ኣድጊ ከማን ኣፋ ከፊታ እተዛረበት

(ዘሁ22:28)
ኣታ ወዲ ሰብ ተዛረብ ደኣ እምበር ስቕ ኣይትበል!

ድጊ’ዶ ተዛሪባ! እንታይ ደኣ’ሞ፣ ምስ ተመረረት፣ መግረፍቲ ምስ በዝሓ ተዛሪባ እወ። ንብዙሕ ዓመታት እኳ በሃም እንተነበረት፣ ሕጂ ግና ኣምላኽ ስለ ዝረድኣ፡ ኣፋ ድማ ስለ ዝተኸፍተ ተዛሪባ። ኣብ ክንዲ ብቅንዕና ደኺመ ከይበለት፣ ጽምእን ጥሜትን ተጻዊራ ዘገልገለት፣ መግረፍቲ ተገቢእዋ፧

ጎይትኣ ፍትሓዊ ስለ ዘይነበረ፣ እሞ ኸኣ ስለ ዝዓመጻ፣ ኣፋ ከፊታ፣ “ኣብ ክንዲ ዘገልገልኩኻ ንምታይ ትዘብጠኒ ኢላ” ሓቲታ። እዚ ሕቶ ኸኣ ብኹሉ ሽነኹ ቅኑዕ’ዩ። ዝተዓመጸ ዘበለ ክሓቶ ዘለዎ ኣገዳሲ ሕቶ ኸኣ ‘ዩ።

ጎይታኣ ‘ውን ስለ ዘይተጸበዮ፣ ዘይለመዶ ኰይንዎ፡ ስምብድ ኢሉ። ክትዛረብ ኣይተጸበየን ጥራይ ዘይኰነ፣ ክትዛረብ ኣየፍቅደላን ‘ዩ። ጎይታኣ ዝጠልቦ፡ ኩሉ ግዜ ዝተባህለቶ እናተኣዘዘት፣ መሰላን ዝግብኣን ከይሓተት ስቅ ኢላ ክትግዛእ’ዩ። ብሓቒ ሕሱም መላኺ ‘ዩ ነይሩ እንተበልና ምግናን ኣይኰነን። ግና ክሳዕ መዓስ እሞ?

ብፍላይ ዝግብኣ እናገበረት፣ ካብ ዝተባህለቶ ዘየጉደለት ክነሳ፣ ስቅ ኢላ ክትዝበጥ፧ ኣብ ላዕሊ ዘሎ፡ ናይ ኩሉ ገዛኢ’ውን ኣየፍቅድን ‘ዩ። ከምቲ ዝገበረቶን ዝዀነቶን፣ ብሓቂ ክብረትን ዕረፍትን ምተገብኣ። ከምቲ ዓመታት ዘገልገለቶ፣ ሽመትን ካዕበት ዓስብን ክዕደላ ነይርዎ። ጎይተኣ እንደ እሞ ዓመጸኛ፣ ዘይፍትሓዊ፡ ስሱዕ ኰይኑ።

ህርፋን ገንዘብ ነዒንቱ ስለ ዘዖረ

እዚ ፍጻሜ በልዓም ናብ ባልቅ ክኸይድ ከሎ ዝዀነ ነገር ‘ዩ። ክኸይድ እዃ ዘይተፈቅደሉ ክነሱ፣ ዓመጸኛን ህሩፍን ስለ ዝነበረ’ዩ። ንኣምላኽ ከኣ ኣብ ሓሳቡ ከየቋጸረ፣ በቲ ስሱዕ ትምኒቱ ተደሪኹ፡ ናብቲ ጥቅሚ ዝረኽበሉን ሃብቲ ዝድልበሉን እናገስገሰ ዝዀነ ኣገራሚ ኩነት።

ናይ መገዱ ዕላማ ሃብቲ ንምኽዕባት ‘ዩ ዝነበረ። የዋህ ኣድጊ ከኣ መጋብሮ ክትከውን ተቐሲባ። ዋላ ‘ኳ ከምኡ ምኻኑ እንተፈለጠት፣ ብዙሕ ዓመታት ተዓጊሳ’ያ። በቲ ሓደ ወገን ምግልጋል ግቡኣ ጌራ ስለ ዝወሰደቶ፣ በቲ ካልእ ከኣ በሃም ስለ ዝነበረተን ብኣፋ ስለ ዝተታሕዘትን ‘ዩ።

ክትዛረብ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። እንተኸፊእዋ ወይስ ጥዒምዋ፣ ዝግብኣ ረኺባ ወይውን ስኢና፡ ኩሉ ኣብ ውሽጣ ምግባር ተለማሚዳ ‘ያ። እንተትዛረብ’ውን ዝጽበያ ሃጽፊ እንታይ ምኻኑ ርግጸኛ ኣይነበረትን። ዝኸፍአ መግረፍቲ’ውን ክወርዳ ይኽእል ነይሩ’ዩ። እንኰ መግለጺ ምረታ ንብዓት ጥራይ’ዩ ነይሩ።

