ኣንጻር ስምዒታዊ ሕውየት ዝሰርሑ ባእታታት (2ይ ክፋል)

ብ ዝሓለፈ 1ይ ክፋል ጽሑፎይ፡ዝተጎድአ ስምዒታትናን ስነ ኣእምሮናን ከነሕዊ መታን፡ ኣብ ጎደና ስምዒታዊ ሕውየት ህድእ ኢልና ከይንስጉም፡ ኣብ መገድና መሐንኰሊ ክዀኑና ዝኽእሉ ኣጠማምታን ኣተሓሳስባን ጽሒፈ ኣለኹ። ኣብኡ ብምህናጽ ከኣ ኣብ ትሕቲ “ሕማቕ ኣረኣእያ” (bad attitude) ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ፡ ምስ ከም እኒ ግጉይ ትምክሕቲ፡ ነድሪ፡ ቁጥዓ ዝኣመሰሉ ዘይጥዑይ ስምዒታ ደሚረ ክጽሕፍ ‘የ።

ጃህራ፡ ኣምሰሉነት (pretentiousness)

ጃህራ” ኣገዳስነት ካልኦት ኣትሒትካ ክትርእን ክብሪ ካልኦት ክትንክን ይገብረካ። ከም ዘይተጎዳእካ መታን ከተእምን ገዛእ ርእስኻ ብሉጽ ምኻንካ ከተርኢ ክትፍትን ከለኻ፡ ካልኦት ኣትሒትካ ትርኢ ከም ዘለኻ ክትፈልጥ ኣለካ። ትግደስ ምኻንካ ከተርኢ ስለ እትፈርህ፡ ሰባት ድንጋጸ ከም ዘይብልካን ግሉልን ጌሮም ይርእዩኻ። እዚ ኸኣ ንቓንዛን ስቓይካን የጋድዶ። ኣብ ልዕሊ ድሮ ጼርካዮ ዘለኻ ቃንዛ ተወሳኺ ዘሕፍር መጉዳእቲ፡ ንጽገት፡ ውድቐት ትሰርር (survive) ኰይኑ ኣብ ጥልቒ ልብኻ ስለ ዘይስምዓካ፡ ኩሉ ከም ዝተኣርነበልካ ገዛእ ርእስኻ ብጃህራ ክትሓብእ ትፍትን።

ከተምስል ከለኻ፡ ናይ ሕውየት መስርሕ ብዝግባእ ከይሰርሕ ትዓግቶ። ብዛዕባ ‘ቲ ግዲ ዘይብላካ ነገራት፡ ከመይ ጌርካ ክትሓዝን ትኽእል፧ ዝተጎንጎንካዮ ጽዖት (callus) ኣምሰሉነት፡ ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ ዘይተገዳስነት (indifference)  ክትሃንጽ ይገብረካ። እዚ ኸኣ ንሰባት ካባኻ ከም ዝግለሉ፡ ንኣኻ ከኣ ሃረር እትብሎ ዝሓቑፈካ ርክብ ከይትረክብ ይኽልክለካ። ክሳብ ኣምሰሉነት እትድርቢ፡ መስርሕ ሕውየት ብናይ ሓሶት ቅርጺ ይውንዘፍ። ብኣምሰሉ ዝተጠቕለለ ስምዒት ክትፈትሖ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ተኣማንነት (loyalty)

ተኣማንነት” ብግቡእ ተተጠቒምናሉ፡ ኣዝዩ ብዙሕ መኽሰብ ኣለዎ። ኣብ ጌጋ መዓላ ተውዒልናዮ ግና ብዙሕ ከብርሰና ይኽእል ‘ዩ። ተኣማንነት ኣብራሲ ዝኸውን፡ ዘይግብኣና ክነሱ ካልኦት ክንኣምን ክንፍትን ከለና ‘ዩ። ዕርክነት ምኽንያት ብምግባር፡ ነገራት ብዕሙት ክንቕበልን ክንድግፍን ከለና ውጽኢቱ ተወሳኺ መጉዳእቲ ‘ዩ። ብዛዕባ ሓቒ ዘለካ ኣረኣእያ ክትልውጥ ተጌሩካ፡ ተኣማንነት ሕማቕ ፍዳ ዘለዎ ሕቡእ ጸላኢ ይዀነካ።

ሰባት ካብ ዝገበርዎ ጽቡቕ ኰነ ሕማቕ ክመሃሩ ኣለዎም። ሓቒ ኣብ ክንዲ ምንጋር፡ ብዙሕ ሕማቕ ከም ዘይገበሩ፡ ‘ቲ ጌጋ ናይ ካልኦት ምኻኑ፡ ዕሽነት ጌሮም ክነሶም፡ ብኻልኦት ከም ዝተታለሉ ጌርካ ከተርእዩም ምስ እትፍትን፡ ክዓብዮ ን ክልወጡን ኣይትሕግዞም ኣለኻ። ካብ ቓንዛ ትከላኸለሎም ከም ዘለኻ እናመሰለካ፡ ሓቐኛ ህይወቶም ከይነብሩ ትኽልኽሎም።

