መንጸግቲ ዘስዕቦ መጉዳእቲ

/ሔር ኣብ ሰብ ዘቀመጦ ሓደ ጽቡቅ ባህርይ ኣሎ። ንሱ ኸኣ ምስ ካልኦት ናይ ምዝማድ፡ ምትእስሳር፡ ድሌት’ዩ። ሰብ ኻልኦት ሰባት ክቅበልዎን ክሓቅፍዎን ከለዉ ዝስምዖ ባህታ ዓብዮ’ዩ። እ/ሔር ሰብ በይኑ ክኸውን ጽቡቅ ኣይኰነን ብምባል ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ዘለዎ ጽቡቅ ደሌት ገሊጹልና። ዘፍ 2 ነቲ በይኑ ዝዀነ ድማ ናብ ስድራ የእትዎ። ንመኻን ኣደ ቆልዑ ጌሩ ኣብ ቤት ብሰላም የምብራ። መዝ68:6
ሓጢኣት ብዘይ ምእዛዝ ኣቢሉ ናብ ዓለም ምስ ኣተወ ግና ሰብ ምስ እ/ሔርን ምስ ከምኡ ዝበለ ሰብ ዝነበሮ ዝምድናን ርክብን ኣበላሽይዎ። ዝቀጸለ ታሪኽ ሰብ ከኣ ምኽሕሓድ፡ ምቅንናእ፡ ምድፍፋእ፡ ምንጽጻል፡ ምቅትታል ኰይኑ። እዚ ኸኣ መግደራ’ዩ።
ሰብ ንርክብ ስለ ዝተፈጥረ፡ “ክንጸል” ከሎ ዝስምዖ ቃንዛ ከቢድ’ዩ። ኣእምሮኣዊ፡ ስምዒታዊ፡ መንፈሳዊ፡ ካብኡ ሓሊፉውን ኣካላዊ መጉዳእ የስዕበሉ። ሰብ ኣዝዩ ዝፈርሆ ነገር እንተሃልዩ’ውን ብኸምኡ ሰብ “መንጸግቲ” ከይገጥሞ’ዩ። መታን ከይንጸግ፡ ከይንጸል፡ ከይግለል፡ ከኣ ዘጥፍኦ ሓይልን ጊዜን ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ።
ካብዚ ተመክሮ ከምልጥ ዝኽእል ግን ወለሓደ የልቦን። እንተብሒደት ወይስ ብብዝሒ፡ ኩሉ ሰብ ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ህይወቱ ይምከሮ። ገሊኡ በቶም ኣዝዮም ዝቀርብዎ ወለዱ ይንጸግ። ገሊ ኸኣ ብመቅርብቱን ዝፈትዎምን ዝኣምኖምን። ብመሓዝኡ፡ መማህርቱ፡ መሳርሕቱ፡ ኣስራሕቱ፡ ብሰብኣያ፡ ብሰበይቱ፡ ብመሳትኡን መጻውቱን ይምከሮ። ኣብ ህይወትና ምልስ ኢልና እንተጠሚትና ከኣ ብሓዘን፡ ብንብዓት፡ ርእስና እናነቅነቅንቅ እንዝክሮ ዝገጠመና “መንጸግቲ” ብዙሕ’ዩ። ገሊኡ ከምዛ ትማሊ ዝዀነ እናመሰለና፡ ከም ሓድሽ መድመይቲ ኰይኑ የሕመናን የሳቅየናን።
ብሓፈሻ ኣብ ዓውደ ክንክን ኣእምሮኣዊ ጥዕና፡ “መንጸግቲ” ማለት ሰባት ዘይተቀበሉና ክመስለና ከሎ ዝስምዓና ሕፍረት፡ ሓዘን፡ ጓሂ የመልክት። ብተግባርን ኣቋውማን ካልኦት፡ ሓቂ ወይውን ዝመሰለና፡ ኣይትረብሕን ኣይትጠቅምን ብቁዕ ኣይኰንካን ዝብል ምልክት ክህበና ከሎ ዝስምዓና ውሽጣዊ ቃንዛ’ዩ። ዘሕልፈና መልእኽቲ እንተሃልዩ ቅቡል ኣይኰንካን፡ ዋጋኻ ትሑት’ዩ ዝብል’ዩ። “ተነጺግካ” ማለት ተሓዲካ፡ ተረጥሪጥካ፡ ተጠሊምካ፡ ተደርቢኻ፡ ተጓሒፍካ ማለት’ዩ። እዚ ኸኣ ክትምከሮ ኣይኰነን ክትሓስቦ’ውን ከቢድ’ዩ። ስለዚ እ/ሔር ኣነ ኣይሓድገካን፡ ኣይጥንጥነካን ፈጺመ ኣርስዓካን ክብል ከሎ ዓሚቕ ዝዀነ ምጽንናዕ ኣለዎ። ኢሰ49:15,16 እብ13:5
ሰብ ኣብ ማህጸን ከሎ ክንጸግ ይኽእል’ዩ። ካብ ምንጻል ዘምለጡ ብዙሓት ኣለው። ምስ ተወልዱ እንተዀነ በቶም ክሓቅፍዎምን ፍቅሪ ክምግብዎም ዝግብኦም ዝተሓድጉ ብቁጽሪ ሒደት ኣይኰኑን። እ/ሔር ግና ኣብ ማህጸን ከይትኣለምና ይፈልጠና። የዕጽምትና ይፈልጠን። መዓልትታና ይፈልጠን። መዝ 22:10 መዝ139:13 መዝ71:6 “መንጸግቲ” መታን ከይስዕረና ኩሉ ግዜ የዒንትና ንዕኡ ክንጥምት ከም ዘለዋ ኣጠንቂቁና ኣሎ። እብ12:1-3 ምኽንያቱ “መንጸግቲ” ብግቡእ እንተዘይተኣልዩ፡ መጉዳእቱ ከቢድ ስለ ዝዀነ። መንጸግቲ ዘስዕቦ መጉዳእቲ ኣንተሃልዩ፡

