ክንኩሪ ከለና ከነወግዶም ዘለና ሰለስተ ነገራት

“ኰርዩ ሓጢኣት ኣይትግበሩ። ኣብ ኩራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም”ኤፌ4:26 -

ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ኩሉና ንኹሪ ኢና። ኣተኣላልያና ደኣ ይፈላለ ይኸውን እምበር፡ ካብዚ ስምዒት ዘምልጥ የልቦን። ስለ ዝዀረና ግን ሓጢኣት ጌርና ማለት ኣይኰነን።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኤፌ4:26 “ኰርዩ ሓጢኣት ግና ኣይትግበሩ” ይብለና። ኣብዚ ሓሳብ ሃዋርያ ጳውሎስ ኩራና ሓጢኣት ክንገብር ክመርሓና ከም ዘይብሉ ከጠንቅቀና ይፍትን። እዚ ማለት ከኣ ኹራ ሓጢኣት ከም ዘይኰነ ኣነጺሩ ይምህረና። ንኹሉ ንጹር ዝዀነ ሓቂ እንተሃልዩ፡ ንኹራ ብግቡእ ወይውን ብዘይግቡእ መገዲ ክንሕዞ ንኽእል ምኻና’ዩ። ‘ቲ ዘሕዝን ግና ንመብዛሕትና ኩራ ክንገልጾ ከለና ካብ ዕላማና እናርሓቀና ደኣ እምበር ናብ ዕላማና እናቅረበና እንኸደሉ መገዲ ኣይኰነን።

ክትኩሪ ከለኻ እዞም ዝስዕቡ 3ተ ነገራት ኣወግድ፡

  1. ንኹራኻ ኣትጽቀጦ፡ ኣይትጨፍልቆ። ኣብ ውሽጥኻ ኣይትዕቆሮ። ንኹራኻ ብዝግባእ መገዲ ከይገለጽኻ ኣብ ውሽጥኻ ክትጸቅጦ ከለኻ፡ ንጥርሙዝ ኰካኰላ ከም ምጉጽጓጽ ማለት’ዩ። ሓደ ጊዜ ንልዓሊ ገጹ ይነቱግ። ንስምዒትናን ሓሳብናን ኣካላትና ብምብራዝ ብኣሉታ ይጸልወና። ብዙሓት ናይ ኣካላት ሕማማት ካብ ዝተጸቅጠ ኩራ፡ ቁጥዓ፡ ከም ዝብገሱ ሓካይም ይዛረቡ። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ኩራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም” ይብለና። ዝሓደ ኩራ ናብ ምረት ይቅየር። ምረት ድማ ናብ ታዕታዕ፡ ነድሪ፡ ሻራ፡ ምውቃዕ፡ ጸርፊ ኣቢሉ ይኽብክበና። ኤፌ4:31 ደመት ትርኢትካ ይድውኖ።

 

  1. ንኹራኻ ኣይትንጸጎ፡ ኣይትኽሓዶ። ንብዙሕ ጊዜ ዝተነጽገ ኩራ ናብ ቅዛነት የምርሕ። ብዙሓት ሰባት ኣማኒ ክኹሪ የብሉን ኢሉም ብጌጋ ስለ ዝርድኡ፡ ኣብ ውሽጦም ከም ዘየለ ብምቁጻር ክኽሕድዎ ይፍትኑ። ንኹራ ክትክሕዶ፡ ክትነጽጎ ምፍታን፡ ሓጢኣት እዩ። ምኽንያት ምሕሳው ስለ ዝዀነ። ከም ዘየለ ክትክሕዶ ክትፍትን ዝከኣል’ዩ። ንምህላዉ ግና ናብ ዘይምህላው ኣየምጽኦን’ዩ። ከምቲ ንቁስሊ ኣብ ክንዲ ግቡእ ክንክን ምግባር፡ ክነጽጎ እንተፈቲና መሊሱ እናመገለ ዝኸይድ፡ ከምኡ’ውን ኩራ እናሓደረ ይገድድ።

 

