9ተ ምልክታት ትሑት ስምዒታዊ ብልሒ/ፍህመት

….ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ በጃኻ ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ።

ትሑት ስምዒታዊ ብልሒ/ፍህመት ብኸመይ ንዝምድና ይጸልዎ፧

ትሑት ስምዒታዊ ብልሒ፡ ኣብ ማሕበራዊ/ዕርክነታዊ ዝምድናታትና ብዙሕ ጽልዋ ዝገብር ጸገም ‘ዩ። ኣእምሮኣዊ ብልሒ ኳ ኣገዳሲ እንተዀነ፡ ብዘይ ስምዒታዊ ብልሒ/ፍህመት ግና፡ ርክባትና ጥዕና ሃልይዎም ኣይህነጹን።

ቕሓት ብዛዕባ ባዕላዊ ስምዒት፡ ስምዒታትና ክንቖጻጸሮን ብግቡእ ክንገልጾን ዘለና ዓቅሚ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምስትውዓልን ልቦናን ድንጋጸን ብዘለዎ መገዲ ስምዒት ካልኦት ንምርዳእ ዘለና ብቕዓት፡ “ስምዒታዊ ብልሒ/ፍህመት” ይበሃል። ስምዒት ኣዝዩ ውቑብ ዝዀነ ሕብሪ ዘለዎ ክፋል ህይወትና ምዃኑ ክርድኦ ከለና፥ ኣብ ህይወትናን ርክባትናን ዘምጽኦ ጥቕሚ ብዙሕ’ዩ።

ብጊዚኡ ስምዒታትካ ክፈልጡ ስለ ዘይከኣሉ ወይ’ውን ንስኻ ስምዒታቶም ክትርዳእ ስለ ዘይከኣልካ፡ ኣብ ርሱን ምጉት ወይውን ግጭት ዝተጸመድካሉ እዋን ትዝክር’ዶ፧ ብኽልቲኡ ሸነኽ ኣብ ዝነበረ ክልትኣዊ ግርጭት፡ ትሑት ስምዒታዊ ፍህመት/ብልሒ ብኣሉታ ሰሪሑ’ዩ።

ስምዒታዊ ብልሒ፡ ምስ ካልኦት ከመይ ኢልና ከም እንዋሳእ ዝጻወቶ ተራ ዓቢ’ዩ። ሓደ ሓደ ጊዜ መሳርሕትና፡ ኣስራሕትና፡ የዕሩኽትና፡ ቤተሰብናን መቅርብናን፡ ብትሑት ስምዒታዊ ብልሒ ይሳቐዩ ‘ዮም። ንዕኡ ንምስዓር ከኣ ኣብ ኣዝዩ ብርቱዕ ገድሊ ይጽመዱ። ስለ ዝዀነ ኣብ ማሕበራዊ/ዕርክነታዊ ሃዋህው፡ ቃልስን ዘይተደልየ ውጥረትን ይፈጥረሎም።

ኣብ ክንሃንጾ እንፍትን ርክባት፡ ስምዒታዊ ብልሒ/ፍህመት ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ስለ ዝዀነ፡ ብዕቱብ ክንሰርሓሉ ዘለና ግላዊ ክእለት ከም ዝዀነ ምንጋር ኣየድልን።

ኣስዒብና እምበኣር፡ ትሑት ስምዒታዊ ብልሒ ዘለዎም ሰባት ዘርእይዎ ምልክታት ብሕጽር ዝበለ ክንርኢ ክንፍትን፦

  1. ፍረ ኣብ ዘይብሉ ክርክርን መጎተን ይጽመዱ

ምስ ኩሉ ሰብ ኣብ መጎተ ዝጽመድ ሰብ ትፈልጥ’ዶ፧ የዕሩኽ፡ ቤተሰብ፡ መሳርሕቲ፡ ዋላ’ውን ሓላፍ መገዲ ኰይኑ፡ ምስ ተታረኽቲ ሰባት ኣብ ክትዕ ዝእለኽ ኣሎ። ስምዒታዊ ብልሓት ዝጎደሎም ሰባት፥ ስምዒት ካልኦት ክርድኡ ስለ ዝጽገሙ፡ ስምዒት ካልኦት ኣብ ግምት ከየእተዉ ኣብ ክትዕ ይጽመዱ። ነቲ ሰብ ከሲሮም፡ ኣብ ዝተጸመድዎ ክትዕ እንተስዒሮም፡ ከም ዝተዓወቱ ይቖጽርዎ። እዚ ኸኣ ንሰባት ዝህብዎ ዋጋ ሒደት ምዃኑ የረድኣና።