1.ንርክብ ዘለና ድሌትና የዛብዖ
ከምቲ ኣቀዲምና ዝበልናዮ ሰብ ንርክብ፡ ዝምድና፡ ‘ዩ ተፈጢሩ። እዚ ኸኣ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ብእ/ሔር እተነብረ ድሌት’ዩ። ስለዚ ሰባት ተቀቢሎሞ ዝምድናን ርክብን ክገብር ተፈጥሮኣዊ መንነቱ’ዩ። ክገብር ምድላዩ ኸኣ ጥዕና የመልክት። “ንጽገት” ምስ ዝገጥሞ ግና እዚ ኣምላኽ ዝሃቦ ድሌት ይዛባዕ። ካብ ሰብ ክሃድምን ክግለልን ይፍትን። ተኣሳሲሩ ዓሪፉ ከይነብር ይገብሮ። ከም ቃኤል ከኣ ኰብላልን መቅባሕባሕ ይኸውን። ኣብ ጽምዋ ክነብር ይመርጽ። ብስሩ ዘይምጥዓይ ዘመልክት ክነሱ፡ ንሰብ ከኣ ናብ ዝገደደ ኣእምሮኣዊን ስምዒታውን መብረስቲ ይመርሖ። እዚ ፈተነ ንበይንኻ ተፈሊኻ ምንባር፡ ምስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰብ ዘንበሮ ባህርይ ይቃረን ጥራይ ዘይኰነ፡ ምልክት ውሽጣዊ ዘይምጥዓይ የመልክት።

2.ብሓርቖት ከም ነዕለቅልቅ ይገብረና
ሰብ ከምኡ ዝበለ ሰብ ክቅበሎን ክሓቅፎን ከሎ ዝስምዖ ባህታ ታእላው የብሉን። ውሽጣዊ ዕጋበቱ እናወሰኸ ይኸይድ። ብ ኣንጻሩ “መንጸግቲ” ክገጥሞ ‘ከሎ ልቡ ተሰቢሩ፡ ሓርቖት ይወሮ። እዚ ሓርቆት ከኣ፡ ነቲ ሰብ ኣብ ዘይደልዮ ኣሉታዊ መገዲ ይመርሖ። ኣብ ውሽጢ ዝተዋህለለ ሓርቆት ናብ ምረት ስለ ዝቅየር፡ እቲ ሰብ ከይተፈለጦ ጸርፊ፡ ታዕታዕ፡ ነድሪ፡ ኩራ፡ ክፍኣት ቅዲ ህይወቱ ይኸውን። ኤፌ4:31 የሕዋት ዮሴፍ ከኣ ነዚ ግቡእ ምሳሌ ይዀኑና። ኣብኦም ያእቆብ ንዮሴፍ ኣብሊጹ ብምርኣዩ ዝጎሰዮም ስለ ዝመሰሎም፡ ኣብ ልቦም ቅንኢ፡ ጽልኢ፡ ሓርቆት፡ ቁጥዓ፡ ጭካነ ክጥጥዕ ከሎ ንምልከት። እዚ ኸኣ ዘፍርህ ውጽኢት መንጸግቲ’ዩ።

