ሕሉፍ ኣይሞተን፧ ሕሉፍ ድዩ ኸ፧

ብ ከባቢና ዝኸውን እንህቦ ምላሽ ካበይ ይብገስ፧ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ይኹነ ብዛዕባ ህይወት ዘለና ኣጠማምታ ቅርጺ ክሕዝ ዝገበሮ ‘ታይ ‘ዩ፧ ብዛዕባ መጻኢ ዘለና ትስፍውነትን ዓቕምና ርኢና ክገብሮ ይኽእል ‘የ እንብሎ ብምንታይ ዝተጸልወዩ፧ ዝብል ሕቶታት ሓቲትኩም ዶ ትፈልጡ፧ መልሲ ዝሃበኩም ኣሎ ዶ፧ ናይ ሕጂ ስምዒታትና፡ ባህርያትና፡ ጠባያትና፡ ኣብ ሕሉፍ ብዝዀነ ተመክሮ ዝተጸልዉ ምኻኖም ንርዳእ ዶ፧ ኣቃልቦ ክሳዕ ዘይሃብናዮ፡ ናይ ሕሉፍ ተመክሮና ንናይ ሕጅን መጻኢን ህይወትና ከም ዝጸልዎ ንርዳእ ዶ፧

“ሕሉፍ ኣይሞተን። ሓቒ ክንዛረብ ተዀይና፡ ገና ሕሉፍ ከማን ኣይኰነን” – (ዊልያም ፋውልክነር) ብሂል ሰሚዕኩም ትዀኑ። እዚ ፍሉጥ ጥቕሲ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ኣብ ኩሉ ባህሊ ቅልቅል ይብል። ብብዙሓት ፍሉጣት ሰባት፡ ኣብ ብዙሕ ኣገዳሲ ርክባት ከኣ ተደጋጊሙ ይጥቐስ። ግና እንታይ ክብል ስለ ዝደለየ ይዀውን፧

ኩልና ዝሓለፍናዮ ታሪኽ ኣሎና። ብዘይ ኣፈላላይ ኩሉ “ሕሉፍ” ኣለዎ። ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ፡ ተሳጊርና መጺና ኣለና። ዋላ’ኳ ኣብ “ሕሉፍ” ገዲፍናዮ ዝመጸና ተመሰለና፡ ዝሓለፍናዮ “ሕሉፍ” ግና ኣይሓደገናን። ጽልዋኡ ኣባና ገና ክውኑን ንጥፉን ክኸውን ይኽእል ‘ዩ።

ጽልዋ “ሕሉፍ” ኣብ “ሕጂ”

ኣብ “ሕሉፍ” ዝሓለፍናዮ ተመክሮ፡ ንዝገጥመና ፍጻሜ ብኸምይ ‘ንኣልዮን ‘ታይ ስምዒታዊ ምላሽ ንህቦን ኣብ ዝብል ኣምር ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። ዝኽሪ ገና ዕሸላት ከለናን ብድሕሪኡ ዝሓለፍናዮም ተመክሮታት፡ ኣብ ህይወት ንዝህልወና ኣጠማምታ ዓቢ ምንጪ ምኻኖም ምርዳእ ዓቢ ምስትውዓል ‘ዩ።

ንምሳሌ፡ ሓደ ቆልዓ ስድራኡ ካብኡ ንልዓሊ ንሓው/ሓፍቱ ኣቃልቦ ከም ዝህቡ ተመሲልዎ፡ ንሓወይ/ሓፍተይ ከም ዘፍቅርዎ ጌሮም ኣየፍቅሩንን ‘ዮም ዝብል እምነት ከማዕብል ይቅሰብ። ንደሓር ብኸመይ ይጸልዎ፧ እንተኢልና፡ ኩሉ ጊዜ ካብኡ ንልዓሊ ዝሕረ፡ ዝምረጽ፡ ዘሎ እናመሰሎ፡ ምትእምማኑ ንኹእ ይኸውን።

