ኣብ ቀራና መገዲ

ንግሆ ተሲአ እናጸለኹ ከለኹ፡ ውሽጠይ በዚ መጺኡ ዘይበልክዎ ሓዘን ክውሕጦ ከሎ ተሰምዓኒ። ብዙሕ ጊዜ ክጽሊ ኢለ ክምብርከኽ ከለኹ፡ ፍኹስ እዩ ዝብለኒ። እንተ እታ ንግሆ ግና ከም ዝለመድክዎ ኣይነበረን። ውሽጠይ ዝጓሃየሉ ምኽንያት ንምፍላጥ ከኣ ብሓሳበይ ክድህስስ ጀመርኩ። ትማሊ ምሸት እንታይ ዝገበርክዎ ወይውን ዝሰማዕክዎ ነገር ነይሩ፧ ብምባል ክዝክር ፈተንኩ። ክሳዕ ክንድኡ ክጉህን ክትክዝን ዝገብረኒ ነገር ኣይተዘከረንን። ብምግራም ከኣ ሓሳበይ ናብ ጸሎት መታን ክተኩር ክገድዶ ፈተንኩ። ‘ቲ ቃልሲ ግና እናሓየለ ኸደ። እቲ ኣብ ውሽጠይ ዝኸውን ዝነበረ ኸኣ ካብ ዝርድኦ ንልዓሊ ዕቱብ ምዃኑ ተረድኣኒ። ናብ ኣምላኽ ከኣ ከቅርቦ ወሰንኩ።

ዘይሓሰብክዎ ከኣ መንፈስ ኣምላኽ ቅድሚ 25 ዓመት ዝዀነ ነገር ኣዘከረኒ። ጊዜያቱ ቅድሚ ናጽነት ቅድሚ 1 ወይ 2 ዓመት ‘ዩ ነይሩ። ባጽዕ ተታሒዛትሉ ኣብ ዝነበረት ህሞት’ዩ። ፓለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ ቁልውላው ጥርዙ ዝበጽሓሉ ጊዜያት ስለ ዝነበረ፡ ልቢ ኩሉ ሰብ ብጭንቀትን ፍርህን ጅሆ ተታሒዝሉ ከም ዝነበረ ይዝከረኒ። ከም ኩሉ ሰብ ብብዙሕ ቅልውላውን ሽግርን ንሓልፈሉ ዝነበረና እዋን’ዩ። ብፍላይ እቲ እዋን ኣደይ ብፓለቲካ ምኽንያት ናብ ሱዳን ዝሃደመትሉ፡ ኣቦይ’ውን ካልእ ሰበይቲ ዝተመርዓወሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ንዝነበረና ሽግር ኣዝዩ ኣጋደዶ። ምስ እንዳ ሓትነይ ክንቅመጥ ዝተገደድናሉ እዋን ከኣ’ዩ ነይሩ። ንዓይ ከም ቆልዓ ንምርዳኡ ዀነ ንምጻሩ ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝነበረ ይዝከረኒ። ብዙሕ ጓህን፡ ፈተናን፡ ናፍቆትን፡ ጸርፍን፡ ማህረምትን፡ ገበንነትን፡ ምንዋጽን ዝሓለፍክሉ እዋን ከኣ’ዩ ነይሩ። ናብ ውሽጢ ኣትየ ክትንትኖ ከይፈተንኩ፡ ሽዑ ዝሓለፍክዎ ተመክሮ ልብኻ ዝዘብሕን ዝሰብርን ከም ዝነበረ ዘከርኩ።

