ምልክት ብስምዒት ነውሪ፡ ሕፍረት (shame) ንዝሳቐ ሰብ

 

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ክፋል ብሕጽር ዝበለ ሕፍረት እንታይ ምኻኑ፡ ካበይ ከም ዝብገስ፡ ጽሒፈ ኣለኹ። ኣብዚ ዝስዕብ ክፋል ከኣ ሕፍረት፡ ነውሪ፡ ኣብ ህይወትና መነባብሮናን ዝግለጸኡ መገዲ ብሕጽር ዝበለ ክገልጽ’የ። ሕፍረት ቀጥታ ትርግሙ ምሕባእ፡ ምኽዋል፡ ምኻኑ ተዛሪብና ኣለና። ሰባት መታን ከይፈልጡልካ፡ ከይርእይዎ፡ ዝግበር ጻዕሪ፡ ሰባት ዝፈለጥዎን ዝረኣይዎን ክመስለና ከሎ ዝስምዓና ውሽጣዊ ቋንዛ ብርቱዕ’ዩ። ንኹሉ ጊዜ ዝሕባእ ነገር ከምዘየለ ህይወት ብደምቢ ይምህረና። ምስ ጊዜ ዘይቅላዕ ሕቡእ፡ ዘይገሃድ ክዱን የልቦን። ኣብ ውሽጢ ነፍስና ዝተሓብአ፡ ተሰኪምናዮ እንኸይድሕፈረት ርእሱ ዘቀልቅለሉ መገዲ ኣይስእንን’ዩ። ብግቡእ መስርሕ የሕሊፍና ንኽንፈትሖ፡ ፈውሲ መታን ኽንቅበል ናብቲ ፈዋዊ ኣምላኽ እንተዘይቀሪብና፡ ንሓሳብናን ባህርይናን መሪዙ፡ ብብዙሕ መገዲ ኣብ ህይወትና ክግለድ ግድን’ዩ።

ዘይተፈትሐን ዘይተሳዕረንሕፈረትኣብ ኩሉ ነገርና እናኣተወ ብዙሕ የበላሹ። ምስ ኣምላኽን ምስ ጎረባትናን ፈተውትናን ዘልና ዝምድናን ርክብን ከኣ ይብርዝ። ኣዳም ሓጢኣት ምስ ገበረ፡ ሕፍረቱ ምስ ተቀልዐ፡ ካብ እ/ሔር ክሃድምን ክሕባእን፡ ካብኡ ቀጺሉ’ውን ምስታ ናይ ቀንዲ መቅርቡ ኣብ ዘይተደልየ ምክሳስን ምንቋትን ኣትዩ። ዘፍ 3 ታማር ሓፍቲ ኣቤሰሎም ከኣ ብሓዋ ኣምኖን ክትዕመጽ ከላ ዝተዛረበቶ ዘረባ፡ ሕፍረት ንሰብ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝስዕሮ የረድና። “እዚ ነውሪ ተሰኪመ ናበይ ክኸይድ’የ፧” ብምባል ኣብ ሓሳባን ስምዒታን ክሳዕ ክንደይ ከም ዝኸበደ የረድኣና። ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ዝተሓብአሕፍረትክብደቱ ኣዝዩ ዘይከኣል ፡ ዘሕፍሎ ዋጋ ኸኣ ታእላው የብሉን።

ካብዚ ብምቅጻል እምበኣርሕፍረትኣብ ኣካልትና፡ ሓሳባትና፡ ስምዒትና፡ ዝግሃደሉ መገድታት ክንርኢ ኢና።

  1. “ሕፍረት” ኣካላዊ ኣስተርእዮ ኣለዎ።ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝርአ ኰይኑ፡ ብዝተፈላለ መገዲ ይግለጽ። ካብ ሰብ ናብ ሰብ’ኳ ዝፈላለ ክነሱ፡ ገለ ሰብ የሕፍረኒ’ዩ ዝብሎ ነገሩ ስለ ዝተጋህደ፡ ሰብ ዘስተውዓለሉ ክመስሎ ከሎ ሙቀት ኣካላቱ ክውስኽ ከሎ ይስምዖ፡ ኣብ ገለ ክፋል ኣካላቱ ይርህጽ፡ ናይ ሓሶት ፍሽኽታ ወይውን ሰሓቅ ክስሕቅ ይፍትን፡ ኣትኪሉ ዓይኒ ንዓይኒ ክጥመት ይሽገር፡ ኣእዛኑ ወይውን ጫፍ ኣንጫኡ ይቀይሕ፡ ካልእን። እዚ ኩልና ንምከሮ ሓቂ ስለ ዝዀነ ብዙሕ ዘካትዕ ኣይኰነ።