“ተኣማንነት” ካብ ሓቒ ክትኹብልል ተጌርካ፡ ገዛእ ርእስኻ ንውድቐት ትውድባ ኣለኻ። ተኣማነንት ጸላኢ ኣፋፍኖትን መንቋሕቋሕታን ተዀይኑ ጸገም ‘ዩ። ነገራት ከም ዘለዎም ካብ ምርኣይን ብቕንዕና ካብ ምውሳእ ይኽልክለካ። ኣብ ክንዲ ብሓቒ ድኻምካ ምቑጻርን ምእማንን፡ ትሓስቦ ዘለኻ ሰንኰፍ ምርዳእ፡ ትሰርር ክገብረካ ከም  ዝኽእል ክትኣምን ትደሊ። “ተኣማንነት” ካብ ሓቐኛ ክውነት ኣርሒቑ፡ ንስኻ ክኸውን ትደልዮ ናይ ሓሳብካ ስእሊ ተወሲዱካ፡ ናብ ዝገደደ መጉዳእቲ ከም ትወድቅ ፍለጥ። ቅቡል ትኸውን መሲሉካ ኣብቲ ንግዚኡ ልሙዕ ዝመስል ልብኻ ተውዲቕካ፡ ንተኣማንነት ተናዕብ ኣለኻ። እዚ ከኣ ኣየዕቑበካን ‘ዩ።

ግጉይ ሃንቐውታ (false expectation)

ግጉይ ሃንቐውታ” ማለት ብዛዕባ ገዛእ ርእኻን ኩነታትካን ግላዊ ሓላፍነት ከይትወድስ ኢልካ፡ ዘይምኽኑይ ተስፋ ክትገብር ከለኻ ‘ዩ። ሰብ ብዘይ ሃንቐውታ ክከውን ዘይክእል ‘ኳ ተዀነ፡ ግቡእ ዝዀነ ሃንቐውታ ክህልወና ኩሉ ጊዜ ገዛእ ርእስና ክንፍትሽ ይግብኣና።

ሰባት ንስኻ ክዀኑ ‘ትደልዮም ተኼይንካ፡ ገዛእ ርእሶም ብምኻን ከጉህይኻ ‘ዮም። ብዘይ ምኽንያት ኩነታት ዝድነቑ ክዀኑ ተተጸቢኻ፡ ክዀንዎ ዘለዎም ብምኻኖም ክሕዝኑኻ ‘ዮም። እዚ ኹሉ ግጉይ ሃንቐውታ ‘ዩ።

ህይወት ኩሉ ጊዜ ብናይ እምነት መቐወም ዝተቓመመ ‘ዩ። ብእምነት እነማዕድዎ ነገር ኣለና። “እምነት” ናብ ትምኒታዊ ኣተሓሳስባ ተተቐይሩ ግና መሰረት ዘይብሉ ሕልሚ ስለ ዝኸውን፡ ኣብዛ ምንም ቁጽጽር ዘይብልና ህይወት ብዙሕ ጊዜ ክንሓዝን ኢና። ኩሉ ብዓቐን ክኸውን ኣለዎ።

ግቡእ ትጽቢትን ዘይግቡእ ትጽቢትን ከም ዘሎ ምፍላጥ ምስትውዓል ‘ዩ። ትጽቢትካ ዘይግቡእ ምስ ዝኸውን፡ ‘ቲ ትደልዮ ፈጺሙ ኣይመጽእን። ኩሉ ጊዜ ዝሓሸ ክመጸካ ትጽበ። እዚ ኸኣ ቕልውላው ዝመልኦ ህይወት ክህልወካ ይገብር። መዐቐኒኻ ፋንታዝያ ዝመልኦ ይኸውን። ትኸፍሎ ዋጋ ፍረ ስለ ዘይህበካ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውነንት ቕዛነት ዝመልኦ ይኸውን። ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ይስምዓካ ብዘየገድስ፡ ኩነታትካ ኩሉ ጊዜ ዝሓሸ ምስ እትብሎ ስለ ተወዳድሮ ምሉእ ኣይትሕጎስን።

ጌጋ ሃንቐውታ ምስ ዝህልወካ፡ ብዝኸድካዮ ክትሓዝንን ክትጉዳእን ትነብር። ክኸውን ነይርዎ ኣብ ትብሎ ግና ከኣ ብዘይኰነ ነገር ትበኪ። ብጌጋ ሃንቐውታ ስለ እትትሓዝ፡ ብዛዕቢ ‘ቲ ብሓቒ ክትኰኖኖን ክትሓዝኖን ዘለካ ስምዒትካ ኣይትገልጽን።

