መሰረታዊ ሓቂ ብዛዕባ ስምዒታትና

ብኽብርኣብ ይመስገን

ሓደ ሓደ እዋን፡ ብስራሕ ይኹን ብካልእ ጉዳይ ካብ ደገ ረቒቐ ናብ ቤት እመጽእ እሞ፡ እቲ ንቡር ኩነታት ቤተይ ወይውን ኣዝዩ ንኡስ ጌጋ ደቀይ ወይ ሰበይተይ ከም ዓቢ ነገር ኮይኑ ተራእዩኒ ናብ ምንጽርጻር ወይ ቆይቂ ክኣቱ ንርእሰይ እረኽባ እየ። እዚ ጸገም ናይ በይነይ ጥራይ ኣይመስለንን። ሎሚ መዓልቲ ብዛዕባ ስምዒታትና እስኪ ገለ ክንበሃሃል።

ስምዒት ዝበሃል ከመይ ዝበለ ዩ፧

ስምዒታትና ዝበሃሉ፡ከመይ ዝበሉ እዮም፧ ኣበይ ክፋል ኣካላትና ይርከቡ፧ ብመን ይመሓደሩ፧ ኣገደስቲ ድዮም ወይስ ኣገዳስነት የብሎምን፧

ዝዀነ ይኹን ሓበሬታ ብመገዲ ህዋሳትና (ማለት፡ ዓይኒ፥ ኣፍንጫ፡ እዝኒ፡ ቆርበት፡ መልሓስ) ናብ ሓንጎልና ምስ በጽሑ፥ እቶም ሓበሬታታት ቅድሚ ናብቲ መዚኑ ዝፈርድ ክፋል ኣካል ሓንጎልና ዝበጽሑ (frontal lobes)፡ ብመጀመርታ ናብቲ ስምዒት ዘመሓድር ክፋል ሓንጎልና (limbic system) ኣቢሎም ይሓልፉ። ስለዚ ድማ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ እንፈትዎ ሰብ ዝመስል ሰብ እንኪሓልፍ፡ ትርግታ ልብና ዝውስኽ። ብኣንጻሩ ድማ፡ ነቲ ዝዓመጸና ወይ ዝበደለና ዝመስል ሰብ ምስ እንርኢ (ንሱ እቲ እንርእዮ ዘለና ሰብ እቲ ዝዓመጸና ከምዘይኰነ እናፈልጥና)፡ ነቲ ሰብ ክንቅበሎ ግና ኣዝዩ እዩ ዘጸግመና።

ስምዒታትና እምበኣር፡ ነቶም እንቕበሎም ሓበሬታታት ቅድሚ ብግቡእ ምምስራሕና ኣብ ጸላዊ ስፍራ ሰፊሮም፡ ንውሳኔታትናን ርኽክባትናን ዝድርኹ ባእታታት ሓንጎልና እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብብዝሒ ብመግለጺ ልቢ ተጠቒሶም ድማ ንረኽቦም።

ንስምዒታትና ብኸመይ ነመሓድሮም፧

ስምዒታትና ንፍርድታትና ጸላዊ ተራ ካብ ሃለዎም እሞ ነዞም ስምዒታትና እንታይ ንግበሮም፧ ሸለል ኢልና ዶ ንስገሮም፧ ወይስ ኩሉ ኣቓልቦና ሂብና ብእኦም ክንምራሕ ንፍቀድ፧ ወይስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እቲ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ዝፈርድክፋል ኣእምሮና ነእትዎም፧

ገሊኣቶም፡ ንስምዒትካ ሸለል ኢልካ ወይ ድማ ነጺግካ ምኻድ ‘ዩ ‘ቲ ቕኑዕ ይብሉ። ስምዒታዊ ምዃን ሰነፍ ሰብ ይገብረካ ድማ ይብሉ። ገሊኣቶም ድማ፡ ያእ ኣይፋል። ስምዒትና ዝብለና ኩሉ ክንሰምዖን ከነአንግዶን ኣሎና ይብሉ። እቲ ሓቂ ግና፡ ንስሞዒታትና ሰሚዕና፡ ኣአንጊድና ግናኸ ኣብ ትሕቲ ምልኪ እቲ ዝሓስብን፡ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ዝፈላልን ኣእምሮና ከንግዝኦም ይግብኣና። ከመይሲ ንስምዒታትና ሸለል ኢልናዮም ማለት፡ መሊኽናዮም ማለት ኣይኰነን።

