ኣንጻር ስምዒታዊ ሕውየት ዝሰርሑ ሓይልታት

…….ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሔሸ ስለምንታይ ‘ዩ ኣይትበል፡ እዝስ ብጥበብ ኣይኰንካን እትሐቶ ዘሎኻ።

ብዚ ምድራዊ ጉዕዞ፡ ዘይተጸበናዮም፡ ዘይወጠናዮም፡ ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ዝዀኑ ኩነታት ይገጥሙና ዮም። ኣብ ስነ-ኣእምሮናን ስምዒትና ዝገድፍዎ በሰላ፡ ኣሰር፡ ማህሰይቲ ከኣ ብዙሕ ‘ዩ። ዝወረደና ማህሰይቲ ካብ ማንነትና ፈሊና ብምርኣይ ኣፍልጦ ክንህቦም፡ ኣብ ናይ ሕውየት ጎዳና ኸኣ ዘገም እናደበልና ክንጎዓዝ ክንመርጽ ኣለና። ብዙሕ ጊዜ ግና ዝዛወና ምሕባእ፡ ምሽፋን፡ ምኽሓድ፡ ከም ዘየለ ክንቆጽሮ ስለ ‘ንፍትን፡ ኣብ ውሽጥና ሰንጢቖም ዝኣተዉ መጉዳእቲ፡ ንኣተሓሳስባና፡ ኣጠማምታና፡ ስምዒታትና ክብክልዎ፡ ንህይወትና ኸኣ ከዕንውዎ ይረኣዩ።

ብዙሕ ጊዜ ጸገምና፡ ነገራት ከምቲ ኰይኖሞ ዘለው ክንርእዮም ዘይምፍታና’ዩ። ርእሰ-እሙንነት (self-honesty) ክንቓወም ከለና፡ ንናይ ምሕዋይ መስርሕ ንጻረር። ምክልኻል ገዛእ-ርእሲ (self defence) ተባሂሉ ዝምዕብል ኣተሓሳስባን ስምዒትን ከኣ ሰላምካ ይዝርጎ። ኣብ ክንዲ ብኣጋኡ ምእማን፡ ክትክሕዶ ዘይትኽእል ሓቒ ንገጽካ ሓቢእካሉ ዘለኻ መጎልበቢ ሰንጢቁ ክኣቱ ትጽበ። ጸቓጢ ዝዀነ ኩነት ንምግጣም ዘለካ ፍርሒ ከኣ መርዛም ዝዀነ ናይ ሕሉፍ ናፍቖት (nostalgia) የለዓዕለልካ። እዚ ኸኣ ኣብ ሕሉፍ ክትቑለፍ ይገብረካ።

ኣብ መሳልል ስምዒታዊ ሕውየት ከይንምርሽ ዝዕንቕፉና መሳናኽላት እምበኣር

  1. ዘይቕንዕና (dishonesty)

ብዙሕ ዝዓይነቱ “ዘይቕንዕና“፡ ስቕያት ብምውሳኽ፡ ሓዘን ብምንዋሕ፡ ናብ ሕውየት ገጽና ከይንፈልቕ ይዓግስተና። ኣብ ውሽጥና ዘሎ ብንጹር ከይንፈልጥ ምድላይና ምስ ምኽሓድ (denial) ይቑጸር። እዚ ኸኣ ርእሰ-ዘይቕንዕና (self-dishonesty) ‘ዩ። ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ቓንዛ ከም ዘየሎ ብምኽሓድ፡ ካባኻ ከተርሕቖ ምፍታን፡ “ትምኒት” ጥራይ ኰይኑ ይተርፍ። ምስ ጊዜ ባዕሉ ክጠፍእ ‘ዩ፡ ወይ’ውን ካልእ ሰብ ክኣልዮ ኢልካ ምሕሳብካ የዋሕነት ጥራይ ‘ዩ። ንሓደ ነገር ክትክሕዶ ምፍታን፡ ዋላ’ኳ እንታይ ምኻኑ ምሉእ ብምሉእ ኣይተለልዮ፡ ብተዘዋዋሪ ንምህላዉ ኣፍልጦ ትህቦ ከም ዘለና ክትፈልጥ ምስትውዓል ‘ዩ።