ምስ ‘ተመርዓወ ‘ውን ‘ተኰነ፡ ሰበይቱ ፍሽኽ ንዝበለቶ፡ ምስ ካልእ ሰብኣይ ኰይና ትጥብሮ ዘላ እናመሰሎ ዘይርጉእ ይኸውን። እዚ ኸኣ “ሕሉፍ” ብኸመይ ንናይ “ሕጂ” ህይወት ከም ዝጸልዎ ቕልል ዝበለ ምሳሌ ዩ።

ካልእ “ሕሉፍ” ተመክሮታት ኣብ ህይወትና ዘሕደሮ ጽልዋ ይርድኣና ዶ፧ ኣብ ሕጂ ዘለና ምርዳእን እምነትን ‘ታይ ኣበርኪቱ ምበልና፧ እዚ “ሕሉፍ” ተመክሮ ብጊዜ ቁልዕነትና ወይ’ውን ምስ ዓበና ክኸውን ይኽእል። እስኪ ምልስ ኢልና ጽልዋ “ሕሉፍ” ተመክሮና ንዳህስስ።

ኣብ ሰብኣይ ዘሎ ህጻን

ሕሉፍ ተመክሮና ንናይ ሕጂ ህይወትና ክጸልዎ ዘልዎ ተኽእሎ፡ ብዛዕብኡ ዘለና ፍልጠት ኣዝዩ ሓያልን ዘህድእን ‘ዩ። “ቆልዓ ኣቦ ሰብኣይ ‘ዩ” ዝብል ኣበሃህላ ሰሚዕኩም ትዀኑ። እዚ ኣበሃህላ ክሳብ ዝርድኦ ‘ሞ ከድንቆ ክሳዕ ዝጅምር፡ ኣዝዩ የናውጸኒ ነይሩ። “ከመይ ጌሩ ቆልዓ ኣቦ ሰብኣይ ክኸውን ይኽእል፧ ብምባል ንርእሰይ ብዙሕ ጊዜ ሓቲተያ ኣለኹ።

ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ዘሎ ቆልዓ፡ ካብቲ እኩል ሰብኣይ ንብሎ ዝበዝሕ ዕድመ ጸኒሑ ‘ሎ። እዚ ኣረዳድኣን ከኣ፡ ‘ቲ ሕሉፍ ዝዀነ ንሕና፡ ካብቲ ሕጂ ኰይንናዮ ዘለና ይዓቢ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብገለ ሸነኹስ ይጠብብን ይልብምን። ዝረሳዕናዮ ሕሉፍ መታን ከዘክረና፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ቆልዓ ብኢዱ ሒዝና ክንሓቶ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ንረዳእ።

ዝተሞከርናዮ ሕሉፍ ህይወት ክንድምስሶ፡ ከም ዘይሓለፍናዮ ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ዕቤት ህይወትና ከም ስሉም ምንጻፍ መታን ክእለም፡ ካብኡ ክንመሃር እንኰ ኣማራጺ ‘ያ። ዕቤት ወዲ ሰብ ደው ክብል ዘይግብኦ መስርሕ ምኻኑ ክንዝክር ኣለና። ናይ ምህላውና ዓሚቕ ትርጉም ንምግላህን ንምርዳእን፡ ኩሉ ጊዜ ክፉታት ክንከውን ጠቓሚ ዩ። ንንቁሕን ክመሃር ንዝደሊ ልብን ከኣ፡ “ሕሉፍ” ዝህቦ ቕሩብ ዝኰነ ትምህርቲ ኣሎ።

