ስምዒታዊ ፈውሲ ዝስስነሉ ምርዳእ

ብ ጉዕዞ ህይወት ክንዓብን ንዝተፈጠርናሉ ዕላማ ብዝግባእ ክንነብር ተዀይኑ፡ ምሕዳስ ፍልጠን ኣተሓሳስባን ጥራይ ዘይኰነ፡ ምፍዋስን ምሕዳስን ስምዒታትና ኣገዳሲ ዩ። መገዲ ሕውየት ከኣ ዝጎድኣናን ዘሕዘነናን ክንፈልጦን ክንቕበሎን፡ ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ኣብ ምርዳእ ተቀርጾ ከነእትዎ ይመርሓና። እዚ ኸኣ ቓንዛናን ዘይምዕጋብናን ናብ ሓሳብና እናምጽአን እናኣዘከረናን፡ ከነመስርሖር የዘክረናን ይደፍኣናን።

መገዲ ፈውስን ዕቤትን ዕዉት ዝኸውን፡ ዘይምሕጓስካ ምኽንያት ክትርድኦ ከለኻ ዩ። ዘይምዕጋብካ ክትምርምርን፡ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ኣዕሙቕካ ክትሓስብ፡ ዕጋበት ትደልየሉ መገዲ ከተናዲ ይመርሓካ። ክልተ ዕላማ ኸኣ ኣለዎ፡-

  1. ስምዒታዊ ሓርነት ክትርከብ፡
  2. ክእለትካን ብቕዓትካን ክትፈልጥን ከተማዕብሎን የተባብዓካ።

እቲ መስርሕ ከኣ ኣባኻ ዘሎ ርእሰ-ምትላል (self deception) ክትርእዮ: ዘይምሕጓስካ ኣፍልጦ ክትህቦን ይገብረካ። ሽዑ ኸኣ ኢኻ ንጸገምካ ብምምስራሕ ንቕድሚት ክትደፍእ ትእኽል።

ፍርሒ መኻሊፍ ዩ

ብዙሕ ጊዜ ናብቲ ብተመስጦ (passionately) ንደልዮ ኣቕኒዕና ንኸይንግስግስ ንድሕሪት ኣቢሉ ዝስሕበና “ፍርሒ” ‘ዩ። ናይ ሓቂ ተመስጦ (passion) ካብቲ ብሓቒ ትፈትዎ መኽሊትካ (talent) ይብገስ። ንሱ ኸኣ የበርትዓካን ሓይሊ ይዀነካን። ስለዚ ዘፍርሃካ ብትኽክል ክትፈልጦ ኣለካ። እንታይ ‘ዩ ዘፍርሃካ፧

ዝረኸብካዮም ዕድላት ከይተባኽኖም ትፈርህ፧

ክእለት ዘይብልካ ከይትኸውን ትፈርህ፧

እንደገና ከም ብሓድሽ ምጅማር ትፈርህ፧

ከም ዝተጋገኻ፡ ከም ዝዓሸኻ፡ ከም ዝተዓበኻ ክትእመን ትፈርህ፧

ከይትሓፍር፡ ከይትዋረድ ትፈርህ፧

ዝተሰምዓክ ተገሊጽካ ሰባት ከይነጽጉኻ ትፈርህ፧

ንብዙሕ ዝተሸፈኒ ተኸፊትካዮ ንምጻሩ ብቕዓት ዘይብልካ ከይትኸውን ትፈርህ፧

እቲ ኣዚኻ ትፈርሆ እምበኣር ከም ዝተጎዳእ፡ ከም ዘይተፈቐርካ፡  ወይውን ካልእ መጋብሮ ከም ዝገበረካ ክትእመን ዩ። ምስ ጊዜ ዘማዕበልካዮም ጌጋ ምርጫታት ከተዐርዮም ኣለካ። ምናልባት ሰብ ብምሕጓስ ትተባባዕ ዝመስለካ ተዀይኑ፡ ንኻልኦት ዓቢ፡ ብሉጽ፡ በሊሕ ምዃንካ ብምርግጋጽ ቅቡል ትኸውን ዝመስለካ ተዀይኑ፡ ናብ ዝዓበየ ዕንወትን ቃንዛን ስለ ዝመርሓካ ክትእርሞ ኣለካ።

ደረጃታት መሳልል ሕውየት

ናብ ሕውየት ክንፈልቕ ዝሕግዘና ምርዳእ ከመይ ዝበለ ‘ዩ ክትበጽሕ ዝሕግዘካ ክትሓስብ ግድን ዩ። ናይ ፈውሲ መስርሕ ናብ ክፍተትን፡ ምቕላዕ፡ ምልቓቕን (release) ኣቢሉ ይዛዙ። ንኸምዚ ዝበለ መስርሕ ‘ተደኣ ተጻቢእካዮ፡ ከቢድ ዋጋን መከራን ይሓተካ። እዚ ናይ ሕይወት መስርሕ እምበር ናብዞ ዝስዕቡ ኣቢሉ ይመርሓካ፡

