መገዲ እቲ ዓማጺ

“ኣብ ጸልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፡ ኣብ እዝንኹም ዝሰማዕኩምዎ ኸኣ ኣብ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ።”

መጽ” ኣብ ኩሉ ጽፍሒ ህይወት ክርአ ተኽእሎ ኣሎ። ካብቶም ኣዚና ንቐርቦምን ንኣምኖምን ወለድናን ኣዝማድናን ክጅመር ይእኽል። ካብኡ ሓሊፉ ካብ ጎረባብትናን የዕርኽቱናን። ካብቶም መገዲ ኣምላኽ ከርእዩና ኢልና ልብና ዝኸፈትናሎም መራሕቲ ሃይማኖት’ውን ክወርድ ከሎ ዘስደምም’ዩ። ካብቶም ክመርሑና ክሕልውና ንድሕንነትና ክሓስቡ ዝሸምናዮም ወኪል መንግስቲ ክወርድ ከም ዝኽእል ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ንሕክምና ምልኣት ኣካላትናን ክፍተት ስምዒትናን ምስ እንህብ’ውን፡ ኣለይቲ ጥዕና ክዕምጹና ስለ ዝኽእሉ ኩሉ ጊዜ ክንጥንቐቕ ጽቡቕ’ዩ። ካብ በዓል ቤትና ወይ’ውን በዓልቲ ቤትና ክወርድ ስለ ዝኽእል፡ ዶባትና ውሑስ ክንገብሮ ኣለና።

እዚ ንዛረበሉ ዘለና “ዓመጽ“፡ ስምዒታዊ፡ ኣካላዊ፡ ጺታዊ፡ ፋይናንሳዊ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ፡ ቤታዊ; መንፈሳውን ካልእን ክኸውን ይኽእል። ዓቐኑን ቅርጹን ይፈላለ እምበር፡ ኣብ ኣካላትና፡ ስምዒታትና፡ ስነ ኣእምሮና ዝገድፎ ማህሰይቲ፡ ቁስሊ፡ ከቢድ ‘ዩ። ኣብ ኣተኣላልያኡ ኣብ ድሕረ ባይታን ተምክሮን ‘ቲ ሰብ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ዝህልዎ ደገፍ ቤተሰብን ሕብረተሰን ዝውሰን እንተዀነ፡ ብግቡእ መስርሕ ሓሊፉ ናብ ፈውስን ሚዛናዊ ኣጠማምታ ክመጽእ ኣለዎ።

ዓመጽ“፡ ስምዒታዊ፡ ኣካላዊ፡ ጺታዊ፡ ፋይናንሳዊ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ፡ ቤታዊ; መንፈሳውን ካልእን ክኸውን ይኽእል

ዝተዓመጸ ፍትሒ ከይረክብ፡ ናብ ሕውየት ከይፈልቕ ዓንቃጺ ካብ ዝዀኑ ሓደ፡ “ምስጥራውነት” ‘ዩ። ዝተዓመጸ ነገሩ ከም ምስጢር ጌሩ ክሕዝ ዝፍትነሉ ምኽንያት ብዙሕ’ዩ። እዚ ኸኣ ናብ ዝገደደ ስምዒታውን ስነ ኣምሮኣውን ጸገማት ስለ ዝሸሞ፡ ዝነበሮ ዝምድና ተበላሽዩ፡ ካብ ሰቡ ተፈልዩ ኣብ ናይ በይኑ ዓለም ክነብር ይቕሰብ።

ዝተዓመጸ ብዛዕባ ዝዀኖን ዝወረዶን ከይዛረብ ካብ ዝኽልክሎ ሓደ፡ “መገዲ ‘ቲ ዓማጺ” ‘ዩ። ዓማጺ ሰብ፡ ዝገበሮ እኸይ ግብሪ ከይቅላዕ እሞ ከይሓፍርን ከይዋረድን፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ከም ምስጢር ጌሩ ክሽፍኖ ይፍትን።

ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ካብቶም ጥቓና ዘለዎ ነፍቕሮም መቅርብና፡ ክሳብ ኣብ ስልጣን ዘለው ሰባት፡ ብዙሕ ዓመጽ ክወርድ ርኢና ኣለና። ናይ ገለ ሰባት ሕልና ንምሕላው፡ ናይቶም ንፈልጦም ሽም ክይጠቐስና፡ ካብቲ ኣብ ኣእዛን ኩልና ልሙድ ዝዀነ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ተበጊስና፡ ነዚ ሓሳብ ክንርእዮ ክንፍትን ኢና።

እኩይ ተግባብሮ ንጉስ ዳዊትን የሕዋት ዮስየፍን

ንጉስ ዳዊት ብዙሕ  ዝነኣደሉ ተግባራትን ባህርያትን ነይርዎ’ዩ። ኣብ ህይወቱ ካብ ዝገብሮ ዝዓበየ ዕንወት ዘምጽኣሉ ግና ኣብ ባትሴባን በዓል-ቤታን ዝገበሮ ዓመጽ ‘ዩ። ምስ ዝነበሮን ስልጣንን ሽመትን፡ ዝደለዮ ክገብርን ክረክብን ዝኽልክሎ ሓይሊ ኣይነበረን። ስልጣኑ ብግቡእ ስለ ዘይተጠቐመሉ፡ ትምኒት ከኣ ነዒንቱ ስለ ዘዖረን፡ “ጾታዊ ዓመጽ” ምፍጻሙ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዝፈጸሞ ዓመጽ ንምሽፋን ዝኸዶ መገዲ፡ ኣብ ህይወቱ ኰነ ስልጣኑ ዝዓበየ ዕንወት ኣምጺኡ።

ሰብኣይ ከም ዘለዋ፡ ሰብኣያ ኸኣ ኣብ ውግእ ተሰሊፉ ከም ዘሎ እናፈለጠ፡ ትምኒቱ ንምርዋይ ልማኖኣ ኰነ ስምዒት ሰብኣያ ክርዳእ ከይፈተነ ምስ ባትሴባ ደቒሱ። 2ሳሙ11 ስቕ ኢላ ‘ዶ ሕራይ ኢላቶ ትኸውን፧ ንጉስ ዳዊት ከ ፍቓዳ ሓቲቱ ዶ ይኸውን፧ እንታይ ኢሉ ኣገዲድዋን ኣፈራሪህዋይን ይኸውን፧

የሕዋት የስዮፍ’ውን፡ ሓዎም ሞጎስ ስለ ዝረኸቦ ቀኒኦም፡ ኣብ ልዕሊ ሓዎም ብጉርሒ ብምልዓል፡ ብንእሽቶ ገንዘብ ንባርነት ሸይጠሞ። እኩይ ተግባሮም ከይገሃድ ከኣ፡ ሰይጣናዊ ጥበብ ምሂዞም። ቃልዕ ኰይኑ ስለ ዝረኸብዎ፡ ሓዎም ብንብዓት እናለመኖም፡ ኩሎም ተዛርዮም ኣጥቒዖሞ። ዘፍ 37

ካብዚ ክልተ ታሪኽ ተበጊስና እምበኣር ኸኣ፡ “ዓማጺ” ዝፈጸሞ ዓመጽ ከይግላህ፡ ዝጣበቦ ሰይጣናዊ ጥበብ ክንርኢ ኢና

1. ነገሩ ብ “ብምስጢር” ምሓዝ (secrecy)

