ኣብነታት ባህርያት ርእሰ-ዕንወት

 እሰ-ዕንወት ማለት ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋራ፡ ብንጡፍ ይኹን ብዘይ ንጡፍ መገዲ፡ ገዛእ ርእስኻ ዝሃሲ ነገር ክትገብርን ክትለማመድን ከለኻ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ምርዳእ እንገብሮ ባዕላዊ ተግባር እዩ።

ባህርይ ርእሰ-ሃስያ ከም ዝነበረና፡ ከም ዘለካ ምእማን፡ ናይ መጀመርያ ወይ’ውን መወዳእታ ክትከውን ከም ዘይትኽእል ርዱእ እዩ። ኩልና በዚ ናይ ጸላም ሩባ ሓሊፍና ኣለና።

ንእንፈትዎም ሰባት ደፊእና ካባና ምርሓቕ፡ ሓሳብ ርእሰ-ፍሽለት ምእንጋደ፡ ንውሑስ ዘይኰነ ምሕዝነት ገዛእ ርእስና ምሃብ፡ ካልእን ባህርያት ርእሰ-ዕንወት ተለማሚድና ኣለና።

ርእሰ-ዕንወት መብዛሕትኡ ካብ ትሑት ርእሰ-ጠመተ፡ ርእስኻ ትሑት ዋጋ ካብ ምሃብ፡ ርእሰ-ጽልኣትን ካልእን ጥዕና ዘይብሉ ርእሰ-ጠመተ ዝምንጩ ምልክታት ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ብምቱኳር፡ ርእሰ ተኣማንነት ከነማዕብል ክንጽዕት ኣለና።

18 ምልክታትን ልምድታትን ርእሰ-ዕንወት

ርእሰ-ዕንወት ብብዙሕ ሽፋን ይግለጽ። ገሊኡ ብንጡፍ፡ ገሊኡ ዘይንጡፍ ይግለጽ። መታን ክንዓብን ናብ ዝሓሸ ክንፈልቕ፡ ርእሰ-ዕንወት ብኸመይ ይግለጽ ክንፈልጥ ጽቡቕ እዩ። ኣብዚ ጽሑፈይ ድማ ኣስታት 18 ዝዀኑ ዘርዚረ ኣለኹ።

  1. ሓሳብ ርእሰ ፍሽለት

እዚ ዝበዝሕ ጊዜ ብዘይምርዳእ ዝግበር ርእሰ-ሃስያ እዩ። እዚ ኸኣ “ባዕላዊ-ትምቢት” ቢልና ንጽውዖ። ንኣብነት ንምጥቓስ፡ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ከምዚ ይብል፡ “ከም ዝፈሽል ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ንምታይ ዝፍትን”፡ “ብህይወት ኣይክወጽእን እየ”፡ “እዚ ፈጺሙ ከብርሰኒ እዩ”፡ “ነዚ ፈጺመ ኣይክእሎን እየ’። ሓሳብ ዘልምስ ርእሰ-ሃስያ እዩ።

  1. ግቡእ ስጉምቲ ዘይምውሳድ

እዚ ዘይፍሉጥ ምልክት ርእሰ-ሃስያ እዩ። ከም ዘየርብሓና/ዘይጠቕመና እናፈለጥና፡ ንምዕራዩ/ንምእራሙ፡ ንምሕዳጉ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክንቁጠብ ከለና ዝኸውን ርእሰ-ዕንወት እዩ።

  1. ግቡእ መግቢ ዘይምምጋብ

ገሊኡ ካብ መጠን ንልዓሊ ዝበልዕ፡ ገሊኡ ኸኣ እኹል መግቢ ዝሕረም ኣሎ። እዚ ኸኣ ውሽጣዊ ስምዒታዊ ቃንዛ፡ ትሑት ርእሰ ጠመተ፡ ንዝረኽበና ዝተፈላለየ ጸቕጢ ንምሽፋን ንጥቀመሉ፡ ናብ ዝገደደ ስነ-ኣምሮኣዊ ጸገም ዝኽብክበና ኣዕናዊ ርእሰ-ሃስያ እዩ።

  1. ግዱድ ጉድለት-ብቅዓት

ብዙሓት ገና ሓንቲ ስጉምቲ ከይወሰዱ፡ ገዛእ ርእሶም ከም ደንቀሮ፡ ክእለትን ዓቕምን ከም ዘይብላ፡ ዓወት ክጭብጡ ዘይክእሉ ጌሮም ይቆጽርዋ። እዚ ኸኣ ሓሳብ ዘልምስ፡ ሕልና ዘዕርብ፡ ሓደገኛ ርእሰ-ሃስያ እዩ። ኣብ ዘለዎም ተፈጥሮኣዊ ትዕድልቲ፡ ክእለት ርእሰ ተኣማንነት ካብ ዘይምህላው ዝምጩ እዩ።

