ፈውሲ “ሕፍረት sham”

ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ነውሪ እንታይ ምኻኑ፡ ካበይ ከም ዝብገስ፡ በዚ ቀስቲ ዝተወግኡ መለለይኦም ከመይ ከም ዝዀነ ጽሒፈ ኣለኹ። እዚ ውሽጣዊ ገድሊ፡ ኣድማሳዊ ሕማም ምዃኑ፡ ዝዀነ ሰብ ከምልጥ ዝኽእል ከም ዘየለ’ውን ክንፈልጦ ዘለና ሓቂ እዩ። ኣብዚ ዝቕጽል ጽሑፍ ኸኣ ሰብ ካብዚ ውሽጣዊ ዘልምስ መንፈሳውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ገድሊ ብኸመይ ክፍታሕን ሓራ ክኸውን ከም ዝኽእል ክዛረብ እየ።
I. ብክርስቶስ ዝዀንካዮ ማንነት ምፍላጥ።
ሓጢኣት “ዕርቃና” ቀሊዑ ኣብ ሕፍረት ሸሚሙና። ክርስቶስ ግና በቲ ኣብ መስቀል ዝገበሮ ስራሕ “ጽድቂ ኣልቢሱና”። ከምቲ ንኣዳምን ሄዋንን ብቆርበት ናይ ደበሎ ጌሩ ዕርቃኖም ዝኸደነ፡ (ዘፍ3:21) ንዓናውን በቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ደም ሓጺቡ፡ ሓድሽ ክዳን ኣልቢሱና እዪ። ስለዚ ንክርስቶስ ኣብ ጎደና ሕፍረት ክንራኸቦ፡ ብሞቱን ትንሳኤኡን ዘልበሰና ዘልኣለማዊ ጽድቂ ክንርዳእ ኣለና።

ራእ 3:18 ምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ፡ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፡ ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ አሎኹ።
1 ቈረ 1:30,31 -ግናኸ እቲ ጽሑፍ፡ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ፡ ዚብሎ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ንስኻትኩም ካብኡ ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ንጥበብን ጽድቅን ምቕዳስን ምድሓንን ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ኢኹም።

እብ12:2 – “ናብቲ፡ ሕፈረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት።
ኣብ መንጎ ቀዳምይ ኣዳምን ዳሕረዋ ኣዳምን ፍልልዩ፡ ቀዳምይ ኣዳምይ ዕርቃኑ ከም ዝወጸ ምስ ፈለጠ፡ ሕፍረት ኣሸኒፍዎ፡ ሕፍረቱ ክኸድን ተሓቢኡ። እቲ ዳሕራይ ኣዳምን ግና ዕርቃኑ ክወጽእ ምኽንያት ዘይነበሮ ክነሱ፡ ምእንታና ዕርቃኑ ወጺኡ። ግን ከኣ ውሽጣዊ ምልኣት ስለ ዝነበሮ “ንሕፍረት ንዒቁ” ኣብ መስቀል ስሌና ሞይቱ። (እብ12:2) እዚ ኸኣ ነቲ ብሰሪ ሓጢኣት ዝተቀልዐ ዕርቃና ንምሽፋን እዩ።
