መታን ክርሕብ

ሳቅ ምሳሌ እቶም ብማይን ብመንፈስን ዳግም ዝተወልዱ ውሉድ ኣምላኽ የመልክት። ገላ 4:22-31

ከምቲ ናይ ኣብርሃም ዘበለ ኩሉ ይስሓቅ ዝወረሰ፡ ከምኡ’ውን እቶም ውሉድ ኣምላኽ; ብኽርስቶስ ወረስቲ ኣምላኽ እዮም። ንኣምላኽ ወረስቱ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኽዀኑ ዝተጸውዑ’ዮም። ኣምላኽ ብክርስቶስ ጌሩ ብመፈሳዊ በረኸት ዘበለ ኹሉ ኣብ ሰማያት ባሪኹና። ኤፌ 1:3 ይስሓቅ ክጽዕር ኣየድለዮን።

እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን።ኤፌሶን 1:3

ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ከም ተስፋ ኣምላኽ፡ ስለ ዝተወልደ ጥራይ ወራሲ ኰይኑ። ከምኡ እቶም ንምድሓኖም ዝኸውን ናይ እምነት ቃል ሰሚዖም ወንጌል ዝተቀበሉ፡ ብማሕተም መንፈስ ቅዱስ ከኣ ዝተሓትሙ፡ ዘርኢ ኣምላኽ ኣለዎም። 1ዮሃ3:9 ኤፌ 1:13 ካብቲ ዘይጠፍእ፡ ንዘልኣለም ዝነበር ዘርኢ ኣምላኽ ስለ ዝተወልዱ፡ ውሉድ ኣምላኽ’ዮም። 1 ጴጥ1:22-23 ያእ1፡18 ዘርኢ ኣምላኽ ኣብኦም ስለ ዝነብር ከኣ ወረስቲ እዮም። ንኣብርሃም ዘተስፈዎ በረኸት፡ ብክርስቶስ ክወርስዎ ጽውዓት’ዮም። ገላ 3፡29 ዮሃ 1:12 ኣብ መስቀል ብየሱስ ክርስቶስ ዝተወድአ ናይ ምድሓን ስራሕ፡ ብኸምኡ ብጸጋ ክንቅበሎ፡ በረኸት ኣምላኽ ከኣ ክንወርስ፡ ክንጽዕር ኣየድልየናን። ‘ቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ዝቀረበልና በረኸት ክንወርስ፡ ብእምነት ክንቀርብን ክንቅበልን’ዩ ዘለና።

ይስሓቅ ብዘመን ቁልዕነቱ ከሎ ክወርስ ኣይክእልን። ገላ1:1-2 ክዓቢ፡ በኣእምሮ ኸኣ ሰብኣይ ክኸውን፡ ውርሻ ዝጠልቦ ብጽሕና’ዩ። ይስሓቅ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ብብዙሕ ወገን ተጻብኦ ገጠሞ። ዘሳድድዎ፡ ዝደፍእዎ፡ ካብ ኣብኡ ዝተቀበሎ ከግድፍዎ ዝፍትኑ ተንሲኦሞ። ኢሳቅ ግና ኣብ ክርክርን ክትዕን ክጽመድ ፍቃደኛ ኣይነበረን። ብዝደፍእዎ መጠን ካብታቶም ረሓቀ። ኣብዚ ዘመን ንዘለና ውሉድ ኣምላኽ ድማ ከምኡ’ዩ። ብእምነትን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበና ክንከይድ ከለና፡ ካብቲ ጽቡቅና ዘይፈቱ ጸላእ ጽድቂ ዝዀነ ጸላኢና ሰይጣን፡ ፈተናን መከራን ክመጸና ናይ ግንድ’ዩ። ነቲ ኣምላኽ ዘዳለውልና ከይንወርስ፡ ናብቲ ዝረኣየልና ብምልኣት ከይንኣቱ ዝጻብኣና፡ ናይ ጸልማት ሓይሊ ይጸምደልና። እዚ ኸኣ ብዝተፈላለየ መገዲ ክኸውን ይክእል። ብፍላይ በቶም ንስርሑ መጋብሮ ዝዀኑ ደቂ ኣዳም ጌሩ ከገጥመልና ይፍትን’ዩ። ከምዚ ክኸውን ክንርኢ ከለና ክንጥንቀቅ ይግብኣና። ኣብ ህልኽን ምድፍፋእን ከይንሽመም እሞ ውሽጥና ቀምሲሉ ካብ ጉያ ኣምላኽ ክይንታረፍ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝጸውዓና ምንባር ከይሰኣነና፡ ብጥበብ ክንኣቱን ክንወጽእን ይግብኣና።