“ሕጂ” ብ”ሕሉፍ” ዝጀርበበ ‘ዩ። ኣብ ከባቢና ዘሎን ዝኸውን ኣብ እንህቦ ግብረ መልሲ ኸኣ ዝተኣልመ ‘ዩ። ኣብ ቀረባና ንዘለው ሰባት ከመይ ጌርና ንኣልዮም ከኣ ይንጸባረቕ። ንሕልምታትና ብትርጉም ዘለዎም ቅርጽታት ይመልኦም። ንነፍሲ ወከፍ ድሌታትና ከኣ ብሃረርታ ይቐጾ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ “ሕሉፍ” ንህይወትና ብሓሳባዊ መዓልታዊ ምህውታት፡ ቅሬታ፡ ናፍቆት፡ ሓዘን ክመልኦ ይኽእል። ብዛዕባ ርእስና ዘለና ኣጠማምታ ጽቡቕ ጌሩ የድልድሎ ወይ’ውን የዕንዎ። ‘ታይ ክንገብርን ከይንገብርን ንኽእል ብዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮናን ደረት ይሕንጽጽ።

“ሕሉፍ” ብኣሉታ ‘ተጸልዩና፡ ኣብ ርእስና ዘለና ኣጠማምታ ‘ተበላሽይዎ፡ ትሑት ርእሰ ጠመተ ክህልወና ስለ ዝገብር፡ ንኽእሎ ኢልና ‘ንሓስቦ ኩሉ ጊዜ ድሩትን ንእሽቶን ‘ዩ ዝኸውን። “ኣይክእልንየ” “ዓቕሚ የብለይን” ዝብል ከኣ ንሓሳብና የሸንፎ። ንመጣጠሮ ኸኣ ሓጺር ጥራይ ይኸውን። ኣብ መንጎ ‘ቶም ዝተዓወቱን ዘይተዓወቱን ዘሎ ፍልልይ ከኣ ነዚ ይመስል። ምስ ዕድሜናን ፍልጠትናን ዘይመዛዘን፡ ቁላዕ ዝዀነ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ክንህብ ይቀስበና።

“ሕሉፍ” ተዓጻጻፊ ደኣ ‘ምበር፡ ከም ጡብ ዓጺቕን ተሪርን ኣይኰነ። ጥዕና ዘለዎ ትርጉም ህይወት መታን ከነመንጩ፡ ሕሉፍ ተመኩሮና ከነመስርሖ ኣለና። ገዛእ ርእስና ከነርዲ (assert); ስምዒታዊ ስጉምቲ ክንወስድ ንሽገር ‘ተዀይና፡ ኣብ ጉዕዞ ብስድራና፡ የዕርኹትና፡ መተዓብይትና፡ መማህርትና፡ መማህራንና፡ ሓለቓና፡ ስለ ዝተደሃልናን ዝተላገጹልና ክኸውን ይኽእል።

ኣረጊት ቁስሊ መመሊሱ ከም ዘቀንዙ፡ ንምትእምማና ከም ዘሰንክሎ ገሚትና ስለ ዘይንፈልጥ፡ ኣብ ሕሉፍ ዝዀነ ኣሉታዊ ተመክሮ ክንዝክሮን ኣብ ግምት ከነእትዎን ሓሲብና ኣይንፈልጥን ንኸውን። ንሕሉፍ ተመክሮና ኣፍልጦ ሂብና፡ ንዝተሃሰየ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ህጻን ንኽሓውን ክዓብን ጥዑም ቃላት ሕሹኽ ተዘይልናዮ፡ ሰንኪሉ ይነብር። ንጉዕዞ መጻኢ ህይወትና ኸኣ ይሓላልዀ። ንዕቤትና ከኣ ሓኒቑ ይሕዞ።

እሞ’ ታይ ንግበር፧

ሓድሽ ኣንፈት ክንትልም፡ ንቅድሚት ክንደፍእ፡ ንሕሉፍ ብዝግባእ ክንኣልዩ ኣለና። ታሪኽና ካብ ሕፍረት ናብ ትብዓትን ክብረትን ክፍልስ፡ ኣብ ውሽጥና ዝተሰገደ ሕሉፍ ከም ዘይኰነ ክንክሕዶ ዘይኰነ፡ ከነመስርሖ ይግባእ።