ብዛዕባ ተግባብሮኻ ነቐፌታ ክትቕበል ፍቓደኛ ተዘይኰይንካ፡ ድኹም ወይውን ጎዶሎ ዘለካ ኬንካ ክትርአ ዘይምድላይካ ‘ዩ። ካልኦት ክቐርቡኻ ኣሸጋሪ፡ ዝመሃር ልቢ ዘይብልካ ትኸውን። ንኻልኦት ከኣ ሓያልን በሊሕን ምኻንካ ከተረጋግጸሎም ህርድግ ትብል። እዚ ኸኣ ዘይኰንካዮ ክትከውን ምፍታን ስለ ዝዀነ፡ “ዘይቕንዕና” ‘ዮ።

ጌጋኻን ውድቐትካን መታን ከይትእመን ፡ ዝተፈጸመ ድሮ ዝወጠንካዮ ከም ዝዀነ ከተርኢ ምፍታን ተወሳኺ ዘይቕንዕና ‘ዮ። እዚ ኸኣ ሓላፍነትን ተሓታትነት ከተወግድ ትገብሮ ጻዕሪ ስለ ዝዀነ ዘይቕንዕናኻ ይገልጽ። ጌጋ ከም ዘይገብርካ፡ ኩሉ ከም ዝደለኻዮ ከም ዝዀነ ሕጉስ ምኻንካ ከተርኢ ክትጽዕር ተፈቲንካ፡ “ምልዋጥ” (change) ደኣ ካበይ ይመጽእ፧ ሓቒ ከተወግድ ኢልካ፡ ኩሉ ዝደለኻዮ ከም ዝዀነ ከተምስል ተፈቲንካ፡ ዝገበርካዮ ጌጋ እንደገና ክትደግሞ ትቕሰብ። እዚ ኸኣ ናብ ዓቢ መስገደል ይመርሓካ። ሓቒ ‘ተሸፊንካያ፡ ንገዛእ ርእስኻ ክትኣሊ ዓቅሚ ከም ዘይብልካ ተርኢ ኣለኻ።

  1. ካልኣዊ መኽሰብ

ካልኣዊ መኽሰብ” ዝበሃል ድንጋጸ፡ ርሕራሔ፡ ደገፍ መታን ክትረክብ ኢልካ፡ መጉዳእትኻ ከተጋንን ከለኻ ዝኸውን ‘ዩ። ከምቲ ቆልዓ ካብ ወለዱ ኣቃልቦ መታን ክረክብ፡ ንንእሽቶ ቃንዛ ዘጋንና፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ብደሓኑ ከሎ ክረኽቦ ኣይክእልንየ ዝብሎ ኣድህቦ መታን ክረኽብ፡ ቓንዛኡ ከጋንን ከሎ ዩ።

መጉዳእትኻ ምግናን ንጥዕናኻ ኩሉ ጊዜ ኣብራሲ ‘ዩ። እዚ ዝገብሩ ሰባት መታን ከታልሉ ኢሎም ዘይኰኑ፡ ብጭቡጥ ትሕዝቶ ተተመዚኖም ዝፈሽሉ ስለ ዝመስሎም፡ ንገዛእ ርእሶም ደው ክብሉ ስለ ዝሽገሩ፡ ካብ ትሑት ርእሰ ጠመተ ስለ ዝብገሱ እዮም።

ከምቲ ለማናይ መታን ክትልግሰሉ፡ ነገሩ ኣጋኒኑ ብምቕራብ ድንጋጸ (pity) ዝደሊ፡ ከምኡ’ውን ዝተጎድኡ ሰባት፡ ጉድኣቶም ከም ዘለዎ ተነጊሮም ሰባት ዝድንግጽሎም ስለ ዘይመስሎም፡ ከጋንኑ ይቕሰቡ። እዚ ኸኣ ንምሕዋይ መስርሕ ይዕንቕፎ። ሰባት ከም ዝርሕቑኻ ይገብሮም። ናብ ዝገደደ ሕፍረት ስለ ዝሸመካ፡ መሊስካ ክትሕባእ ትግደድ። ንሓቒ ብምሽፋን ካብቲ ዝዀንካዮ ንልዓሊ ዝገደደ ከተምስል ምስ እትፍትን፡ መስርሕ ስምዒታዊ ሕውየት ይዕንቐጽ።

  1. ሕማቕ ኣረኣእያ (bad attitude)

ማቕ ኣረኣእያ” ንህይወትካ ክስዕር ሓይሊ ኣለዎ። ኣባኻ ናይ ዘይቕንዕና ሃዋህብ ይፈጥር። ንኻልኦት ካባኻ ነጺሉ ከም ዝቓወሙኻ ይገብሮም። ኣብ ናይ ሕውየት ጎዳና ኸኣ ንስጉምትታካ ይሓላልዀ። ገለ ምሳሌታት ሕማቕ ኣረኣእያ ንምጥቓስ

