታ፡ ካልእ ኣሉታዊ ስምዒታት ውሽጥና መሊኡ ቀሓር መዓልቲ ይዀነና ኣሎ። ገሊኣትና ‘ውን ስምዒት ሕነ-ምፍዳእ መዓልታዊ ንህይወትና ይዝውሮ ኣሎ። ‘ቲ ዝኸፍኣ ከኣ ንናይ ሕጂን መጻኢ ህይወትና ብኸምይ ከም ዝጸልዎ ዘይምፍላጥና ዩ።

ጉዳይና ብምዝርራብን ብይቕሬታን ‘ተዘይዓጺናዮ፡ ስምዒታዊ ጥዕናና ‘ናተዘረገ፡ ሓሳብና ምቋም ክኣብየና ‘ዩ። “ተመሊስ”ና ዝሃሰየና፡ ንልብና ዝሰበረ፡ ኣፍልጦ ሂብና ብግቡእ ምስ እንኣልዩ፡ ንቕድሚት ክንውንጨፍ ንጹርነትን ጸዓትን ንህይወትና ክኸቦ ‘ዩ።

“ተመለሲ”…. ትሕት ከኣ በሊ” በላ።