“ዝምድናዊ ምሕደራ” ኣብ ስምዒታዊ ብልሒ

…….ብኣኹም ዝመጸ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ!

ዝምድናዊ ምሕደራ” ውጽኢት ናይቶም ኣቐዲምና ዝገለጽናዮም ሰለስተ ክፋላት ስምዒታዊ ብልሒ ማለት “ርእሰ ንቕሓት” “ርእሰ ምሕደራ” “ማሕበራዊ ንቕሓት” ‘ዩ። “ዝምድናዊ ምሕደራ” ክንብል ከለና ስምዒት ገዛእ ርእስናን ካልኦትን ተረዲእና ዕውት ርክብን ምውሳእን ክህልወና ዝሕግዝ ክእለት ‘ዩ። ምስቶም ኣሸገርቲ ሰባት ዝበሃሉ ‘ተዀነ፡ ጥዑይ ዝዀነ ዝምድና ክንሃንጽ የኽእለና።

ዝምድና ብከምኡ ስለ ዝደለና ጥራይ ዝመጽእ ኣይኰነ። ብትሑት ልቢ ንብጻይካ ካብ ርእስኻ ኣብሊጽካ ብምርኣይ ዝኸውን ኣገዳሲ ባእታ ‘ዩ። ኣገዳሲ ዝገብሮ ከኣ ሰብ ንርክብ ስለ ዝተፈጥረን፡ ብዘይ ዝምድና ዝዀኖን ዝበጽሖን ኣዝዩ ሒደት ስለ ዝዀነ ‘ዩ። መጀምርያ ምስ ፈጣሪኡ ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ምስቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለው ሰባት ዝምድና ክህልዎ፡ ንስምዒታውን ኣእምሮኣዊ ጥዕናኡን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ‘ዩ።

ኩሉ ዝምድና ስራሕን ጻዕርን ይሓትት ‘ዩ። እቶም ጻዕርን ገድልን ዘይብሎም ዝመስሉ ተዀነ ብኸምኡ ዝርከቡን ዝዕምብቡን ኣይኰኑን። ዝምድና ንምህናጽ፡ ጊዜ፡ ጸዓት፡ ግብራዊ ክእለት (ኣኻእሎ) ይጠልብ። እናዓበየን እናሓየለን ንኽኸይድ፡ ድሌትካን ድሌት ካልኦት ሰባት ዘማልእ ንኽኸውን፡ “ዝምድናዊ ምሕደራ” ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ‘ዩ። እዚ ኸኣ ክንመሃሮን ከነማዕብሎን ንኽእል ግሩም ክእለት’ዩ።

ብፍላይ ‘ኳ ጥዑይ ዝምድና ንምህናጽ ካብ ገዛእ ርእስና ዝጅመር ምኻኑ ከነስምረሉ ዘለና ሓቒ ዩ። ጥዑይ ዝምድና ዝስረትን ዝህነጽን፡ ጥዑይ ስምዒት ምስ ዝህሉ ‘ዩ። እዚ ኸኣ ብመጀመርያ ናይ ሕሉፍ ከሪጺታትና (past lagage) ከነጽሪ የድልየና። ከረጺት ስምዒታትና ኣብ ሕሉፍ ብዝዀነ መሊኡ ተሃልዩ፡ ነዚ ሕጂ ክንሃንጾ እንደሊ ዝምድና ብኣሉታ ስለ ዝጸልዎ፡ ጻዕርና ከንቱ ይገብሮ።

ርክባትናን ምትእስሳርና (our connection and attachment) ድኹም ምስ ዝኸውን፡ መልእክትና ከነመሓላልፍ ንሽገር። ሰባት ክሰምዑና ንደሊ ተኼንና፡ ዝምድናዊ ምሕደራ ክህልወና ኣለዎ። ካብ ኩሉ ዓይነት ዝምድናታትን ርክባትን መታን ክንከስብ፡ ብዝግባእ ክንኩስኩሶ ክንጽዕት ኣለና።

ዕሙር ዝምድናዊ ምሕደራ

ስምዒታት ካልኦት ብኣውንታ ንምጽላው (influence)፡ ዝምድናዊ ክእለትና ኣብ ስምዒታት ገዛእ ርእስና ምቕናይ ዝተሞርኰሰ ‘ዩ። እዚ ዕውት ዝኸውን ከኣ ግብረ መልሲ ካልኦት ከነቕልብ ከለና ‘ዩ። ከምኡ’ውን  ምንታጕ (burst-out)፡ ሃንደፍታ (impulse)፡ ዘይተደናጋጽነት ስምዒታትና ክንቖጻጸሮ ተኺኢልና፡ ውጽኢታዊ ርክብ ክንሃንጽ ዘለና ተኽእሎ ዓቢ ይኸውን። ብፍላይ ጥበራ ዘይሕተሓወሶን ገዛእ ርእስና ብዘይሃሲ መገዲ፡ ሓባራዊ ዕላማ ከነቐድም ከለና፡ ካልኦት ቀረባና ኰይኖም ምሳና ክሰርሑ ይስሕቦም።