 

  1. ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገለጽናዮ፡ “ሕፍረት፡ ነውሪ” ምስ ዝምድና፡ ርክብ ዝተተሓሓዘ ስለ ዝዀነ፡ ካልኦት ሰባት ከይፈልጥዎ እሞ ከይንዋረድ፡ ከይንሓፍር፡ ከይንሓንኽ ስለ እንፈርህ፡ ገዛእ ርእስና ክንሓብእ ንጋደል። ካብታ ሰብ ሓጢኣት ዝገበረላ ኣትሒዙ ዝተራእ ሰብኣዊ ገድሊ’ዩ። ጥራዮም ምኻኖም ምስ ፈለጡ፡ ካብ ኣምላኽ ዀነ ካብ ንሓድሕዶም ክሕብኡ ፈቲኖም። እዚ ኸኣ ናይ ካልእ ዝገደደ ውሽጣዊ ሕማምን ገድልና ወሲድዎም። ንኣምላኽ ኰነ ንሓድሕድና ክንረአአ ተፈጢርና ክነስና፡ ካብ ሰብ ክብሪ ኣምላኽ ክጎድል ከሎ ግን “ምሕባእ” ዝበሃል ቅዲ ህይወቱ ይኸውን። ኣብዚ ዘመን እዚ’ውን ብኣከዳድናኡ፡ ብፍልጠቱ፡ ብትሕዝትኡ፡ ክእለቱ፡ ቴክኖሎጂ፡ ሰሓቅን ዘረባን፡ ስርሑ፡ ካልእን ክሕባእ ዝፍትን ብዙሕ ሰብ’ዩ።  ዘፍ 3:7

 

  1. ሰብ ዝተሓብአ ነገር ምስ ዝህልዎ፡ ጥምዓዊ፡ ደጋዊ፡ ኣፍኣዊ፡ ርሕቀት ዘለዎ (distant) ጥብቆ፡ ዝምድና ክፈጥር ይግደድ። እንተደኣ ቀሪቡ፡ ጠቢቁ፡ ዝተሓብአ ነገሩ ከይፍለጥ ስግኣትን ፍርህን ስለ ዘለዎ፡ ሓቀኛን ዝተኸፍተ ዝምድና ክፈጥር ይሰግእን ይፈርህን። ስለ ዝዀነ ኩሉ ግዜ ዝተኸወለ ህይወት ኣለዎ። ብዙሕ ጫለዳታት የብዝሕ። ከምቲ ኣዳምን ሄዋንን ብቆጽሊ በለስ ነውሮም፡ ሕፍረቶም፡ ክሽፍኑ ዝጸዓሩ፡ ብዝተፈላለየ ነጸላታት ክሽፈን ይጋደል። እዚ ኸኣ ምልክት ሓቀና ናይ ዘይኰነ ርክብ’ዩ። 2 ቆሮ 4:2

 

  1. ንርእስና ኣሕሲርና፡ ኣቅሊልና፡ ኣፍኪስና ንርእያ። ኣብ ውሽጥና ዘሎ ቃንዛ ንርእሰ ኣጠማምትና ስለ ዘበላሽዎ፡ “ኣነ ደኣ እንታይ ኣለኒ፧ ብምባል ንርእስና ኣቃሊልና ንርእያ። ንሰናይ ነገር ዘይተዓደለ፡ ዘይብቁዕ፡ ዘይፍቁር፡ ዘቅቡል ከም ዝዀና ኰይኑ ይስምዓና። እዚ ድማ ኣብቲ ካብ ንእስነቱ ዝተሃስየ፡ ሕማቅ ዝወረዶ፡ መፊቦሸት ክንርድኦ ንኽእል። 2 ሳሙ 9:1-12 ኣብ ህይወቱ ዝተሰብረ፡ ዝለመሰ፡ ስለ ዝነበረ፡ ንርእሱ ከም ምውት ከልቢ ክሳብ ዝቆጽራ፡ ክሳዕ ክንሳኡ ዝወደቀ ኣተሓሳስባ ክሕዝ ጌርዎ።

 

