ስምዒታዊ ብጽሕና

ስምዒታዊ ብጽሕና

“እቲ ፍረ መንፈስ ግና…..ዓቅሊ፡ ርእስኻ ምግታእ’ዩ” ገላ 5:22

ምሳሌ25:28

ዛዕባ ብጽሕና ብዙሕ ተነጊሩና ኣሎ። ካብ ቁልዕነት ናብ ስብእነት ማለት ናብ ብጽሕና ክዓቢ ኩሉ ሰብ ይደልን ይህንጠይን ይጽዕርና’ከኣ።

ዓብዩ ክንብል ከለና ርእሱ ክኢሉ፡ ንሓላፍነት በቂዑ፡ ሕማቅ ካብ ክፉእ ክፈሊ ልቦና ኣዕቢዩ ማለትና’ዩ። ጸሓፊ እብራውያን’ውን ኣብ መንጎ ቁልዕነትን ብጽሕናን ፍልልይ ከነግረና ከሎ “ቆልዓ” ብጽድቂ ፍቱን ኣይኰነን፡ “ብጹሓት” ግና “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ” ብምባል ፈላልይዎም ኣሎ። ግብ5:12-14 ናይዚ ሓሳብ ቀንዲ ነጥቢ ኸኣ ብምርዳእ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብልምድን ግብርን ንጽድቂ ዝምኰርዎን ዝነብርዎን ማለቱ’ዩ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ኣእምሮ፡ ምርዳእ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንዝፈለጥካዮን ዝተረዳእካዮን ኣብ ግብሪ ምንባር የስምዕ።

ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ብጽሕና ንኽንርድኦ ዘሸግር ኣይመስለንን። ብዙህ ጊዜ’ውን ተነጊሩናን ተማሂርናዮን ኣለና። ብዙሕ ኣቋጺርናዮ ዘይንፈልጥ ሓሳብ እንተሃልዪ፡ “ስምዒታዊ ብጽሕና” ዝብል’ዩ። ብጽሕና መቸም ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ መንፈሳዊ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከምኡ’ውን ስምዒታዊ ዝሓቆፈ’ዩ። ንሓደ ሒዝና ‘ቲ ሓደ ክንገድፍ ኣይንኽእልን። ኩሉ ነናቱ ዝዀነ ጥቅምን ኣገዳስነትን ኣለዎ። ኣካልዊ ብጽሕና ከም ምሳሌ እንተወሲድና፡ ቆልዓን ሰብኣይ ምስ ኰነ ዝገብሮን ዝጸሮን ይፈላለ’ዩ። ኣካሉ ምስ ደልደለ ዝዓሞ ስራሕን ዝኸዶ መገድን ምስቲ ቆልዓ ከሎ ኣዝዩ ይፈላለ። ንምዝማድን ፍረ ንምትራፍ’ውን ኣካልዊ ብጽሕና ቀንዲ’ዩ። መንፈሳዊ ብጽሕና ክንብል ከለና ከኣ ብጸጋን ብፍልጠትን ምዕባይ፡ ብእምነትን ስርዓት ምድልዳል፡ ናብ ምስሊ ወዲ ኣምላኽ ምዕባይ ማለትና’ዩ። ከምኡ’ኸኣ ‘ቲ ኻልእ ብጽሕናታት።  

እ/ሔር ንሰብ ስምዒት ዘለዎ ጌሩ ፈጢርዎ። ስለዚ ከም ኩሉ ክፋል መንነትና ክንከናኸኖን ክንሕልዎን ብዝግባእ ንኽዓቢ ኸኣ ዘድልዮ ክንምግቦን ይግብኣና። ስምዒትና ክንፈጥሮ ኣብ ንደሊ ዝምድና፡ ርክብ፡ ዝጻወቶ ተራ እንተተረዲኡና፡ ብጽሕና ኣገዳስነቱ ብቀሊል ክንጽረልና ይኽእል። ብፍላይ ኣብዚ ዘመን፡ ኩሉ ስምዒት ልዕሊ ዓቀን ተጋኒኑ፡ ሰባት ንስምዒቶም ዘርዊ ንምግባር ዝተለቅሉ፡ ብስምዒት ዝዝወርሉ ስለ ዘለና፡ ከም ኣመንቲ ስምዒታዊ ጥዕናን ብጽሕናን ክህልወና ኣለዎ። ስምዒትና እንተዘይተጠንቂቅናሉ ኣንጻር እምነትና፡ ሞራላዊ ሰረትና፡ ዋጋ እንህቦም፡ ክንገብር ክኽልከለና ይኽእል ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣንጻር እቲ ንኣምኖ ክንከይድ ክዝውረና’ዩ።