“ዝምድናዊ ምሕደራ” ዝጥጥዕ ንጹር ዝርርብን ውጽኢታዊ ኣተኣላልያ ግርጭት ብዝግባእ ክሰርሕ ከሎ’ዩ። እዚ ኸኣ ምስ ጊዜ ምስ ካልኦት እንሃንጾ ምትእስሳር ኰይኑ፡ ርእሰ ንቕሓትን ተደናግጽነት ይጠልብ። ንዝምድና ብዝግባእ ዝኣልዩ ሰባት ኸኣ ምስ ብዙሓት ሰባት ርክብ ከገብሩ ይቐሎም። ግርጭት ብኣጋ ክፈልሕ፡ ገና ከይገንፈለ ከሎ፡ ናይ ምልላይ ክእለትና ክዓቢ ኣለዎ። ብኣግኡ ኣብ ምፍታሑ ክንነጥፍ ክእለት ከነዕቢ ኣለና። ኣገዳስነት “ብንጥፈት ምስማዕን’ ን “ተደናጋጽነት” ኣብ ምእላይ ግርጭት ዝጻወትዎ ተራ ኸኣ ዓቢ ምኻኑ ክንፈልጥ ጥበብ ‘ዩ።

ንሰብ ካብቲ ኣብ ህይወቱ በዳሂ ዝዀነ ተመክሮታት፡ ጥዑይ ዝምድና ምህናጽ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ጊዜ ጭንቐት ሰብ ዝሓስቦን ዝገብሮን ውሱን ስለ ዝዀነ፡ ብኸምኡ መጠን ምስ ሰባት ዝህልዎ ርክብን ዝምድናን ልሕሉሕ ይኸውን። ንግርጭት ብድስኩል (passive) መገዲ ክሕዝዎ ኣብ ዝፍትኑ፡ ምስ ካልኦት ዘለዎም ጸገም መመሊሱ ይረክስን ይብእስን። ንሕርቓኖም ብስጭቶምን ክኣልዩ ዘኽእሎም ክእለት ስለ ዝጎድሎም፡ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዘለዉ ሰባት ስምዒታቶም ክግንፍል ከሎ ይርአ። እዚ ኸኣ ንዘለዎም ዝምድና የበላሽዎ። “ዝምድናዊ ምሕደራ” ከኣ ነቲ ከምዚ ዝበለ ተኣፋፊ ኩነት ብዝግባእ ክንኣልዮ የስንቐና።

ዝህልወና ዝምድና ብዝግባእ ዝህነጽ፡ ቅንዕና ብዘለዎ መገዲ ብቀጻሊ ርክብ ምስ ዝህሉ’ዩ። “ቅንዕና” ክንብል ከለና ብዘይ ጌጋ ምኻን ማለትና ዘይኰነ፡ ግብዝና ዘይብሉ ዘይትሓብአ ህይወት ምስ ዝህልወና ‘ዩ። ጊዜ ወሲድና ጽሬትን ዕምቖትን ብዘለዎ መገዲ ክንራኸብ ከለና፡ ሓቐኛ ዝዀነ ዝምድና ክንሃንጽ ዘሸግር ኣይኰነን። ዝርርባትናን ተግባብሮናን ኩሉ ክፉትን ቕንዕና ዘለዎ ምስ ዝኸውን፡ ምትእምማን ስለ ዝጥጥዕ፡ ከምኡ መጠን ዘለና ምትእስሳ ውጽኢታውን ፍረ ዘለዎን ይኸውን።

ምዕሩይ ሓባራዊ ዝምድና ንምህናጽ፡ “ግድድፍ” (compromise) ዝሓትት ምኻኑ ምፍላጥ ጥበብ ‘ዩ። እዚ ኸኣ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ፡ ኣነ ዝበልክዎን ዝደለኽዎን ይኹን ካብ ምባል ክንቑጠብ ይቐስበና። ኣብ ናትና ሓሳብን ድሌት ጥራይ ተዓሪድና፡ ዝምድና ክውን (realize) ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን። “ሕድድግ” መለለይ ጥዑይ ዝምድና ‘ዩ።

ምምዕባል ካልኦት” (developing others) ከኣ ካልእ መለለይ ዝምድናዊ ምሕደራ ‘ዩ። ካልኦት ንምምዕባል፡ ድሌታቶም ምርዳእን ክእለታቶም ምድጋፍን ምብርታዕን ይሓትት። ብፍላይ ‘ኳ ደኣ ንጹር ዕላማ ንዘለዎም መራሕቲ ኣገዳሲ ክእለት ‘ዩ። ንዝመርሕዎም ንሓደ ዕላማ ብሓባር ንኽሰርሑ ከነቓቕሕዎም፡ ውዕዉዕ ስምዒትን ተገዳስነት ከለዓዕሉ፡ ንዓቢ ዕዮ ገዛእ ርእሶም ክህቡ ዝሕግዝ ማሕበራዊ ክእለት ‘ዩ። ምውናኑ ኸኣ ግድን ክዀነና ኣለዎ።