ቁጽጽር ኣልቦ ዝዀነ ዘይእዱብ ባህርያት ምስ ቱራማ ዘለዎ ምትእስሳር

……ወይኒ ኸኣ ነቶም ነፍሶም እተመረረት ሰባት ደኣ ሀቡ።

 ሓደ ካብ ባህርያትካ ገለ ጉድኣት የስዕበልካ ከም ዘሎ ኣስተውዒልካ፤ እንደገና ከይትደግሞ ቃል ኣቲኻ ትፈልጦ፧

ንድፍኢታቱ ክትቓወም ንገለ ሰዓታት ወይውን መዓልታት ዝከኣለካ ጽዒርካ፡ ግን ከኣ ኣብ መወፈጸምታ እናተሳዓርካ ተሸጊርካ’ዶ ትኸውን፧

ከምኡ እንተዀይኑ፤ ንርእስኻ ከም ድኽምቲ፤ ስስዕቲ፤ ውልፍ ፐርሰናልቲ፤ ኣካላዊ ጸገም፤ ወይውን መፈጠራዊ ጸገም ከም ዘለካ ከተእምን ተቐሲብካ ትፈልጥ’ዶ፧

ባህርያዊ ምላሽ ንሓደጋ

ሓደጋ ከም ዘሎ ከነቅልብ ከለና፡ ከም ልማድ እንህቦ ልዙብ ምላሽ ሰለስተ ንገር ‘ዩ፡ ምህዳም፡ ምቅላስ፡ ወይውን ምድስካል/ቅዝዝ ኢልካ ከም ማርሞ ትስራሕ። እቲ ዘቅለብናሉ ሓደጋ “ወሓጢ”(overwhelming) ኰይኑ፡ ኣካላዊ ሙምሏቅ ዘይከኣል ምስ ዝኸውን፡ ኣካላትና ወይ’ውን ኣእምሮና ንኣካላዊ ይኹን ስምዒታዊ ቃንዛ ኣወንዚፉ ከጽንሖ ይፍትን። እዚ ኸኣ ንተዘክሮ ‘ቲ ኩነታት ንግዚኡ ወይውን ንነዊሕ ጊዜ ከም ዘብጻሕ ይገብሮ።

ከነምልጥ ዘይምኽኣልና፡ ብቅጽበታዊ መትናዊ ምላሽ (neurological response) ጌርና ከነካሕሶ/ክንትክኦ ምፍታና ኣዝዩ ኣገራሚ ተፈጥሮኣዊ ትዕድሎቲ’ዩ። ኣብ ነዊሕ ጊዜ ግና፡ እዚ ህጹጽ ምላሽ ዘይሰርሕ ምኻኑ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ዘይህጹጽ ልሙድ ኩነታት ንህዋሳዊ ተገንዝቦና (sensory awareness) ክዓግት ስለ ዝኽእል ክንጥንቐቕ ኣለና።

ድሕሪ ኣሰምባዲ ኩነት፡ ዝተነቓነቐ ውሽጥና ናብ ንቡር ምውህሃድ ክምለስ እንተዘይኪኢሉ፡ ዝሰማዕናዮን ዝረኣናዮን ዘሽተትናዮን ንዝሓለፍናዮ ቓንዛ እናዘከረና ዕረፍቲ ክንስእን ይገብረና። ነዚ ንምሽፋንን ወይ’ውን ከነህድእ ብምፍታን ከኣ፡ ናብ ዘይርትዓውን ዘይእዱብን ርእሰ-ኣዕናዊ ባህርያት ክንዘዙ ይቐስበና። ብግዚኡ እንተዘይተኣልዩ ከኣ፡ ናብ ብዙሕ ኣሉታዊ ኣመላት ክንጠልቕ ይደፋፍኣና። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዘምጽኦ ዕንወት ከኣ ከቢድ ይኸውን።

