ኸልካሊ ቐጽርታት ንጥዑይ ዝዀነ ርክብ

ኸልካሊ ቐጽርታት ንጥዑይ ዝዀነ ርክብ

ብ ክፍጠር ከሎ ንርኽብ፡ ንዝምድና፡ (connection) ተፈጢሩ። እዚ ድማ ንሰብ ዝተዋህበ በረኸት’ዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ንዝምድና፡ ምትእስሳር፡ ርክብ ንምምስራት ጽኑዕ ዝዀነ ድሌትን ህንጡይነትን ኣብ ልቢ ሰብ ኣሎ። እ/ሔር’ውን ብወገኑ ከምዚ ክብል ንሰብ ዝልዓለ ትእዛዝ ሰሪዕሉ፡ “ብመጀምርያ ንእ/ሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን፡ ሓሳብካን፡ ነፍትኻን ኣፍቅሮ። ንብጻይካ ኸኣ ከም ነፍስኻ”።

እ/ሔር ኩሉ ምስ ፈጠረ ጽቡቅ ኰይኑ ርእዩ። ብተግባር ኣእዳው ተሓጊሱ። ብዝገበሮ ደስ ኢልዎ። ምስ ሰብ ሕብረት ክገብር፡ ክዘራረብ፡ ርክብ ክህልዎ ብምርኣዩ ደስ ኢልዎ። ዝለዓለ ስራሕ ኣእዳዉ ጌሩ ቆጺርዎ። ሰብ ምስኡ ክኸውን፡ ኣብ ጽላል ኣኽናፉ ከጽልል፡ ብህላውነቱ ክሑጎስ ብምርኣዩ፡ ባህታ ተሰሚዕዎ። ሓደ ነገር ጥራይ ጽቡቅ ከም ዘይኰነ ርእዩ።

“ሰብኣይ በይኑ ክኽውን ጽቡቅ ኣይኰነን”።

ሰብ መጓጅምቲ፡ መማኽርቲ፡ መሓዛ ዝዀኖ ስለ ዘይነበሮ ደስ ኣይበሎን። ስለዚ ነቲ በይኑ ዝነበረ ሰብኣይ መኻይድቲ፡ መቅርብን መሓዛን ዝዀኖ ገይርሉ። ማሕበራዊ ናብራ መታን ክህልዎም ከኣ ክበዝሑ፡ ክባዝሑ ኸኣ ኣፍቂድሎም።  ኣብቲ ኣብ ውሽጥና ዝሓደረ ናይ ምትእስሳር ዓቅሚ (potential for connection) ኸኣ ምስ ከማና ዝበለ ሰብ ጥዕና ዘለዎን ምዕሩይን ምትእስሳርን ክንሃንጽ የኽእለና። ጥዕና ዘለዎ ርክብን ዝምድናን ዘይብሉ ሰብ ከኣ ንብዙሕ መንፈሳዊ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ፡ ስምዒታዊ፡ መጉዳእቲ ዝተቃልዐ ይኸውን።

ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍና ምስ ካልእ ናይ ምትእስሳር ድሌት ስለ ዘሎ፡ ሰብ ካብቲ ሓደ ዝጸልኦን ዝፈርሆን ነገር ክንጸግ፡ ክንጸል ከሎ’ዩ። ብቤተሰቡ፡ ፈተውቱ፡ ማሕዝቱ፡ መሳርሕቱ፡ መማህርቱ፡ ሰብኣያ ወይውን ሰበይቱ፡ ወለዱ፡ መንጸግቲ ዝወረዶ ሰብ መስበርቱ ከቢድ ይኸውን። ሰብ’ውን ከይንጸግ፡ ከይንጸል፡ ሰባት ከይግልልዎ፡ ብምሕሳብ ዝገብሮ ጻዕርን ዝኸፍሎ ዋጋን ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ።