3.ንንያትናን ምትእምማናን ይብሕግጎ
ሰብ፡ ብፍላይ ብዕድመ ንኣሽቱ ዝዀኑ፡ ሰብ ክቕበሎም ከሎ፡ ብዛዕባ ርእሶም ዘለዎም ኣጠማምታ ክጥዒ ይገብሮ። ብኣንጻሩ ሰብ ዝተነጽገ ክመስሎ ከሎ ናብ ውሽቱ ብምእታዉ ብዛዕባ ርእሱ ዘለዎ ኣጠማምታን ምትእምማን ባሕጊጉ የጥፍኦ። ኣካይዳኡን መገዱን ዘይርጉእ ይገብሮ። ዝረግጾ ዘበል ዝሰጥም እናመሰሎ ብስክፍታ ይኸውን። ትብዓቱ ስለ ዝውሰድ ክዛረብ ኰነ ክገብር ብፍርሓት ይኸውን። ኣብ ቅድሚ ምርኡያት ዝብሎም ክዛረብ ኣእዳው እናረሃጸ፡ ቃላቱ እናተቆለፈ፡ ይሽገር። ብእምነት ምስጓምን ምዝራብን ዓቀብ ይዀኖ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዘለዎ ኣጠማምታ ካልኦት ሰባት ምስ ዝብልዎን ዝገበርዎን ከተሓሕዞ እንተፈቲኑ፡ ኣብ ጽላሎት ሓደጋ ይነብር። እዚ ኸኣ ናይ ዘበንና ርኡይ ተመክሮ’ዩ።

4.ከም ዘይንድለ፡ ዋጋ ከም ዘይብልና፡ ቅቡላት ከም ዘይዀና፡ ክስምዓና ይገብር
እቲ ዝዓበየ ንሰብ ዝተዋህበ ውህበት እንተሃልዩ፡ ምስ ዝረዳድኦ፡ ቋንቁኡ ዝዛረብ፡ ክነብር ምፍጣሩ’ዩ። ስለዚ ገዛእ ርእሱ ምስ ከምኡ ዝበለ ሰብ ከመዛዝና ምድላዩ ንቡር’ዩ። ከምኡ ዝበለ ሰብ ምስ ዝነጽጎ ከኣ ኣብ ውሽጡ ሰንጢቁ ዝኣቱ በሊሕ ፍላጻ ኣሎ። ንገዛ ርእሱ ከም ዘይብቅዕቲ፡ ዋጋ ከም ዘይብላ፡ ነቀፋን ጉድለትን ከም ዘለዋ ክርእያ ይቅሰብ። ኣነ መን’የ፧ ዝረብሖ እንታይ ኣለኒ፧ ገለ ጎደሎ ዘለዎ ኰይኑ ስለ ዝስምዖ፡ ንርእሱ ከም ዘይብቅዕትን ዋጋ ከም ዘይብላ ጌሩ ክርእያ ይግደድ። እዚ ከምዚ ዝበለ ዝተበላሸወ ርእሰ ጠመተ ከኣ ንሰብ ኣብ ሕፍረት ከም ዝቁለፍ ይገብሮ። በቲ ኣምላኽ ንሰብ ዝሃቦ ማንነት ኣእምርኡ እንተዘይተሓዲሱ ከኣ፡ ኩሉ ጊዜ ኣብ ስቃይ ይነብር።

5.ናብ ዝገደደ ጭንቀትን ቅዛነን ከም ንዝሽመም ይገብረና
ሰብ ክንጸግ ከሎ ይሓርቕ ጥራይ ዘይኰነ፡ ናብ ጭንቀትን ቅዛነትን ኣቢሉ ይሽመም። ብግቡእ ዘይተኣለየ መንጸግቲ ዘስዕቦ ማህሰይቲ እምብዛ ከቢድ’ዩ። ምጻሩ ስለ ዝሰኣኑ ኣብ ጭንቀትን ቅዛነትን እተሸሙ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ስለ ዝጸልመቶም ርእሶም ዘጥፍኡ ኣለዉ። በዚ ተጠቂሙ ኸኣ ጸላኢና ሰይጣን ህይወት ብዙሓት ሰባት ኣብሪሱ ይርከብ። እዚ መንፈስ ምንጻግ ከኣ ክሰዓር ኣለዎ። 1ሳሙ18፡7-11