ዝተቐብሩ ስምዒታት ሞይቶም ማለት ኣይዀኑን። መልክዕ ቀይሮም ይመላለሱና ደኣ። ብመሰረቱ ‘ውን ‘ዞም ስምዒታት ዝህብዎ መልእክቲ ስለዘለዎም፡ ነዞም ስምዒታት ምንዓቕ ማለት፡ ነቲ ዘድህይዎ ድምጺ ምንዓቕ ማለት ‘ዩ። እቶም ኣዝዮም ዕዉታት ዝበሃሉ ሰባት፡ ነቶም ንስምዒታቶም ኣለልዮም ኣብ ትሕቲ ግቡእ ክንክንን ምልክን ዝበጽሑ ‘ዮም።

ምስ ስምዒታትካ ምልላይ

ንስምዒታትና ክንመልኰም ግና ቅድም ቀዳድም ክንላለዮም ኣለና። ምስ ስምዒታትና ምልላይ እንታይ ማለት እዩ፧ ልክዕ ከም ምስ ሰብ ምልላይ ማለት እዩ። ንሓደ ሰብ ተላልየዮ ክንብል፡ ስሙን ገለ መግለጺኡን ክንፈልጥ ብግዲ ‘ዩ። ንስምዒታትና ድማ ከምኡ ክንላለዮም ይግባእ።

ኣብ ሕብረተሰብና፡ እንትርፎ እቶም ናይ “ጅግንነት” ኢልና እንጽውዖም ስምዒታት (ከም እኒ ቁጥዐ፡ ኩራ፡ ሕርቃን፡ ሓበን፡ ነድሪ ዝኣመሰሉ) ተዘይኰይኖም፡ ነቶም ካልኦት ስምዒታትና ከነላለዮምሲ ይትረፍ፡ ከም ዘለዉ ‘ኳ ክንእመነሎም ኣይንደልን ኢና። እቲ ዘሕዝን ግና፡ ንብዘላ ህይወትና ክዝውርዋ ዘለዎም ተኽእሎ ኣዝዩ ዕዙዝ ‘ዩ።

ብፍላይ ነቶም እንነጽጎም ስምዒታትና፡ ብስሞም ጠቒስና “ሎሚ መዓልቲ ወይ ሕጂ ከምዚ (ፍርሃት፡ ሕንከት፡ ክርሃት፡ ውርደት፡ ገበንነት ወዘተ) ይስምዓኒ ኣሎ እናበልና፡ ምስ ስምዒታትና ክንላለ ኣዝዩ ኣገዳሲ ‘ዩ።

ንስምዒታትና ክንመልኰም ‘ተኰይንና፡ ቅድም ቀዳድም ብስሞም ክንፈልጦምን ክንሰምዮምን ብግዲ ‘ዩ። እቶም ብስሞም ዘይተላለናዮም ወይ ድማ ክንላለዮም ፍቓደኛታት ዘይኰንና ስምዒታት፡ ንሳቶም እቶም ኣውራ ዝቆጻጸሩና ስምዒታት ኰይኖም ንረኽቦም። ከይተላለናዮም፥ ይቆጻጸሩና’ምበር ነይንቆጻጸሮም!

መንቀሊ ስምዒታት

ንስምዒታትና ብስሞም ድሕሪ ምጽዋዕና፡ ‘ቲ ቀጺልና ክንገብሮ ዝግብኣና ነገር፡ መንቀሊኦም ወይ መበገሲኦም ምድህሳስ እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ፡ ነቲ ቀደም ዝዕምጸና ዝነበረ ዝመስል ሰብ ምስ ረኣና፡ ስምዒትና ተቐዳዲሙ ነቲ እንርእዮ ዘሎና ንጹህ ሰብ ክንጸልኦ ወይ ከነወግዶ ከማኽረና ምስ ዝደሊ፥ ነዚ እተሰመዓና ስምዒት (ጽልኢ ወይ ነድሪ) ካበይ ነቒሉ ኢልና ንርእስና ‘ተሓቲትናያ፡ ነቲ ስምዒትና ካብ ክመልከና፡ ክንመልኰ ዕድል ክንረክብ ኢና።