እዚ ኹሉ ዓመታት ኸምዚ ኸምኣ ዝበላ ክዕመጻ፣ ውሉዳ ካብ ሕቑፍኣ ክውሰዱ፡ ስቅ ኢላ ካብ ምርኣይ ሓሊፋ ትገብሮ ኣይነበራን። ስለ ዝዀነ ንብዓት ካብ የዒንቲ ኣድጊ ኣይፍለይን ‘ዩ።

እንተ ሕጂ ግና ኩሉ ተወዲእዋ፣ ናይ ውሽታ ተጸንቒቑ፣ ዝወረደት ትውረት ክትዛረብ መሪጻ፣ ንምታይ ትገርፈኒ ኣለኻ?” ኢላ ድማ ሓቲታ።

 ኣብ ምዝራብ ዝርከብ ፍትሒ

እዋእ እንቛዕ እባ ኣፋ ከፊታ ተዛረበት። መሰል ገዛእ ርእሳ ባዕላ እንቋዕ ሓተተት። ስለ ዝተዛረበት እኳ ደኣ “ጽላለ እቲ ነብዮ ዓገተት” ተባሂሉላ። ዝገብሮ ዝነበር ከኣ ከም ጽላለ ተቆጺሩ፧ ምዃን ደኺመ ከይበለ፡ ለይትን መዓልትን ንዝተገዘኣካ፡ ካብ ምዝባጥ ዝዓበየ ካልእ ጽላለ እንታይ ክህሉ ኢሉ።

ንዘመዛዝን ኣእምሮ ንዘለዎ፣ ከምቲ ‘ታ ኣድጊ ዝገበረቶ ካልእ ምተገብኣ። ዝገዝኣ ዝነበረ ዓመጸኛ፣ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ጽላለ ዘድሃበሉ ስለ ዝነበረ፣ ምስክነይቲ ኣድጊ ካብ ዕረፊ መግረፍቲ፣ ካብ ብልዒ ስተዩ ድማ ጥሜት ኰይኑ ዓስባ። ብዃ እዃ ኣቐዲማ ተዛሪባ። ሰኣን ምዝራብ እዩ እዚ ኹሉ ኣደራዕ፧

ናይ ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ። እንቛዕ ከኣ “ጽላለ” ብምዝራብ ከም ዝዕገት ተማህረት። ድሕሪ እዚ ኩሉ ዓመታት፣ ንየዋህ ኣድጊ ዓቢ ትምህርትን ተመክሮን ‘ዩ። ዝግበኣካ እናገበርካ ክነስኻ፡ እናተገረፍካ ስቕ ምባል፡ ንጽላለ ገራፍን ዓማጽን መሊስካ ምጉህሃርን ምግዳድን ምኻኑ ዓቢ ትምህርቲ’ዩ።

ኣድጊ እንተተዛሪባስ፡ ዝተዓመጸ ሰብከ ደኣ፧

እሞ’ኸ ደኣ በሃም ኣድጊ ክትዛረብ ብፈጣሪ ካብ ተፈቅደላ፣ ተዛሪባ ድማ ጽላለ ዓመጸኛ ገዛኢኣ ካብ ዓገተት፣ እቲ ብተፈጥሮ ናይ ምዝራብ መሰል ዝተዋህቦ ሰብ ደኣ ክሳብ ክንደይ ክዛረብ ዘይግብኦ፧ ክዕመጽን ብዘይግባእ መገዲ ክጉዕጸጽን ከሎ ክዛረብ ክፍቐዶ የብሉን? ወይስ ከም በሃም ኣድጊ ዝወረዶ ኣደራዕ ተሸኪሙ ስቕ ይበል፧

መሰረታዊ መሰሉ ክገሃስን፣ ብኸምኡ ዝበለ መዋቲ ሰብ ከም ዘይሰብ ኰይኑ ክዋረድን ከሎ፣ ከም በሃም እንስሳ ስቕ ምባል ከም “ነውሪ” ክቑጸር ኣለዎ። ኣይኰነን ንከም ብምስሊ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ፣ ስለ እዘን መንፈስ ዘይብለን መፈጻምታአን ኣብ ምድሪ ዝዀነ እንስሳ ከማን ሰብ ኣፉ ከፊቱ ዝጣበቅ!

ዓቅሚ ዘይብሎም ቆልዑን ደቀንስትዮን፣ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣዴታትን ኣቦታትን ክዕመጹ ከለው፣ ኣጉባዝ ድማ ብዘይፍቃዶም ብምፍርራህ ኣንጻር ሕልንኦም ክነብሩ ክግበር ከሎ ስቅ ምባል፣ ካብኡ ዝዓበየ መራላውን መንፈሳውን ገበን የልቦን። ኣድጊ እኳ ኣምላኽ ረዲእዋ ዝተዛረበት!

ክንዛረብ ኣለና ማለት ግና ዕሽነትናን ነውርናን ከም ድሌትና ነዕፍሮ ማለት ኣይኰነን። ክዛረብ ንዝደልየ ስቕ ከነብሎ ክንዛረብ ኣለና ማለትና ውን ኣይኰነን። ኣኽብሮትን ልቦናን ዝጎደሎ ክኸውን ኣይግባእን። ስምዒታትና ገቲእና፡ ምስትውዓል ዝመልኦ መገዲ፡ ሕቶ ዝዀነና፡ ዝተዓመጽናዮን ክንዛረብ ግና ክንክልከል የብልናን።