  1. ሓቒ ምንጋር

ብዙሕ ጊዜ ‘ቲ ሓቒ ንፈልጦ ኢና። እቲ ዝህውኸና ንክኸይድ፡ ብባዕሉ ክዕረ ተስፋ ብምግባር፡ ገጽና ናብ ካልእ ኣንፈት ንገብር። ገለ እዋን ነገራት ምስ ግዜ ክዕረዩ ይኽእሉ ‘ዮም። መብዛሕትኡ ግና ከምኡ ኣይኰነን። ብስሩ ዝህውኸና ነገር ምህላው፡ ክንጥምቶምን ስጉምቲ ክንወስድን ከም ዘለና ምልኽት ‘ዩ። ስለ ዘሕመናን ወይውን ኣፍልጦ ተሂብናዮ ‘ታ ዘላትና ውሽጣዊ ሓጎስ ከይዝርጎ ብምፍራህ ካብ ዘሕመና ተሃዲምና፡ ኩሉ ጊዜ ጸጋማትና መሊሱ ይሰርርን ይሞጉልን እምበር ኣይመሓይሽን ዩ።

ከም ኩሉ ሰብ ክፍቐርን ቅቡል ክከውን ይደሊ። ‘ተወሓደ ሰባት ክፈትውኻ ትደሊ ኢኻ። ከምኡ ከም ትደሊ ግና ምቕልል ኢልካ ክትዛረብ ትፈርህ። እንተዀነ ቅኑዕ ማንነትካ ሓቢእካ፡ ግጉይ ስእልኻ ተቕሪብካ፡ ሰባት ክፈትውኻ ይትረፍሲ፡ ከመይ ጌሮም ክፈልጡኻ ትጽበ፧

ጽምዋን ስቓይይን ዝስዕርረሉን ዝስዕረሉን ቀንዲ ምኽንያት፡ ሓቐኛ ስምዒታትካ ስለ እትሓብእ ዩ። ቀረባ ሰባት ክትከውን ዘይትደልየሉ ምኽንያት፡ ኣብ ቅድሚኦም ገዛእ ርእስኻ ምኻን ስለ ትኣቢ ‘ዩ። ሓቐኛ ስምዒታትካ ክግለጽ ኩሉ ጊዜ ስለ ዝደሊ፡ ክትሕባእን ክትሽፍን ምፍታንን ኣጨናቒ ዩ። ስምዒታትካ ብምእባእካ ከኣ ካብ ክውንነት እናተፈንተትካ ክትከይድ ይገብረካ።

ሓቐኛ ስምዒታት ምሕባእ ክደጋገም ከሎ ከኣ፡ ዝተዋህለለ ዘይተነግረ መጉዳእቲ ኣብ ውሽጥኻ ብምሕባጥ፡ ሕርቓንካ ተነካእን ተሰባርን ከም ዝዀንካን የርእየካ። ኣብ ህይወትካ ዘሎ ጽቡቕ ነገር ከኣ ኣብ ሕቶ ምልክት ከም ተእትዎ ይቐስበካ።  ካብ ሓቒ ክትሕባእ ከለኻ፡ ምድጓይካን (procrastination) ስቕ ምባልካን ከም ትሳቐ ይገብረካ።

  1. ከም ዝተጎዳእካ ምእማን

ኣብ መስርሕ ሕውየት ከም ዝተጎዳእካን ቃንዛ ከም ዘለካ ምእማን ኣገዳሲ ስጉምቲ ዩ። ከም ዝተጎዳእካን ዘይተሓጎስካ ክትገልጽ ከለኻ፡ ዘለኻዮ ኩነታት ከም ዘይትደልዮን ዘይትቕበሎን ትገልጽ ኣለኻ።

ገኢኣቶም ንስምዒቶምን ንቓንዝኦምን ኣርሒቖም ስለ ዘቐምጥዎ፡ ክቕንዘው ከለዉ ክእመኑ ኣይኰነ ከለልይዎ ኣይክእሉን። እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ዝነቕሑ፡ ቃንዛኦም ክጻወርዎን ከመሓድርዎን ክሳዕ ዘይክእሉ ክውሕጦም ከሎ ዩ። ካብ ቃንዛ ምሕባእ ኩሉ ጊዜ ኣብ ውድቐት የብጽሕ። ብዛዕባ ሕማቕ ዕድላትካ ንኻልኦት ክትነቕፍ ምፍታን ናብ ዝገደደ ሽግር ይመርሕ።