ካብቲ ንሰብ ብኹፉትን ምቅሉልን መገዲ ምስ ካልእ ሰብ ከይተኣሳሰር ካብ ዝዕንቅፎ ሓደ “ማህሰይቲ፡ መጉዳእቲ“(hurt) እዩ። ሰብ ካብ ዝውለድ ኣትሒሱ፡ ብብዙሕ መጉዳእቲ ከም ዝሓልፍ ብዙሕ ክንግምት ኣየድልየናን። ብስርድርኡ ዝጥለም፡ ዝርጥረጥ ብዙሕ’ዩ። ብርትዓዊ፡ ቅንዕና፡ ብግቡእ መገዲ ዘይእለ፥ ኣካላዊ፡ ስምዒታዊ፡ ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሖ ታእላው የብሉን። እዚ ኸኣ ኣብ ሰብነት ሰብ ብዘይ ፍቃድ ‘ቲ ሰብ ጥሒሱ ስለ ዝኣተወ፡ ኣብ ኣተሓሳባኡን ርእሰ-ጠመትኡን ዘምጾ ምዝንባዕ ኣሎ።

እናዓበየ ምስ ከደ’ውን እንተዀነ ብመሓዝኡ፡ ብናይ ሓዳር መጻምቱ፡ ብኣስራሒኡን መሳርሕቱን፡ ኣብ ስልጣን ብዘለዉን ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ይገጥሞ። ዝንጸግ፡ ዝጥለም፡ ዝጉሰ፥ ንልግጫ፡ ጭካነ፡ ዘፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ዝጋለጽ ብዙሕ’ዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ኣሉታዊ ተመክሮ ኸኣ ንሰብ ኣብ ኣጠማምታኡን፡ ኣረኣእያዩን፡ ኣተሓሳስባኡን ዘምጽኦ ዕንወትን ምዝባዕን ዓቢ’ዩ። ብግቡእ እንተዘይተኣልዩን፡ ብመስርሕ ሓሊፉ ሚዛናውነት ክህልዎ እንተዘይተጌሩ፡ ኣብቲ ክንፈጥሮን ክሃንጾን ንደሊ ርክብን ዝምድናን ዓቢ መዐንቀፊ ይኸውን።

ሰብ ካብ መጉዳእቱን ማህሰይቱን ፈውሲ እንተዘይረኺቡ፡ ኣብ ክፈጥሮ ዝደሊ ርክብን ዝምድናን፡ ቀጽሪ፡ መንደቅ፡ ብምዃን ኸልካሊ ክዀኖ ይኽእል።  ሰብ ገዛእ ርእሱ እንደገና ካብ ማህሰይቲ ክከላኸል ዝፈጥሮን ዝሃንጾን መንደቅ፡ ቀጽሪ፡ ይህልዎ። ‘ቲ ዝሃንጾ መደቅ ከኣ ካልኦት ናብኡ ከይቀርቡ፡ ምስኡ ከይጣበቁ፡ ዓቢ ከልካሊ ቀጽሪ ይኸውን። ሰብ ሓንሳብ ብማህሰይቱ ምስ ሓለፈ፡ ተመሊሱ ጥዕና ዘለዎ ርክብ፡ ዝምድና፡ ክይፈጥርን ከይሃንጽን “ኸልከሊ ቐጽሪ” ዝዀንዎ እንተሃልዮም

  • ፍርሒ (fear): ሰብ ብኻልኦት ሰባት፡ ብፍላይ ብዝቀርቦምን ዝኣምኖምን ሓንሳብ ምስ ተጎድአ፡ ዝምከሮ ቃንዛ (pain) ኣሎ። እዚ ድማ ምኽኑይን ሓቀኛን’ዩ። ንገሊኡ ክመሃር ድሒሩ ኸኣ ጥበብ ይውስኸሉ። ንገሊኡ ኸኣ ኣብ ፍርሂ ይቅልፎ። እንደገና ከይጉዳእ ብምፍራህ፡ ርክብ ካብ ምምስራት ክቁጠብ ክገብሮ ይኽእል። ፍርሒ ከም ሓደ ከልካሊ ቀጽሪ ስለ ዝኸውን፡ ብዙሓት ክቀርብዎ ኣየፍቅድን። ዋላ እንተኣፍቀደውን ኣዝዩ ድሩት ብዝዀነ መገዲ ክገብሮ ይጽዕር። ኣብ ውሽጡ ዝበቆለ ፍርሒ እንተዘይስዒርዎ፡ ኣብ መንጎ ብዙሓት በይኑ ኰይኑ ክነብሮ ይኽእል። “ፍርሃትሲ ስቃይ እያ ተምጽእ፡ እቲ ዝፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን። እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ብፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቅርስ ፍርሃት የልቦን”። 1ዮሃ4:18

