ርሕራሔኣዊ/ለውሃታዊ ድኻም (Compassion fatigue)

 ሕራሔኣዊ ድኻም ኣብ ጥዕናዊ ማእኸል ዝሰርሑ ጥራይ ዝወርድ ዝነበረ ስምዒታውን ስነ-ኣእምሮኣውን ድኻም እዩ። ናይ ጥዕና ሰራሕተኛታት ምስ ብጉድለት ጥዕና ዝሳቀዩ ዝበዝሕ ግዚኦም ስለ ዘሕልፍዎ፤ ብሉጻትን ኪኢላታትን ድንጋጸ ዝመልኦም ኣለይትና ግዳያት ይዀኑ።

ኣብዚ ግዜ ‘ዚ ግና፡ ንነፍሲ ዘሳቕን ዘሰቕቕን ኩሉ ዓይነት መግደራ ብመራኸቢ ብዙሓን ብቅልጡፍ ኣባና ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ ህሞት፤ ርሕራሔኣዊ ድኻም ኣብ ፍሉይ ሞያ ጥዕና ዝተዋፈሩ ዝወርድ ምዃኑ ተሪፉ፡ ብዘይኣፋላላይ ኣብ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ዝወርድ ስምዒታዊ ወጥሪ ኰይኑ ኣሎ። ዓመጻ ፍኑው ኣብ ዝዀነሉ ዘመን ከኣ፡ ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ኣርእስቲ ዘለና ንቕሓት ክዓቢ ግድን እዩ።

ብፍላይ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ዘሎ ስቃይን መግደራን ካብ ኩሉ ዝኽወል ኣይኰነን። ብዙሓት ብኣእምሮና ከነዕቕሮ ዘይንኽእል ከቢድ ኩነታት ሓሊፍና ኢና። ንሓልፍ ‘ውን ኣለና። ገሊኣትና ኸኣ ንልብና ዝዘብሕ፡ ዘስካሕክሕ ዜናታት መዓልታዊ ንሰምዕ ኣለና። ካብ ምብዛሑ ዝተላዕለ ክንደይ ኢልና ክንቆጽሮ። ገሊኣትና ውሽጣዊ ጸዓትና ተጸንቒቑ፡ ንስቃይ ህዝብና እንልግሶ ስምዒትዊ ምላሽ ኣዝዩ ሒደት ኰይኑ ኣሎ። ናይ ገሊኣትና ከኣ ስምዒትና ጽዖት ኣውጺኡ፡ ዘይግድሰና፡ ዘይምልከተና ክሳዕ ንመስል ዛሕቲልና ኣለና። እቲ ምኽንያት ርዱእ ‘ኳ እንተዀነ፡ ኣዝዩ ዘሻቕል ተርእዮ እዩ።

ንስምዒታውን ስነ-ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ (trauma) ዘይተቃላዕና ክንከውን ዝከኣል እዩ። እንተዀነ ጸዕቒ ስምዒት ዝተሓወሶ፡ ኣብ ካልኦት ዝወረደ ማህሰይቲ ደጋጊምና ንሰምዕ ኢና። ኣዝዩ ዝዘቕበበ ድንጋጸ ክንልግስ ሰብኣዊን መንፈሳዊ ባህርይ ኣለና። እዚ ኸኣ ብሓቒ “በረኸት” እዩ። በቲ ሓደ ገጽ ከኣ “ሰኽሚ” እዩ። ልብና ከም ስብሒ ዝረጎደ፡ ሕልናና ከም ብመዓለም ዝተዓለመ ‘ተዘይኰኑ፡ ካልኦት ዝተሰምዖም ክስምዕና ገዛእ ርእስና ከነፍቕደላ ግቡእ እዩ። እዚ ማለት  ፍርሃቶም ኣብ ሓሳብና ንምኰሮን ንስከሞን። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተቆለፈ፡ ንኽገሃድ ዕድል ዘይረኸበ ሕልሞም፡ ከም ናትና ጌርና ንሓልሞ።

እንተዀነ ግና እዚ ድንጋጽኣዊ ጾር፡ ገለ ማሕታ ትስፍውነትናን ጸዓትናን እናቆርሞሞ ክኸይድ ተኽእሎ ኣሎ። ብግቡእ እንተዘይኣማሕዲርናዮ ምስ ምንዋሕ ጊዜ ከኣ ውሽጥና ይደክም። ኣይሓመምናን፡ ግን ከኣ ከምቲ መዓልታዊ ገዛእ ርእስና ትዀኖ ምኻን ንስእን። ውሽጣዊ ንደትናን ተምሳጥናን እናተደጎለን እናቐሃመን ይኸይድ።