  1. ርእሰ-ጉድኣት

እዚ ኸኣ ሕሉፍ (extreme) ዝዀነ ርእሰ-ዕንወት እዩ። ገዛእ ኣካላትካ ብዝተፈላለየ በላሕቲ ነገራት ምጥባሕ፡ ርእስኻ ኣብ መንፈቕ ምኑጓጽ፡ በእዳውካን ብሓለንጊን ንኣካላትካ ምዝባጥን ምግራፍን፡ መንደቕ ብኣእዳውካ ምህራምን ካልእ ክኸውን ይኽእል። ርእሰ-ጉድ ኣት ካብ ትሑት ርእሰ ጠመተ ዝነቕል ኰይኑ፡ ውሽጣዊ ስምዒታዊን ስነ ኣእምሮኣዊን ቃንዛ ንምእላይ፡ ንምሽፋን፡ ንምርሳዕ እንጥቀመሉ፡ ኣብ ኣካላትና ነውርዶ ጉድኣት እዩ። ግዚያዊ እፎይታ ይህበና ይኸውን። እንተዀነ ግና ንዝገደደ ቃንዛን ገድልን የጋልጸና።

  1. ንኻልኦት ንምጉዳእ ካብ ግቡእ ማሕበራዊ ልምዲ ምውጻእ

ብዙሓት ብድፍረት ብቓል ኰነ ብግብሪ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃስያ ንምውራድ፡ ካብ ግቡእ መገዲ ብድፍረት ዝወጹ ኣለው። እዚ ኸምዚ ዝበለ ባህርይ ካብ ውሽጣዊ ገድልን ነውጽን እቲ ሰብ ዝብገስ እዩ። እዚ ኸኣ ብስምዒት ገበንነት ጀሚሩ ናብ ዝገደደ ስነ-ኣእምሮዊ ገድሊ ዝመርሕ ርእሰ-ሃስያ እዩ።

  1. ምስትምሳል

ብዘይምርዳእ ዝግበር ዘይንጡፍ ርእሰ-ሃስያ እዩ። ገዛእ ርእስና ከም ቁርሱሳት፡ ኩሉ ጊዜ ዘይሰልጠልና፡ ዘለና ጽቡቕ ነገር ከየቕለብና፡ ብዛዕባ ጸገምና ሕቒቕ ምባል፡ ከነዕዘምዝም ከለና ዝኸውን እዩ። እዚ ኸኣ ሓይሊ ዝጽንቕቕ፡ ንቕድሚት ከይትስጉም ዝሓላልኽ ርእሰ-ሃስያ እዩ።

  1. ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ መስተን ዕጸ-ፋርስ

እዚ ባህርይ ግሁድ ዝዀነ ተግባር ርእሰ-ሃስያ እዩ።  ዘይግባእ መስተን ዕጸ-ፋርስ፡ ካብ ውሽጣዊ ቃንዛ ንምህዳም ዝግበር፡ ናብ ዝገደደ ስነ-ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ገድሊ ዝመርሕ ኣዕናዊ ባህርይ እዩ። ኣብቲ ሰብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ከባቢኡ ንዘለው ካልኦት ከይተረፈ ዝጩንጓዕ ሓላኺ ርእሰ-ሃስያ ምኻኑ ፈሊጥና ኣብ ምእላዩ ክነጥፍ ኣለና።

  1. ምጥላዕ

ኣብ ግዜና ካብቲ ኣቃልቦ ስነ-ኣእምሮ ፈላጣት ዝሰሓበ፡ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ንጡፍ ባህርይ ርእሰ-ሃስያ እዩ። ገሊኦም ከም መዘናግዒ ክገልጽዎ ብምፍታን ሽግሮም ክኽሕዱ ‘ዝፍትኑ ‘ኳ እንተሃለው፡ እዚ ልምዲ ግና ሰብ ዝነብረሉ ዓለምን ስምዒታዊ ገድልን ጸገምኑ ንምርሳዕ ዝገብሮ ኣዕናዊ ባህርይ እዩ። ኣብቲ ሰብ ኰነ ኣብ ዝምድናታቱን ዘምጽኦ ሃስያ ኸኣ ርዱእ እዩ።

  1. ማሕበራዊ ርእሰ-ቅትለት

ብዕቱብ ዝፍጸም ርእሰ-ሃስያ ‘ኳ እንተዘይኰነ፡ ሰብ ኰነ ኢሉ ገዛእ ርእሱ ካብ የዕርኽቱ ክትንጸል ከገድዳ ከሎ ዝኸውን እዩ። እዚ ከኣ ግቡድ መግለጺ ውሽጣዊ ስምዒታዊ ገድሊ እዩ። ስለ ዝሓረቐ፡ ዝተዓበ፡ ጸረ-ማሕበራዊ ባህርይ ተደሪኹ ዝግበር ክኸውን ይኽእል። ነቲ ሰብ ከኣ ናብ ዝገደደ ቅዛነት ይሸሞ።

