ስምዒታዊ ዕዳ

ምዒትና ክፋል ማንነትና ‘ዩ። ከም ኩሉ ‘ታይነትና ክንፈልጦን ክንከናኸኖ ይግባእ። ከም ኩሉ ክህሰን፡ ክቆስልን፡ ክጉዳእን ከም ዝኽእል ምርዳእ ካብ ብዙሕ ነውጺ የድሕነና። ከምቲ ኣካላትና፡ ከምኡ ኸኣ ስምዒትና ዝብለና ክንሰምዕን ከነቕልበሉን ጽቡቕ ‘ዩ። ሸለል ክንብሎ፡ ክንጎስዩ፡ ከም ዘይናትና ክንርእዮ ‘ተፈቲና፡ ከምቲ ዘይተኣልየ ኣካላዊ ቑስሊ እናመገለ ዝኸይድ፡ ከምኡ ከኣ ዝቆሰለ ስምዒታትና እናገደደ ይኸይድ።

“ስምዒታዊ ጸገማት” ብመገዲ ኣካልዊ ሕማማት ክንገልጾ ተፈቲና፡ ከም “መኽዘን ሕማማት” ክንቆጽሮ ንኽእል። ሕመረት ኩሉ ስምዒታዊ ጸገማ ከኣ፡ ቃንዛ ክስምዓና ከሎ ኣብ ክንዲ ብሻዑ ክንፈትሖ ንፍትን፡ ይጽንሓለይ ብምባል ከነወንዝፎ ክንፍትን ከለና ‘ዩ። እዚ ኸኣ ንስምዒታትና ኣብ ክንዲ ምግላጽ “ክንክዝኖ” ይገብረና።

ዝተኸዘነ ጓሂ ካብ ገዛእ ርእሱ እናተመገበ ይዓቢ። ንመጉዳእትና ዘኸትሎ ሳዕቤን ክንገጥሞ ስለ እንፈርህ፡ ስምዒታትና ክንዓግቶ ንመርጽ። ስለ ዝዀነ መጉዳእትና ናብ ሓርቖት፡ ሓርቖት ከኣ ናብ ስምዒት ገበንነት ይፈልቕ። እዚኣቶም ከኣ ኣብ ከረጺት “ስምዒታዊ ዕዳ” ይኽዘኑ።

ክሕደት” (denial) ንመጉዳእትና ኣቃልቦ ከይንህብ ይገብር። ዝፈጥሮ ነውጽን ውሽጣዊ ዕግርግር ከኣ ብዙሕ ‘ዩ። ስምዒታዊ ማህሰይቲ ዘከተለ ፍጻሜ ክሳዕ ንርስዖ ከታልለና ይኽእል። ናይ ሓርቆትና ተግባብሮ ከነጽድቕ፡ ካልኦት ክንነቕፍ፡ ጌጋ ካልኦት ከም ዝዀነ ብምምሳል ርእሰ-ምክልኻል ክንሃንጽ ይቐስበና። ገለ ከም ዘይግድሰና ብምምሳል ክብረትና ክንዕቕብ ይደፍኣና። እዚ ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ከኣ “ስምዒታዊ ዕዳ” ክፍጠርን ክቕጽልን ይገብር።

ስምዒታዊ ዕዳ“፡ ስሙ ከም ዝሕብሮ፡ ብቀረባ ምስ ጉዕዞ፡ ምሕላፍ፡ ጊዜ ዝተኣሳሰር ተርእዮ ‘ዩ። ካብ ባንኪ ገንዘብ ክንልቓሕ ከለና፡ ምስ “ወለዱ” ንወስዶ። ክንከፍሎ ከኣ ሓላፍነት ኣለና። ጊዜ ብዘቁጸረ ኸኣ፡ እናወሰኸን እናተዋህለለን ይኸይድ። ዕዳና ኸኣ ይበዝሕን ይኸብድን። ስምዒትን ዝኽርን ከኣ ብተመሳሳሊ ይኽዘንን ይቶምምን። ብኣግኡ ክንገልጾን ከነመስርሖን ተዘይፈቲና፡ እናተዋህለለን እናኸበደን ብምኻድ፡ ጉዕዞና ይሓላልዀ።

