“መፍቀርቲ ሰላም” ዶ “ገበርቲ ሰላም”፧

“ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉ ‘ዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም”

ላም ጥዑም ‘ዩ። ሰላም ኣብ ግለሰብ፡ ቤተሰብ፡ ጎረባብቲ፡ ሃገር ኣገዳስነቱ ማንም ኣይዝንግዖን። ብፍላይ ንምዕባለ ቀንዲ መሰረት ‘ዩ። ብዘይ ሰላም ዝጠጥዐ የልቦን። በቲ ካልእ ሸንኽ ከኣ ግርጭት፡ ዘምስምማዕ፡ ዓመጽ ከኣ ክህሉ ናይ ግድን ‘ዩ። ‘ቲ ቁም ነገር ከኣ፡ ከምዚ ክኸውን ከሎ ‘ታይ ንግበር፧ ከመይ ጌርና ንእለዮ፧ ዝብል ‘ዩ። ብዛዕባ ሰላም ብዙሕ ተባሂሉ ክነሱ፡ ብዙሕ ሽግር ይርአ። እምበኣር ኣብዚ ጽሑፈይ፡ ኣብ መንጎ “መፍቐርቲ ሰላም” ን “ገበርቲ ሰላም” ዘሎ ፍልልይ ክትንትን የ።

ግብረ መልሲ ንግርጭት

ዓለም ኣብ ዓቢ ናዕቢ፡ ህውከት ተሸሚማ ኣላ። ኣብ ቤተሰብ፡ ጎረባብቲ፡ ሕብረተሰብ፡ ሃገር ዝርአ ዘሎ ግጭት ታእላው የብሉን። ናይ ሓቒ ጸገምና ግርጭት ብባዕሉ ዘይኰነ፡ ከመይ ጌርና ንእለዮ ዝብል ‘ዩ። ግርጭት፡ ዘይምስምማዕ ክገጥመና ከሎ፡ ሰለስተ (3ተ) ግብረ-መልሲ (response) ክንህብ ንኽእል፥

  1. ህድማ ፦ ገለ ግርጭት ክገጥሞ ከሎ፡ ክኣልዮ ክእለትን ዓቕምን ዘለዎ ስለ ዘይመስሎ፡ ዓይኒ ንዓይኒ ክገጥሞ (confront) ስለ ዝፈርህ፡ ባዕሉ ምስ ጊዜ ክፍታሕ’ዩ ብዝብል ተስፋ፡ ከየጋድዶ ካብ ዝብል ፍርሂ፡ ዝደፍኦም ንጎኒ ጎስዮም ህሃድሙ፡ ከዝልቁ፡ ይመርጹ።
  2. መጥቃዕቲ ፦ እዚ ከምዚ ግብረ መልሲ ዘለዎም ሰባት ዘገድሶም ንባእሲ፡ ግርጭት፡ ምስሕሓብ፡ ተቓውሞ ከም ጌሮም ከም ዝስዕርዎ ደኣ እምበር፡ ከመይ ጌሮም ንርክብ፡ ዝምድና፡ ከም ዝዕቕብዎ፡ ከም ዝሕልውዎ ግዲ የብሎም። ኣንነቶም (ego) ተነቓፊ ስለ ዝዀነ፡ ግድድፍ (compromise) ክገብሩ ይሽገሩ።
  3. ገበርቲ ሰላም ፦ እዚ ዓይነት ግብረ-መልሲ ንግጭት ኣፍልጦ ሂቡ፡ ከተዓርቕዎ፡ ነገራት ከደቕስዎ፡ ይጽዕሩ። ስምዒታቶም ገቲኦም፡ ንሓቒ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተዉ፡ ብኣኽብሮት፡  ማእኸላይ ባይታ ክፈጥሩ ዝዀነ ዋጋ ክኸፍሉ ይፍትኑ።
መፍቐርቲ ዶ ገበርቲ ሰላም፧