ብምልኣት ክትነብር፡ ጌጋ ሃንቐውታ ይኺድ ክትገድፎ ጽዓት። ንህይወት ከም ዘለዎ ክትርእያ እሞ ካብ ክውንነት ክትብገስ፡ ኣብ ልብካ ዝኸብድ ስቕያት ደርብዮ። ኣነጺርካ ክትርኢ፡ ነዒንታኻ ዘጎልብብ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ጌጋ ሃንቐውታ ንየው በሎ። ሓቒ ተተነጊሩ፡ ግሉጽ ስለ ዝዀነ ኩሉ ክርድኦ ቀሊል ‘ዮ። ትጽቢትካ ንስካ ክትበጽሖ ትደሊ ምዕራፍ ደኣ እምበር፡ ካልኦት ምንቓፍ ኣይኹን። ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘቐመጥካዮም ውጥናት ከኣ ክትጭብጦም ተጓየይ።

ሕፍረት (shame)

ኩሉ ገለ ዓቕን ሕፍረት ኣለዎ። ሕርቓን ናብ ገዛእ ርእስና ክጥምዘዝ ከሎ፡ ሕፍረትን ገበንነት ይኸውን። “ሕፍረት” ሰረቱ ካብ ቁልዕነትና ዝብገስ ኰኑ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ርግጸኛታት ኣብ ዘይኰናሉ፡ ስምዒታትና ብኽፍተት ክንገልጽ ኣብ እንፈርሃሉ ዝተወልደ ኣረጊት ስምዒት ዩ። እኹላት ሰባት ምስ ዀንና ክንሓርቕ ወይ’ውን ሕማቕ ክንገብር ከለና ንጥዓስ ‘ኳ ‘ተዀና፡ ቆልዑ ከለና ግና ተሓሪቕና ክፉኣት ምዃና ወይ’ወን ገለ ጸገም ከም ዘለና ጌርና ገዛእ ርእስና ንርእያ። ስለ ዝዀነ ‘ቲ ‘ንፈርሆ ርጉጽ ከይከውን ብምስጋእ፡ ገዛእ ርእስና ምሕባእ ንለማመድ።

ቀንዲ መለለይ ሕፍረት፡ ገዛእ ርእስና ከም ክፉኣት ጌርና ስለ እንርኢ፡ መቕጻዕቲ ይግብኣኒ ኢልና ምእማን ‘ዩ። ሰብ ኣብ ውሽጥና ዝዀነ ነገር ተፈሊጡ፡ ከም ዝኽዕበናን ዝነጽገናን ንገዛ ርእስና ነእምና። ፍቕሪ፡ ምሕቋፍ፡ ዝግብኣና ኰይኑ ኣይስምዕናና። ገዛእ ርእስና ብቁዓት ጌርና ኣይንርእያን።

ኣብ ውሽጥና ዘሎ ባዶነትን ቃንዛን ንምሽፋን ከኣ ናብ ዘይተደለየ ኣመልን ማእሰርትን ንፉሑኽ። እዚ ከኣ ንባህርናን ስምዒታውን ስነ ኣእምሮኣውን ጥዕናና ብኣሉታ ይጸልዎ። ዝዓነወ ውሽጥና ክንሓብእ ከኣ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ዓንኬል ንጽመድ።

“ሕፍረት” ንኹሉ ጌጋታት ግላዊ ሓላፍነት ከም ትስከም ይገብረካ። ንሓሳብካ ከኣ ብሓደ – “ኣነ ጽቡቕ፡ ውቑብ፡ ዝበቕዕ ድየ፧” ዝብል ከቢድ ሕቶ ይውሕጦን የጨንቖን። ሕፍረት ንርእሰ ተኣማነትካ ምስ ባሕጎጎ፡ ነዞም ሕቶታት ብኣሉታ ክትምልሶም ይቐስበካ። እዚ ኸኣ ስምዒታውን ስነ ኣእምሮኣውን ገድሊ ይፈጥረልካ። ፍርሒ መንጸግቲ ኸኣ ንህይወትካ የልምሶ። ስምዒታትካ ንምትንፋስ ከኣ ዘይከኣል ይገብሮ። እዚ ከኣ “ስምዒታዊ ዕዳ” ከተዋህልል ይገብረካ። ከመይ ጌርካ ይኺድ ከም ትሓድጎ ስለ ዝጠፍኣካ፡ ኣብ ውሽጥኻ ይኸብድ። ዘይትደልዮ ከርፋሕ ናብራ ክትነብር ይቐስበካ።

ስለ ዝዀነ ስምዒት እንታይ ምዃኑ፡ መጉዳእቲ ንስምዒታውን ስነ ኣእምሮኣውን እንታይነትካ ብኸመይ ከም ዝጸልዎን መሳልል ሕውየት ስምዒታዊ ጥዕና እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ ግድን ‘ዩ።