ስምዒታዊ ፈውሲ ዝስስነሉ ምርዳእ (2ይ ክፋል)

ብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል፡ ስምዒታዊ ፈውሲ ዝስስነሉ ምርዳእ ሰለስተ ነጥብታት ጠቒሰ ኣለኹ። ንሳቶም ከኣ ሓቒ ምንጋር፡ ከም ዝተጎዳእካ ምእማን፡ ምንጪ ዝጎድኣካ ፈሊኻ ምፍላጥ ዝብሉ ‘ዮም። ብምቕጻል ከኣ ‘ቶም ዝተረፉ ነጥብታት ክዝርዝር ‘የ።

  1. መጉዳእትኻ ምግላጽ

ሕውየት ዝጅምር ቃንዛኻ ምግላጽ ምስ እትጅምር ዩ። ከመይ ጌርካ ኢኻ ቃንዛኻ ትገልጽ፧

ብቀሊል፡ ቃንዛ ክሳዕ ዝፍለጠካ ከም ዝተጎዳእካ ተዛረብ

ብቀጥታ፡ ነቲ ዝጎድኣካ ሰብ ንገሮ

ብግሉጽ፥ ኣይትሕብኣዮ፡ ክትክሕዶ ኣይትፈትን፡ ግዲ ከም ዘይብልካ ኣይተምስል

ተኸፊትካ፡ ሓያል ከም ዝዀንካ ከተርኢ ምስ ሰባት ኣይትብኣስ ወይውን ክትቀጽዖም ኢልካ ኣይትፈትን። ከም ዝተጎዳእካ ጥራይ ተዛረብ። ንሱ እኹል ‘ዩ።

ብዘይ ፍርሒ፡ ነቲ ዝጎድኣካ ሰብ ምስ ነገርካዮ፡ ብድሕሪኡ ‘ቲ ሰብ ‘ታይ ይብልን ይገብርን ግድኻ ኣይኰነን። ፍርሒ ንጽገት ስቕ ክትብል ኣይግበርካ።

ናይ ሕሉፍ ቃንዛኻ፡ ካብ ናይ ሕጂ ቃንዛኻ ፈላልዮ። ናይ ሕሉፍ ጉድኣትን ስምዒት/ድንጋጸ ኣልቦ ብምዝካር፡ ኣሉታዊ ፍጻሜ ዘኪርካ ኣብ መንጎኻን ‘ቲ ካልእ ሰብ ኣይተቁሞ። ቅሓር ከም ዘለካን ክትጎድእ ኢልካ ከም ዝተለዓልካ ክመስል ስለ ዝኽእል፡ ንጉዳይካ ከዳኽሞ ‘ዩ።

ነቶም ስምዒታትካ ትገልጸሎም ዘለኻ ሰባት፡ ናይ ቀረባ ፈተውትኻ ምኻኖም ዘክር። ካብ ምፍጣጥ እንደገና ክሓውዩ (recover) ዕድል ክትህቦም ከም ዘለካ ፍለጥ። ስለዚ ብዙሕ ኣትጨቕጭቖም። ጉዳይካን ጥርዓንካን ኣፍሲስካ ንቅድሚት ሰጉም። ሓደ ነገር ምሒር ምግባር ግደፍ። ሓሳብካ ምስ ኣቅረብካ ኣተንፍስ። ነገርካ ከም ዘይፈጸምካ ዝመስለካ ተዀይኑ፡ ሕዱፍ ሓርቖት ኣብ ውሽጥኻ ስለ ዘሎ ‘ዩ። እዚ ኸኣ ናትካ ሓላፍነት ‘ዩ። ዝኣረገን ዝተጠጀአን ስምዒታት ከተፍስሶ፡ ጊዜን ቦታን ክትሓሪ ኣለካ። ጥበበኛ ኹን።

  1. ምግላጽ ስምዒታትካ ቀይዲ ግበረሉ
ብ ውሽጥኻ ዝተሰገደን ዝተደጎለን ስምዒታት እተፍስሰሉ መገዲ ኣናዲ። ናይ ግድን ክፈስስን ክከዓውን ኣለዎ። ካብ ብዓሚቕ ዝቐርቡኻን ክርድኡኻን ዝኽእሉ፡ ሓሊፍካ ምስጢርካ ክትነግር ምፍታን ግን ተመራጺ ኣይኰነን። ንነገራት ስለ ዝሓላልዀ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ክበዝሕ ተኽእሎ ኣሎ። ብዛዕባኻ ዀነ ጉዳይካ ተገዳሳነት ዘይብሎም፡ ክርዱእካ ዘይደልዩን ዘይፍትኑን፡ ኣብ ጉዳይካ ዘይረብሑ ሰባት ክትተዃቱዀምን ከተለዓዕሎምን ትኽእል ኢኻ። ስምዒታትካ ክትገልጽ ከለኻ ፈተውትኻ ምሳኻ ክሰርሑ ዝሽግሮም ተዀይኑ፡ ብሩሑቕ ትፈልጦም ሰባት ክዕገሱኻን ክጾሩኻን ተኽእልኦም  ንእሽቶ ‘ዩ።

