ግዳይን ሳዕቤኑን (2ይ ክፋል)

ኩሉ ንትምህርትና ስለ ዝተጻሕፈ፡ ካብዚ ኣብ ሉቃ 10:25 ተዘጊቡ ዘሎ መወዳእታኡ ዝጸበቀ ዘሕዝን ፍጻሜ ንመሃሮ መንፈሳዊ ትሕዝቶ ኣሎ።

እቲ ከታሪ፡ ጸላእ ሰብ ዝዀነ ሰይጣን’ዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ፥

“ሰራቂ ብዘይካ ክሰርቕን ክሓርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ።….”ዮሃ 10፡10

“ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላክ ብመንፈስን ብሓይልን ከም ዝቀብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፡ ነቶም ኦሰይጣን ዝሰዓሮም ኩሎም ከም ዘሕወዮም፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።”ግብ 10:38

ብፍላይ ንጊዚኡ ነታ “…ሰይጣን ዝሰዓሮም ኩሎም….” እትብል ሓሳብ ከነስተብህለላ ጽቡቅ’ዩ።
ሰይጣን ዝሰዓሮም ብምንታይ’ዩ ንዝብል ሕቶ ክንምልስ እንተተደልዩ፡- ብሕማም፡ ደዌ፡ ድንቁርና፡ ማእሰርቲ፡ መንፈሳዊ ዑረት፡ ጭንቀት፡ ጸቅጢ፡ ሓጢኣት፡ ሕማቅ ኣመልን ካልእን’ዩ። እዚ ማእሰርቲ ኸኣ ንሰብ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ክብሪ ቀንጢጡ፡ ጥርሑን ባዶን፡ ከም ዝኸውን ገይርዎ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ሞት ቆሊፍዎ።

ከምቲ እቶም ከተርቲ ነቲ መንገደኛ ተጸናትዮም፡ ኣዳህሊሎም፡ ብዘይሓሰቦ ጊዜን መገድን ዝጎበጥዎ፡ ከምኡ ጸላኢና ሰይጣን’ውን ብምትላል፡ ብምምስማስ፡ ንሓቂ ብምትሕውዋስን ብምጽንባርን፡ ንሓሳብ ሰብ ብምብካልን ብምብራዝን፡ ንብዙሓት ስዒሩ ኣውዲቅዎም ኣሎ። እዚ ኹሉ ኸኣ ሰይጣን ንሰብ ዝጎብጠሉ፡ ዝስዕረሉ፡ መጻወድያ’ዩ። ብዙሓት ኸኣ የዒቶም ስለ ዝዖረ፡ ከይተረድኦም ግዳይ ሰይጣን ዝዀኑ፡ ኣብ መፈንጥራኡ ዝኣተዉ፡ ታእላው የብሎምን።

“ነርዑት ጾሩን፡ ንበትሪ መንኩቡን፡ ንስላዕ ገፋዒኡን ከም ብመዓልቲ ምድያን ጌርካ ሰበርካዮ።
ይብል። ሰይጣን ንሰብ ዝኽትክተሉን ዝገፍዓሉን “ስላዕ” ኣለዎ።” ኢሰ 9:4

ብፍላይ “…ስላዕ ገፋዒ..” ኢልዎ ዘሎ ዘመልክተና፡ ብመናፍስቲ እከይ ዝተጸቅጡ፡ ዝጭነቁ፡ ዓቅሎም ዝጸበቦም፡ ኣዕጽምቶም ዝተቀጥቀጠ፡ ዝተዋረዱ፡ ዝተኸትከቱ፡ ከም ዘለዉ ኣነጺሩ የረድኣና። እዚ ኸኣ መረጋገጺ ዘይንደልየሉ፡ ሰይጣን ኣብ ሰብ ዘውረዶ፡ ሰብ ኣብ ህይወቱ መዓልታዊ ዝምኰሮ ዘሎ፡ መግደራ’ዩ።

ኣብዚ ዘመና እንተዀነ ሰይጣን ኣታሊሉ፡ የዒንቶም የዒሩ፡ ዝኸትከቶም፡ ዝዘረፎም፡ ዘሳቅዮም፡ ዝሰዓሮም ማእለያ የብሎምን።

I.ጥዕናኦም ዝተዘርፈ፡
II.ሰላሞም ዝተዘርገ
III.ሓሳቦም ምቋም ኣብይዎም ዝህውትቱ
IV.ሓዳሮም ዝተሃርመን ዝተማረኸን
V.ብፍርሃት ዝተኣስሩ፡ በርደግ እናበሉ ዝነበሩ
VI.ድቃስ ለይቲ ዘይብሎም፡ ደቂሶም ዘየዕርፉ
VII.ውሽጦም ናይ ጸልማት ጣቓ ዘጎልበቦን ዝወሓጦን
VIII.መልወሲኦምን እንዳ እኽሎምን ዝተዛብዐ፡
IX.በሊዖም ዘይጸግቡ፡ ተኸዲኖም ዘይሞቁ፡ ዘእተውዎ ኣብ ቀዳድ ማሕፉዳ ከም ዘእተውዎ ዘይብርክተሎም፡ ብዙሓት እዮም።

ኣብ ናይ ህይወት ጉዕዞ ብዝገጠሞም ዓመጽ፡ ምግሃስ፡ መጉዳእቲ፡ ውርደት፡ ኣብ ርእሶም ዘለዎም ጠመተ ፈጺሙ ዝተበላሸወ፡ ውሽጣዊ ቁስልን መግልን ዝተሰከሙ፡ ቃንዛን ስቃይን መናብርቶም ዝዀነ ከም ዘለው ምግማት ኣየድልን’ዩ።

ካብዚ ዝተላዕለ ኸኣ ኣእምሮኣዊ፡ ስምዒታዊ፡ መንፈሳዊ፡ ጸቅጢ፡ ጭንቀት፡ ናይ ጸልማት ደበናን፡ ዓቅሊ ጽበት ዘጎልበቦም፡ ሕማም ንስጋኦም ዘበላሸወን ዘማህመነን፡ ብጓሂ ደመት ትርኢቶም ዝተደወነን ዝሃደመን፡ ጣዕሚ ህይወት ዝረስዑ፡ ብኽያት ቀለቦም ዝዀነ፡ ነፍሶም ዝዓበረትን ዝሓስአትን፡ ከም ዘለው የዒንትና ምስክር እየን።

ነዞም ብኸምዚ ሕማቅ ተመክሮ ንዝሓልፉ፡ ስቃይን መከረኣን መዓልታዊ መግቦም ዝዀነ፡ ተስፋ ኣሎ። ኣይኰነን ነቲ ብምስልን መልክዕን ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ፡ ንኦም ከይተረፈ ተስፋ ኣሎ።

“ኦምሲ ተስፋ ኣለዎ፡ እንተ ተቘርጸ እዃ መሊሱ ይጥጥዕ፡ ዉልዶታቱ ኸኣ ኣይውዳእን’ዩ” እዮ 14:7

Author

Samson Mesghena