ስምዒታዊ ተ ዘ ክ ሮ

ለ ተዘክሮታት ብገለ ምኽንያት ክለዓዓሉ ከለው፡ ንድሕሪት ተመሊስና ሕጂ ይኸውን ከም ዘሎ ስምዒታዊ ናህርኦም እንደገና ንምከሮ። እዚ ኸኣ “ስምዒታዊ ተዘክሮ” ይበሃል። እዚ ተዘክሮ ከኣ ደስ ዘብልን ዘይብልን ክኸውን ይኽእል። ‘ቲ ዘገርም ኣዝዮም ጎዳእቲ ዝዀኑ ፍጻሜታ ብብዝሒ ዝዝከሩ ምኻኖም ‘ዮም። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝደሃለካ ከይትዝኽሮ ትኽእል ኢኻ። ወላዲትካ ዝዓረፈትሉ ቤት ሕክምና ግና ኣቐማምጥኡ፡ ዝነበሮ ጨና ከይተረፈ ክትዝክሮ ተኽእሎ ኣሎ።

ኩነታት፡ ፍጻሜታት፡ ሰባት ክንዝክር ከለና፡ ገሊኡ ርሱን ሓርቖት፡ ዘንፈጥፍጥ ሓጎስ፡ መሪር ሓዘን የለዓዕለልና። ብዝኽሪ ዝተነቓነቐ ስምዒት፡ ከምቲ ኣብ ፈለማ ክዀኖ ከሎ ዝነበሮ ጻዕቒ ከይስምዓና ይእኽል ዩ። ኰይኑ ግዳ ‘ቲ ተዘክሮ ኣዝዩ ዘሕጉስ ወይውን ዘቐንዙ ተዘክሮ ኣለዎ። ስምዒት ብሓሳብ ከም ዝነቓንቕ፡ ከምኡ ኸኣ ስምዒት ልብውት (cognition) ከም ዝፈጥር፡ “ስምዒታዊ ተዘክሮ” ዝብል ኣምር ርጉጽ ተኣማንነት ይውስኽ።

ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ዝተሞኰርናዮ ደስ ዘየብል፡ ዘይተበከለ ፍቕሪ፡ ዘሕለፍና ዘገርም ኩነት፡ ኣእምሮና ክዝክርን ክእክብን ምኽኣሉ ዕድለኛታት ኢና። ዘዕግብ ስምዒታዊ ተመክሮ ክንፈጥር ብምድላይ፡ ዝሓለፍናዮ ደስ ዘብል ተመክሮ መመሊስና ኣብ ሓሳብና ብምድግጋም ኣብ ሓሳባዊ ሕልሚ ከነንሳፍፍ ንፍትን። እዚ ኸኣ ብናፍቖት (nostelgia) ክግለጽ ይኽእል። ‘ተኰነ ግና ተዘክሮታትና ኣሉታዊ ስምዒታት ክቕስቕሱ ከም ዝኽእሉ ብዙሕ ምዝራብ ዘድሊ ኣይመስለንን። ብብዙሕ ሓርቆት፡ ሕፍረት፡ ቕንኢ፡ ገበንነት፡ ጽልኢ፡ ክርሃት (disgust)፡ ሓሊፍና ኣለና። ክንርስዖም ንፍትን ኢና። የግዳስ ብርታዔዖምን ጻዕቆምን ዝዛየደ ክሳዕ ዝመስለና ወሓጥቲ (overwhelm) ክዀኑ ይኽእል ዮም።

ስምዒታዊ ተዘክሮ ‘ታይ ‘ዩ፧

ምዒትን ተዘክሮን ንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ ዮም። ብሓደ ሸነሕ፤ “ስምዒታዊ ተዘክሮ” ማለት ዳርጋ ኩሉ ስምዒታዊ ፍጻሜ፡ ናቱ ዝዀነ ተዘክሮ ኣለዎ። ኩልና ከም ‘ንሰማምዓሉ፤ ካብ ዝሁም (neutral) ፍጻሜ ንልዓሊ፡ ስምዒታዊ ነድሪ ዘስዕቡ ፍጻሜታት ዝዳያ ይዝከሩ። ንምሳሌ፡ ኣዝዩ ዘሰቅቅ ሓደጋ መኪና፤ ወይውን መሪር ብኽያት ክበኪ ዝረኣኻዮ ሰብ ክትዝክሮ ቀሊል ‘ዩ። ዝለዓለ ስምዒታዊ ምላሽ ዝሃብናዮም ፍጻሜታት ኣይንርስዖም ኢና።

“ስምዒታዊ ተዘክሮ” በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፤ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ስምዒታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ተዘክሮ ዘለዓዕል፡ ዝዀነ ኩነት፤ ፍጻሜ፤ ሰብ፤ ነገር ክኸውን ከሎ ዩ። ንምሳሌ፤ ገለ ኣብ መገዲ ዝረኸብካዮ ሰብ፤ ጨና ክዳኑ ንትፈትዎ ሓውኻ ስለ ዘዘከረካ፤ ከይተረድኣካ ብኸምኡ ክትፈትዎ ትቕሰብ። እዚ ኸኣ ብኣሉታዊ መገዲ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብኣውንታ’ውን ክጸልወና ስለ ዝኽእል ክንጥንቐቕ ኣለና። ከይተረደኣና ንጸልኦ፡ ብዘይርድኣና ምኽንያት ከነወግዶ ንፍትን ሰብ፡ ኩነት፡ ክገጥመና ከሎ፡ “ስምዒታዊ ተዘክሮና” ክንፍትሽ ይግብኣና።