ናብዚ ኩነታት እምበኣር’ዩ መንፈስ ቅዱስ ንሓሳባተይ ክጎቶ ዀለ ዝተሰምዓኒ። ምስ ዘከርክዎ ኸኣ ሓርቆትን ምረትን ውሽጠይ ኣዕለቅለቀ። ኣቦይ፡ ኣደይ፡ ከባቢየይ፡ ካልኦት ሰባት ዘኪረ ኸኣ ኣዝዩ ሓዘንን ሓርቆትን ዝተሓዋወሶ ስምዒት ንሓሳበይ ወረሮ። ኣብ ጸሎት ምንባረይ ረሳዕኩ። ሓሳበይ ንድሕሪት ተመሊሱ ኣብ ዝሓለፈ ሕማቅ ተመኩሮይ ክሕንብስ ጀመረ። ዝነበረ ሃዋህው፡ ዘረባታት፡ ተግባብሮ፡ በብሓደ ክዝክሮ ምስ ጀመርኩ፡ ውሽጠይ ኰነ የዒንተይ ክነብዕ ከሎ ተሰምዓኒ። ኣብ ውሽጠይ ዝሓደጎ በሰላ ከም ዘሎ ፈለጥኩ። ሽዑ ዝተሃሰየ ልበይን ሓሳባይን ንስምዒታዊ ጥዕናይን ንዝቀጸለ ህይወተን ብኸመይ ከም ዝጸለዎን ቅርጺ ከም ዘትሓዞን ካብ ዝርድኦ ንልዓሊ ምኻኒ ተሰወጠኒ።

ለካ! ብቀሊሉ ዝሓርቅን ዝቁጣዕን በልኩ ብውሽጠይ። ንውሽጠይ ዝጸቀጦ ነገር ከም ዘሎ ተረድኣኒ። እናሓንሳብ ምስ ቅዛነት ቅልስ ዝገጥመሉ እዋናት ሒደት ኣይኰነን። ምስ ኣምላኽ ኰነ ምስ ሰባት ዘለኒ ዝምድናን ርክብን ብኣሉታ ከም ዝጸለዎ ብደቂቅ ተረድኣኒ። ምስ ኣምላኽ ዘለኒ ርክብ ላዕልን ታሕትን ዝዀነሉ ሓደ ምኽንያት እዚ ክኸውን ከም ዝኽእል ገመትኩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወተይ ኣብ ዝነበረኒ ዝምድናታት ዝወደቕክሉን ዝፈሸልክሉን ምኽንያት ብዝበለጸ መገዲ ጎሊሑ ተረኣየኒ። ዋላ’ኳ እዚ ኹሉ ኣብ ሓጸርቲ ደቃይቅ ኣብ ሓሳበይ ከም ፊልም ዝተሳእለ እንተነበረ፡ ክእለን ብግቡእ መስርሕ ክሓልፍ ዘለዎ ስምዒታዊ ቁስሊ ምኻኒ ተሰወጠኒ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ናብ ሓሳበይ ከም ዘምጽኦ ኣመንኩ። ንጸሎተይ ከኣ ሓደ ቅርጺ ኣትሓዞ። ስምዒተይ ምእላዩ ስለ ዘሸገረኒ፡ እዋ ኣታ ጐይታ ርድኣኒ በልኩ። ነፍሰይ ኣብ ኣብ ቀራና መገዲ ደው ኢላ ከም ዘላ ቀረጽኩ።

ክልተ ምርጫ ከም ዘለኒ ኸኣ በርሃለይ።

  1. ሕነ ምፍዳይ
  2. ይቅሬታ

ገለ ክገጥመኒ ከሎ ዝበዝሕ ጊዜ ናይ መጀመርያ ግብረ መልሲ (default response) ሓርቆትን ሕርቃንን እዩ። ዘይቆጻጸሮ ሓይሊ ንውሽጠይ ዝደፍኦ ይመስለኒ። ምረት ከም በሊሕ ፍላጻ ነፍሰይ በሲዑ ከም ዝኣተወ ይርድኣንኒ’ዩ። ናብ ምንጽርጻርን ቁጥዓን ጸርፍን ነድርን ታዕታዕን ክደፍኣኒ ኸሎ ዝተሰምዓኒ ህሞታት ሒደት ኣይኰነ። እቶም በዲሎምኒ፡ ጊሂሶምኒ፡ ዝብሎም ሰባት ምሳይ እንተዝነበሩ፡ ካብ ውሽጠይ ከም ውዑይ ማይ እናገንፈለ ዝስምዓኒ ዝነበረ ስምዒት፡ ንተግባብሮይ ናበይ ገጹ ክደፍኦ ከም ዝኽእል ክግምት ጥራይ’የ ዝኽእል። እንተወጸለይ ሕነ ክፈዲ ኣብ ውሽጠይ ይስምዓኒ’ዩ። ግን ከኣ ቅኑዕ ዘይምኻኑ ስለ ዝርዳእ፡ ንርእሰይ ክገትኣ እፍትን።