ክህልወና ካብ ዘልዎ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምርዳእ ተሃልዩ እምበኣር፡ ኣብ መንጎ “መፍቐርቲ ሰላም” ን “ገበርቲ ሰላም” ዘሎ ፍልልይ ምፍላጥ ‘ዩ።

“መፍቐርቲ ሰላም” ዝበሃሉ ግርጭት ዝበሃል ብዝዀነ መገዲ ኣወጊዶም፡ ብጎኒ ጐስዮም፡ ምስ ኩሉ ክሰማማምዑ ጽፍትኑ ‘ዮም። ከም ምርድኦም ኩሉ ባዕሉ ክዕረ ስለ ዝዀነ፡ ጸበባ ተዘይፈጠርና ይሓትሽ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣለዎም። ‘ቲ ሕሱም ድሌቱ እናገበረ፡ እከይ ነገር እናሳዕረረ፡ “መፍቐርቲ ሰላም” ኢዶም ኣጣሚሮም ስቕ ይብሉ። እቲ እኩይ ነገር መዕነዊ ምኻኑ ስለ ዘይረኣዮም፡ ኢዶም ካብ ምእታው ይቑጠቡ። እዚኦም ከምዚ ዝበሉ ኸኣ ኣብ ታሪኽ እቶም “ስቕ በሃልቲ” ተባሂሎም ይፍለጡ። “መፍቐርቲ ሰላም” እጃሞም ከየበርከቱ፡ ኩሉ ደሓን ክዀነሎም ይጽበዩ።

ደሃላይ (bully) ክድህል ከሎ ስቕ ምባል ሰላም ምግባር ኣይኰነን። መጠፋኢ ክጠፋፍእ ከሎ ኢድካ ኣጣሚርካ ምርኣይ፡ ዝገብሮ ንኽቕጽል ናጻ ፍቓድ ምሃብ ዩ። ሓጢኣት እናዀነ ከሎ፡ እታ መርከብ መታን ከይትናወጽ ኢልካ ጎሲኻዮ ምሕላፍ “መፍቐርቲ ሰላም” ደኣ እምበር “ገባሪ ሰላም” ኣይገብረካን ‘ዩ።

ገብርቲ ሰላም” በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ናይ ሓቂ ሰላም መታን ክኸውን፡ ምስ ሽግር፡ ግርጭት፡ ዓይኒ ንዓይኒ ምርእኣይ፡ ምፍጣጥ (confrontation) ኣገዳሲ ምኻኑ ይርድኦም። ንፍትሒ ዝተቓለሱ፡ ኣብ ግዝኣት ጎዳጉዲ ኣናብስ ክሳዕ ዝኣትው ደው ዝበሉ፡ ኣካላቶምን ህይወቶም ዝመጠዉ ኩሎም “ገበርቲ ሰላም” ዝበሃሉ ‘ዮም። ቅኑዕ ዝብልዎ ክሳዕ ዝረኽቡ፡ ፍትሒ ክሳዕ ዝነግስ፡ ኣብ ደው ዝበልሉ ይጸንዑ። መሐለዊኦም ኣይሓድጉን። ገጾም ከም ዓረ ይገብሩ፡ ከም ዘይሓፍሩ ኸኣ ምትእምማን ኣለዎም።

ብዙሓት ጀጋኑ፡ ናይ ሃይማኖትን ፖለቲካን መራሕቲ፡ ኣቦታት ኣዴታት፡ ሰላምን ፍትሕን መታን ክኸውን ኣንጻር ‘ቲ እኩይ ደው ዝበሉ ኣለው። ሰላምን ፍትሕን ብምትምናይ ጥራይ ዝመጽእ ኣይኰነን። ብሃውሪ፡ ብኣጋጣሚ፡ ዘይኰነ፡ ሓሊንካ (intentional) ኣስተዒልካን ዝብጻሕ መገዲ ምኻኑ “ገበርቲ ሰላም” ኣዝዩ ይርድኦም።