ንጉስ ዳዊት ዝኸዶ መገዲ እንተርኢና፡ ስልጣኑ ተጠቒሙ ሰብኣይ ዝነበራ ሰበይቲ ዓሚጹ። ብሕቡእ ኸኣ ንቤታ ሰዲድዋ። ጸኒሓ ከም ዝጠነሰት ምስ ነገረቶ፡ ንሰብኣያ ካብ ቅድመ ግንባር ኣምጺኡ፡ ገና ጊዜ ከሎ ምስ ሰበይቱ ክድቅስ እሞ እቲ ቆልዓ ካብ ሰብኣያ ከም ዝዀነ ከምስል ፈቲኑ። ሰብኣይ ‘ታ ሰበይቲ ብቅንዕናኡ ናብ ቤቱ ምኻድ ምስ ኣበየ፡ ነቲ ምስ ኣእምሮኡ ከሎ ክገብሮ ፍቃደኛ ዘይኰነ፡ ርእሱ ምስ ስሓተ ክገብሮ ተስፋ ብምግባር፡ ኣስኪሩ ዝደለዮ ከግብሮ እሞ ምስጢሩ ክዕቐበሉ ፈቲኑ። በዚ’ውን ከም ዘይሰለጦ ምስ ረኣየ፡ ናብ ብርቱዕ ውግእ የእትዩ ከም ዝመውት፡ ዝገብሮ ምስጢር ከኣ ከም ዝዕቕበር ጌሩ። እዚ ኹሉ ዝገበረ፡ ስልጣኑ ብዘይ ግቡእ ስለ ዝተጠቐመ’ዩ።

የስዮፍ ናብ ኣሕዋቱ ናብ በረኻ ዶታን ምስ መጸ፡ ክዳኑ ቀንጢጦም፡ ማይ ኣብ ዘይብሉ ጉድጓድ ደርቤሞ። ሓዎምን ስጋኦምን ምኻኑ እናፈለጡ፡ ንባርነት ሸይጠሞ። እዚ ኸኣ ርሕራሔ ዝጎደሎ ጨካን ተግባር’ዩ። ዝገበርዎ ሕሱም ውሳኔ ንምሽፋን ኸኣ፡ ዝገፈፍዎ ቀምሽ ኣብ ደም ወጠጦ ጠሊቖም፡ ነብኦም ኣራዊት ከም ዝበልዖ ጌሮም ኣእሚኖሞ። እዚ ኹሉ ኸኣ ዓመጻኦም መታን ከም ምስጢር ክተሓዘሎም’ዩ።

ሰብ ስልጣኑ ወይ’ውን ሓይሉ ተጠቒሙ ክዕምጽ ኣጓኒፍካ ይፈልጥ’ዶ፧ እስከ ሕሰብ እሞ፡ ንዝዓመጾ ንምሽፋን እንታይ ጥበብ ተጣቢቡ ይኸውን፧ ተግባራቱ ዝፈልጡ ቐቲልዎም፧ ንማሰርቲ መጢውዎም’ዶ ይኸውን፧

2. ከይዛረቡ ብ” ምፍርራህ” (silencing)

እዚ ካልኣይ መገዲ ምስቲ ቀዳምይ ዝመሳሰል ኰይኑ፡ ዝፈልዮ ነገር እንተሃልዩ፡ ነቶም ምስጢሩ ዝፈለጡ ክቐትሎምን ከሳስድዶምን ኣየድልን ‘ዩ። ምስኡ ከለው ብምፍርራህ ከይዛረቡ ይገብሮም። ንምሳሌ፦ ዓማጺ በዓል-ቤት ንዝዓመጻ በዓቲ ቤቱ ንፈተውታ ወይውን ኣብ ቤት ፍርዲ ከይዳ ነገራ ከይተፍስስ፡ ክቐትለኪ እየ ወይ’ውን ንደቅኺ ኣይክትርእዮምን ኢኺ ወይ’ውን ካባይ ሓንቲ ኣይትረኽብን ኢኺ ብምባል፡ ኣፈራሪሁ ስቅ ከብላ ክፍትን ይእኽል’ዩ።

ዝተዓመጹ ኣቆልዑት መብዛሕትኡ ጊዜ ንስድራኦም ከይነግሩ ካብ ዘፍርሆም ሓደ፡ ‘ቲ ዓማጺ እንተነጊርካ “ከጥፍኣካ” “ክቐትለካ” እየ ብምባል ስለ ዘፈራርሆም’ዩ።