እንታይ እሞ ክልውጥ’የ፧ በልኩ ንርእሰይ እናሓተትኩ። ዘየረኻኽበሎም ምዃነይ ስለ ዝተድኣኒ’ውን፡ ኣብ ውሽጠይ ምሓዘይ፡ ብኣምላኽ ዝረኸብክዎ ሰላምን ሓጎስን ዕረፍትን ዝብርዝ፡ ዝብክል፡ መርዚ ጥራይ ክኸውን ከም ዝኽእል ተድኣንኒ። ኣብ ውሽጠይ ተሰኪመዮ ምኻደይ ከም ዕሹግ ወይኒ ንሓድሕዱ እናተበላልዐ ክፈጥሮ ዝኽእል መርዝን መግልን ከም ዘሎ እፈልጥ’የ። ካልእ እንተተረፈ ንዓይ መታን ክሕሸኒ፡ ዘዋጽኣኒ እንተሃልዩ፡ እታ ካልኣይቲ ምርጫ ምምራጽ ምዃኑ መንፈስ ኣምላኽ ንሓሳበይ ረትዖ።

“ይቅረ ምባል” ካብ ካልእ ንልዓሊ ንዓይ ከም ዝሕሸንን ዘዋጽኣንን ተረድኣኒ። ይቅረ ዘይምባል መርዚ ሰቲኻ፡ ‘ቲ ካልእ ሰብ ክመውት ምጽባይ ምኻኑ ተሰወጠኒ። መታን ክፍወስ፡ ሰላመይን ሓጎስይን ሕሉው ክኽውን፡ ይቅረ ክብል ከም ዘለኒ ፈለጥኩ። ሕነ ምፍዳይ ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ነቲ እከይ ስፍራ ክሓድገሉ ከም ዘለኒ፡ ንእከይ ብሰናይ ክስዕሮ፡ ፍቃድ ኣምላኽ’ዩ በልኩ።

ደሓር ከኣ ንዓይ ዝተሓድገለይ ክዝክር ጀመርኩ። “ከምቲ ክርስቶስ ይቅረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተለዋዋህትን ተደናገጽትን ኰይንኩም ይቅረ ተበሃሃሉ” ዝብል ወርቃዊ ትእዛዝ ዘከርኩ። ዘይግብኣኒ ፍቅርን ይቅሬታን ካብ ኣምላኽ ካብ ተቀበልኩ፡ ኣነ’ውን ከምኡ ክገብር ከም ዘለኒ ሓሰብኩ። ናይ ኣምላኽ ይቅሬታ ኣብ ህይወተይ ምሉእ ንኽኸውን፡ ይቅረ ክብል ከም ዘለኒ ተረዳእኩ። ዝገበርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ይቅረ በለሎም ኢለ ክጽሊ ጀመርኩ።

የሱስ ስለይ ኣብ መስቀል ዝወረዶ እናኣስተንተኩ፡ ከም ዘቃለልዎ፡ ዘዋረድዎ፡ ዝጸረፍዎ፡ ዝገረፍዎ፡ ዘድመይዎ ክሓስብ ጀመርኩ። ወለሓደ ዘይገበረ ክነሱ፡ እከይ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ከነሱ፡ ምእንታይ ክብል መሪር ሞት ሞይቱ። እዚ ኹሉ እናገበርዎ “ዝገብርዎ” ኣይፈልጡን እዮም እሞ ይቅረ በለሎም ብምባል፡ እናተሳቀየን እናተቀንዘውን ሰማያዊ ጸሎት ጸልዩ። እዚ ኸኣ ንዓይ ንትምህረትይ’ዩ በልኩ። ካብቲ ንየሱስ ዝወረዶ፡ ጭላፉ’ውን እንተዀነ ኣይበጽሓንን። ስለዚ ይቅረ ክብል ኣለኒ በልኩ።

ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ውሽጠይ ዝነበረ ቃልሲ ብቀሊሉ ክሃድእ ኣይክኣለን። መንፈሳዊ ውግእ ምኻኑ ተረድኣኒ። ጸላኢ ዝገበርዎን ዝተዛረብዎን ኣብ ሓሳበይ እናኣምጽአ፡ ይቅሬታ ኣይግብኦምን’ዩ እናበለ ንሰላመይ ተፈታተኖ። ዝገበርዎ ክይፈለጡን ክይተረድኦምን፡ ዝተሰምዓካ ቃንዛ ክይተሰምዖምን ነገራት ይኺድ ምሕዳግ ስንፍና ምዃኑ ከእምነኒ ጸዓረ።

በቲ ካልእ ሸንኽ ከኣ መንፈስ ኣምላኽ ናይ መስቀል ስራሕ እናመሃረኒ፡ የሱስ ስለይ ዝገበሮን ዝኸፈሎን ዋጋ ከም ፊልም ኣብ ሓሳባይ እናሰኣለ፡ ከመይ ዓቢ ምሕረትን ይቅሬታን ከም ዝረከብኩ እናዘከረኒ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ክገብር ከም ዘልኒ ከእምነኒ ፈተነ። ብየሱስ ምእማነይ ሓድሽ ፍጥረት ምኻነይ፡ ተማቀሊ ባህርይ ኣምላኽ ስለ ዝዀንኩ፡ ከምቲ የሱስ ኰይኑ ዝተመላለሶ ኰይነ ክመላለስ ከም ዘልኒ መንፈስ ቅዱስ ንውሽጠይ ረትዖ።

ኣብ መንጎ እዚ ኽልተ ሓሳብ ከኣ ነፍሰይ ክትውጠር ከላ ተሰምዓኒ። እንታይ ከምርጽ ከም ዘለኒ ርዱእ’ዩ ነይሩ። ምግባሩ ግና ኸበደኒ። ንበደልን ግህሰትን ይኺድ ክሓድጎ ተሸገርኩ። ግን ከኣ ይኺድ ምሕዳገይ ክብረት ምዃኑ ይርድኣኒ’ዩ። ሓንቲ ዘላትኒ ኣማራጺ እምበኣር ነቲ ውሽጠይ ዝደልዮ ክገብር፡ ካብ ኣምላኽ ሓይሊ ክቅበል፡ ናብ ዝፋን ጸጋ ክቀርብ እየ በልኩ።

ዎ ብሩኽ ኣቦ፡ ውሽጠይ ብመገድኻ ክመላለስ፡ ፍቃድካ ክገብር ድሌት ኣለዎ። ካልእ ኣብ ሓሳበይ ኰይኑ ዝዋጋኣንን ዘሸግረንን ካልእ ስጋዊ ሰይጣናዊ ሓሳብ ግና ይቃጸወኒ ኣሎ። ርድኣኒ፡ ሓግዘኒ፡ ኢለ ንብዓተይ ኣፍሰስኩ። ተስፋን ዘይቲ ሓጎስ ክፈሰኒ ከሎ ተሰምዓኒ። እቲ ቃልሲ ቀጻሊ ምኻኒ ኣይከሓድክዎን። በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ብክርስቶስ ግና ንኹሉ ከም ዝስዕሮ ስለ ዝተድኣኒ፡ ውሽጠይ እምነት ሰነቀ። ብክርስቶስ ካብ ሰዓርቲ ከም ዝበልጽ፡ እ/ሔር ኣቦ ብወዱ ብክርስቶ ጌሩ ናብ ዓወት ከም ዝመርሓኒ ኣመንኩ። መኣዛ ፍልጠት ክርስቶስ ከኣ ኣብ ኩሉ ቦታ ክገልጽ እየ በልኩ።

Author

Samson Mesghena