ካብ ምርሃጽ፡ ምድማይ ይቐልል

“ኣብ ዕዮ ረብሓ ኣሎ። ዘረባ ከናፍር ግና ናብ ስእነት/ድኽነት ጥራይ የብጽሕ”

ጉዕዞ ህይወት ዝወርድ መግደራ ብዙሕ እዩ። ብብዝሒ ወይስ ብሒደት፡ ኩልና ናይ ገለ ነገር “ግዳይ” ኬንና ኣለና። ገሌና ኣብ ገዛእ ቤትና፡ ጎረባብትና፡ ቤት ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ኣብ ቤት-እምነት፡ ብመንግስቲ፡ ብገለ ሸነኽ ተዓሚጽና፡ ተነኺእና፡ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ገጢሙና ኣሎ። እዚ ከነነኣእሶ ዘይንኽእል፡ ዘይከሓድ ሓቒ እዩ። ብፍላይ ኣባና ኣብ ኤርትራውያን ሓለፋ ዘለዎ ይመስል።

“ግዳይ” (victim) ምዃን; ከነወግዶ ዘይንኽእል ናይ ህይወት ገጠመ እዩ። ዘይተጸበናዮ፡ ሃንደበታዊ፡ ዘይወጠንናዮ ዝገጥመና ማህሰይቲ ኣሎ። ንስሚዒታትና ዝውሕጥ፡ ኣጠማምታና ዝቐየረ፡ እናጸንሐ ኣብ ሓሳብና ብልጭ እናበለ ዘሸግረና ኩነታት ሓሊፍና ኣለና። ገሊኣትና ካብቲ ንዓና ዝረኸበና ንልዓሊ፡ ንኻልኦት ዝረኸቦም ብምርኣይናን ብምስማዕናን ድቓስና ዝተዘናበዐ ሒደት ኣይኰናን።

እንተዀነ “ግዳያውነት” (victimhood) “ግዳያዊ ኣተሓሳስባ” (victim mentality) ከይገዝኣና ምሉእ ግላውን ማሕበረሰብኣውን ሓላፍነት ኣለና። እዚ ማለት “ግዳይ” ንኽንከውን ኣይመረጽናን፡ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽርና’ውን ኣይነበረን። ካብቲ ዝገጠመናን ዝሓለፍናዮን ዝተላዕለ ዝህልወና ኣጠማምታን ኣተሓሳስባን ግና፡ ጽቡቕ ወይ ክፉእ ክኸውን ኣብ ምርጫና እዩ።

ክንርህጽ ንምረጽ

ከምዚ ኰይነ/ንና፡ በጺሑኒ/ና፡ ጎዲሉኒ/ና ምባል ንፈቱ ኢና። “እቲ፡ ከምዚ” ክኸውን ኣይከኣልኩን እናበልና ነዕዘምዝመሉ ብዙሕ እዩ። እዚ ኸኣ “ግዳይዊ-ኣተሓሳስባ” ይበሃል። ካብ ገዛእ ርእስና ወጺና፡ ንኻልኦት ክንነቕፍ፡ ከነቑረምርም፡ ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ኩነታትና ክንቕይር ግላዊ ሓላፍነት ከይንወስድ ክገብረና እዩ።

እዚ ከምዚ ዝበለ ባህርይ፡ “ኣቃልቦ” ኰነ “ርሕራሔ” ንምርካብ፡ ግቡእ መገዲ ጌርና ንቖጽሮ። ከም መዕቖቢ ነጸላ ተወንዚፍናዮ ንኸደሉ እዋን ሒደት ኣይኰነን። እዚ ግና ብዙሕ ኣየሰጉመናን እዩ። ኣብ ክንዓርፈሉ ንደልዮ ወደብ ፈጺሙ ኣይከብጽሓናን እዩ።

ክንርድኦን ክንቕበሎን ዘለና ሓቒ እንተሃልዩ፡ ኣብ ጉዕዞ ህይወት፡ “ካብ ክንርህጽ፡ ክንደሚ” ይቐልል። ከምዚ ክንብል ከለና ናይ ሓቒ ዝዀነ መከራ፡ ስቓይ የለን ማለትና ኣይኰነን። የግዳስ ካብ ዘቁሰለናን ዘድመየና ምዝራብ ሓሊፍና፡ ኩነታትና ንኽንቕይር እጅገና ሰብሲብና፡ ንስራሕ ክንዕጠቕ ከም ዘለና ንምዝኽኻር እዩ።

ኣብ ጉዕዞ ህይወት እንዛረበሉ ዘየቋርጽ ምዕዝምዛም ይስማዕ እዩ። ዝናብ ኣይዘነበን፡ ቁሪ በዚሑ። መንእሰያትና ዋጋ ህይወት ኣጥፊኦም። ኣብ ዓበይቲ ዘለዎም ኣኽብሮት ሃሲሱ። መንግስቲ ዓሚጹና፡ ሰሪቑና፡ ኣሲሩና፡ ቀቲሉና፡ ገቢቱና። ገለ ጥሩፋት ኣዕገርጊሮምና። ምፍልላይ ኣብ ሞንጎና ኣስሊዀም እናእተዉ ሓድነትና ይበታትንዎ ኣለዉ። ሰበይተይ/ሰብኣየይ ከምዚ እንተዘይከውን፡ ከምዚ ኣምዀንኩን። ንማረረሉን ንጣርዓሉን ጉዳይ ብዙሕ እዩ።

ከዕውተና ዝኽእል ጎደና እምበኣር፡ መንኰብና ኣስፊሕና፡ ስንና ነኺስና፡ ትብዓት ሰኒቕና፡ ንቅድሚት ክንምርሽ ከለና እዩ። ክንደምን ክንርሕርሕን ፍጥረታዊ ዕድሎትና እዩ። ሓድሽ መገዲ ክንቕልስ ከኣ ኣለና።

ቁስልና እናኣለናን እናሓከምናን፡ “ክንሰርሕ” ኢንልና ክንትስእ ኣለና። ብሒደት ኰነ ብብዝሒ መዓልታዊ ስራሕ ክንሰርሕ ንለዓል። ሎሚ ሓጽብታትና ክንኩዕት ንበገስ። ጽባሕ እንተዀነ መሊስና ንኹዓት። ከይተፈለጠና እቲ በብመዓልቲ እንርህጾ ተደሚሩን ተዋህሊሉን፡ ዓቢ ውጽኢት ክህበናን ከሐጉሰናን እዩ።

ምንም ከይገበርና፡ ኰፍ ኢልና ከለና “ክንደሚ” ንኽእል ኢና። ብዛዕብኡ እናዕዘምዘምና፡ ቁስልና ሓቚፍና ኰፍ ክንብል ዝከኣል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ድኽነት ጥራይ እዩ ዘብጽሕ።

ን”ኽንርህጽ” ግና ክንወጽእ፡ ክንጎይይ ኣለና። ምድማይ ኣየቀንዙን ማለት ኣይኰነን። የግዳስ ብዛዕባ ዘድመየና ጥራይ እንተሓሲብናን ‘ተተዛሪብናን፡ ኣብ ዘብጽሓና የብሉን። “ንረሃጽ” ዕድል ክንህቦ ንለዓል። ንኽትርህጽ ስርዓት፡ ጽንዓት፡ ተወፋይነት ይሓትት።

ብፍላይ ዕዮና ኣብ ብጊዜ ዝተማእኸለ ውጥን ስትራቴጂን ምስ ዝህልዎ፡ ውጽኢታውን ኣድማዕን ይኸውን።