  1. ንኹራኻ ብዘይግባእ መገዲ ኣይትግለጾ። ንኹራ ብብዙሕ መገዲ ክትገልጾ ትኽእል ኢኻ። ሻንፎትካ ብምጅላዕ፡ ገጽካ ብምጽዋግ፡ ምሽምጣ፡ ምሕጫጭ፡ ምሽክዕላል፡ ኣሽሙር ዘረባ ምዝራብ፡ ስድነት ምግባር (መስተ ምስታይ፡ ምዝማው….) ከምዚ ዝበለ ኣተኣላልያ ኩራ፡ ናብቲ ንደልዮ ከብጽሓና ኣይክእልን። ገሊኡ ዝፈኽሶ ስለ ዝመስሎ፡ ኣብ ውዑይ ኩራ ኸሎ ዝብሎን ዝዛረቦን ኣይፈልጥን’ዩ። እዚ ኸኣ ናብ ኣእምሮኖ ምስ ተመለስና ከም ንጠዓስ ይገብረና።

ስለዚ እንታይ ንግበር?

ብምእማን ንጀምር። ከምዝዀረኻ ምእማን ጥራይ ዘይኰነ፡ ምኽንያት ናይ ኩራኻ ድማ ምእማን። ምስ መን ከም ዝዀረኻ፡ ስለምታይ ከም ዘዀረየካ ንኣምላኽ ንገሮ። ኣብ ዘለካ ዝምድና ክንድቲ ሓቀኛን ቅኑዕን ዝዀንካሉ፡ ክንድኡ ኸኣ ናብቲ ሱር ዘዀረየካ ብቀሊሉ ክትበጽሕ ትኽእል።

ኩራ ብዘይግባእ መንገዲ ኣብ ዝግለጸሉ ቤተሰብ ዓቢኻ ክትከውን ዝኸኣል’ዩ። በቲ ዝዓበኻሉ ሃዋህው ተጸሊኻ ኸኣ ብዘይግባእ መገዲ ኩራኻ እናገለጽካ ትሽገር ትህሉ። ብሓቂ ዘይግቡእ ኩራ ትመሃሮ’ዩ። ዘሕጉስ ዜና ግና ኣሎ። ነቲ ዝተምሃርካዮ ሕማቅ ኣመል ንኽትሓድጎ እንደገና ካልእ ጽቡቅ ኣመል ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ክትልወጥ፡ ክትቅየር፡ ትኽእል ኢኻ። ካብ ዝተጀነንካሉ መግነዝ ኣመል ክትፍታሕ ትኽእል ኢኻ። ከምቲ ዘለኻዮ ክትነብር ኣየድልየካን’ዩ። ምስ ኣምላኽ ክትለግብ እንተመሪጽኻ፡ በቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥኻ ዝገብሮ ስራሕ፡ ብምግታእ ርእስኻ ትዓቢ። ገላ5:22

ክትዓቢ ከለኻ ቤተሰብካ ንኹራ ብኸመይ ይሕዝዎን፡ ይኣልይዎን፡ ነይሮም፧

ካብቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም 3ተ ኣገባባት፡ ናበይ ገጽካ ዝያዳ ትቀንን፧

ኩራኻ ብኸመይ ኣገባብ ክትኣሊ ትፍትን፧

እ/ሔር ብኸመይ መገዲ ክትኣልዮ ይደልየካ፧

 

ብዘይ ኣገባብ ዝተታሕዘ ኹራ ዘኽፍሎ ዋጋ ኣለዎ፡

ኣብ ኩራ ዝልጠፍ ምልክት ዋጋ ኣሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ ኩራ ዋጋ የኽፍል’ዩ። ዘኽፍሎ ዋጋ ክርድኣካ ከሎ ኸኣ ኩራኻ ክትቆጻጸሮ ትፍትን። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና፡ “ቁጥዓ ሰብ ባእሲ የልዕል።” ምሳሌ29:22 መብዛሕትና ሰብ ሓሪቁ ዘይግባእ ክገብርን ክዛረብን ገጢምና ኣሎ። ንሕና ባዕልና’ውን ብኸምኡ ሓሊፍና ኣለና። ከም ሳዕቤኑ ድማ ዝነበረና ዝምድናን ርክብን ክበላሸውን ክብተኽን፡ እንደገና ንምዕራዩ ብዙሕ ጻዕሪ ክሓተና ተሞኪርና ኣለና።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኩራ ዘኽፍሎ ዋጋ ብንጹር ይነግረና፡