“ማሕታዊ ተዘክሮ” (flashbuble memory) ዝብል ኣምር ከኣ ኣብ መንጎ ዝኽርን ስምዒትን ዘሎ ርክብ ይገልጸልና። ዘርዕድ ዓቢ ፍጻሜ ክንምኰር ከለና፡ ኣበይን እንታይን ንገብር ከም ዝነበርና ዘዘክረና ክስተት ዩ። ንምሳሌ፡ ኤርትራ ሓራ ክትወጽእ ከላ፤ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ክጅመር ከሎ፤ ኤርትራ ረፈረንደም ክትገብር ከላ ካልእን ዓበይቲ ፍጻሜታት ክንሓስብ ከለና ኣባና ዝግንፍል ስምዒት ኣሎ። እዚ ፍጻሜ ከኣ መራጉቲ ዝዀኖ ስምዒታዊ ጥብቆ ስለ ዘለዎ፤ ኣብ ሓሳብና ተሓዚሉ ንምዝካሩ ቀሊል ይኸውን። እዚ ስምዒታዊ ማሕታዊ ተዘክሮ ኣሉታዊ ምስ ዝኸውን፡ ምስ “ኣብ ድሕሪ ማህሰይቲ ዘሎ ጸቕጢ” (post traumatic stress) ዝበሃል ስምዒታዊ ስርዓተ-ኣልቦነት ክተኣሳሰር ይኽእል። ግቡእ ኣቃልቦ ተዘይሂብናዮ ከኣ ኣብ ጉዕዞ ይህወትና ብህድኣት ክይንቕይስ ዝፈጥሮ ቀውሲ ከቢድ ዩ።

ዝተኸዘነ ሕሉፍ ስምዒት ክቕስቐስ ከሎ
መት፡ መዘከሪ፡ ሓበሬታ፡ ሕሉፍ ስምዒታዊ ተዘክሮ ከለዓዕል ተኽእሎ ኣለዎ። ዝተለዓዓለን ዝተቀስቀሰን ስምዒት ከኣ፡ ንኻልእ ስምዒት ስፍራ ዘለካ ክሳዕ ዘይመስለካ ንውሽጥኻ ክዕብልሎ ይእኽል። ንምሳሌ፡ ዝተቀስቀሰ ሓርቆት፡ ገዛእ ርእስኻ ክትከላኸል ብምሕሳብ፡ ሕንሕነ ክትፈዲ ብምድላይ፡ ወይውን ዘይተዓረየ ተግባብሮ ከተዕሪ ኢልካ ብምህቃን፡ ገለ ነገር ክትገብር ክደፍኣካ ይኽእል። እዚ ስምዒት እዚ ከኣ ኣዝዩ ወሓጢ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ካልእ ነገር ከም ዘይትሓስብ ክገብረካ ዓቢ ተኽእሎ ኣለዎ።

ዝበዝሑ “ስምዒታዊ ተዘክሮታት” ውጽኢት ናይ ኣመት (cue) ‘ዮም። ገለ “ዕለታት” ስምዒታዊ ተዘክሮ ይቅስቅሱ። ንምሳሌ፡ ሞት ትፈትዎ ሰብ ዝኽረ ዓመት ክኸውን ይኽእል። ምስ ህዋሳትካ ዝተኣሳሰር ኣሰር ዘለዎ ስምዒታዊ ተዘክሮ ክውልዕ ይኽእል። ጨና ዝሽየጠሉ ክፍሊ መሸጣ ክትሓልፍ ከለኻ፡ ጥዑም ዝጨኑ ትፈልጦ ሰብ ከዘክረካ ይኽእል። ወይውን ጠገለ ዘይብሉ ኣመና ዝጥቐም ዘጽልኣካ ሰብ ትዝክር ትኸውን። ገለ ቦታታት ክትርኢ ከለኻ ዝነበርካዮ፡ ዝዀንካዮ ጽቡቕ ኰነ ሕማቕ ስምዒታት ኣብ ውሽጥኻ ክግንፍል ይገብር። ገለ ደርፊ ክትሰምዕ ከለኻ፡ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ኣምዑትካ ዘናውጽ ሰብ ወይውን ኩነት የዘክረካ።