ርእሰ ኣዕናዊ ዘይእዱብ ባህርያት ምስ ጊዜ

ርእሰ ዕንወት ዘኸትል ባህርይ ማለት ንኣካልናን ስምዒትናን ስነ-ኣእምሮናን ዝጎድእ፡ ብምርጫና እንገብሮ ዝዀነ ዓይነት ኣሉታዊ ባህርይ ‘ዩ። ብዙሓት ሰባት ኸኣ ነቲ ብምርጫኦ ዝገብርዎ ርእሶም ዝጎድእ ባህርይ ኣቓልቦ የብሎምን።

ቁጽጽር ኣልቦ ዝኾነ ባህርያት፤ ንሓጺር እዋን ዘስዕቦ ሩፍታ ወይውን ባህታ ይህሉ ይኸውን። ኣብ መወዳእታ ግና ዕጉብ ወይውን ምልኣት ዘለዎ ህይወት ንኸይንነብር ይዓግተና። እዚ ኸኣ ኣልኰል፡ ብዘይ ግቡእ መድሃኒት (ድራግ) ምጥቃም፤ ኣመል ጠላዕ፤ ርእሰ መጉዳእቲ (self injury)፤ ምትካኽ፤ ልዕሊ ዓቐን መዘናግዒ ምዝውታር፡ ተደጋጋሚ ትሑት ሓሳባት፡ ፍረ ዘይብሉ ተደጋጋሚ ክትዕ፡ ግላዊ ሓላፍነት ምውጋድ፡ ክቱር ድሌት ክትፍለጥ ምድላይ፡ ተቐባልነት ምድላይ፡ ካልኦት ከተሕጉስ ምጽዓር፡ ዘየቋርጽ ምስትምሳል፡ ምሒር ምንቕስቓስ ምዝውታር፡ ዓቐኑ ዝሓለፈ ሸመታ (shopping) ኣብ መጨረሽታ ኸኣ ርእሰ-ቅትለት ካልእን የጠቓልል። እዞም ድማ ንግዚኡ ሓገዝቲ ይመስሉ። ምስ ጊዜ ግና ጉድኣቶም ከቢድ ዩ።

ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብዝኾኑ ባህርያት ዝሳቐ ሰብ፤ ካልኦት ካብ ዝስምዖም ንልዓሊ ትርር ዝበለ ስምዒታዊ ተመክሮ ክህልዎ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ብባዕሉ ኣሉታዊ ባህርይ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ምስ ስምዒታቶም ጥዑይ ዝዀነ ኣቓልቦን ምትእስሳርን ንዘለዎም፡ መሃዝትን ደንገጽትን ክዀኑ የኽእሎም።

በቲ ሓደ ሸነኽ፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ተነቓፊ ስምዒት ምስ ዝህልወና፡ መበገሲኡ ኣብ ዘይምቹእ ወይ’ውን ኣብ ዘይርጉእ ሃዋህው ስለ ዝዓበና ክኸውን ይኽእል። ዘይርጉእ ሃዋህው ክንብል ከለና

  • ሕሉፍ ኣሉታዊ ተመክሮ፦ ከም ኣካላዊ ዓመጽ፡ ሸለል ዝበዝሖ ኣተዓባብያ፡ ብዙሕ ነቐፌታ ዘለዎ ከባቢ
  • ስምዒትካ ክትገልጽ ዘየተባብዕ ቤተሰብኣዊ ሃዋህው ወይውን ግቡእ ስምዒታቶም ምእላይ ዘይብሎም፡ ቁጽጽር ኣልቦ ዝመልኦ ባህርያት ዘለዎ ዓንኬል ቤተሰብ
  • ካብ ቤትካ ወጻኢ ዝገጥመካ ኣሉታዊ ተመክሮታት፡- ኣብ ቤት ትምህርቲ ምድሃል (bullying)፡ ዓመጽ ብኻልእ ኣላይ/መጉዚት፡ ብተደገጋሚ ብየዕርኹታኻ ተነጽሎን ካልእን