ሰባት ስምዒተ-ኣልቦ፡ ድንዙዛት፡ ኰይኖም ክስምዑኻ ኸለዉ ትናወጽ ተዀይንካ፡ ከም ሕቆ ጎብየ ዋልታኻ ረጊድ ኣይኰነን። መከላኸሊኻ ብግላዊ ጸገምካ ላሕሊሑ ከም ዘሎ የመልክት። ጉዳይካ ምስ ፈተውትኻ ፈቲሕካ ተወዲእካዮ፡ ብቕዓት ብዝጎደሎ ዝተሓናፈጸ ባህርይ ብዘለዎ ዳንደ ኣይክትናወጽን ኢኻ።

ኣብ ስራሕካ ምስ መሳርሕትኻ መጉዳእትካ ኣይትግለጽ። ክትቕልዖ ዘለካ ናይ መጨረሽታ ቦታ ኣብ ስራሕካ ዩ። ሰባት ከም ድኹም፡ ሞያዊ ስነ ምግባር ዘየንጸባርቕ ሰብ ጌሮም ክቖጽሩኻ ስለ ዝኽእሉ፡ ተመሊስካ ክትጉዳእ ኢኻ። ኣብ ዝዀነ ኩነት ስምዒታዊ ዋዕዋዕታ እንተፈጢርካ፡ ተወሳኺ ጸገም ኢኻ ትፈጥር። ኣስጋኢ ሰብ ጌሮም ሰባት ክርእዩኻ ተኽእሎ ኣሎ። ስለዚ ምስ መን ነገርካ ተፍስስ ምፍላጥ ምስትውዓል ዝሓትት ጥበብ ዩ።

ኣብ ኣደባባይ ወጺኻ ብዛዕባ ነገርካን ስምዒታትካን ክትነግር ትብዓት ክጎድለካ ይኽእል ዩ። እዚ ኸኣ ነውሪ ኣይኰነ። እንተወሓደ ምስ ‘ት ኣምኖ ሰብ ጉዳይካ ኣፍስስ። ልዕሊ ኩሉ ኸኣ ፈጣሪ እሙን ዓርኪ ምኻኑ ኣይትረስዕ።

  1. መሓሪ ኹን

ሕረት” ክትገብር ተዘይወሲንካ ኣይክትዓብን ኢኻ። ምሕረት ምግባር ማለት መጉዳእትኻ ይኺድ ምሕዳግ ማለት ‘ዩ። ብዙሓት ሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝተጎድኡ ንዓለም መታን ከርእዩ፡ ቃንዛኦም ኩሉ ጊዜ ህልዊ ይገብርዎ። ዓለም ኣብ ሕጂ ከተብርክቶ ትኽእል ወለሓደ እጃም የለን። ብዛዕባ ሕሉፍ ቃንዛኻ፡ ግዲ ከም ዘይብላ ኣይትረስዕ። ቃንዛኻ ኣትዒትካ ክትሕዞ ከለኻ፡ ኣስተማሰሊ ብምዃን ንብቅዓትካ ክብክሎ ዩ።

መጉዳእትኻ ይኺድ ክትሓድጎ ከለኻ፡ ሓድሽ ነገር ንምቕባል (acceptance) ኣፍ ደገ ትኸፍት ኣለኻ። ኣብ ሕጂ ናጻ ኬንካ ንኽትነብር፡ ቃንዛኻ ብምልቓቕ ጾርካ ከተራግፍ ምረጽ። ኣብ ሕሉፍ ኣባኻ ዝወረደ ክትቕይሮ ወይ’ውን ከተዕርዮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ዝጎድኡኻ ሰባት ምሕረት ክትገብረሎም ከለኻ ግና ንዓኻ’ዩ ዝሕሸካ።