ገለ ዝዓቐብናዮም ንብረት፡ ስምዒታዊ ተዘኩሮና የንቀሳቅሱ። በቲ ኣቕሓ ኣቢሉ ስምዒታዊ ተዘክሮ ጥራይ ዘይዀነ፡ ‘ቲ ኣቕሓ ዝውክሎ ሰብ ዝነበረና ርክብ’ውን ይለዓዓል። ንምሳሌ፡ ንብዙሕ ዓመታት ዝተዓቐበ ሓደ ሳንዱቕ ብሃንደት ይኽፍት ‘ሞ፡ ናይ ኣደይ ዝነበረ ኣቕሓ ኸኣ ይረክብ። ምስኣ ከም ዝተላገብኩ ከኣ፡ ሓጎስ ጥራይ ዘይኰነ ሓዘን ኣብ ውሽጠይ ተለዓዒሉ። ከም መዘከሪ እንዕቕቦም ኣቑሑ፡ ዋጋ ናይቲ ኣቅሓ ኣገዲሱና ዘይኰነ፡ ወቓሕታ ስለ ዝድርኸና ‘ዩ።

ቅርሲ ኢልና ዝዓቐብናዮ ክንድርቢ፡ ክንጉሕፍ ከለና፡ ተዘኽሮ ንምዝሕታል፡ ሰንደቃዊ ተዘክሮ ኸኣ ከነወግድ ይሕግዘና። ንምሳሌ፡ ምስ ተጻይ ዓርክና ከይተፈላለና ከለና ዝተሳኣልናዮ ኣዝዩ ዓሚቕ ስምዒታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ስእሊ፡ ዝዓቐብናዮ ቅርሲ፡ ህያብ፡ እናረኣናዮ ናይ ሕሉፍ እናተዘከረና ካብ ንሓዝን፡ ክንግሑፎን ከነንድዶን ከለና፡ ስምዒታዊ ተዘክሮና ዝቕስቕስ ኣሰር ዘለዎ ርክብ ነወግድ ኣለና።

ስምዒታዊ ምላሽ ክንህብ ዝገብሩና፡ ተዘክሮታትና ዝቕስቕሱ ነገራት ተሃልዮም፡ ኣቃልቦና ኩሉ ኣብቲ ተዘክሮ ብምግባር፡ ካብ ክንከዶ ኢልና ዘቕናዕካዮ መገዲ ከውጹና ተኽእሎ ኣሎ። ንምሳሌ፡ ፍቅራዊ ዕርክነት እንደገና ክትጅምር ኢልካ ኣብ ትሓስበሉ፡ ዝተጠለምካዮ፡ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ዝተጎዳእካዮ ስለ ዘዘክረካ፥ ፍርሕን ዘይምትእምማንን ይስምዓካ። ክልተ ምርጫ ኸኣ ኣለካ፡- ንዝተክሮታት ወጊድ ኢልካ ኣብ ኢድካ ኣብ ዘሎ ከተቕልብ፡ ወይውን ቃንዛ በርቲዕካ፡ መጉዳእቲ እንደገና ከይገጥመካ ብምፍራህ ኣብ ኢድካ ዘሎ ክትድርቢ፡ ኣብ በዓቲ ፍርሕን ዘይምትእምማንን ክትነብር ዩ።

ኣብ ስምዒት ዘለና ኣቃልቦ ተዓብዪ፡ “ስምዒታዊ ተዘክሮ” ንጽቡቕ ነገር ክንጥቐመሉ ንኽእል ኢና። ናይ ሕጂ ህይወትና ንኽንመርሕ፡ ንመጻኢ ንኽንዳሎ፡ “ስምዒታዊ ተዘክሮ” ከበርትዓና፡ ከለብመና፡ ከም “ስኻን” ክዀነና ይኽእል። ኣብ ውሽጥና ዘሎ ክንርድኦ ተኺኢልና፡ ስምዒታዊ ተዘክሮ ‘ታይ ንኸውን ከም ዘለና ጽጹይ ሓበሬታ ክህበና ይኽእል ‘ዩ። ዝተበከለ፡ ዝተመረዘ፡ ጥዒምና ወይ’ውን ሰቲና ተኼንና፡ ከም ውጽኢት ከኣ ዝተመኰርናዮ ስምዒታዊ ቃንዛ ተሃልዩ፡ ዝዓቆርናዮ ኣሉታዊ “ስምዒታዊ ተዘክሮና” እንደገና ጌጋ ከይንገብር ልጓም ይዀነና።

ኣሉታዊ ጎኒ ክህልዎ ከም ዝኽእል ከኣ ክንርዳእ ጽቡቕ ዩ። ተረዲኡና ይኹን ከይተረድና፡ ስምዒታዊ ተዘክሮ ንጽቡቕ ነገር ብምሉእ ልብና ከይንስዕብ፡ መገድና ክሓላልዀ ይኽእል ዩ። ንምሳሌ፡ መኪና እናዘወርና ሓደጋ ገጢምና ተነይሩ፡ ዝተመኰርናዮ ዘሰምብድ ኩነት ተነይሩ፡ ኣብ ውሽጥና ዝተኸዘነ ስምዒታዊ ተዘክሮ እንደገና መኪና ተወጥሕና ክሳዕ ዘይንዝውር ክኽልክለና ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ኸኣ ዝዀነ እናተዘከረና፡ ከም ማሕታ ብልጭ ‘ናበለና ብስምዒት እንደገና እናነበርናዮ፡ ፍርሃት ስለ ዝስምዓና ዩ።