ስለምንታይ ነቲ ትገብሮ፡ እትገብሮ ዘሎኻ፧

1ይ ክፋል

እንታይ እዩ ድሪኺት ናይ ህይወትና፧

ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ህይወት ብገለ ነገር ዝድረኽን ዝድፋእ ወይ’ውን ዝዝወር እዩ። መብዛሕትኡ መዝገበ ቃላት ነታ ድራይቭ (drive) እትብል ናይ እንግሊዘይና ቃል ብከምዚ ዝስዕብ ቃላት ተቶርጒማ ንረኽባ – ምቑጽጻር፡ ምዝዋር፡ ምምራሕ፡ ምኽብካብ ወይ ድማ ምእላይን ብዝብል ቃል ክትርጎም ይኽኣል። መኪና ክትመርሕ ወይ ክትዝውር፡ መስማር ክትስምር፡ ወይ ድማ ኲዑሶ ክትቀልዕ እንከሎኻ፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ ባዕልኻ ትመርሓ ወይ ትዝውራ ኢኻ ዘሎኻ። ስለዚ ኢና ሎሚ ነቲ ደራኺ ሓይሊ ናይ ህይወትና እንታይ ምዃኑ ክንርኢ ደሊና ዘሎና፡ እንታይ እዩ ደራኺ ሓይሊ ኣብ ህይወትና፧

ልክዕ ኣብዛ ግዜ እዚኣ፡ ብሽግር ወይ ብጸቕጢ ወይ’ውን ብናይ ግዜ ገደባት ትድፋእን ትህንደድን ክትህሉ ትኽእል ኢኻ። ወይ’ውን ብዝሓለፍካዮም ኣሸገርቲ ኩነተ-ኣእምሮ (ኣብ ኣእምሮኻ ዝተፈጥረ ተጽዕኖታት)፡ ክትዝክሮም ዘሸግሩኻን ዘይትደልዮምን መረርቲ ፈተነታትን፡ ካብ ሕሉፍ ኩነተ-ኣኣምሮኻ ዝተላዕለ ካልእን ሓደስቲ ነገራት ንምፍታን ንምጅማርን ፍርሂ ተሕድር ኢኻ። ኣማኢት ኣሽሓት ኩነታት፡ ንናይ ህይወትካ ክብርታትን ስምዒታትን ክደፍእዋ ይኽእሉ እዩም። እምበኣር እቶም ዝውቱራት ዝኾኑ ሓሙሽተ፡ ደረኽቲ ሓይልታት ኣብ ህይወት ሰባት፡ ካብዚ ኣስዒብና ክንርኢ ኢና:-

  1. ብወቐሳን (guilt) ኣበሳን ዝድረኽ ህይወት ሰባት

እዞም ብወቐሳ፡ ማለት ብዝፈጸምዎ ወይ ኣብ ልዕሊኦም ብዝተፈጸመ ገለ ክፋእ ነገር፡ ምስ ገዛእ ሕልንኦም እንዳተቃለሱ ምሉእ ዕድሚኦም ወይ’ውን ነዊሕ ዓመታት ዘሕልፉ፡ ካብ ጣዕሳን ሕፍረት ገዛእ ርእሶም ዝሃድሙ ሰባት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ብወቐሳ (guilt) ዝድረኹ ሰባት፡ ብዙሕ እዋን ብሕሉፍ ታሪኾምን ተዘክሮታቶምን ይቅለሱን ይብዝበዙን (manipulate) እዮም። ሕሉፍ ታሪኾም ንናይ መጻኢ ህይወቶም ይቆጻጸሮን ብትማሊ ድማ ይነብሩ። ከይተረድኦም ብዘይንቁሕ ኣእምሮ (unconsciously) ንገዛእ ርእሶም ብዘይቐጻሊ፡ ጥራይ ግዚያዊ ብዝኾኑ ዓወታትን እዋናዊ ሓጎስ ዝመስል ግን እፎይታን ዕረፍትን ዘይብሉ ሓጎስ – እንዳ ቐጽዑ ይነብሩ። ቃኤል ሓጢኣት ምስ ገበረ፡ ክሲ ገዛእ ርእሱ፡ ካብ ናይ እግዚኣብሄር ህላውነት ክሃድምን ክፍለን ገይርዎ፡ ከምዚ ድማ ይብል፡ “. . . ፡ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ኩን፡ በለ።” ዘፍ 4፡12። ሰብ በቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን በደልን፡ ገዛእ ሕልንኡ እንዳ ኸሰሶ ንክነብር፡ ቀሊል እዩ። ንዝመጾ ኩሉ ሽግራት ክፈትሕ ዘይኽእል ተነቃፊ፡ መጭበርበሪ፡ ተዃሻሒ፡ ኮራዪ፡ ሓራቕ . . . ኮታ እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ፡ ድማ ይገብሮ። በዚ ምኽንያት ድማ ብዙሓት ሰባት፡ ኣብዛ ምድሪ መቕባሕባሕቲ ኮይኖም፡ ህይወቶም ብዘይ ዓላማ ኮይና ትነብር ኣላ። ወቐሳን ኣበሳን እምበኣር ህይወት ሰብ ብዘይ መኣዝኑ ንኽኸይድ፡ ነቲ ስለምንታይ ንነገራይ ይገብሮ ዝብል ዝዓበየ ዛዕባ ህይወት ምላሽ ከይሃበ፡ ንስለ ምግባር ንነገራት እንዳገበረ ንኽነብር ይገብሮ።