  1. ስምዒት ካልኦት ክርድኡ ይሽገሩ

ትሑት ስምዒታዊ ብልሒ ዘልዎም ሰባት፡ ስምዒት ካልኦት ክርድኡ ዝንጉዓት’ዮም። መጻምቶም ከም ዝሓርቕ፡ መሳርሕቶም ከትዕቡ ከም ዝኽእሉ ምርዳእ ይጎድሎም። ንሱ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካልኦት ስምዒታቶም  ምርዳእ እንተኣብይዎም፡ በረዀዳ ብዕራይ ክሰብሩ ክሳዕ ዝቐርቡ ይቑጥዑ። ኩሉ ነገር ኣብ ገዛእ ርእሶም ደኣ እምበር፡ ብዛዕባ ካልኦት ዘለዎም ሓልዮትን ድንጋጸን ኣዝዩ ሒደት’ዩ።

  1. ካልኦት ልዕሊ ዓቐን ተነካእቲ ጌሮም ይቖጽርዎም

ትሑት ስምዒታዊ ብልሒ ዘለዎም ሰባት ኣብ ዘይግቡእ ጊዜ ክዋዘዩ ይፍትኑ። ንምሳሌ፦ ድሕሪ ቀብሪ ወይ’ውን ሰብ ኣብ ዘሕዝን ኩነታት እናሃለወ ክዋዘዩ ይፍትኑ። ሰባት ዘይምቹእነት ከም ዝተሰምዖም ‘ተገሊጾም፡ ተነካእቲ ወይውን ብቐሊሉ ተነቐፍቲ ጌሮም ይቖጽርዎም። ስምዒት ካልኦት ክርድኡ ስለ ዝሽገሩ፡ ድሕሪ ዘረባን ድምጽን ዘሎ ስምዒት ክትርግሙ ኣይክእሉን።

  1. ርእይቶን ኣረኣእያን ካልኦት ኣይቕበሉን

ትሑት ስምዒታዊ ብልሒ ዘለዎም ሰባት፡ ሓሳባቶም ትኽክል ምኻኑ ብምእማን፡ ሓሳብ ካልኦት ንዘይምቕባል ብሓይሊ ርእሶም ይከላኸሉ። ንኻልኦት ምስማዕ ይኣብዩ። ስምዒት ካልኦት ከም ዘይርድኡ ንዝነቀፎም ብፍላይ ከኣ ብብርቱዕ ይለዓልዎም። ዝበዝሕ ጊዜ ዘይትስፍ ኣተሓሳስባ ዝገዝኦም ኰይኖም ይርከቡ።

  1. ተጋግዮም ክነሶም ንካልኦት ይነቕፉን ሓላፍነት ከሸክሙ ይፍትኑን

ትሑት ስምዒታዊ ብጽሕና ዘለዎም ሰባት፡ ስምዒታቶም ናብ ጸገም ክመርሖም ከም ዝኽእል ዘልዎም ኣፍልጦ ሒደት’ዩ። ምስ ዝጋገዩ ካልኦት ምንቓፍ ከም ልማድ ዝህብዎ ምላሽ’ዩ። ብዛዕባ ዝወሰድዎ ጌጋ ተግባብሮ፡ ኩነታት ወይውን ባህርይ ካልኦት ሰባት ክነቕፉ ይጽዕሩ። ዝገበርዎ ዘበለ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይነበሮም ከእምኑ ይፍትኑ። ካልኦት ከኣ ኩነታቶም ምርዳእ ከም ዝኣበዮም ይእምቱ። ሓላፍነት ክወስዱ ስለ ዝጽገሙ፡ ግዳይ ከም ዝዀኑ ጌሮም ርእሶም ብምቑጻር ይምረሩ።