ብጽሕና እንተኢልና፡ ብኣንጻሩ ናብ ሓሳብና ቅጅል ዝብል ቁልዕነት ዝብል ኣምር’ዩ። ብስምዒት ዝመጸ ቆልዓ ዝዀነ ሰብ ንምትንታኑ ብዙሕ ዘሸግር ኣይኰነን። ስምዒቱ ክቆጻጸር ዝሽገር፡ ብቀሊሉ ዝጥበር፡ ዘይግመት (unpredictable) ስምዒታት ኣለዎ። ተሓጊሱ ኣሎ እናበልካዮ ሓሪቁ ይጸንሓካ፡ መዓስ ከም ዝፈትወካ ዝለግበካን ዘይትግምቶ፡ ብቀሊሉ ዝንድርን ካልእ ንዕኡ ዝመስል ምልክታት የርኢ። ስምዒቱ ስለ ዝዝውሮ፡ ርጉጽ መርገጺ የብሉን። ምስ ዝጠዓሞን ዝማእመኦን፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ከም ብንፋስ ዝኽብከብ ትኪ፡ የርብሓኒ’ዩ ምስ ዝብሎ ሰብ ተወሳዳይ’ዩ። ኩሉ ባዕለይን ንባዕለይን ብዝብል ስምዒት ዝተዓብለለ’ዩ። ስምዒታዊ ቁልዕነት ከምዚ እንተዀይኑ እምበኣር፡ ቀጺልና ኸኣ ሒደት ካብ ምልክታት ስምዒታዊ ብጽሕና ንርአ

  1. ስምዒቱ ዝገትእ

1ቆሮ9:25 – “እቲ ዝቃለስ ዘበለ ብኹሉ ነገር መጢኑ ርእሱ ይገትእ’ዩ”

እዚ መጽሓፍ ቅዱስ “ርእስኻ ምግታእ” ይብሎ። ገለ ነገር ክገጥመናን ክንከውንን ከለና፡ ቅድሚ ምሕሳብና፡ ስምዒትና ብመጀመርያ ይለዓዓል። ብዝተለዓዓለ ስምዒት ተደሪኽና ግብረ መልሲ ክንህብን ክንውስንን ብዙሕ ጊዜ ንድረኽ ኢና። ውሳኔና ዀነ ግብርና ግና መብዛሕትኡ ካብ መስመር ዝወጸ ይኸውን። ስለዚ ዝተለዓዓ ስምዒትና ዛርዩ፡ ብዝግባእ ሓሲብናን ኣመዛዚንናን ውሳኔ ኰነ ስጉምቲ መታን ክንወስድ፡ ስምዒትና ክንገትእ ከለና “ስምዒታዊ ብጽሕና” ኣለና ንብል። እዚ ኸኣ ሓደ ካብ ፍረ መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ገላ5:22 “እቲ ፍረ መንፈስ ግና….ዓቅሊ፡ ርእስኻ ምግታእ’ዩ”።

  1. ስምዒታዊ ጽንዓት (resilience) –

መዝ131፡1 “ንነፍሰይ ኣህዳእክዋ ስቅ ኣበልክዋ”

ኣብ ጉዕዞና ዝገጥሙና ጸቅጥን ጭንቀትን ንኽንስዕሮ ስምዒታዊ ጽንዓት ክህልወና ኣለዎ። ገለ ሰባት ብዝገጠሞም ንእሽቶ ይኹን ዓቢ ብድሆታት ተሳዒሮም ኣብ ምጉርምራን ተስፋ ምቁራጽን ብቀሊሉ ዝሽመሙ ኣለዉ። ስምዒታዊ ብጽሕና ዘለዎም ሰባት ግና እምንቶምን ተጻዋርነቶም ዓቢ ኰይኑ፡ ምስ ኩነታት ክተዓጻጸፉ ዓቅሚ ኣለዎም። ካብኡ ሓሊፎም’ውን ንልቦም መከራ ክጉልብቦ ከየፍቀዱ፡ ንምስጋና ይብርትዑ።