“ገባሪ ሰላም” ምኻን፡ ብፍቕሪ ሓቂ ምዝራብ፡ ንሓሶት ምክልኻል፡ ካልኦት ብዘይፍትሓዊ መገዲ ክትሓዙ ከይተፍቅድ ይቐስበካ። ክትዛረብ ድኣ እምበር ስቕ ከይትብል ይድርኸካ። ዝተበላሸወ ባህርይ ክትርኢ ከለካ ጌጋ ክትብል ትብዓት ይዀነካ። ንባእሲ ምልዓል ወይውን ደድሕሪ ጌጋ ምጉያይ ማለት ኣይኰነን። ግርጭትን ክዕረ ዘለዎ ኩነታት ክመጽእ ከሎ ግና ምእንቲ ፍቕሪ-ሰላም ኢልካ ዘይኰነ፡ ገባሪ ሰላም ክትከውን ኢልካ ክትለዓል ከለኻ ማለተይ ‘ዩ።

ብፍላይ ነቶም እከይ ዝገብሩ፡ ዘይፍትሓዊ ኣካይዳ ዝኸዱ፡ ብህድኣትን ብዓቕልን ዓይኒ ንዓይኒ ክትገጥሞም (confront) ኣገዳሲ ምኻኑ ዝተረድኡ ‘ዮም። ዘይምስምማዕን ፍልልይን ብትምኒት ጥራይ ዘይኰነ፡ ሓሳብካ ብምፍሳስን ብምድርዳርን ከም ዝዀነ ይኣምኑ። ንዝተፈጥረ ኣፍልጦ ከይሃብካ፡ ሕሉፍ ረሲዕና ሓድሽ ምዕራፍ ንጀምር ብምባል ሰላም ኣይከውንን እዩ።

ሰናይን እከይን፡ ቅኑዕን ጠዋይን፡ ለውሃትን ጭካነን፡ ኣብ መንጎና ተጸናቢሩ ይነብር። “ገበርቲ ሰላም” ከኣ ነዚ ክልቲኡ ፈላልዮም ብምፍላጥ፡ ንሰናይ ብኽልተ ኢዶም ክቕበሉ፡ ንእከይ ከኣ “ኣይፋል” ክብሉ ድልዋት ‘ዮም። ከምዚኦም ዝበሉ ቅዱስ መጽሓፍ፡ “ውሉድ ኣምላኽ” ይብሎም።

ሰላም ንምምስራሕ ዘኽፍሎ ዋጋ ከም ዘሎ፡ “ገበርቲ ሰላም” ኣጸቢቖም ይርድኡ። ብኹሉ ሸነኽ ከኣ ጽንዓትን ርእስኻ ምሃብን ኣለዎም። ኣብ ቤት፡ ስራሕ፡ ጎረባብቲ፡ ማሕበረ-ሰብ፡ ከተማ፡ ሃገር፡ ሰላም ንምግባር ተዘይተንኪኹምኒ ኣይክትንክየኩም ‘የ እናበልካ ዝጥጥዕ ኣይኰነ። ግርጭት ከይመጸ ኣይተርፍን ‘ዩ። ርእሰ ፍትወት ዘለዎ፡ ንዓይ ጥራይ ዝብል ዓማጺ ክለዓል ናይ ግድን ‘ዩ። ከይደለኻ ዝደፍኣካ፡ ነቶም ድኹማትን ቆልዑን ሽማግለታት መገባብሮ እኩይ ድሌቱ ዝገብር ክጎንፈካ ‘ዮ። ኣብዚ ከምዚ ህሞት “መፍቀር ሰላም” ዲኻ ወይስ “ገባር ሰላም”፧ ኣብ ርእሰይ ክሳዕ ዘይበጽሓኒ እንታይ ገዲሱኒ ዝብል ርእሰ ፍትወት ዶ ይስዕረካ ይኸውን፧ ነገራት መሊሱ ከይጋደደ ብምፍራህ ስቕ ተበልኩ ይሓይሽ ዝብል የዋሕነት ‘ዶ የጥቕዓካ ይኸውን፧ ወይስ ነገራት ከይገደደ ስለ ዘይጽብቕ፡ ገባሪ ሰላም ንሙኻን እጃምካ ከተበርክት ትለዓል ትኸውን፧