 

  • ዘይምእማን (not trusting)፡ ሰብ ብዝኣኖም ሰባት ምስ ተጠልመ እሞ ውሽጣዊ ማህሰይቲ ምስ ወረዶ፡ ከም ሳዕቤኑ እንደገና ክኣምን ይሽገር። እቲ ሓንሳእ ዝተመከሮ ማህሰይቲ ከኣ ክቀርብዎ ንዝደልዮ ብዓኒ ጥርጣረ ክርእዮም ይገብሮ። እቲ ሓንሳእ ዝተመኰሮ ቃንዛ እንደገና ክይድገሞ ብምስጋእ፡ ንኻልኦት እንደገና ክኣምኖም፡ ብርሒብ ልቢ ክቅበሎም፡ ይጽገም። ኣብ ክንዲ ምልስ ኢሉ ብምርኣይ ጥበብ ተማሂሩ ንዝመጽእ ብኸመይ ክቀርብ ከም ዘለዎ ዝሓስብ፡ ዘይምትእምማን ኣብ ልቡ ከም ከልካሊ ቀጽሪ ብምትካል፡ ምስ ካልኦት እንደገና ጥዕና ዘለዎ ርክብ ክገብር ይሽገር። እዚ ኸኣ ልቡ ጸቢቡ፡ ብዘይምትእምማን ተወሒጡ፡ ክነብር ይገብሮ። ብስለ ፍቅሪ ዕውር ምዃን ዘይኰነ፡ ከይተሃወኸን ሃንደራእ ኢሉ ርክብ ክገብር ከይፈተነ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ንኹሉ ብኣሉታዊ ተመክርኡ ክርእዮ ከይፈተነ፡ ንኣምላኽ ኣሚኑ ብጥበብ ልቡ ክኸፍ ጽቡቅ’ዩ።

 

  • መንፋሕቲ መንፋሕቲ ክልተ ትርጉም ኣለዎ። ሓደ “ሽጣዊ ዘይምጥዓይ” ኣን2:4 ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ከኣ “ባዶ ምኻን” ቆሎ2:18 ማለት እዩ። ሰብ ካብ ዝገጠሞ ማህሰይቲ ዝተላዕለ ውሽጣዊ ቁስሊ ክገብር ወይን ውሽጣዊ ባዶነት ክስምዖ ከም ዝኽእል ናይ ኩልና ተመክሮ’ዩ። እዚ ድማ እንተዘይተፈዊሱ ንሰብ ከም ዘይንሱ ኰይኑ ክነብር ይቀስቦ። ሓቀኛ ዝዀነ ርክብ ክምስርትን ክሃንጽን ኣይገብሮን ጥራይ ዘይኰነ፡ እንደገና ክይህሰ ብምሕሳብ ተዳፋኣይን ተናጓጻይን ይኸውን። “ፍቅሪ ኣይትንፋሕን እያ” ዝብል ቅዱስ ቃል ከኣ ሰብ ብፍቅሪ ኣምላኽ ምስ ተሳዕረ፡ ፍቅሪ ኣብ ውሽጡ ምስ ሰነገ፡ ነዚ ንብሎ ዘለና ኸልካሊ ቐጽሪ ክፈርስ ይገብሮ። ፍቅሪ ኣምላኽ ናይ ምፍዋስ ሓይሊ ስለ ዘለዎ።

 