  1. ግጉይ ትምክሕቲ

ግጉይ ትምክሕቲ” ካብ መጉዳእቲ ዝተላዕለ ዝስመዓካ ቓንዛ፡ ብዝዓሞቖ ክትሳቐ ይገብረካ። እዚ ኸኣ ንገዛእ ርእስካ ካብ ግቡእ ንልዓሊ ብምቕማጥ፡ ኪኖ ይቕሬታ ዝዀነ ከም ዝተጎዳእካ ንርእስኻ ክትርእያ ስለ ዝገበረካ ‘ዩ። “ግጉይ ትምክሕቲ” ንርስኻ ትምግባ ተኼንካ፡ ብዛዕባ ዝሃለፈ እናዘገርካ፡ ኣብ ሕሉፍ ክትነብር ትግደድ። ናብ ሕውየት ገጽኻ ፍሑኽ ከይትብል ኣጽኒዑ ይኣስረካ።

ግጉይ ትምኽሕቲ” ንርእስኻ ካብ ካልኦት ንልዓሊ ሞራላዊ ጸብለልታ ከም ዘለካ ጌሩ ስለ ዘርእየካ፡ ካልኦት ክትዘልፍን ክትጸርፍን ትደፍር። ንርእስኻ ካብ ካልኦት ንልዓሊ ጸብለል ከም ዝበለት ጌርካ ክትርእያ ከለኻ፡ ንመጉዳእቲኻ ስዒርካ ከይትወጽእ መፈንጠርያ ይዀነካ። ከም ወጽኢቱ ኸኣ ንዓለም ከም ዘላቶ ክትቕበላ ስለ ‘ትሽገር፡ ኣእምሮኣዊ ሰላምካ ኩሉ ይውሰድ።

ብትምክሕቲ ክትዝወር ከለኻ፡ ካልኦት ዘይሓስቡን፡ ዘይሓልዮን፡ ዘይግድሶም ጌርካ ክትርእዮም ትቕሰብ። ብኹሉ ምሳኻ ዝሰማማዑ ጥራይ ክትደሊ ጸሓይ ይዓርበካ። ብቐሊሉ ሓራቕ፡ ባህ ንኽትል ኣሸጋሪ፡ ኣብ ከባቢኻ ምኻን ከኣ ዘይምቹእ ሰብ ትኸውን። ስለዚ ካልኦት ይርሕቑኻ። ንጥልመት፡ ርጥራጠ፡ ጸርፊ ኸኣ ዝተቓላዕኻ ትኸውን።

  1. ነድሪ፡ ቁጥዓ (righteous indignation)

ነድሪ” ንትምክሕቲ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ይወስዶ። እዚ ኸኣ “ሕነ ምፍዳይ” ‘ዩ። ቃንዛኻ ከተጋንኖ ከለኻ፡ ካልኦት ንምውራድን ንምቕጻዕን መሰል ከም ዘለኻ ጌርካ ገዛእ ርእስኻ ትቆጽራ። “ማዕረ-ማዕረ” “ሓባ” ክትከውን ህንጡይነትካ ይዓቢ። “ረኺበልካ ኣለኹ” ዝብላ ቓላት ኸኣ ኣብ ከናፍርካ ይጸሓፍ።

ቁጥዓ፡ ነድሪ፡ ክስምዓካ ከሎ፡ ብዛዕባ መጉዳእትኻ ክፉት ክትከውን ትፈርህ። ዋላኳ ካልኦት ክፈልጥዎ ‘ተዘይደኻ፡ ኣጋጣሚ ክረኽቡ ከለው ዝግለጹ፡ ካብ ብዙሕ ምንጪ ዘለዎ “ስምዒታዊ ዕዳ” (emotional debt) ዝብገሱ፡ ዝተኸዘኑ ቁጥዓታት ኣለካ። ዝተኸዘኑ መርዛም ስምዒታቶም ክልቐቑ መታን፡ ካልኦት ክሕስው ወይ’ውን ክጋገዩ ብምርባጽ ክትጽበ ይገብረካ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ተግባብሮኻ ባዕላዊ ሓልፍነት (personal responsibility) ከይትወስድ ስለ ዝዓግተካ፡ ንስምዒታዊ ሕውየትካ ይዕንቕጾ።

…….ይቕጽል