                      

ይስሓቅ ነገራት ኣብ ኢዱ ክሰልጠሉ ጀሚሩ። ናይ ኣብኡ ዝነበረ ጉድጓ ምስ ኰዓቶ፡ ጓሶት ጌራት መጺኦም ናትና’ዩ ብምባል ተኸራኸርዎ። ኣብ ክንዲ ምብኣስን መሰሉ ከኽብር ምፍታንን ግና ገዲፍሎም’ዩ ከይዱ። እዚ ኸኣ ብሓቂ ልቦና’ዩ። እ/ሔር ቅንዕና ልቡ ስለ ዝረየ “ኣርሒብሉ”። ይስሓቅ እ/ሔር ከም ዝበየነሉ ምስ ርኣየ፡
“ሕጅስ እ/ሔር ኣርሒቡልና እዩ እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ ክንራባሕ ኢና ኢሉ ስሙ
“ረሓቦት” ኣውጽኣሉ” ዘጸ 26:22

ናብዚ ግሩም ናይ በረኸት ደገ ቅድሚ ምብጻሑ፡ ኢሳቅ ዝገደፎም ክልተ ቦታት ኣለው። ናዞም ክልተ ቦታትት ትርጉም ከኣ ንዓና ንኣመንቲ፡ ኣብዚ ምድሪ ክንነብር ከለና፡ ዓቢ መንፈሳዊ መልእኽቲ ኣለዎም።

ቀዳማይ ገዲፍዎ ዝኸደ ቦታ “ዔሰቅ“: ማለት “ቂምታ” ዝብል ትርጉም ዘለዎ’ዩ
እቲ ካልኣይ ቦታ ኸኣ “ሲጥና”: ማለት “ጽልኢ” ዝብል ትርጉም ዝሓዘለ’ዩ።

ካብቲ ንፈጣሪኡ ዘየኽብር ዝረሓቀ ህይወት ምስ ረኣየሉ፣ እ/ሔር ኣብ ናብራኡ፣ መገዱ፣ ትሕዝትኡ፣ “ርሓቦት” ገይርሉ። ይስሓቅ ኣብቲ ክርክርን፣ ቂምን፣ ጽልእን ዝገዝኦ ቦታ፡ ጊዚኡ፡ ጉልበቱ፡ ሓይሉ፡ ኣየጥፍአን። ካብ ክርክር፡ ቂም፡ ጽልኢ፡ ክሃድም ልቡ ኣቅኒዑ። ንኹራ ይኺድ ስለ ዝሓደጎ ኸቢሩ። ኣብ ጽልኢ ኣይተጸምበረን። ክርክርን ጽልእን ሓይልኻን ጸጋኻን ዘዙርቅ፣ ሰማያት ድማ ዝቁልፍ፡ ምኻኑ ተርዲኡ። ኣብቲ ክርክርን ባእስን ጽልእን ዘለዎ እ/ሔር ከም ዘየለ፣ ኢዱ ንበረኸት ከም ዘይዝርግሕ፡ ተሰወጦ። ዋላ’ኳ ተስፋ እ/ሔር ኣብ ህይወቱ ዓቢ እንተነበረ፡ ክርክርን ጽልእን ናይ በረኸት ጎዳና ከም ዘይኰነ ኣስተውዒሉ። እዚ ኸምዚ ዝበለ ኣካይዳ ኸኣ ናብ “ረሓቦት” መሪሕዎ። ‘ቲ ክሉ ዝኽእል ተዋጋኢ ኣምላኽ ስርሑ ሰሪሑ፡ ናብ ዕረፍቲ ኣይእትይዎ። እዚ ኸኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቲዎስ ዝበሎ ይሰማማዕ:

1 ጢሞ 6:4-5 – ንሱ ብኽትዕን ብዜብእስ ዘረባን ሐሚሙ እዩ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ዘይፈልጥ ንፉሕ እዩ። ካብዚ እዩ ቕንኢ፡ ባእሲ ጸርፊ፡ ሕሱም ጥርጥር፡ ናይቶም ሓሳቦም ዝጠፍኤን ሓቂ ዝሰኣኑን ሰባት ብርቱዕ ጽልኢ ዝመጽእ፡ካብ ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ርሐቕ። እዚኣቶም ኣምልኾስ መገባብሮ ረብሓ ኸም ዝዀነ እዩ ዚመስሎም።

Share this Post


About the Author

Samson Mesghena