  1. ብርቱዕ ስምዒት ዝዓብለሎ ኩነት ምእላይ ይስእንዎ

ትሑት ስምዒታዊ ብልሒ ዘለዎም ሰባት፡ ናቶም ኰነ ናይ ካልኦት ብርቱዕ ስምዒታት ክርድኦም ይሽገሩ። ንዝኩዖ ስምዒታት ክገጥምዎ ብዘይምድላዮም፡ ካብ ሰባት ወይ’ውን ኩነታት ይሃድሙ። ስምዒታቶም ካብ ካልኦት ምሕባእ ድማ መለለይ ጠባያቶም’ዩ።

  1. ሃንደበታዊ ስምዒታዊ ነትጊ የርእዮ

ስምዒታትካ ምቁጽጻር“፡ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ኣገደስቲ ክፋላት ስምዒታዊ ብልሓት’ያ። ትሑት ስምዒታዊ ብልሒ ዘልዎም ሰባት ግና፡ ስምዒታቶም ክርድኡ ይኹን ክገትኡ ይሽገሩ። ቁጽጽር ዘይብሉ፡ ዝተጋነነ ስምዒታዊ ነትጊ፥ መግለጺ ስምዒታቶም’ዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዘፍርህ ስለ ዝዀነ፥ ካልኦት ክቐርብዎም ይሽገሩ።

  1. ዕርክነት፡ ርክብ፡ ክዕቕቡ ይሽገሩ

ብዙሕ ጊዜ ትሑት ስምዒታዊ ብልሒ ዘለዎም ሰባት፥ መግለጺ ስምዒታቶም ሓርፋፍ ስለ ዝዀነ ወይ’ውን ግቡእ መግለጺ ስምዒት ስለ ዝጎድሎም፡ ዕርክነት ክዕቕቡ ኣዝዮም ይሽገሩ። ምኽፋል (sharing)፡ እንካን ሃባን ስምዒታት፡ ድንጋጸን ምትሕግጋዝን፡ ክይፈራህካ ስምዒትካ ምግላጽ፡ ቅርርብ ዘለዎ ዕርክነት ዝጠልቦ ባህርያት’ዩ። እዚ ከኣ ኣብ ትሑት ስምዒታትዊ ብልሒ ዘለዎም ሰባት ስለ ዘየለ፡ ምዕሩይ ዝዀነ ዝምድና ኣይህነጽን ጥራይ ዘይኰነ፡ ዝነበረ ቀልጢፉ ይጥፍሽን ይሃስስን።

  1. ተደናጋጽነት ይጎድሎም

ትሑት ስምዒታዊ ብልሒ ዘለዎም ሰባት ስምዒት ካልኦት ክርድኡ ብዘይምኽኣሎም፡ ንኻልኦት ዘለዎም ድንጋጸ ኣዝዩ ሒደት’ዩ። ስምዒት ካልኦት ክርድኡ ስለ ዘይኽእሉ፡ ገዛእ ርእሶም ኣብ ጫማ ካልኦት ከእትውዋ ኣይክእሉን። ሰባት ብጸገም ክሓልፉ ከለዉ ከቓልልዎም ወይ’ውን ከም ድኹማት ጌሮም ክቆጽርዎ ይፍትኑ።

ትሑት “ስምዒታዊ ብልሒ”፡ ኣብ ብዙሕ ክፋል ህይወትና ማለት ኣብ ትምህርትና፡ ስራሕና፡ ቤተሰብና፡ ዕርክነትና፡ ፍቅራዊ ርክባትና ዕንወት የውርድ። ስምዒታዊ ብልሕና/ክእለትካ ስራሕ ዘድልዮ ኰይኑ ዝስምዓና እንተዀይኑ፡ ብዛዕባ ዓበይቲ ክፋላት “ስምዒታዊ ብላሓት” ብምጽናዕ ክንጅምንኽእል።

ነዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ መላግቦ (link) ከፊትኩም ብምንባባ፥ ብዛዕባ “ስምዕታዊ ብልሒ” ብዕምቆት ክትርዱ ክትሕግዘኩም እያ።  https://www.betefewsi.com/importance-of-emotional-competence-in-building-a-healthy-relationship/