ሕጂ ንሕና ሓደሽቲ ፍጥረት ኢና። (2ቆሮ5:15-17 ብድሙ ስለ ዝተዓደና ከኣ መንግስትን ካህናት ኣምላኽ ክንከውን መሰል ረኺብና። ፍሉይ ህዝቢ ጌሩና። 1ጴጥ2:19 ራእ1:5 ኤፌ1:3-11 ዋጋ ነፍስናን፡ ብቅዓትናን፡ ክብረትናን እምበኣር ምስ እንገብሮ፡ ዝዀናዮ፡ ካልኦት ብዛዕባና ዝብልዎ ዘይኰነ፡ ምስቲ ክርስቶስ ዝገበሮ፡ ዝሃበና ከነወዳድሮ ይግብኣና። 1ቈረ6:19,20 እ/ሔር ብክርስቶስ የሱስ ተቀቢሉና። ሮሜ15:7 ብቁዓት ኢኹም ኢልና። ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ብቑዓት ጌሩና። 2ቈሮ3:5-6 ዋጋ ነፍስና ኣብ መስቀል ብሙማት፡ ደሙ ብምፍሳስ ክሳዕ ክንደይ ክቡራት ምኻና ብግብሪ ኣርእዩና። እብ2:10
“ነውሪ” ንስኻ ሕማቅ ሰብ ኢኻ ዝብል መልእኽቲ እንተሃልይዎ፡ ኣነ ደሓን ሰብ፡ ጽቡቅ ሰብ እየ ዝብል ገድሊ ክህልወና የብሉን። ካብቲ ንፈልጦን ንርድኦን ንልዓሊ ሓጢኣት ከም ዘበላሸወና ክንፈልጥን ክንርዳእን ኣለና። ሮሜ5:12-14 ብዘይ ናይ መስቀል ስራሕ፡ ንነውሪ፡ ንሕፍረት፡ ክስዕሮ ዝኽእል የለን። ናብ ጸጋ ክርስቶስ ክንጥምት ይግብኣና። ቲቶ2:10
ሃይዋርያ ጳውሎስ ኣብ ገዛእ ርእሱ ተስፋ ምስ ሰኣነ (ሮሜ 7)፡ ናብ ናይ ክርስቶስ ናይ መስቀል ስራሕ ምስ ጠመተ
“እቶም ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ንሳቶም ኩነኔ የብሎምን” ብምባል ብኽርስቶ ዝርከብ ምንጋፍ ተዛሪቡ ኣሎ። (ሮሜ8:1) ኣቀዲሙ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ኣሎ። “ሕጂ ግና ብእምነት ካብ ጸደቅና ምስ ኣምላኽ ብጎይታና የሱስ ሰላም ኣለና” (ሮሜ5:1) እዚ ሰላም እዚ ሓሳባዊ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንወዲ ኣምላኽ ኣብ ልብና ክኣቱ ምስ ኣፍቀድና ብግብሪ እንከሮ ውሽጣዊ ዕረፍ እዩ። ሰብ ብዘይ ምእዛዙ ምስ ኣምላኽ፡ ገዛ ርእሱ፡ ምስ ኩሉ ፍጡር ኣምላኽ ተባኢሱ እዩ። ብሞትን ትንሳኤር ክርስቶስ ከኣ ምስ ኣምላኽን ምስ ገዛእ ርእሱን ምስ ከም ከምኡ ዝበለ ሰብ ብሰላም ክነብር ብቅዓት ተዋሂብዎ ኣሎ። ቆሎ1:20-21 2ቆሮ5:17-21
1 ዮሃ 1:7-9
II. ክንርአ፡ ክንክፈት ፍቃደኛታት ክንከውን ኣለና
“ሕፈርት” ኣቀዲምና ከም ዝገለጽናዮ፡ “ምሕባእ፡ ምሽፋን፡ ምኽዳን” ማለት’ዩ። ሰብ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ጎደሎ ዝብሎ፡ ወይውን ሰብ እንተፈሊጥዎን እንተርኢዎን ክንዕቀኒ፡ ክነጽገኒ፡ ከዋርደኒ፡ ኣትሒቱ ክርእየኒ’ዩ ዝብሎ፡ ወይውን ብሕብረተሰብ ከም ነውሪ፡ ሕፍረት፡ ዝቁጸር፡ ንምሕባእ፡ ንምሽፋን፡ ዘጥፍኦ ሓይሊ ብዙሕ’ዩ። ዘለዎ ዝምድናን ርክብን ብምቁራጽ፡ ከም ባሕታዊ ኣብ ናይ በይኑ ዓለም ዝነብር ብዙሕ’ዩ። እዚ ኸኣ ናብ ዝገደደ ጭንቀትን፡ ቅዛነን፡ ጽምዋን ከም ዝሽመም ይገብሮ። ነዚ ሕፍረት ዝበሃል ውሽጣዊ ገድሊ ንምስዓር እምበኣር፡ ሰብ ኣብ ክንዲ ዝሕባእን ክሽፍኖ ዝፍትንን ንኽርአን ክኽፈትን ፍቃደኛ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ንሰብ ኣዝዩ ክሳዕ ዝገርሞ ናይ ሓርነት መገዲ’ዩ።