ጥበብ ዝመልኦ፡ ዝተፈወሰ፡ ርሕሩሕ መጻኢ መታን ክፈጥር፡ “ሕሉፍ” ምስ “ሕጂ” ክቆጻጸ ኩሉ ጊዜ ቅሩብ ዩ። ዝተጸዋዕናሉ መታን ክንፍጽም፡ ከዳልወናን ቁሩባት መታን ክንከውን፡ ናይ “ሕሉፍ” ተመክሮ ኣብ ናይ ሕጂ ህይወትና ኣገዳስነቱ ክስወጠና ኣለዎ።

 ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ዓሚቕ ዝዀነ ለውጢ ክንገብር ዝወሰናሉ ኣገጣሚታት ንድሕሪት ተመሊስና ክንዝክር ‘ተንፍትን፡ ንሕሉፍ ክንገጥሞን ክነመስርሖን ኣብ ዝወሰናሉ ጊዜ ‘ዩ። ከምቲ ሓጺን ንደልዮ ቅርጺ ክሕዝን ክድልድልን ብዙሕ ሓውን ብሞደሻ ምቕጥቓጥ ዘድልዮ፡ ከምኡ’ውን ህይወትና ብዙሕ ጸቕጥን ረስኒ ዘለዎ ተመክሮ ምስ ሓለፈ ዝሕዞ ቅርጺ ኣለዎ። ብቕዓትና መታን ክሰምር፡ “መጻኢ”ና ቃንዛ ዘለዎ ታሪኽ የድልዮ ‘ዩ ‘ተበልና፡ ካብ ዝግብኣና ንልዓሊ ንመጣጠር የለናን።

 ካብዚ ዝምድና ክንርድኦ ንኽእል እምበኣር፡ ምሉእ ብቕዓትና ክንበጽሕ ‘ተዀይኑ፡ ዝሓለፈናዮ ታሪኽ ኣብ ሕጂ ብግቡእ ክጸናበር ክነፍቕደሉ ኣለና። ዝሓልፍካዮ ረስዕ ዝብል ምርዳእ ንዕቤትና ሓናቒ፡ ማንነትና ብግቡእ ከይንርዳእ ስለ ዝገብረና ክንቅበሎ የብልናን።

ኣባና ዝፈረየን ዝጠጥዐን ጥበብ፡ ድንጋጸ፡ ብቕዓት፡ ኣሰሩ ‘ተንደልዮ፡ ኣበይ ንረኽቦ ይመስለኩም፧ ናብ ኣዝዩ ከቢድ፡ ኣገዳሲ፡ ክቡር ዝዀነ ዕቤት ክደፍኣና፡ መጻኢ ህይወትና ናይ ሕሉፍ ጽልዋ ክህልዎ ግድን ዩ።

ስለዚ “ሕሉፍ” ኣገዳስነቱ ዘይከሓድ ዩ። “ኣብ ሕሉፍ ኣይነብርን” ዝብል ሰብ፡ ባርያ ታሪኹ ዘይምኻኑ ብምሕሳብ ዝሰዓረ ይመስሎ። ‘ቲ ሓቒ ግና ከምቲ ገረብ ብዘይሱር ቀጠልያ ኰይና ክትነብር ምሕሳብ ‘ዩ። ንሕሉፍ ተመኩሮና ብክልተ ኢድና ከፊትና ክንቕበሎ ይግባእ። እዚ ማለት ኣብ ሕሉፍ ተሰቢና ንምበር ማለት ኣይኰነን። ሕሉፍ ታሪኽና ክፋል ‘ታይነትና ምዃኑ ኣፍልጦ ‘ተሂብናዮ፡ ዕቤትና ቀጻሊ ክኸውን ዩ። ብፍላይ ‘ኳ ደኣ “ሕሉፍ” ዝህቦ ትምህርቲ ተቀቢልና፡ ንዝመጽእ ከነቋምት ኣለና።