  1. ብቀሊሉ ዘይርበሽ ባህርይ ኣለዎም

ምሳ14:17

ገለ ሰባት ብዝገጠሞም ተሰናቢዶም፡ ጠፋእና በረስና ናብ ምባል ብቀሊሉ ዝቀኑ ኣለው። እዚ ውሽጣዊ ህድኣት ብቀሊሉ ዝብጻሕ እኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ እ/ሔር ዝተኣማመኑ፡  እምንተኦም ኣብኡ ዘመበሩ ግና ብኹነታት ከይተወሰኑ ሃዲኦም ክነብሩ ዓቅሚ ኣለዎም። ብብዙሕ ንፋስን ማዕበልን እናተደፍኡ፡ ነፍሶም ክሳዕ ዝቀብጹ ኣብ ዝዀንሉ ጊዜ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መንጉኦም ተሲኡ፡ “ክትሃዱ፡ መግቢ ድማ ክትበልዑ” እልምነኩም ኣለኹም ብምባል ኩነታት ከሸንፎ ከም ዘይፈቀድ ይነግረና። እዚ ኸኣ ቅኑዕ ምልክት ስምዒታዊ ብጽሕና’ዩ። እዚ ኸኣ ካብ እምነት ዝምንጩ ህድኣት’ዩ።

  1. ብቀሊሉ ተቀራባይክትጽግዖ ትኽእል ይኸውን

ሉቃ 11:19 “ወዲ ሰብ መጸ…ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን።

ስምዒታዊ ብጽሕና ዘለዎም ሰባት ዝግመት (predictable) ጠባይ ስለ ዘለዎም ክትቀርቦም ኰነ ዝምድና ክትፈጥር ቀሊል’ዩ። ስምዒታዊ ብጽሕና ዘይብሎም ሰባት ተዀርፈፍቲ፡ ተለዋወጥቲ፡ ተቀያየሪት፡ ጽልሙታት፡ ንፉሓት፡ ስለ ዝዀኑ ዝድምና ንምፍጣር ኣሸገርቲ ሰባት ጥራይ ዘይኰኑ፡ ኣብ ከባቢኦም’ን ክትከውን ዓቅልኻ ዘጽብብ ሃዋህው ይፈጥሩ። እዚ ኸኣ ቀንዲ መለለይ የሱስ ስለ ዝነበረ፡ ኩሉ ዝቀርቦን ጥቃኡ ክኸውን ይደሊ ነበረ። ሰብ ክእለትን፡ ፍልጠትን ሃሊዎ፡ ስምዒታዊ ብጽሕና እንተዘይብሉ፡ ጥቃኡ ክኸውን ዝደሊ ሒደት ይኸውን።

  1. ምቅሉል፡ ልኡም

ምሳ15:1 – ልኡም ምላሽ ንቁጥዓ የህድእ….

እዚ ቀንዲ መለለይ ስምዒታዊ ብጽሕና’ዩ እንተበልና ካብ ሓቂ ኣይረሓቅናን። ገሊታቶም  ነፍሶም ባዶ ስለ ዝዀነት፡ ነፍሶም ኣብ ውሽጢ ስለ ዘይጠዓየት፡ ንፉሓት’ዮም። ንርእሶም ኣብሊጾም ብምርኣይ ዝዳረጎም ዘሎ ኣይመስሎምን። እዚ ኸኣ ንሰባት ኣትሒቶም ክርእዩ ይገብሮም። ንገዛእ ርእሶም ከኣ ርሑቃት ይገብርዋ። ስምዒታዊ ብጽሕና ዘለዎም ሰባት ግና ትሑታት፡ ጥዑማት፡ ልኡማት፡ መቅሰናት’ዮም። ብፍላይ መራሒ ኰይኑ ምቅሉልን ልኡምን እንተኰይኑ ብዙሕ ይረብሕ (1ጢሞ3:3)

Author

Samson Mesghena