ርሕራሔኣዊ ድኻም ምስ ውሽጣዊ ሃልኪ

ኣብ ዝሓለፍ ጽሑፈይ ብዛዕባ “ውሽጣዊ ሃልኪ/ጽንቓቐ” ጽሒፈ ነይረ። ኣሕጽር ኣቢለ ከኣ ምስ “ርሕራሔኣዊ ድኻም” ዘለዎ ርክብን ፍልልይን ከብርህ እየ።

ኣብዞም ክልተ ስነ-ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጸገማት ዘሎ ተመሳሳልነት ንምጥቓስ

  1. ክልቲኣቶም ብክቱር ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ኣካልውን ድኻም ይግለጹ
  2. ኣብ ዕዉት ግላዊ ስራሕካ ዘለና ዕጋበት ይጎድል
  3. ምስ ካልኦት ዘለና ተዋስኦ (interaction) ይጎድል
  4. ቅዛነት ይስዕርር፡ ምስ ክውንነታ ዘለና ጥብቖ ይጎድል

“ርሕራሔኣዊ ድኻም” ምስ “ውሽጣዊ ሃልኪ” ዝፈላልዮም ነገር እንተሃልዩ፡- “ርሕራሔኣዊ ድኻም” ኣብ ሰባት ዝወርድ ማህሰይትን ስምዒታዊ ጭንቀትን ኣድህቦ ይገብር። ኣብቲ ዝሕግዝ ሰብ ከኣ ካልኣዊ ማህሰይቲ ይፈጥር። እዚ ማለት “ርሕራሔኣዊ ድኻም” ምስ ብስምዒታውን ስነ-ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ዝሳቀዩ ሰባት ክትሰርሕ ከለኻ፡ ሳዕቤን ካብቲ ኣባኻ ዝተርፍ፡ ንነዊሕ ጊዜ ንስከሞ ስምዒታዊ ክብደት ዝመጽእ እዩ። ታሪኽ ስምዒትዊ ማህሰይቲ ዝገጠሞም ኣብ ምስማዕ ክትጽመድ ከለኻ፤ ርሕራሔኣዊ ድኻም ዝተጋለጽ ትኸውን።

ካልኣዊ ማህሰይቲ/መቁሰልቲ ዝገጥም፤ ንናይ ካልኦት ስነ-ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ዝርዝራዊ ማህሰይቲ ብተዘዋዋሪ ክትጋለጽ ከለኻ: ኣባኽ ዝወርድ ስነ-ኣእምሮኣዊን ስምዒታውን ማህሰይቲ ‘ዩ። ኣብ ውሽጥና ከኣ ኣብ ሓጺር ጊዜ ክውህለል ይኽእል። ብኣጋኡ እንተኣለሊናዮ ኸኣ ንምፍዋሱ ዝወስዶ ግዜ ኣዝዩ ሓጺር እዩ።

“ውሽጣዊ ሃልኪ” በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ምስ ኣብ ህይወት ዝገጥም ዝዀነ ዓይነት ጸቕጢ (stress) ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ብውሽጣዊ ምምሳንን ምጽንቃቅን ይግለጽ። ኣብ ዝኾነ ሞያ ዝነጥፍ ሰብ ከኣ ክወርዶ ዝኽእል ጸገም እዩ።  ብዘገምታ ዝግለጽ ምብኻን ውሽጣዊ ጸዓት ኮይኑ፤ ኣብ ሞያኻን ግላዊ ህይወትካን ዘሎ ጸቅጢ ኣሰሰር ብምርኣይ ብቀሊሉ ከተለልዮ ትኽእል። ብተዛማዲ ንምሕዋዩ ዝወስዶ ግዜ ነዊሕ እዩ። ኣባናን ስራሕናን ዘለዓዕል ተመስጦን ውዕዉዕ ስምዒትን ከኣ ብብቁርብ ባሕጊጉ ይወስድ።

