ርእሰ ንቕሓት ኣብ ስምዒታዊ ብልሒ

እሰ ንቕሓት” ማለት ስምዒታትካ ብትኽክል ንምርዳእ ብቕዓት ምህላው፡ ኩነታት ክፍጠር ከሎ፡ ዝዛወ፡ ዝንባለ፡ ገዛእ ርእስኻ (self tendencies) ምርዳእ ማለት ‘ዩ። ንፍጻሜታትን ብድሆታትን ዘለና ስምዒታዊ መልሲ ከኣ ይድምር። ኣብ ዝዛወና ዝህልወና ህንጡይን ዓሚቕ ምርዳእን ከኣ ንስምዒታትና ብቕልጡፍ ክነቕልበሉ ይሕግዘና። ልዑል ዝዀነ ርእሰ ንቕሓት ክህልወና ተዀይኑ፡ ኣሉታዊ ኣብ ዝዀነ ስምዒታት ኣድህቦ ብምግባር፡ ዝስምዓና ዘይምቹእነት ክንጻወሮ ክንክእል ከለና ‘ዩ።

ብሓቒ ስምዒታትና ክንርድኦ፡ ካበይ ከም ዝመጹን ንምታይ ኣለው ንምፍላጥ፡ ጊዜ ወሲድና ብዛዕብኦም ክንሓስብ ይግባእ።  ስምዒታት ዘገልግልዎ ዕላማ ኣለዎም። ኣብ ከባቢና ንዝኸውን ንህቦ ምላሽ ስለ ዝዀነ፡ ስምዒታት ኩሉ ጊዜ መበገሲ ኣለዎም። ብዙሕ ጊዜ ስምዒታት ካብ ረቒቕ ኣየር፡ ማለት ዘጭበጥ፡ ዝብገስ ክመስለና ይኽእል’ዩ። ስለምንታይ ንነገራት ስምዒታዊ ምላሽ ክንህቦም ንቕሰብ ክንፈልጥ ኣገዳሲ ‘ዩ።

ርሱን ስምዒት ዝፈጥሩ ፍጻሜታት ንምርዳእ፡ ዓሚቕ ሓሳብን ምርዳእን ይሓትት። ነዊሕ ሓሳባዊ ኣስተንትኖ ዝገብሩ ሰባት ከኣ፡ ብስምዒቶም ተደሪኹም ደሓር ዘጣዕሶም ነገር ከይገብሩ ገዛእ ርእሶም ክገዝኡ ዓቕሚ ኣለዎም።

ርእሰ ንቕሓት” ክንብል ከለና ሕቡእ ጸልማት፡ ወኒ-ኣልቦ ድርኺት ምፍታሽን ምርካብን ማለትና ኣይኰነን። የግዳስ ቂምቒም (tick) ክንብል ምኽንያት ዝዀነና፡ ቀጥ ዝበለን ሓቐኛን ምርዳእ ክህልወና ከሎ ማለትና ዩ። ልዑል ዝኰነ ርእሰ ንቕሓት ዘልዎም ሰባት፡ ዝገብርዎ ነገራት፡ ዘተባብዖምን ዘዕግቦምን፡ ንቓታቶም (triggers) ዝተናኽፉ ኩነታትን ሰባትን፡ ንጹር ዝዀነ ምርዳእ ኣለዎም።

ዘገርምን ነገር ብዛዕባ ርእሰ ንቕሓት ተሃልዩ፡ ዋላ’ዃ ኣብ መጀመርያ ኣተኩሮና ኣብ ዝገበርናዮ ጌጋ ተዀነ፡ ብዛዕባኡ ብምሕሳብና ጥራይ ክእለትና የማዕብሎ። “ርእሰ-ንቕሓት” እናዓበየ ክኸይድ ከሎ፡ ኣብ ስምዒታዊ “ጌጋታትና” ዝህልወና ፍርሒ እናጎደለ ክኸይድ ይገብሮ። ህይወትና እናተገንጸለ ክመጽእ ከሎ፡ ‘ታይ ክንገብር ከም ዘለና ጽቡቕ ዝዀነ ሓበሬታ ይህቡና።

ርእሰ-ንቕሓት” መሰረታዊ ሜላ ‘ዩ። ‘ዚ ኽእለት ዝወነነ ሰብ፡ ነቶም ካልኦት ስምዒታዊ ብልሕታት ብቐሊል ክጥቐመሎም ቀሊል ይኸውን። ምስ ሰባት ኰይንና ንገብሮም ስርሓት (team work)፡ ርእሰ-ንቕሓት ኣገዳሲ ባእታ ‘ዩ። ቅኑዕ ዝዀነ ርእሰ ንቕሓት ምስ ዝህልወና፡ ቅኑዕ ዝዀነ ዕድላት (opportunity) ብዝግባእ ክንቕበሎ፡ ሓይልና ኣብ ግቡእ ከነውዕሎ፡ ስምዒታትና ንድሕሪት ኣቢሉ ከይስሕበና ዕርዲ ይዀነና።

ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እንመሃር ኣብ ጊዜ ቅልውላው ምኻኑ ተመክሮ ይምህረና። ምቹኡነት ክስምዓና ምስ ዝገብር ኰነታት ክንተሓቓቖፎ፡ ዘይምቹእነት ክስምዓና ዝገብሩ ነገራት ከኣ “መጋረዲ” ክንገብረሮም ልምዲ ኣለና። ምሉእ ርእሰ ንቕሓት ክህልወና ተዀይኑ፡ ንኽልቲኡ ወገን ክንርእዮን ከነመስርሖን ኣለና። ውቑብ ንብሎን ዝተበላሸወ ኩሉ ክንርዳእ ክንፍትን ከለና፡ ምሉእ ርእሰ ፍልጠትን ብቕዓትን ክህልወና ይሕግዝ።

ስምዒታትና ናይ ባዕልና ‘ዮም

ብዙሕ ጊዜ ስምዒታትና ብደገ ኻልኦት ሰባት ዝለዓዓሉ ይመስለና። መብዛሕትና ኸኣ ሰባት ብዝገብርዎን ዘይገብርዎን ንምዝራብ ተቐዳዲምና ኣብ ፍርዲ ንኣቱ። ናይ መጀመርያ ስጉምቲ ርእሰ-ንቕሓት ግና፡ ገለ ነገር ክኸውን ከሎ ኣብ ውሽጥና ዝተቐመጡ ስምዒታት ንግዳም ከም ዝወጹ ምፍላጥ ዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ኩሎም ስምዒታት ናትናዮም እምበር ካብ ካልኦት ሰባት ንቕበሎም ኣይኰኑን።

ከም ልሙድ “የሕሪቕካኒ”፡ “ኣቖጢዕካኒ” ንብል ኢና። ከምኡ ክኸውን ግን ኣይግባእን። ብደገ ኰይኑ ዝውላዕን ዝጠፍእን ስምዒት የብልናን። ከምዚ ብምግባርካ/ኪ ንስምዒታተይ ኣለዓዒልካዮ ክንብል ንኽእል ኢና። እንተዘይኰነ ወለ ሓደ ሰብ ንስሞዒታትና ክዝውሮ ኣይክእልን። ሰብ ኣብ ድሮ ኣብ ውሽጡ ተዘይብሉ፡ ብደገ ሓድሽ ነገር ዝኣትዎን ዝስክዖን ነገር የለን።

ገለ ነገር ክስምዓና ክገብር ዝኽእል ሓይሊ ዘለዎ ሰብ ከምዘየለ ምፍላጥ ምስትውዓል ዩ። ስምዒታትና ካባኻ ጥራይ ‘ዮም ክነቕሉን ክመጹን ዝኽእሉ። ስምዒት ዓይኒ ማያት ኣባና ‘ዩ ዘሎ። ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ዝተኸዘኑ ስምዒታት ዘለዓዕሉ (trigger) ደጋዊ ባእታት ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም። ስምዒታትና ካባና ስለ ዝወጹ፡ ብዛዕባኦም ዘለና ንቕሓት ዓቢዩ ክንገትኦም ክንቖጻጸሮምን ንኽእል ኢና።

ብዛዕባ ስምዒታዊ ብልሒ ምስ ርእሰ ንቕሓት ክንዛረብ ከለና፡ ክንሓቶ ዘለና ኣገዳሲ ሕቶ ተሃልዩ፡ ብዛዕባ ስምዒት ዘለና ፍልጠት ክሳዕ ክንደይ ‘ዩ፧ ክንደይ ዓይነት ስምዒታት ክንዝርዝር ንኽእል፧ ዘለና ምርዳእን ፍልጠትን፡ ንስምዒታትና ከነለልዮን ብትኽኽል ሽሙ ክንጽውዖ ይሕግዘና።

ንምሳሌ፡ ሓደ ሰብኣይ ዘዝበልዓሉ ረሳሕ ቢያቲ ኣብ ጣውላ እናሓደገ፡ ንሰበይቱ ብዙሕ ተኸኽ ከብላ ይኽእል ‘ዩ። ነዚ ድማ ብኽልተ መገዲ ስምዒታዊ መልሲ ክትህበሉ ትኽእል። ‘ቲ ቀዳማይ፡ “ንስኻ ጽሬት ኣይትፈልጥን ኢኻ”፡ “ኣነ ከዳሚትካ መሲሉካ፧” “ንስኻ ብዛዕባይ ግዲ የብልካን”፡ “ኣብ ቤት መግቢ ዘለኻ መሲሉካ” ዝብልን ካልእን ዩ። እዚ ድማ ንግዚኡ ክሽነን ኣቑሕትን ከጽሪ ይሕግዘካ ይኸውን። ከምዚ ዝበለ ኣተሓሕዛ ግና “ምስትሕፋር” (shaming) እምበር ቕኑዕ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ይኹን በዓል ቤታ ዘለዋ ኣጠማምታ ይገልጽ።