“ምሕረት” ጌርካ ማለት ምስቶም ዝጎድኡኻ እንደገና ክትመሓዞ ኣለካ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ሕሉፍ ዝተጎዳእካዪ መጉዳእቲ፡ እንደገና ክጎድኣካ ዘይምፍቃድ ማለት ‘ዩ። እዚ ኸኣ ዓቢ ስጉምቲ ‘ዩ። ንስኻ ብምሕጓስካን ኣብ መጉዳእትኻ ብምዕዋትካን፡ ንዝጎድኡኻ ዕረፍቲ ክፈጥረሎም ይኽእል ‘ዩ። ቀደሙ’ውን ጠቒምናዮም ‘ምበር ኣይጎዳእናዮን ክብሉ ይኽእሉ ዮም። ዝህብዎ ግብረ መልሲ ብዘየገድስ፡ ንስኻ ግና መጉዳእትኻ ይኺድ ትሓድጎ ክትመርጽ ኣለካ።

ከም ዝጎድኡኻ ከተርኢ ኢልካ ንመጉዳእትኻ ተሒዝዮ፡ ህይወትካ ብኸንቱ ተባኽን ከም ዘለኻ ፍለጥ። ሰባት ይቕሬታ ክሳዕ ዝሓቱኻ ትጽበ ተዀንካ፡ ብዙሕ ክትሳቐ ኢኻ። ሰባት ጽቡቕ ክሳዕ ዝገብሩልካ ብምጽባይ፡ ንጥዕናኻ ከተደናግዮ የብልካን። ምሕረት ጌርካ ንቕድሚት ክትመጣጠር ግዚኡ ዩ።

  1. ሓላፍነት ምውሳድ
ጉዳእትኻ ምቅባል (accept) ‘ቲ ዝኸበደ መሳልል ሕውየት ዩ ተበልና ምግናን ኣይኰነን። ዝጠፍኣካን ዝወረደካን ቅድሚ ምቅባልካ፡ ብክውነንት (ብዝዀነ) ክትሳቐ ንቡር እዩ። ክውን ነገር ክትክሕዶ ብምፋታን፡ ክትእመን ክኸብደካ ይኽእል ‘ዩ። ኣብ ገዛእ ርእስኻ ቃልሲ ይበዝሓካ። ሰባት ምግዳስ ከም ዝገደፍዎ ብንጹር እናረኣኻ፡ እንደገና ሓልዮቶም ከተስተማቕር ትፍትን። ተስፋኻ ህያው ክትገብሮ ብምድላይ፡ ዘቀንዝው ክውንነት ንጎኒ ክትገድፎ ትፍትን።

ምስ ክትቕይሮም ዘይትኽእል ሓደሽቲ ክውነንት ክትነብር ክትመሃር ክትፍትን ከለኻ፡ ነገርካ ስለ ዝተቐበልካዮ ‘ዩ። ትፈትዎ ብሞት ክፍለየካ ከሎ፡ ነዚ ክውንነት ተቀቢልካ፡ ምስ ክትመልሶ ዘይትኽእል ሓቒ ክትነብር ተደሊኻ፡ ‘ቲ ዝዀነ ክትቕበሎ ኣለካ። ትፈትዎ ብሞት ምስ ተፈለየካ፡ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ተዀነ፡ ብዘይተጸበኻዮ ቓንዛ ንውሽጥኻ ክወግኣካ ይኽእል ‘ዩ። ዝጠፍኣካ ምሉእ ብምሉእ ክትሓዝነሉ ዘይትኽእል ምኻንካ ኣይትዘንግዕ።

ዝተበከለ ሕሉፍ ተዘክሮ፡ ፍሉጥ ባህርይ መገዲ ሕውየት ‘ዩ። ኣብ ሕሉፍ ዝጠፍኣካ፡ ጸጸኒሑ ስምዒትካ ከለዓዕል ከሎ፡ ልብካ ክትምርምር፡ ምስ ኩነታትካ ክትትዓረቕ፡ እንደገና ጽቡቕ ኣጋጣሚ ትረክብ ከም ዘለኻ ኣይትዘንግዕ። ናይ ሕውየት መስርሕ ብኸምዚ ከም ዝሰርሕ ተፈሊጥካን ተተቐቢልካዮምን፡ ቃንዛኻ ናብ ግዳም ክቕልቐል ከሎ ኣየገርመካን ጥራይ ዘይኰነ፡ ደሓን ምኻንካ ርጉጽነት ይፈጥረልካ። ሕሉፍ ዝጸንሐ ቃንዛ ኣይተወግዶ። ተዓጊስካ ተኸታተሎ። እንደገና ንዝተመልሱ ስምዒታትካ፡ መሊስካ ንኽትቅበሎም ጽቡቕ መገዲ ምኻኑ ንርእስኻ ኣዘክራ።