 

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድምር ናብ ብዙሕ ዝሓለፎ፡ ሕሉፍ ህይወቱ እዩ። ይኹን እምበር፡ እሱራት ናይ ሕሉፍና ክንከውን ግን ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ኣምላኽ ዓላማ ኣብ ህይወትና፡ ኣብ ሕሉፍ ህይወትና ጥራይ ዝተደረተ ኣይኮነን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ብዙሓት ናይ ኣምላኽ ሰባት ኣብነት ክኾኑና ይኽእሉ እዮም፡ ማለት ዝሓለፈ ህይወቶም ብውድቀትን ድኻምን ተሰኒፉ ክነሱ፡ ታሪኾም ኮነ ናይ መወዳእታ ሸቶኦም ግን ኣብኡ ኣየብቕዐን። ንኣብነት ንምጥቃስ ዝኣኽል፡ –

  • ነቲ ንስለ ደቂ ህዝቡ ክብል ሰብ ዝቀተለ ሙሴ፡ ንፉዕ ዘይጸዓድ መራሒ ገይሩ እግዚኣብሄር ኣቚምዎ እዩ። ሕሉፍ ታሪኹ፡ ወዲ ጓል ፈርኦን ምዃን፡ ነቲ ኣምላኽ ዝመደበሉ ህይወትን መደምደምታኡን ኣይዓገቶም። “ንሱ ድማ፡ መን መስፍንን ፈራድን ገይሩ ኣብ ልዕሌና ሸመካ፧ ንስኻ ነቲ ግብጻዊ ኸም ዝቐተልካዮ ኽትቀትለኒዶ ትደሊ ኣሎኻ፧ በለ። ሽዑ ሙሴ ፈርሄ፡ እዚ ነገርዚ ብርግጽ ተፈሊጡ እዩ፡ ድማ በለ።” ዘጸ 2፡14
  • ነቲ ፈሪሁ፡ ተሓቢኡ ሰርናይ ዝዘብጥ ዝነበረ፡ ጊደዎን፡ ነበረ ብምዃን ታሪኹ፡ ናብ ኣዝዩ ተባዕ ጅግና ሰብ ተቀይሩ ታሪኹ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መጺኡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ ዮአስ ኣቢዔዝራዊ፡ ኣብ ዖፍራ ዘላ ድዋ ተቐመጠ። ወዱ ጊዴዎን ካብ ሚድያናውያን ኪሐብእ፡ ስርናይ ኣብ መጽመቚ ወይኒ ይዘብጥ ነበረ ንእኡ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ተራእዮ፡ ኣታ ሓያል ጅግና እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ፡ ከኣ በሎ።” መሳ 6፡11-12

እግዚኣብሄር ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ብሉጽ ነገራት ክገብር ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ህይወት ሰባት ከም ብሓድሽ ከጠጥዖን ክልውጦን ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝብል ጥቕሲ ኣሎ፡ “ኣበሳኡ እተሐድገሉ፣ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር በደሉ ዘይጽብጽበሉ፣ ኣብ መንፈሱውን ልግሚ ዜብሉ ሰብ ብጹእ እዩ።” መዝ 32፡1-2። ኣበሳኦም ዝተሓድገሎም ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ይረኽቡ ኮን ይኾኑ፧ እወ ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ይረኽቡ፡ ብኩነታት ዘይጽሎ ዕረፍቲ።

ይቕጽል . . .

 

By Zeresenay Berhane

www.wihbet.com