እቲ ዝሓሸ ስትራተጂ ግና ከምዚ ክትብል ከላ ‘ዩ። “ዝበላዕካሉ ኣብ ክሽነ ተደርብዩ ክጸንኻኒ ከሎ፡ ኣነ እበሳጮ፡ እሓርቕ ኣለኹ”። ‘ቲ ዝዀነ ሓቒ ብምጥቓስ ዝተሰምዓ ትገልጽ ኣላ። ከምዚ ብምግባራ ስምዒታታ ትውንኖም ምህላዋ የመልክተና። ናታ ትገብሮም ኣላ። “ኣነ” ብምባላ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተተኩር ኣላ። ብምኽሳስ (blaming) ዘይኰነ፡ ዝተሰምዓ ብምንጋራ፡ ምስ በዓል ቤታ ኣብ ጽቡቕ ባይታ ደው ክትብል ይሕግዛ።

ካብ “ንስኻ” ብምባል ነቲ ሰብ ነዋርዶን ነቓልሎን፡ “ኣነ” ብምባል ዘለና ርእሰ ንቕሓት ብዝግባእ ንገልጽ ስለ ዘለና፡ ንዓና ይኹን ነቲ ካልእ ሰብ ግሉጽ ዝዀነ ሃዋሁው ይፈጥር። ”

“ኣነ” ብምባልና ብዛዕባ ስምዒታትና ደኣ እምበር፡ ፍርዲ (judgment) ነወግድ ምህላውና ርጉጽ’ዩ። “ኣነ” ብምባል ከም ዝሓረቕናን ዝተቖጣዕናን ብምግላጽና፡ ነቲ ሰብ ከመይ ከም ዘለና ነረድኦ ኣለና። “ንስኻ” ረሳሕ፡ ዘይትግደስ፡ ሃካይ፡ ዝብል ብምውጋድና ኸኣ ካብቲ ሰብ ግቡእ መልሲ ክንረክብ የኽእለና። ኣብ መንጎ ስምዒታትና ምግላጽን ኣብ ተግባብሮ ካልኦት ሰባት ምፍራድን ዘሎ ፈላሊና ብምፍላጥና፡ ጥዕና ዘለዎ ርክብ ክንፈጥር የኽእለና።

ምሳሌ ልዑል ርእሰ-ንቕሓት ዘለዎምን ዘይብሎምን ሰባት
  1. ዳዊት ስምዒታቱ ብደምቢ ዝገልጽ፡ ዝግመት ባህርይ ዘለዎ ሰራሕተኛ ‘ዩ። ኣብ ዝዀነ ኩነታ፡ ይዕበ ይንኣስ፥ ኩሉ ጊዜ ህዱእ፡ ዘይርበሽ፡ ምቕሉል ዩ። ዘሕርቖ ምስ ዝኸውን’ውን ተዀነ፡ ህውኽ ኢሉ ዘይዛርብ ዕጉስ ሰብ ‘ዩ። ብዛዕባ ስምዒታቱ ካብ ስርዓት ከይወጸ ብግልጺ ይዛረብ። መርገጺኡ ብቐሊሉ ብዙሕ ዘይቕይር ክነሱ፡ ለዋህ ከኣ እዩ። ኣብ ኩሉ ርክባቱ ቕኑዑን ክፉትን ‘ዩ። ለዋህ እኳ እንተዀነ፡ ኣብቲ ብጽኑዕ ክዛረበሉ ዘለዎ ንድሕሪት ኣይብልን። ኣብ ጽንኩር ኩነታት፡ ዓውታ ዘረባኡ ኣዝዩ ዝቖጻጸር ንቑሕ ዩ። ሰባት ከኣ ይኣምንዎ።
  2. ጊለ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ኣብ ናቱ ዓለም ጥራይ ዝነብር ሰብ ‘ዩ። ዋላ ኳ ብዛዕባ ሰባት ዝግደስ ‘ተዀነ፡ ደረቱ ብዙሕ ዝፈልጥ ኣይመስልን። ፐርሰናሊቱ ኣጨናቒ ኳ ተዀነ፡ ቲ ካልእ ሰብ ክሓርቕን ክጉህን ከሎ ብዙሕ ዘስተውዕል ኣይመስልን። ዝገብሮ ዝፈልጥ ብዙሕ ክእለት ዘለዎ ዩ። እንተዀነ ግን ምስ ሰባት ዘለዎ ርክብ ሓርፋፍ ‘ዩ። ኣብቲ ዝገብሮን ክበጽሖን ዝደሊ ብዙሕ ስለ ዝወሓጥ፡ ብዛዕባ መስርሕ ብዙሕ ኣቃልቦ የብሉን። ሰባት ዝገብርዎ ዘለዎ ከየስተብሃለ፡ ኣብ መንጎ ኣትዩ የቋርጾም።