ጽዑቕ (intense) ስምዒት ክስምዓካ ትዛዙ እንተዀንካ እሞ፡ ብተደጋጋሚ ስምዒታዊ ቃንዛ ዝመልኦ ኩነታት እንተተጋሊጽካ፡ ዝገጥመካ ቃንዛ ክትጸሮ ክሳዕ ትሽገር ክትከውን ትኽእል። ምስ ጊዜ ኸኣ ስምዒታትካ ክትቑልፎ ትቕሰብ። ንርእስኻ ኸኣ “ስምዒታተይ ክስምዓኒ እንተዘይገበርኩ ይሓይሽ” “ብዛዕብኡ ፈጺመ ኣይክሓሳብን እየ” ናብ ምባል ገጽካ ትዛዙ። እዱብ ናብ ዘይኰኑ ባህርያት ከኣ ትጽጋዕ።

እዞም ዘይእዱብ ባህርያት ከኣ፡ ኣብ መጀመርያ “ኣሉታዊ ስምዒታትና” ንምእላይ ውጽኢታዊ ኰይኖም ስለ ዝስምዑና፡ ብግቡእ መገዲ ክንኣልዮ ዘኽእለና ባዕላዊ ሜላ/ክእለት ንኸይነማዕብል ይዓግቱና። ብተወሳኺ ንኣሉታዊ ስምዒታትና ብዘይእዱብ ባህርያት ክንኣልዮ ምፍታን፡ ንዝፈልሕ ዘሎ ቁራሕ ቀጥ ኣቢልካ ክትከድኖን ክትዓብሶን ከም ምፍታን ‘ዩ። እዚ ማለት

  • ከምቲ ‘ቲ ዉዑይ ማይን ሃፋን ኣብ ውሽጢ ቁራዕ፡ ከምኡ’ውን ጽዑቅ ኣሉታዊ ስምዒታት ኣብ ውሽጥና ይኽዘን
  • ከምቲ ሃፋን ጸቅጥን ኣብ ውሽጢ ዝተኽደነ ቁራዕ ዝውህለል፡ ‘ቲ ዘይእዱብ ባህርይ ንጊዚኡ ዕረፍቲ ዝሃበና እንተመሰለ፡ ኣሉታዊ ስምዒታት ግና ኣብ ውሽጥና ይውህለል
  • ምስ ጊዜ ድማ፡ ኣብ ተዘማዲ ህዱእ ህሞት’ውን እንተዀነ፡ ኣብ ኣብ ትሕቲ ጸቅጢ (pressure) ዘለና ኰይኑ ይስምዓና
  • ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣብ ውሽጥና ዝተዋሀለለ ስምዒታት ንሓይልና እናበልዐ ስለ ዘድክመና፡ ቀለልቲ ነገራት’ውን እንተዀነ ዘይጽወሩ ይመስሉና
  • ካብዚ ዝተላዕለ፡ መታን ከይስምዓና ኣበርቲዕና ንጽዕር። ኣብ ቁጽጽር ዘይብሉ ባህርያት ከኣ እናተሸኸልና ንኸይድ
  • ዝኣተናዮ ዘይእዱብ ባህርያት ከኣ ንግዚኡ ገለ ዕረፍቲ ከም ዝስምዓና ይገብር። ቲ ጸቅጢ ግና ኣብ ውሽጥና እናወሰኸን እናተነኽነኸን ይውህለል።
  • እዚ ዓንኬል ከኣ መመሊሱ ስለ ዝድገም፡ ኣብ ዝኸበደ ታኼላ ክንሽከል ይቐስበና።