ኣብ ስልጣን ዘለው እንተዀነ “ክንቐትለካ ኢና” “ክንኣስረካ ኢና” “ንስድራኻ ከምዚ ክንገብሮም ኢና” “ንብረትካ ክንግብቶ ኢና” “መሰል ኣይክህልወካን’ዩ” “ንስምካ ክንጥቕኖ ኢና” ካልእን ብልሓታት ክጥቐሙ ይፍትኑ እዮም።

መራሕቲ ሃይማኖት እንተዀኑ ግብሮም መታን ከይቓላዕ፡ ዘረባ ኣምላኽ ዘምስል፡ ኣብቶም መራሕቲ እንተተዛሪብካ “ክትርገም ኢኻ” “ኣይሰልጠካን እዩ” “ኣብ ፈጣሪ ትዕምጽ ኣለኻ” ብምባል፡ ምእመናኦም ከይዛረብ የፈራርሁ።

ንስኻትኩም ከኣ ዝተፈጸመ ዓመጽ ኣብ ኣደባባይ መታን ከይዝረብ እንታይ ምፍርራህ ገጢምኩም ይፈልጥ፧

3. እቲ ጌጋ ናይቲ ዝተዓመጸ ሰብ ከም ዝዀነ ከእምኑ ብምፍታን (guilt feeling)

እዚ መገዲ እዚ ንዘስተውዕሎ ረቒቕ ‘ዩ። ኣብ ባህሊ ሕብረተ ሰብ ከኣ ተጸናቢሩ ንረኽቦ።

ክንደይ ሰብ ኰን ንባትሴባ እምቢ እንተትብሎ ኣይመገደዳን: ዋላ ይቅተላ እምቢ ዘይትብሎ: ንሳ’ኸ ኣብ ቃልዕ ኣካላታ ትሕጸብ ስትር ዘይትብል: ከምዚ እንተዘይክደና ኣብ የዒንቲ ደቒ ተባዕትዮ ኣይምኣተዋን: ቤታ ብደምቢ እንተተመሓድር ሰብኣያ ኣይምተንከፋን: ደይ ‘ቲ ሰብ ‘ዩ ኣብ ስልጣን ዘለው ዘሽብዖም እምበር ንሳቶም እንታይ ጌሮም: እንታይ እሞ ይኽፈሉ ኰይኖም: ካልእን ምኽንያታት ይስምዓ’ዩ።

ኣብ መገዲ ብዘይደለየቶ ንዝተዓመጸት ጓል ኣንስተይቲ፡ ክንደይ ጊዜ ኰን ናታ ጌጋ ከም ዝዀነ ብሕብረተሰብ ተዘሪብላ ይኸውን፧ እታ ዝተዓመጸት ‘ውን ገበንነት ተሰሚዕዋ ርእሳ ከም እትነቅፍ ብዙሕ ይንገር’ዩ። እንታይ እሞ ዘይገበረት። ዘይተጸበየቶን ዘይጸወዓቶን ወሪድዋስ ናትኪ ጌጋ’ዩ ክንብላ፧ ኣይግድን።

የሕዋት የስዮፍ እንተዝሕተቱ፡ ኣፉ ዘይሕዘልና: ብሓቒ’ዶ ንዓና ክገዝኣና፧ ንሕና ኸኣ ክንሰግደሉ ሓሲቡ’ዩ፧ ኣቦና እንተዀነ ኣሽቢዕዎ፧ ብምባል ምኽንያት ክህቡ እንተዝፍትኑ፡ ዝገበርዎ ምኽኑይ ምገበርናዮ’ዶ፧

ኣብ ማሕበር ኣምላኽ እንተዀነ፡ ዝተገብረ ጌጋ ንግዳም ስለ ዘጋለጹ እሞ ስለ ዝተነጸሉ፡ ክንደይ ጊዜ ኰን ትሕት ዘይብሉ: እንታይ ገዲስዎም ባዕሎም ኣብ መከራ ዝኣትዉ: እናበልና ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ጌጋ ከነሸክሞም ፈቲና ንኸውን፧