ከምቲ “ምኽሮ ምኸሮ እምቢ እንተኢሉ ግና መከራ ይምከሮ” ከም ዝበሃል፡ ብዙሕ ጊዜ ንሕና ደቂ ሰባት ዝተነግረና ሓቒ ተቐቢልና ኣብ ክንዲ ምትግባር፡ ንሓቒ ንቕበል ብሰሪ ጌጋና ብዙሕ መከራ ምስ ሓለፍና ኢዩ። ገሊኣቶም መታን ክበራበሩ ሞ ዝሓሸ ካልእ መገዲ ከም ዘሎ ክስወጦም፡ ባይታ ክዘብጡ ኣለዎም። ኣብ ምኽሓድ (denial) ዘሎ ሰብ ክርኢ የዒንቱ ስለ ዝስወራ፡ የዕሩኽቱን መቕርብቱን ቓንዝኡን ቅልሱን ብግልጹ ይርእይዎ። ክሕግዝዎ ኢሎም ምስ ቀረቡ፡ ብዙሕ ምስ ደፍኦም የንሳሕቡ። ነገሩ ኸኣ ግርምቢጥ ስለ ዝኸውን፡ ከም ዝተሓድገን ዝተረጥረጠን ጌሩ ርእሱ ስለ ዝርእያ ቃንዛኡ ይገድድ።

ስምዒታዊ ክፍተት ዘለዎም ሰባት ግና፡ ጸገም ከም ዘለዎምን ቃንዛኦም ክእመኑ ኣይሓፍሩን ‘ዮም። ብዛዕባ ሓዘኖም ተኸፍቶም ክዛረቡን ክኣልይዎን ፍቃደኛታት ስለ ዝዀኑ፡ ካልኦት ክሕግዝዎም ኣፍደገ ይኸፍትሎም። ነገራት ዘይዕረን እናገደደ ዝኸይድ ምስ ዝኸውን ከኣ ይኺድ ክሓድግዎ ኣይሽገሩን። ‘ቲ ቅኑዕ ክገብሩ ድልዋት ስለ ዝዀኑ፡ ቃንዛኦም ሒደት ይኸውን።

  1. ምንጪ ዝጎድኣካ ፈለኻ ምፍላጥ

ኣብ ጎደና ሕውየት ዝጎድኣካ ‘ታይ ምኻኑ ፈሊኻ ምፍላጥ ወሳኒ ነጥቢ ዩ። ንጽገት ትፈርህ ተኼንካ፡ ዘሕረቐካ ሰብ ስሙ ክትሮቕሖ ትፈርህ። ዝጎድኣካ ክትእመን ከለኻ፡ ገበንነት ከይተሰምዓካ ሓርቖትካ ኣብ ግቡእ ምንጪ ጉድኣትካ ክትእንፍቶ ይገብረካ። ብኣንጻሩ ዘይተለለይ መጉዳእቲ ከምቲ ብዘይ ምኽንያት ዝሓርቕ ሰብ ሕማቕ ክስምዓካ ይገብረካ።

ንስምዒታትካ ሓላፍነት ምውሳድን ኣበይ ደረጃ ከም ዘለኻ ምፍላጥን፡ ኣገዳሲ ክፋል ሕውየት ዩ። ስምዒታትካ ብምግላጽካ ሰብ ክርሕቀካ ስለ ዝኽእል ድሉው ክትከውን ኣለካ።

ሰብ ክሳዕ ክንደይ ጎዲእካ፡ ስለ ገዛእ ርእስካ ደው ክትብልን ድምጽኻ ከተስምዕን ሓላፍነትካ ዩ። ቆልዓ ከለኻ ዓቕምኻ ሒደት ምኻኑ ፈሊጥካ፡ ዘፈራርሃካ ክመጽእ ስቕ ክትብል ምምራጽካ ምኽኑይ ‘ዩ። እኹል ምስ ኰንካ ግና፡ ፈሪሕካ ክትቅምርር ገዛእ ርእስኻ ከም ምኽሓድ ‘ዩ።

ሓላፍነት ገዛእ ርእስኻ ምውሳድ ከም ልምዲ ክሳዕ ትወስዶ፡ ከምኡ ምግባር ዘይስገር መሰናኽል ክመስለካ ይኽእል ‘ዩ። ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለውን ንኸምኦም ዝኣመሰሉ ነገራት ሓላፍነት ክትወስድ ኣለካ፡

ሰብ እናጎድኣካ ተጸሚምካዮ ስቕ ምባልካ

ዘየሕጉሰካ ቅድ ህይወት ምቕባልካ

ምስ ውሉፍ ኣልክሆል ወይውን ካልእ ወልፊ ዘለዎ ክትነብር ምፍቓድካ

ኣብ ስራሕካ ወይውን ዝምድናታትካ ምፍሻልካ

ተደጋጋሚ ጌጋ ምፍጻምካ

ዘይፍትሓውነት እናረኣኻ ስቕ ምባልካ

ዘይምዝራብካ

ይቕረ ሰኣን ብምባልካ ክትሳቐ ምምራጽካ

ብቅንዕና ገዛእ ርእስኻ ክትገልጽ ዘይምኽኣልካ

 

ይቕጽል………………………..