  1. ቈየቋ የልዕል ምሳ15፡18
  2. ባእሲ የልዕል ምሳ29:22
  3. ከቢድ ጌጋ ክትፍጽም ይደፍኣካ ምሳ14፡29, ዘፍ49:7
  4. ዕሽነት ይገብር ምሳ14፡17

እዞም ኣሉታዊ ውጽኢታት ባዕልኻ ክትኩሪ ኰለኻን ኣብ ኩራ ካልኦትን ርኢኻዮም ኣለኻ። መሓፍ ቅዱስ’ውን ብዛዕባ ብዘይግቡእ ዝተታሕዘ ኩራ ዘለዎ መደምድምታ ኣዝዩ ንጹር’ዩ።

ኩራ ኣብ ስድራኻ ዘለዎ ጽልዋ ሕሰብ። ብዙሕ ጊዜ ከም ወለዲ ንደቅና ከነተባብዕ ብምባል ኩራ፡ ሓርቆት፡ ንጥቀም ኢና። ክትኩሪ ከለኻ ኣብ ልቢ ደቅኻ ፍርሓት ኣምላኽ ወይውን ፍርሓት ገዛእ ርእስኻ ተንብር። ንሓጺር ጊዜ ዝኸውን ደቅኻ ክእዘዙኻ ይኽእሉ’ዮም። ምስ ምንዋሕ ጊዜ ግና ክትስእኖም ኢኻ።

ናይ መጨረሽታ ውጺት ብግቡእ ዘይተኣልየ ኩራ እምበር ተነጽሎ’ዩ። ነቶም ኣዚኻ እተፍቅሮም ስለ ትደፍኦም ካብ ህይወትካ ተርሕቆም። ገዛእ ርእስኻ ኸኣ ትንጽል። እዚ ኸኣ መሊስካ ከም ትሓርቅን ትቁጣዕን ስለ ዝገብረካ፡ መወዳእታኡ ዘይትግደስ ወይውን ጽልኣት የስዕበልካ። ኣብ ከባቢኻ ክኸውን ዝደሊ ኸኣ ትስእን።

እቲ ሓቂ እምበኣር፡ ብኹራ ክትነቱግ ከለኻ ኩሉ ጊዜ ትኸስር። ኩራኻ ምስ ዘይትቆጻጸሮ፡ ጽቡቅ ምስክረትካ፡ ስራሕካ፡ ደቅኻ፡ ሓዳርካ፡ ክትስእን ትኽእል። እዚ ድማ ምስቲ ትኸፍሎ ዋጋ ፈጺሙ ዝመዛዘን ኣይኰነን። መታን ከይንኸስር ኩራ ክዝውረና ኣይንግደፍ። ምሳና ኣይሕደር። ምስ ደቀስና ኣብ ትሕቲ መተርኣስና ኣይጫጭሕ። ብሃጽፉ ተደሪኽና ዕሽነት ኣይንዛረብን ኣይንግበርን።

መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብዛዕባ ኩራኡ ይኺድ ዝሓድጎ ሰብ ከምዚ ይብለና፥

  1. ካብቲ ንኸተማ ዝሕዝ ጅግና ይበለጽ ምሳ16:32
  2. ምስትውዓል ስለ ዘለዎ ከም ክብረት ጌሩ ይቆጽሮ ምሳ19:11
  3. ካብ ዕሽነት የናግፎ መክ7:9
  4. ጥበበኛ ከም ዝዀነ ርኡይ ምልክት’ዩ ምሳ29:11

Author

Samson Mesghena