  1. ኣብ ውሽጥና ኰይኑ ዘሳቅየና “ነውሪ” ዝቀለልናን ዝፈኹሰናን ስለ ዝመስለና፡ ንኻልኦት ንምፈፍራድን፡ ኢድና ምውጥዋጥን ንደፍር። ሰብ ብኻልእ ብምውራዱን ብምቅላሉን ዝኸብርን ዝረዝንን ዝመስሎ፡ ካብቲ ዘልዎ “ሕፍረት” ዝተላዕለ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ጠመተ ስለ ዝተበላሸ’ዩ። ከምቲ ኣዳም ንሄዋን ዝኸሰሳ፡ ውድቀቱን ፍሽለቱን ከኣ ኣእዳው ኣብኣ ብምውጥውጥን ክሽፍኖ ዝፈተነ፡ ብሕፍረት ዝተሳዕረ ኸኣ ከምኡ ዓይነት ቅዲ ህይወት ይህልዎ።

 

  1. ንስምዒተ ገበንነት (guiltiness)ዝተቃላዕና ንኸውን። ናይ ዝተፈጥረ ሽግር ምኽንያት ገዛእ ርእስና ጌርካ ስለ እንርእያ፡ ኣብ ናይ ገበንነት ስምዒት ንቁለፍ። ኣብ ዝሓለፈ ኣብ መንጉ ሕፍረትን ገበንነት ዘሎ ፍልልይ ተዛሪበ ኣለኹ። ዋላ’ኳ ገበንነት ምስቲ ሕብረተሰብ ዝብለና፡ ዝህበና ስእሊ፡ ዝተሓሓዛ እንተዘይኰነ፡ “ሕፍረት” ተሸኪምና ንኸይድ እንተሃሊና፡ ንርእሰ ገበንነት ዝተቃላዕና ኢና። እዚ ኸኣ ኣዝዩ ዘጨንቅ ተመኩሮ’ዩ።

 

  1. “ሕፍረት” ተሸኪሙ ዝኸይድ ሰብ፡ ህይወቱ ብሓዘን፡ ብጓሂ፡ ዝተመረዘ’ዩ። ንርእስና ከም ጎደሎ፡ ዘይውርዝይቲ፡ ዘይብቅዕቲ፡ ዝተዋረደት ጌርና ክንርእያ ከለና፡ ሰላምና ዝተዘርገ ይኸውን። ሓፍቲ ኣቤሰሎም ታማር ብሓዋ ኣምኖን ምስ ተዓመጸትን ምስ ነወረትን፡ በቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝወረደ ተሳዒራ፡ ኣብ ቤት ሓዋ ብጉህይታ ትነብር ከም ዝነበረት ይነግረና። እዚ ኸኣ ናብ ብዙሕ ሰብ ተመክሮ’ዩ። 2 ሳሙ 13:20 ሓርቆት፡ ኩራ ኣብ ኣፍንጫና ይኸውን። በቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ነውሪ ተጠቂሞም ሰባት መታን ከየጥቅዑና፡ ከም ርእሰ መከላኸሊ ንጥቀመሉ።

 

  1. ዘለና ውሽጣዊ ስንክልናን መልመስትን ዝመስለና ንኽንሽፍን “ምሉእነታውያን” (perfectionist) ክንከውን ንጽዕር። ኣምላኽ ናብ ፍጽምና ምሉእነት ጸዊዕና ኣሎ። ናብቲ ዝተጸዋዕናሉ ሰማያዊ ጽውዓ ክንመጣጠር መንፈሳዊ ግቡእና’ዩ። ሰባት መታን ክቅበሉናን ክንእዱናን ክውድሱናን ብምሕሳብ እንገብሮን ክንከኖን እንፍትን፡ ምሉኣት ከም ዝዀነ ከነምስል እንጽዕሮ ጻዕሪ ግና ጥዕና ዘለዎ ኣይኰነ። ሰብ ብዘይጉድለትን ስንፍናን ክኸውን ዘይከኣል ክነሱ፡ ሰባት ድኻመሞን ውሽጣዊ ገድሎምን ንምሽፋን፡ ኩሉ ከም ዝመልኣለም ከምስሉ ዝገብርዎ ጻዕሪ “ሕፍረቶም” ንምሽፋን’ዩ። እዚ ኸኣ ከይተፈለጠና “መሐጎስቲ ሰባት” ክንከውን፡ ውዳሰ ካብ ሰብ ከም ንጸምእ ይገብረና።

 

Author

Samson Mesghena