ሰብ ክንርአ ትብዓት ክህልዎ ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ከኣ ተመኩርኡናን ናይ ሰብ ርእይቶ ብዘየገድስ፡ ብክርስቶ ዝተቀበልናዮ ብቅዓት፡ ክብሪ፡ ዋጋ ክርድኣና ከሎ እዩ። ምስቲ ኣቀዲሚና ዝጠቀስና ሓሳብ ኸኣ ብቀጥታ ይተሓሓዝ። ሓጢኣትን ሕማቅ ተመክሮን ጎደሎ ከም ዝዀና እናርኣየ፡ ኣብ ቅሬታን ሕፍርሕን ይቁልፈና።
ካብ እ/ሔር ዝሕባእ ዘየለ ክነሱ፡ ሰብ ካብ እ/ሔር ክሕባእ ዝፍትን፡ ኣብ ቅድሚ እ/ሔር ቓልዕ ክኸውን ዘይደሊ ብዙሕ’ዩ። “…ኣብ ቅድሚኡ ዓይኑ ኩሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝሕባእ ፍጡር የለን”። እብ4:13 እዚ ኸኣ ኣብ ኣዳም ዝጀመረ ገድልን ስጋዊ ስልትን’ዩ። “ተሓብአ” ብምባል ከኣ ይገልጾ። ስለዚ ሰብ ንዘለዎ ውሽጣዊ ገድሊ ክስዕሮ እንተኰይኑ፡ ብመጀመርያ ኣብ ቅድሚ እ/ሔር ክርአ ኢሉ ክመጽእ፡ ልቡ ከፊቱ ኸኣ ንኣምላኽ ከርእዮ ኣለዎ።
“ነውሪ” ሓይሉ ካብ ዘይምዝራብ፡ ስቁ ካብ ምባል’ዩ ዝሰንቅ። ስቅ ምባል ካብ ምዝራብ ይቀልል። ብዛዕባ ነውሪ ዘለና ኣቃልቦ እንተ የህብቲምናዮ እሞ ክንዛረበሉ እንተኽኢልና፡ መሓውሩ ካብ ብርኩ ቆሪጽናዮ ኣለና።
ፈውሲ ንክኸውን ኣብ ውሑስ (safe) ዝዀነ ሃዋህው እንብሎ፡ ገዛእ ርእስና ንምግላጽ ክንክፈት ኣለና። ምቅባልን ድንጋጸን ክንቅበል ድልዋት ክንከውን ኣለና። እዚ ድማ ብንእሽቶ ክንጅምሮ ንኽእል ኢና። ኣብቶም ንቀርቦምን ንኣምኖምን ክድግፉና ይኽእሉ እዮም እንብሎም፡ ቀስ ብቀስ ገዛእ ርእስና እናኸፈትና፡ ዘለና ሕፍረትን ገድልና ክነግሮም ንጀምር። እዚ ኸኣ ኣብ ቤተሰብና፡ ሰብኣይና ሰበይትና፡ መሓዛና ዓርክና መሳርሕትና ክኸውን ይኽእል።
ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገጠመና፡ ኣብ ሓሳብና ስሉኽ ኢሉ ዝኣተወ እሞ “ሕፍረት” ክስምዓና ዝገበረ ክንዛረበሉን ንዝቀርቡና ከነርእዮም ክንጅምር ኣለና። ኣይብቑዕን፡ ዋጋ የብልካን፡ እናበለ ኣብ ውሽጥና ዘቃጭል፡ ብሓድሽ ምርዳእ ክንትክኦ፡ ንሓሳብና ክንዕልሞ ይግብኣና።
1 ቈሮ 4:5 “…..ብተንኰል ከይተመላለስና፡ ንቃል ኣምላኽውን ሓሳዊ ከይገበርናዮ፡ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሓዲግና ኣለና…..ክርስቶስ የሱስ ከም ጎይታ፡ ንርእስና ግና ከም ባሮት ጌርና ኢና እምበር፡ ርእስና ኣይኰናን እንሰብኽ ዘለና።”