  1. ካብ ባዕላዊ ስምዒታትካ ክትሕባእ ምፍታን

ንኣውታውን ኣሉታውን ስምዒታት ኣፍልጦ ዘይምሃብ ዝግበር፡ ንጥፉን ዘይንጡፍን ርእሰ-ሃስያ እዩ። “ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ ከም ዝበሃል”፡ ምስ ምስዒታትና ዓይኒ ንዓይኒ ካብ ምግጣም ርእስና ተኸልኪልናያ፡ ናብ ዝገደደ ኣካላዊ፡ ስምዒታዊ፡ ስነ-ኣምሮኣዊ ጸገም ይወስደና።

  1. ክትሕገዝ ዘይምድላይ

ምኽሪ፡ ተሃድሶ ንምቕባል ምእባይ፡ ሓገዝ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ ክትበጽሕ ብምሕንጋድ፡ ዝግለጽ ንጡፍ ርእሰ-ሃስያ እዩ። ክንሕገዝ  እምቢ ክንምብል ከለና፡ “ብዛዕባ ጥዕናይ ኣይግድሰንን እዩ” ንብል ስለ ዘለና፡ ውሽጣዊ ሕማምና እናገደደ ይኸይድ።

  1. ካልኦት ክትሕግዝ ዘይምድላይ

ንኻልኦት ዝሕግዝ፡ ገዛእ ርእሱ ይሕግዝ ዝብሃል ሓቒ ኣበሃህላ እዩ። ካልኦት ካብ ምሕጋዝ ንረኽቦ ዕጋበትን ስምዒታዊ ፈውስን ኣሎ። ካልኦት ካብ ምሕጋዝ ክንዕገት ከለና ከኣ

  1. ዘይግቡእ ርእሰ-መስዋእቲ

ገለ ሰባት ምስ ከርፋሕ ናብራ ኣብ ፍቕሪ ይወድቁ። ከም ጀጋኑ፡ ለጋሳት፡ ወረጃ ክንቁጸር ዝገብረና ስለ ዝመስለና ከኣ፡ ዘይግቡእ ርእሰ-መስዋእቲ ንፍጽም። ሰብ ኣብ ሕልምታቱ፡ ተስፋታቱ ለሽ ክብል ከሎ ዝግለጽ ርእሰ-ዕንወት እዩ። እዚ ኸኣ ሓይሊ ዝጽንቕቕ፡ ናብ ቅሬታ ይሸምም።

  1. ዘይግቡእ ኣጠቃቅማ ገንዘብ

ካብ ግቡእ ንልዓሊ ምሕሻሽ፡ ገንዘብ ምጥፋእ ንጡፍ ርእሰ-ዕንወት እዩ። እዚ ኸኣ ባዕላዊ ናጽነትን ኣእምሮኣዊ ቅሳነትን ዝውስን፡ ብቐጥታ ነቲ ሰብን ዝሃሲ ኣዕናዊ ልምዲ እዩ።

  1. ሸለልትነ ኣብ ኣካላዊ ክንክን

ሒደት ድቓስ፡ ኣካላዊ ምንቕስቓስ ዘይምግባር፡ ጥዕና ዘይብሉ መግቢ ምዝውታር፡ ግቡእ ንጽህና ኣካላት ዘይምሕላው፡ ጸጉሪ ርእሲ ዘይምክንኻን ካልእን ይኸውን። እዚ ከኣ ምስ ጊዜ ስምዒታውን ስነ ኣእምሮኣውን ሃስያ ኣለዎ። ን ኣብነት፦ ልዕሊ ሚዛን፡ ምኽራሽ

  1. ሸለልትነ ስነ-እምሮኣዊ ክንክን

ጸቕጢ፡ ጭንቀት፡ ቅዛነት፡ ዘይግባእ ፍርሕን ካልእን፡ ኣብ ግዚኡ ክንኣልዮ ክንሰንፍ ከለና ዝግለጽ እዩ። ገሊኡ ብዘይምስትውዓል ንኣእምርኡን ስምዒቱን ብዝምግቦ ንርእሱ ይሃስይ። መጠኑ ዝሓለፈ ፊልምታት፡ ፖርኖግራፊ፡ ግብረ-ስጋ ዘለዓዕል ሙዚቃታት፡ ገደብ ዘይብሉ ማሕበራዊ መራኸብታት ጊዜ ምሕላፍን ካልእን። እዚ ከኣ ዝፈጥሮ ስምዒታውን ስነ ኣእምሮኣውን ጸቕጥን ብዙሕ እዩ።

  1. ርእሰ-ቕትለት

ኣዝዩ ሕሉፍ ዝዀነ ርእሰ-ሃስያ ከኣ ርእሰ ቅትለት እዩ። እዚ ከኣ ካብ ጎባጢ ስምዒታዊ ቃንዛን ስምዒት ትርጉም ኣልቦነት ንምህዳምን ምምሏቕን ዝግበር ንጡፍ ንርእሰ ሃስያ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ጊዜ ዝምዕብል፡ ብብዙሕ ውጥኑን ኣገባብን ዝግበር ኣዝዩ ልቢ ዝዘብሕ ተመክሮ እዩ።