 ዘይቕላዕ ክዱን፡ ዘይፍለጥ ስውር ከኣ የልቦን

ተመክሮ ዝምህረና ሓቒ እንተሃልዩ ዘይቅላዕ ክዱን፡ ዘፍለጥ ስዉር የልቦን። እንተሓጺሩ ወይስ ነዊሑ፡ ዝተፈጸመ ዓመጽ ይቅላዕ’ዩ። ብፍላይ ካብ ፈጣሪ ዝሕባእ ስለ ዘየለ፡ ንኹሉ ከከም ግብሩን መገዱን ይፈድዮ። ኣብ ሕቡእ ዝተገብረ፡ ናብ ብርሃን የውጽኦ። ክይፍለጥ ዝተሸፈነ፡ ኩሉ ከም ዝርእዮን ዝሰምዖን ይገብር።

ዳዊት ዝገበሮ ንኽግለጽ ጊዜ ኣይወሰደን። የሕዋት ዮስዮፍ ዝገበርዎ ዓማጽ ንኽገሃድ ግና 13 ዓመታት ወሲዱ። ኣነ ብወገነይ ትዕግስተ ቀልጢፉ ስለ ዝፍተን፡ ክሳዕ ክንደይ ክጽበ ከም ዝኽእል ኣይፈልጥን።

ልዑል ፈጣሪ ንኹሉ የረኻኽበሉ ስለ ዝዀነ፡ ምስ ጊዜ ኸኣ ዘይቅላዕ ምስጢር ስለ ዘየለ፡ ኢድና ኣጣሚርና ስቅ ኢልና ንጸበ፧ ያእ ኣይፋልናን። ዝረኣናዮ ኣባና ይኹን ኣብ ካልኦት ዝወረደ “ዓመጽ” ንምዝራብ ደኣ ኣፍና ክንከፍት ኣለና። ኣብ ካልእ ከይድገም፡ ኣቐዲምና መገዲ ክንጸርግ ኣለና።

ኣብ ጸልማት ዝነገርኹም፡ ብብርሃን ተዛረብዎ። ኣብ እዝንኹም ዝሰማዕኩሞ ከኣ ኣብ ናሕሲ ወጺኹም ተዛረብዎ፡ ዝብል ወርቓዊ ሕጊ ኣለና። ኣባይ ኣይበጽሕን’ዩ፡ ወይ’ውን ዝልውጦ ነገር የልቦን ኢልና ስለ ዝሓሰብና ስቕ እንተኢልና፡ ንዓማጺ ዝገበሮ መሊሱ ክዕፍሮ ቦታ ንገድፈሉ ኣለና። ብዛዕባ ካልኦት’ውን ሓልዮት ከም ዘይብልና’ዩ ዘርኢ።

ፍትሒ መታን ክነግስ፡ ኣብቶም ዝተዓመጹ ኸኣ ፈውሲ መታን ክኸውን፡ ዝተፈጸመ ዓመጽ ንግዳም ክወጽእ ኣለዎ። ዝተዓመጸ ድምጹ ዘስምዓሉ መድረኽን ባይታን ክህሉ ኣለዎ። ትብዓት ዝሰነቑ፡ ቃንዛ ሕብረተሰብ ግዲ ዝብሎም፡ ኣብ ሕቡእ ዝተገብረ ዓመጽ ንግዳም ዘቓልዑ፡ ነፋሕቲ ፋጻ (whistle blowers) ክህልዉና ትዕድልቶ’ዩ።

ዓው ኢልና ክንዛረበሉ ዝግብኣና ታሪኽ ክህልወካ ናይ ግድን ‘ዩ። እሞ ብዛዕባኡ እንታይ ትህቦ ምላሽ ኣሎ፧