ኣመልከቲ ርሕራሔኣዊ ድኻም

“ርሕራሔኣዊ ድኻም” ኣብ ገዛ ኰነ ኣብ ገዛ ወጻኢ ክትሰርሕ ከለኻ ምስ ግዜ ዝምዕብል ስምዒታዊ ብድሆ እዩ። ናይ ምድንጋጽ ክእለትካ ካብ ዝግባእ ንልዓሊ ክትጥቀም ከለኻ፡ ውሽጣዊ ጸዓትካን ህንጡይነትካ እናተባሕጎገ ክኸይድ ይኽእል። ንኻልኦት ዝነበረካ ንቡር ሓልዮትን ተገዳስነትን ከኣ እናጐደለ ይኸይድ። ስምዒታዊ ግብረ መልስኻ እናጎደመ ስለ ዝኸይድ ከኣ፡ ኣብ ገለ እዋን ንስቃን መከራን ካልኦት ከም ዘይረኣኻዮን ዘይሰማዕካዮን ኬንካ፡ ሓይልኻ ስለ ትውድእ ገጽካ ናብ ካልእ ጌርካ ክትከይድ ትቕሰብ። እዚ ከኣ ሰብኣውነት ስለ ዘጉደልካ ዘይኰነ፡ ርሕራሔኣዊ ድኻም ስለ ዝገዝኣካ እዩ። ገና ከይሳዕረረ ከሎ ‘ተዘይኣለሊናዮ ከኣ ንዓይነታዊ ህይወትና ብኣሉታ ይጸልዎ። ንመገድና ከኣ ክሓላልዀ ይኽእል።

እዞም ዝስዕቡ ከኣ ዝርዝራት “ኣመልከቲ” ርሕራሔኣዊ ድኻም እዮም

  • ካልኦት ብዝረኽቦም ስቃይ፡ ከቢድ ስምዒታዊ ጾር ይስምዓካ፤
  • ስለ ‘ቲ ዝወረደ ስቃይ ንኻልኦት ብቀጻሊ ትወቕስ። እዚ ኸኣ ንሓይልኻ መሊሱ ይበልዖ፡ ግብራዊ ስራሕ ከይትሰርሕ ይዕንቕጸካ።
  • በቲ ኣብ ካልኦት ዝወረደ ስቃይ ስለ ተስካሕክሕ፡ ናይ ህይወት መቀረት እናጠፍኣካ ይኸይድ
  • ሓሳብካ ብስቓይ ካልኦት ስለ ዝውሰድ፡ ኣብ ግላዊ ጉዳይ ከተተኩር ትሽገር፤
  • ድቃስካ ይዘናባዕ። ብቀትሪ ዝሰማዕካዮን ዝረኣኻን ኣብ ድቓስካ እናተደግመ የባህርረካ
  • ስምዒታትካ ተዓብስ። ኣብ ውሽጥኻ ዝተኸዘነ ስምዒታት ንሓድሕዱ እናተበላልዐ ከኣ ቀልጢፍካ ክትንድር ይገብረካ። ጠባይ ተቕጥን።
  • ነቶም ስቓይ ዘውረዱ ከተረኻኽበሎም ዘይትኽእል ምኻንካ ብምፍላጥካ ከኣ፡ ተስፋ ኣልቦን ሓይሊ ኣልቦን ይስምዓካ፤
  • ካብ ውሽጥካ ዝተወስደ ዘይብልካ ክትመስል ኣብ ክሕደት/ነጸጌታ ትነብር
  • ኣብ ካል ኦት ትሰምዖ ስቃይን መከራን ከኣ ንቅዛነትን ን”ምልክት ድሕረ-ማህሰይቲ ዝወርድ ጸቕጢ” (PTSD) ክትቃላዕ ይገብረካ
  • ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻን፡ ዓለምን መንፈሳውነትን ዝነበረካ ኣጠማምታ ይትንከፍ። ኣብ ፈጣሪ ትቁጣዕን ትምረርን።
  • ኣብ ዓመጽቲ ሰባትን ኩነታትን ሓርቆትካ ይውስኽ

ምኽሓድ” ቀንዲ ጎዳኢ ምልክት ምኻኑ ይንገር። እዚ ኸኣ እቶም ኣብ ርሕራሔኣዊ ድኻም ዘለዉ ዝሓደሮም ውሽጣዊ ጸቕጥን ድኻምን ብዝግባዕ ከይምርምሩን ግቡእ ምክንኻን ከይረኽቡ ይኽልክሎም። ናብ ዘይደልዮ ስምዒታዊ ሕማም’ውን ክወስዶ ይኽእል።

ርሕራሔኣዊ ድኻም ብኸመይ ንኣልዮ፧

 ዘር ተሬሳ” ሳዕቤን ርሕራሔኣዊ ድኻም ኣብ መዓልቲ ህይወታ ትምኰሮ ስለ ዝነብረት፡ ናብ ሓለፍታ ኣብ ዝጸሓፈቶ ምሕጽንታ ከምዚ ይብላ፥