  • ትሑት ርእሰ ጠመተሰብ ማህሰይትን መጉዳእትን ምስ በጽሖ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘለዎ ኣጠማምታ ይትንከፍ’ዩ። እዚ ድማ ብብዙሕ መገዲ ኣብ ህይወቱ ይግለጽ። ንገሊኡ ከም ዘይጠቅምን ዘይረብሕን ክመስሎ ይኽእል። ገሊኡ ንፍቅርን ርክብን ዘይብቁዕን ዘይተዓደለን ክመስሎ ይገብሮ። እዚ ድማ ኣብ ሓሳብ ሰብ ከም ዓቢ ከልካሊ ቀጽሪ ኰይኑ፡ ንሰብ እንደገና ጥዑይ ርክብ ከይገብ ይዕንቅጾ። ካብኡ ብዝኸፍአ መገዲ ከኣ ንርክብን ዝምድና ኣብ ዘይግባእ ቦታን ካብ ዘይግባእ ሰብን ክረኽባ ክፍትን ይደፍኦ። ፍቅርን ሓልዮትን ክቅበል ዘይክእል፡ ክፍቀር ከም ዝኽእል ዘይኣምን ሰብ፡ ልቡ ከፊቱ ጥዑይ ርክብ ክፈጥር ኣይክእልን’ዩ። ብብዙሕ ነጸላታ ገዛእ ርእሱ ብምሽፋን፡ ካልእ ኰይኑ ክርአ ይፍትን። ክሕባእ ከኣ ይገብሮ። ዝፈጥሮ ርክብ ከኣ ጥምዓዊ፡ ዘይሓቀኛ ስለ ዝኸውን ቀጻልነት የብሉን። ብኣምላኽ ከም ዝተፈቅረን፡ ኣብኡ ኸኣ ቅቡል ምኻኑ ዝፈልጥ እንተሃልዩ፡ ካብ ካልኦት ፍቅሪን ሓልዮትን ክቅበል ኣይሽገርን። ንሱ ባዕሉ’ውን ፍቅሪ ክልግስ ልቡ ክፉት እዩ። እዚ ድማ ምስ ቅኑዓትን ጽሩይ ሕልና ዘለዎም ሰባት ርክብ ክገብር የኽእሎ። ኤፌ1:5,6

 

  • ምረትን ቂምታን ገሊኡ ብዝበጽሖ ማህሰይትን መስበርትን ኣብ ምረትን ቂምታን ዝሽመም ብዙሕ’ዩ። ዝገጠሞ እናኰማስዐ፡ ሕርቃንን ቁጥዓን ቅሓር መዓልቲ ይዀኖ። ብዘይካ ሕኒንን ምባልን ሕነ ምፍዳይን ከኣ ዝረኣዮ የብሉን። ይቅረ ምባል ስለ ዝኸብዶን ስለ ዝኣብዮን፡ ዝተበረዘ ስምዒትን ኣተሓሳስባን ሒዙ ይኣቱን ይወጽን። ምስ ካልእ ሰብ ከም ዘይላገብ ይገብሮ። ካብቲ ኣብ ውሽጡ ዝሓደረ ምረት፡ ጸርፉን ቑጥዓን እናገንፈለ፡ ዝሃነጾ ርክብ እናፈረሰ ይሽገር። ይቅረ ክብል ዓቅሚ ካብ ጸጋ ኣምላኽ እንተዘይደሊቡ፡ ተነጺሉ፡ ኩሉ ጊዜ ኣብ ምረትን ጭንቀትን ይነብር። ናብ ቅዛነት ገጹ’ውን ከንቆልቁል ይኽእል። ሰብ ንይቅሬታ ሓይሊ ዝረክብ ብፍቅሪ ኣምላኽ ክሰዓር ከሎ ጥራይ’ዩ። ፍቅሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ክነግስን ክገዝእን ምስ ነፍቅደሉ ኸኣ ውሽጣዊ ቁስልና ተፈዊሱ፡ ብኽፉት ልቢ ምስ ካልኦት ጥዕና ዘለዎ ርክብን ዝምድና ክንሃንጽ ጥበብን ሓይልን ይህልወና። 1ቆሮ13፡5; ኤፌ4:32

Author

Samson Mesghena