ንምሳሌ፡ ግዙእ ኣልኰል ምኻን ምስ ጊዜ ዝኸፍአ ክስምዓና ከም ዝገብር፡ በዚ ተመክሮ ዝሓለፉ ክነግሩና ኣየድልየናን። ርእሶም ክሳዕ ዝስሕቱ ዝሰተይዎ፡ ንጊዚኡ ገለ ዕረፍቲ፡ እፎይታ፡ ባህታ፡ ይፈጥረሎም ይኸውን። ሓይሊ ኣልኰል ምስ ደኸመ እሞ ናብ ርእሶም ምስ ተመልሱ ግና፡ ዝስምዖም ጣዕሳን ጓሂን ካብቲ ቅድሚ ምስታዮም ዝነበርዎ ዝኸፍአ ይኸውን። ከም ዘይሰትዩ ደጋጊሞም ምስ ገዛእ ርእሶም ቃል ክኣትው እኳ እንተኽኣሉ፡ ዝለመድዎ ዘይእዱብ ባህርይ ግና ተመሊሶም ንኽምለስዎ ይቐስቦም። እዚ ኸኣ ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም፡ ዘለዎም ዝምድና፡ ቤተሰብ፡ ስራሕ፡ የዕሩኽ፡ ክሳዕ ክንደይ ዕንወት ከም ዘምጽኣሎም ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ።

እዚ ስምዒት ቁጽጽር ዘይምህላው ከኣ ኣዝዩ ዘፍርህ፡ ተስፋ ዘቑርጽ፡ ናብ ቅዛነት ዝመርሕ’ዩ። ቃንዛኻ ንምዕጋስ እትጥቀመሉ ሓደ መገዲ ጥራይ እንተዀይኑ፡

  • ቃንዛ ወይውን ዘይምቹእነት ክስምዓካ ከሎ፡ ብዓቢ ድፍኢት ኣብ ዝለመድናዮ ዘይእዱብ ባህርይ ከም ንጽመድ ርዱእ’ዩ። እዚ ኸኣ “ወልፊ” ወይ’ውን “ማእሰርቲ” ስለ ዝዀነና’ዩ
  • በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ደው ከነብሎ ክሳዕ ክንደይ ከም ንጽገም ርዱእ’ዩ
ካብ ርእሰ ኣጠማምታ ክጅምር ኣለዎ

ነዚ ድማ ቅልጡፍ ፍታሕ የብሉን። ዘይእዱብ ባህርይ ንምስዓር ቀሊል ዘይምኻኑ ጥራይ ዘይኰነ፡ ደው ንምባሉ ዘሎ ገድሊ ዝፈጥሮ ቃንዛ ምህላው ድምር ከኣ ነቲ ጸገም የጋድዶ።

መፍትሒዘይብሉ ሽግር ከም ዘየለ ምፍላጥ ግና ጽቡቕ ‘ዩ። ኣብ ዝተሳዕረ ህይወት ክንናነብር ዘይምድላይና ከኣ፡ ካብቲ ነገር ንምምላጥ ወሳኒ’ዩ።

ክንርድኦ ዘለና ሓቒ እንተሃልዩ፡ ምስ ዘይእዱብ ርእሰ ኣዕናዊ ባህርያት ተቓሊስና ማለት

  • ንርእስና ከም ድኽምቲ ወይውን ገለ ኣካልዊ ጸገም ከም ዘለና ክመስለና ይኽእል
  • ዝወረስናዮ ገለ ጸገም ከም ዘሎ ይምሰለና
  • ኣሉታዊ ስምዒታትና ንምእላይ ዘማዕበልናዮን ዝተመሃርናዮን ኣተኣላልያ፡ ቃንዛና የጉድለልና ይኸውን ኢልካና ስለ ዝሓሰብና’ዩ።