6.ድሌት ምግጣምን ታህነ ብኻልኦት ሰባት ቅቡል ምዃንን የሕድር
ኣብ ሰባት ቅቡል ክትከውን ምድላይ ጌጋ ኣይኰነ። “መንጸግቲ” ዝገጠሞ ሰብ ግና ሰባት መታን ክቅበልዎ፡ ገጾም ከፈሽሕውሉ፡ ዝኸዶ መገዲ ኣሎ። ዝበዝሕ ጊዜ ኸኣ ጥዕና ዘለዎ ኣይኰነን። መታን ክገጥም ኢሉ ሰባት ዝሕጉስሉ ክግብር ይግደድ። ዘይንሱ ብምዃን፡ መንነቱ ብምሕባእ፡ ከኣ ምስ ካልኦት ክቐርብ ይፍትን። ሰባት ከይነጽግዎ ብምፍራህ ከኣ ዘይደልዮን ዘይሰማምዓሉን ነገራት ክገብር ይግደድ። ዝኸፈለ ዋጋ ከፊሉ ኸኣ ሰባት ከሕጉስ ይፍትን። እዚ ኸኣ ናብ ዘይደልዮ ምረትን ብስጭትን ይመርሖ። እዚ ኸኣ ካብ ን ኣምላኽ ምፍራህን ምሕጓስን ዝያዳ ንሰባት ከም ዝፈርሁ ይገብሮም። ዮሃ9:20-23

ብቈልዑቶም መንጸግትን ዓመጻን እተመኰሩ ሰባት፡ ዘይተዓረቀን ዘይተፈትሐን ስምዒታዊ ቁስሊ ሒዞም ይዓብዩ። መንጸግቲ ዘስዕቦ ስምዒታዊ ቁስሊ ኣሎ። እንተዘይጸርዩን ተለቂቁን ከኣ እናዓበየን እናመገለን ብምኻድ፡ መንፈሳዊ ቁስሊ (ይቅረ ዘይምባል፡ ቅንኢ፡ ንኣምላኽ ምንቃፍ፡) የስዕብ። እዚ መንፈሳዊ ቁስልታት ከኣ ንሰይጣን ባይታ ብምሃብ ከም ዘብርሰና ይገብሮ። ዕላማ ጸላኢና እምበር ስምዒታዊ ክሻታትና በቲ ምስ ገዛእ ርእስናን ካልኦትን ምስ ኣምላኽን ዝኸውን ኣሉታዊ ዝዀነ ስምዒታት ክመልእ ምጽዓር’ዩ።
እ/ሔር ከም እተነጸግናን እተረጥረጥናን ኰይኑ ክስምዓና ፈጺሙ ኣይደልን። ብክርስቶስ መን ምዃናን ክሳዕ ክንደይ ከም ዘፍቀረናን ዝተቀበለናን ዘመጎሰናን ክንርዳእ ይደልየና። ካብዚ ምርዳእ እተላዕለ ኸኣ ፍረ ዘለዎን ነቲ ኣምላኽ ዝመደበልና ህይወት ክንነብር የኽእለና። ኣብ ፍቅሩ ከይተሰረትናን ከይተሃነጽና ምልኣት ዘለዎ ህይወት ከነብር ከም ዘይንኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና። ኤፌ3:19
ልዕሊ “ምንጻግ” ወጺና፡ ዕውት ህይወት ክነብር እንተዀይኑ፡ መንነትና ኣበይ ከም ዝሰረትና ክንፈልጥ ኣለና። ቃንዛን ቃንዛ ዘምጽኦ ማህሰይትን እንስዕረሉ ቀንዲ መገዲ ብዛዕባ መንነት ዘለና ሽግር ክንፈትሖ ከለና’ዩ። ንመንነትካ መን ክገልጾ፡ ክትንትኖ፡ ተፍቅድ፧ ዝብል ሕቶ ክንምልሶ ኣለና። ሱር ናይ “መንጸግቲ” ንምፍላጥ ቀሊል’ዩ። መንነትና ኣብ ዘግባእ ከነንብሮ ከለና ንመንጸግቲ ገዛእ ርእስና ነቃልዕ። መንነትና ካብ ኣምላኽ ሓሊፍና ኣብ ሰባት ወይውን ኣብ ነገራት ክንገብር ከለና፡ ገዛእ ርእስና ንመንጸግቲ ነቃልዕ። ወለድና፡ ኣዕሩኽትና፡ መማህራንና፡ ብዛዕባና ዝሓስብዎን ዝብልዎን ክንሰምዕን ብእኡ ርእስና ክንርእያ እንተፈቲና፡ ብዛዕባ ርእስና እተዛብዐ ኣጠማምታ ከነማዕብል ናይ ግድን’ዩ።

Author

Samson Mesghena