ገበርቲ ሰላም” ከም ዝደኽሙ ይፈልጡ ዮም። ‘ተኰነ ግና ድኻሞም ዛንታ ናይ ህይወቶም ክዝውሮ ኣየፍቅዱን ‘ዮም። መሳርሕቲ ፍትሕን ምሕረትን ምኻኖም ስለ ዝስወጦም፡ ኣብ ህይወቶም ዝበጽሖም ማህሰይትን መጉዳእትን፡ ዝገጥሞም ስማዊ ጸለመ ከየገደሶም ብትግሃት ይዓዩ።

“መፍቐርቲ ሰላም” ግና ስለ ዝሕብኡን ገለ ክገብሩ ስለ ዝፈርሁን፡ ኣባታቶም ኰነ ኣብ ካልኦት ዝወርድ እከይን ዘፍትሕን ከም ዝቕጽል ይገብሩ። ስቕ ምባል፡ ኩሉ ዝደልዮ ፍትሒ ኰነ ሰላም ዘየውሕስ ምዃኑ ተዝስወጦም መን ምሃበ።

ገበርቲ ሰላም” ንሙኻን ደው ዝብሉ፡ ለውጢ ንምምጻእ “ሰውራዊ ሱርበተኻዊ” ዝዀኑ ሰባት ‘ዮም። ብገለ ሸነኽ ከም መነዓብቲ ወይ’ውን ዝርግርግ ንምምጻእ ስምዒት ካልኦት ከም ዝቕስውሱ ተቖጺሮም፡ ስሞም ክጽልም ከሎ ዘገርም ኣይኰነን። ከም እግሪ ተከል ቆልዓ፡ ዘለዓዕልዎ ሓሳብ መሰረት ፍትሕን ሰላም ይኸውን።

ኣብ ዓመጽ፡ ምስርጣይ፡ ምልኪ፡ ምትላል ኣብ ዝወሓጦ ሃዋህው፡ “ገበርቲ ሰላም” ክንከውን እንመርጸሉ እምበኣር ሕጂ ዩ። ኣብቲ ኢድና ኣጣሚርና ክንዕዘብ፡ “መፍቐርቲ ሰላም” ክንከውን ዝድለየና ኩነታት ውሽጢ፡ ንዓናን ንብጾትናን ደቕናን ንዝመጽእ ወለዶን ጥጡሕ መሰረትን ሓድግን ክንገድፍ፡ “ገበርቲ ሰላም” ንምኻን ደው ክንብል ክንሕልን ከለና ክብረት ዩ። ገሊኣቶም ስልጣኖም፡ ኣጋጣምን ተጠቒሞም፡ ሰባት ከታልሉ፡ ድሌት ካልኦት ክጉዕጽጹ ከለው፡ “ገበርቲ ሰላም” ንምዃን ደው ክንብል ክንመርጽ ግዴታ ኣለና።

“ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።

“ዝከኣል እንተ ዀይኑስ” ምባሉ ናትና ግደ ከም ዘለዎ የረድኣና። ጻዕርን ሓቦን ዝሓትት ምኻኑ ኸኣ ንምግላጽ ‘ዩ። ብኸምኡ ዝኸውን ዘይዀነ፡ ብምስትውዓልን ጥበብን ቆራጽነት ክንሕዞ ከም ዘለና የንክሰና። ብፍላይ ‘ኳ ደኣ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ከይበልና፡ ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ ከይደለና፡ ንዕርቕን ፍትሕን ክንሰርሕ ከም ዘለና የለብመና። እዚ ኹሉ ጌርካ’ውን ኣብ ሰላም ዘይጭበጠሉ መድረኽ ክንበጽሕ ከም ‘ንኽእል መንቋሕቋሕታ ይህበና።