ጸገምን ኣበጋግስኡን ዘስዕቦ ዕንወትን እንተተዛሪብና፡ መፍትሒኡ ክንዛረብ ናይ ግድን’ዩ። ስዒቡ ዝመጽእ ርእሰ-ዕንወት ዘኸትል ቁጽጽር ዘይብሉ ባህርያት ከኣ፡ ኣዝዩ ዓሚቕን ሰፊሕን ኣርእስቲ’ዩ። ኣብዚ ጽሑፍ ግና ጽሙቕ ኣቢልና ክንርእዮ ፈቲና ኣለና። ከምኡ’ውን መፍትሒኡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝፈላለ ኰይኑ፡ ንኹሉ ሰብ ዝኸውን ሓንቲ መገዲ ክህልወና ኣጸጋሚ’ዩ። ንኹሉ ሓደ ዝገብሮ፡ ክሰርሓሉ ዘልዎ ኣገዳሲ ነጥቢ እንተሃልዩ ግና “ርእሰ-ጠመተ” ወይ ኣብ ርእስና ዘለና ኣተሓሳስባ’ዩ።

ሓደ ሰብ ብ”ቱራማ” ምስ ሓለፈ፡ ስምዒታዊን ስነ ኣእምሮኣዊ መጉዳእቲ የስዕበሉ። ንዕኡ ንምፍዋስ ከኣ’ዩ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ፡ ርእሰ ኣዕናዊ ዝዀነ ባህርያት ክኸዶ ዝፍትን። ናይዚ ኹሉ ሱር ከኣ ‘ቲ ሰብ ኣብ ገዛእ ርእሱን ኩነታቱን ዘለዎ ኣተሓሳስባን ኣጠማምታን ስለ ዝተበላሸወ’ዩ

ሰብ ዘሰምብድ ኩነት ምስ ገጠሞ፡ ስምዒቱ ተበሪዙ ኣብ ርእሱን ኩነታቱን ዘለዎ ኣረኣእያ ዝተበላሸ ይኸውን። እዚ ኸኣ ንርእሱ ከም ዘይተዓደለት፡ ንሕሰም ከም ዝተፈጥረ፡ ካብ ሰቡ ንልዓሊ ከም ዝተረግመ ቅርሱስ፡ ካብ ሰቡ ከም ዝተሓተን ካልእ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ንሓሳቡ የሰንፎ። እዚ ከኣ ንቃንዝኡ የጋድዶ።

ስለዚ ርእሰ-ዕንወት ዘኸትል ቁጽጽር ዘይብሉ ባህርያት ክዕረ እንተዀይኑ፡ ሰብ ኣብ ገዛእ ርእሱን ኩነታቱን ዘለዎ ኣተሓሳስባን ኣጠማምታን ክዕረ፡ ብኣዉንታዊ ኣጠማምታ ክትካእ ኣለዎ። ኣብ ሓሳቡ ዘሎ ኣሉታዉ ኣጠማምታ፡ ብኣውንታዊ  ኣብ ምትካኡ እንተተዓዊቱ፡ ‘ቲ ሰብ ርእሰ-ኣዕናዊ ዝዀነ ባህርያት ክስዕር ኣይክጽገምን እዩ። ከምቲ ጽሑፍ፡ “ሰብ ከምቲ ዝሓስቦ፡ ከምኡ ይነብር” ዝብሎ፡ ሰብ ባህርያኡ ክዕረ፡ መጀመርያ ኣተሓሳስብኡን ኣጠማምትኡን ክልወጥ ኣለዎ። ካብ ተመክርኡ ሕልፍ ዝበለ፡ ጽሩይን ትኽክልን ማንነታዊ ኣረዳድኣ ምስ ዘማዕብል፡ ባህሪኡ ኸኣ እናተዓረየ ይመጽእ።

ክምቲ ምሁር “ሰቑራተቶስ” ዝበሎ’ውን፡ “ናይ ለውጢ ምስጢር፡ ሓይልኻን ኣተኩሮኻን ምስ ዝኣረገ ባህርይ ንምቅላስ ዘይኰነ፡ ሓድሽ ነገር ኣብ ምህናጽ ክኸውን ከሎ’ዩ”።