ብዛዕባ “ስምዒታዊ ዕዳ” ክንዛረብ ከለና፡ ህይወት ባዕሉ ከም ዝምህረና፡ ሰለስተ ጽፍሒ ክንከፍሎ ንኽእል

  1. እዋናዊ፡ ግዚያዊ
  2. ናይ ቀረባ እዋን
  3. ናይ ርሑቕ
እዋናዊ ስምዒታዊ ዕዳ
ዚ ከምዚ ዝበለ ስምዒታዊ ዕዳ፡ ናይ ሎሚ፡ ናይ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ወይውን ሰሙናት ዝውህለል ዘሎ ዘይተገልጸ ስምዒታት ‘ዩ። ኣብ ሕጂ ዝተፈጸመ ወይውን ገና እናፈለቐ (evolve) ንዝኸይድ ዘሎ ፍጻሜ እንህቦ ስምዒታዊ ግበረ መልሲ ‘ዩ። ብዛዕባ ስምዒታትና ርግጸኛታት ስለ ዘይኰንና፡ ብምርዳእ ንኽንገልጾ ንጽበየሉ ህሞት ከኣ ‘ዩ። ስለምንታይን እንታይን ከም ዝተጎድኣና ብዓሚቕ ንፍላጥ ህንጥዩነት ኣለና።

ኣብ ሓሳብና ዘሎ ንኽንዛረብ ዕድል ክንረክብ እናተጸበና፡ ዝበዝሕ ስምዒታዊ ህይወትና ኣብዚ ከምዚ ዓይነት “ዕዳ” ነሕልፎ። ዋላ’ኳ ዝጎድኣና ሰብ ከም ዘሎ ‘ተፈለጥና፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብሻዓ ገዛእ ርእስና ክንገልጽ ኣይንደፍርን። ቅጽበታዊ ስምዒት ‘ተሃለወና፡ ግብረ መልስና ግና ይድንጊ። እዚ ኸኣ ኣሉታውን ኣውንታውን ገጽ ኣለዎ።

ስምዒታትና ብግቡእ ክንገልጽ ምቹእ መገዲ ነናዲ። ካብ ሚዛናውነት ዝወጸና ኰይኑ ስለ ዝስምዓና ዘይርጉእነት የንጸላልወና። ዝተጎድአ ስምዒታትና ንኽንገልጽ፡ ዘፈራርሃና ክንፈትሖ ንፍትን። ዘይርጉጽነት ስለ ዝዕብልለና፡ ብእዋኑ ክን ኣልዩ ንጽገም።

ዝበዝሑ ካብዞም ፍጻሜታት ኣገዳስነቶም ንእሽቶ ስለ ዝዀነ፡ ምስ ጊዜ ይርስዑ። ብዘየድሊ ንኣሽቱ ርስሓት፡ ኣእምሮና ጋሕመጥመጥ ክብል ኣይንሕደጎ። ብዙሕ ኣምሮኣዊ ስብርባርን ዑናን ከንእክብ ‘ተተቀሲብና፡ ምስ ተዋህለለ ንመገድና ከይሓላልዀ ‘ዩ።

ስለምንታይ ስምዒታትና ብሽዓ ዘይንገልጽ፧
ምዒታትና ክንዓቕሮ እንፍትን፡ ክንከፍቶምን ክንገልጾምን ዘይምችኡነት ስለ ዝስምዓና ወይ’ውን ስለ ንፈርህ ዩ። ስምዒታትና ብግቡእ ንክንገልጽ ህልዊ ኩነታት ዘየፍቕደልና ምስ ዝኸውን። ንምሳሌ፡ ናይ ስራሕ ኩነታት ስምዒታትካ ክትገልጽ ዘይምልከተካ ምዃኑ ዘምስል ሃዋህው ዘለዎ ክኸውን ከሎ፡ ካብ ምግላጽ ትቑጠብ።

ዘለኻዮ ኩነታት ዘይንጹር ምስ ዝኸውን፡ ስምዒታት ምግላጽ ብጽሕና ዘይብሉ፡ ኣብ ጌጋ መደምደምታ ከትይበጽሕ ዘስግኣካ ምስ ዝኸውን፡ ካብ ምግላጽ ትቑጠብ።

ስምዒትካ ክትገልጸሉ ትደሊ ሰብ፡ ዘይድፈር ዘይቅረብ ኰይኑ ምስ ዝስምዓካ ክከውን ይኽእል። ስምዒትካ ምግላጽ ቅልውላው (chaos) ዝፈጥር ምስ ዝመስለካ ‘ውን ዘይምግባር ክትመርጽ ዝከኣል ዩ።

ተበዲለዮ ‘ትብሎ ንእሽቶ; ቀጭቀጭ ጥራይ ዘብል ምስ ዝመስለካ፡ ምሳኻ ዘይመጣጠን ኣዝዩ ንዑቕ ኰኑ ምስ ዝስምዓካ፡ ዘረባ ዓሻ’ዩ ኢልካ ምስ ትሓስብ፡ ካብ ዘይርጉእ ሰብ ዝወጸ ‘ዩ ኢልካ ምስ ትኣምን፡ ከሰናብደካ ዝሃቐነ እከይ ምብጫው ምስ ዝመስለካ፡ ሸለል ክክትብሎ ትመርጽ። ስቕ ምባል ዝዓበየ መጎተ ኰይኑ ምስ ዝስምዓካ ‘ውን፡ ስቕ ምባልካ ከም መልሲ ትቖጽሮ።