ኩሎም ስምዒታት፡ ካብቲ ብህዋሳትና ናብ ሓንጎልና እተመሓላለፈ ሓበሬታ እዮም ዝብገሱ። ስለዚ ድማ ካብቲ ብመገዲ ህዋሳትና ዝረኸብናዮም ሓበሬታታት ይዝነቕሉ። ስለዚ እቶም ነዞም ስምዒታት ዘንቀሉ ቃታታት (triggers) ሓበሬታ ወይ ፍጻመ ምስ እነቕልበሎም፡ ነዞም ስምዒታትና ብሃውሪ ናብ ዘይደለናዮ ኣንፈት ክመርሑና ኣይንፈቕደሎምን ኣለና ማለት ‘ዩ።

መንቀሊ ስምዒትና ምስ ፈተሽና፡ ብድሕርዚ ንቅንዕና ስምዒትና ክንሓትት ወይ ክንብድሆ ይግብኣና። ኩሉ ስምዒትና ቅኑዕ ‘ዮ ማለት ኣይኰነን። ስምዒትና ምምላኽ ወይ ምምሕዳር ማለት ድማ፡ ስምዒትና ምስቲ ክዉንነት ይሳነ ድዩ ወይ ይምጥን ድዩ ኢልካ ምሕታት ምሕታትን ምእላይን ‘ዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ ስራሕና ተካል መዓልቲ ውዒልና፡ ብንእሽቶ ጌጋ ናይ ደቅና ኣንጸርጺርና ክንቀጽዖም እንተተደሪኽና፡ እቲ ካብ ስራሕ ተሰኪምናዮ ዝመጻና ስምዒትና ኣብ ደቅና ዘይምጡን ወይውን ዘይቅኑዕ ስጉምቲ ክንወስድ ከጋግየና ይኽእል እዩ። ስለዚ ንስምዒታትና፡ መጀመርታ ክንላለዮም፡ ደሓር መበገሲኦም ክንፍትሽ፡ ብድሕሪኡ ድማ ምስቲ ክውንነትና ከነማዛዝኖም ወይ ክንብድሆም የድልየና።

ተራ ኣዕሩኽ ኣብ ምምሕዳር ስምዒት

እዚ ግና ንበይንና ክንገብሮ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ንስምዒታትና ኩሉ እዋን ከም ድላይና ክንሰምዮምን መንቀሊኦም ብኡ ንብኡ ክንፈልጥን እንተንኽእል መን ምሃበና። ግናኸ ኩሉ እዋን ከምኡ ኣይኰነን። ‘ቲ ኣነ ንርእሰይ ፈጺመ እቆጻጸር ‘የ ዝብል ሰብ እውን ‘ተዀነ፡ ምቁጽጻር ርእሱ ከምዝግብኦ ዘይምፍላጡ ክፈርህ ይግብኦ።

ዝበዝሕ እዋን ብስምዒት ተደሪኽና ዘይለባም ውሳኔታት ክንውስን ከሎና ብውዱዕነት ዝፈርዱና፡ ‘ቶም ብደገ ዝዕዘቡና፥ ብፍላይ ድማ ኣዕሩኽትና ‘ዮም። ስለዚ ነቐፌታ እንኣምኖም ኣዕሩኽና፡ ካብቲ ብስምዒት ተደሪኽና እንኸዶ መገድታት ክሕልዉና ይኽእሉ እዮም።

እዞም ኣዕሩኽና ኣብ ስምዒታዊ ብድሆታት ክገጥሙና ከለው እንመሓዘዎም ሰባት ዘይኰኑስ፡ ፍረ ኣብ ነዊሕ እዋን ዝሃንጽናዮ ወፍሪ ምሕዝነት ‘ዮም። ምሕዝነት ድማ፡ ልክዕ ከም ሓደ ግራት፡ ‘ተኰስኲስካዮ ዝፈሪ፡ ሸለል እንተ ኢልካዮ ድማ ጻህያት ዝበዝሖ ወይ’ውን ዘይጠቕምን በራስን ይኸውን። ስለዚ ምስቶም ካብ ጌጋን ደልሃመትን ዘድሕኑና ኣዕሩኽና ንላዘብ። ንማኻኸር ድማ።