“ኩለን ሶራታት ዝተጸገሙ ኣብ ምእላይ ካብ ዝረኽበን ድኻም መታን ክሕደሳ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4-5 ዓመታት፡ ሓደ ምሉእ ዓመት ግዴታዊ ዕረፍቲ ክወስዳ ክግበራ ኣለወን”

ቀዳምይ ክንወስዶ ዘለና ስጉምቲ እምበኣር፡ ንቅሓትና ብትምህርቲ ምዕባይ። ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ “ርሕራሔኣዊ ድኻም” ዘለና ኣፍልጦን ምርዳእን ብዙሕ ኣይኰነን። እዚ ድኻም ክወረና ከሎ ዘለና ኣቃልቦ ሒደት እዩ። ስለዚ ገዛእ ርእስና ፍልጠት ከነዕጥቓ ከለና፡ ብኣግኡ ኣለሊና ክንኣልዮ የኽእለና።

ብተወሳኺ ኣብዛ ውድቕትን ዘይፍትሓዊን ዓለም ክንነብር ከለና ስቃይን መከራን መናብርቲ ሰባት ምዃኑ ምቅባል። ካብዚ ከምልጥ ዝኽእል የልቦን። እዚ ኸኣ ንገዛእ ርእስና ልዕሊ ዓቕማ ከይነሰክማ ክሕግዘና እዩ።

ንስምዒታትና ከርግኡ፤ ከርጥቡ ምስ ዝኽእሉ ሓበሬታ ምክፋል። ንጭንቐትናን ሸቐልቐልን ዝውስኹ ዘይኰነ፡ ዘመዛዝኑን ንነገራት ብኻልእ ምርዳእ ክንትምቶ ዝሕጉዝና ሰባት ዘጨንቐና ምዕላል።

ንጹር ዝኾነ ግላዊ ደረት ምምዕባል። ክሳዕ ኣበይ ክትከይድን ክትምጠጥን ከም ዘለካ ፍለጥ። ልዕሊ ዝግብኣካን ክትጸሮን እትኽእል ኣይትመጣጠር። ዓቕምኻ ፍለጥ።

እትደልዮ ዘበለ ብቃላት ግለጽ። ኣብ ውሽጥኻ ኣይትሕተሞ። እዚ ንስምዒታዊ ቅልውላው ከጋልጸካ ስለ ዝኽእል፡ ምስ ቤተሰብካን የዕርኹትካን ተዛረበሉ።

ከባቢኻ ንምቅያር ኣውታዊ ተግባብሮ ውሰድ። ኣብ መጨረሽታ ብምኽንያት ኣብ ካልኦት ዝወረደ ስቓይ ዝስምዓካ ቃንዛ ቅልል ክብለካ፡ ነቲ ትርእዮን ትሰምዖን ዓመጽን ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛን ንምቕያሩ ክትሰርሕ ከለኻ እዩ። እቲ ትገብሮ ኣዝዩ ንእሽቶ ክመስል ይኽእል እዩ። ምስ ግዜ ተዋህሊሉ ዝፈጥሮ ለውጢ ስለ ዘሎ፡ ሕልናኻ ከየዕረብካ ስራሕ።

ጸዓትናን ውሽጣዊ ተምሳጥናን ከይቆራረም፡ ኣቐዲምና ክንወስዶም ዘለና ስጉምትታት ከኣ ኣለው።

  1. ትነቦምን ትዕዘቦምን መዓልታዊ ዜናታት መጠን ግበረሎም
  2. ንስቓይን መከራን ፈጺምና ክንቆጻጸሮም ዘይንኽእል ክፋል ህይወት ምዃኖም፡ ክትቕበሎም ዘለካ ዘይቕየሩ ሓቕታት ምኻኖምን ንርእስኻ ኣእምና
  3. ኣብ ህይወትካን ከባቢኻን እትርእዮን ናኣሽቱ ሰናይ ነገር ኣመሳጋኒ ኩን
  4. ኣብ ውሽጢ እዚ ኩሉ ስቓይን መከራን ትርጉም (meaning) ክትረክብ ጸዓት
  5. ንገዛእ ርእስኻ ርሕሩሕ ኩን። ድንጋጸ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ርሕሩሕ ብሙኻን ይጅምር። ንስኻ ባዕልኻ ትሓልፎ ስቃይን መከራን ስለ ዘሎ፡ ከምቲ ንኻልኦት ንገዛእ ርእስኻ ግቡእ ክንክን ግበረላ።