ብቐጥታ ኣባኻ ዘይዀነ ክነሱ፡ ግን ከኣ ዘበሳጩ ክኸውን ይኽእል። ንምሳሌ ጎማ መኪና ክነፍሰካ ከሎ፡ ተኸፊሉ ክነሱ ብተደጋጋሚ ቲኬት ክሰዱልካ ከለዉ፡ ንመቆምያ (parking) ክትከፍል ኢልካ ኣናተዳለካ፡ መቅጻዕቲ ቲኬት ክወሃበካ ከሎ፡ ብዙሕ ገንዘብ ሂብካ ዝገዛእካዮ ከም ዝተጸበኻዮ ከይጸንሓካ ከሎ፡ ንሽዑ ስምዒትካ ክንግንፍል ይኽእል። ግን ከኣ ብዙሕ ከም ዘይጸልወካ ምስ ተረዳእካ፡ ንጎኒ ጎሲኻዮ ኣመት ህይወትካ ክትገብር ትመርጽ።

እዋናዊ” ስምዒታዊ ዕዳ፡ ኣብ መንጎ መጉዳእትን ምግላጽን ዘሎ ጊዜ ዩ። ዝስምዓካ ዘሎ ስምዒት ንምግላጽ ትውስነሉን፡ ትብዓትን ኣጋጣምት ትጽበየሉ ህሞት ዩ። ኩሉ ሰብ ከኣ ካብ “እዋናዊ ስምዒታዊ ዕዳ” ክወጽእ ብቀጻሊ ይሰርሕ።

ከመይ ጌርና ንኣልዮ፧
ብ ዘለና ጭንቀት ዝውስኽ፡ ንኣሽቱ ዘሕዝን ነገረታ ይገጥመና። ስለ ዝዀነ ከይሓረቕና፡ ብኸምኡ ከይተወላዕና፡ ንዘበሳጩ ፍጻሜታት ግብረ መልሲ ‘ንህበሉ ኣተሓሳስባ ከነማዕብል ይግብኣና። እዋናውያን ግን ከኣ ርሑቓት፡ ሓለይቲ ግን ከኣ ነጻ፡ ሓላፍነታውያን ግን ከኣ ኣብ ድራማ ዘይንሕንብስ ክንከውን ኣለና።

ብዙሕ ኣገደስቲ ዘይኰኑ ነገራት ከሕዙኑና ኣይነፍቕድ። ሰብኣውነትና (humanness) ከየጥፋእና መስተውዓልቲ፡ ሰረርቲ (survivors) ንኹን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩነት ዝግብኣናን ንኽእሎን ጥራይ ክንገብር ይግባእ። ‘ቲ ክንልውጦን ክንጸልዎን ዘይንኽእል ግና ግላዊ (personal) ከይገበርና ንቀበሎ።

ስምዒታዊ ዕዳ ብዝዀነ ነገር ክንረስንን ክንውላዕን ኣብ ቀረባ ይገብረና። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብ ውሽጥና ተኸዚኖም ዘለው ስምዒታት ንኽልቐቑ፡ ምስ ዝዀነ ዝገጥመና ዘሕዝን ነገር ክተኣሳሰሩ ስለ ዝፍትኑ ‘ዮም። ከምቲ ብሂል፡ “ኣብ ጥቓ ትኪ ዘሎ ቆልዓ ኣይተብኪ” ዝበሃል ይበጽሓና።

ብእዋናዊ ስምዒታዊ ዕዳ ምስ እንመልእ፡ ንእሽቶ ማህሰይቲ ‘ተዀነት፡ ኣእምሮኣዊ ቀውሲ ብምፍጣር ንሕልናና ትዝርጎ። መጉዳእትና ከም ኣመጻጽእኡ ተቐቢልና ገዛእ ነፍና ከተተንፍስ ምስ እነፍቕደላ፡ ስምዒታትና ብግዚኡ ስለ ዝፍወስ፡ ተዓጻጻፍነትን ተጻዋርነት ዘለና ንኸውን። ኣብ ዘለና ውህሉል ስምዒታት፡ ካልእ ክውሰኽ ምስ ‘ነፍቕድ ግና፡ ዝሃድአ ስምዒታትና ብቀሊሉ ይዝረግ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ዝህወኸና ካበይ ከም ዝመጸ ከይፈለጥና፡ ዝዀነ መጉዳእቲ ንውሽጥና የነቃንቖ።

ዕላማ “ምምስራሕ” (process) እምበኣር፡ ዝተዋህለለ ስምዒታት ብምውሓድ፡ ኣብ ሕጂ ዝፍጸሙ ማህሰይቲ ንሕሉፍ ብምጽዋዕ ዘየድሊ ዕግርግ ከይፈጥሩ ምግባር ‘ዩ።