“ደለይቲ-ኣቃልቦ”

ደቂ ሰባት ንሕብረተሰብ፡ ንርክብ፡ ዝምድና ዝተፈጠርና ኢና። ናብ ላዕሊ፡ ንትኹል፡ ከምኡ’ውን ንጎኒ፡ ንጋድም፡ ዝቀንዐ፡ ዝምድና ምስ ዝህልወና፡ መንፈሳውን፡ ነፍሳውን ከምኡ’ውን ኣካላዊ ጥዕናና ሕልው ይኸውን። እዚ ስለ ዝዀነ ኸኣ መጀምርያ ነቲ ልዑል ፈጣሪ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን፡ ሓሳብካን ሓይልኻን ኣፍቅሮ። ነዛ ቐዳመይቲ ትመስላ ኸኣ ነቲ ጎንኻ ዘሎ ብጻይካ ኸኣ ከም ነፍስኻ ምፍቃር። ዝበዝሕ ሽግርና ሓበሬታ ካብ ምስኣን ዘይኰነ፡ ንላዕሊን ንጋድምን ዘለና ዝምድና ስለ ዝተበትከ፡ ዝተበላሸ’ዩ። ድሌት ዝምድና፡ ርክብ፡ ኣብ ውሽጢ ኩሉ ሰብ ስለ ዘሎ፡ ነፍሲ ወከፍ
1. ክጥመት፡
2. ክርአ፡
3. ኣቃልቦ ክወሃቦ፡
4. ክስማዕ፡
5.  ክዝረቦ፡
6. ክንገሮ ምስኡ ዝተፈጥረ ውሽጣዊ ድሌት’ዩ። ዋጋ ከም ዘለና ክንቁጸር ዘለና ድሌት ወሰን የብሉን። ናትና እንብሎ፡ ከይተሰከፍና እንሕወሶ፡ ከም ዘለናዮ ዝቅበለና ዓንኬል ሕብረተሰብ ምስ እንረክብ ዝስምዓና ጠሊ ባህታ ዓቢ’ዩ።

ብኣንጻሩ ሰባት ኣትሒቶም ክርእዩና፡ ከቃልሉና፡ ሸለል ኢሎም ክሓልፉና ከለዉ ዝስምዓና ቃንዛ ታእላው የብሉን። እዚ ኸኣ ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ኩሉ ሰብ ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ስምዒት ስለ ዝዀነ ጌጋዩ ክንብሎ ኣይክንኽእልን። ኩሉ ዋጋን ክብርን ከም ዘለዎ ክቁጸር ካብ ዘለዎ ህንጥዩነት ዝተላዕለ፡ ከይኰነ ክኸውን ከሎ ልቡ ተሰቢሩ፡ ብሓዘን ዝወሓጥ ከም ዘሎ ምግማት ኣየድልየናን’ዩ።

ብዙሓት ርእሶም ንምሕላው፡ ካብ ከባቢኦም “ኣቃልቦ” ንምርካብ ዝኸድዎ መገድን ዝኸፍልዎ ዋጋን ኣሎ። እዚ ተግባብሮ ኸኣ እዩ፡ ነቲ ኣብ ውሽጥና ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበና ድሌት ጽቡቅ ወይውን ጌጋ ዝገብሮ። ዕላማ ዘይብሉ፡ ካብ ከባቢና ኣቃልቦ ንምርካብ እንገብሮ ተግባብሮ ከኣ “ደለይቲ ኣቃልቦ” (attention seekers) ተባሂልና ክንጽዋዕ ይገብረና። ብኸምዚ ዓይነት ዝዝወር ህይወት ዘስምዖ ድምጺ ኣዝዩ ረባሺ ካብ ምኻኑ ዝተላዕለ፡ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሰላም ይዝርግ። እዚ ኸኣ እንተዘይተጠንቂቅናሉ፡ ናብ ህይወትና ዘምጽኦ ዕንወት ከቢድ’ዩ።

ደለይቲ ኣቃልቦ” ክንብል ከለና የዒንቲን ኣእዛንን ሰባት መታን ክንወስድ ኢልና መጠኑ ዝሓለፈ፡ ረባሺን ሃዋኺን ዝዀነ ግዳማዊ ተግባብሮ ክንገብር ከለና ዝግለጽ’ዩ። ካብ ሰብ መታን ክንረኽቦ፡ “ኣቃልቦ” ኣብ ምህዳን ብውጡን ክንዋፈር ከለና ዝረአ ሰብኣዊ ባህርይ’ዩ። እቲ ክንረኽቦ እንትስፈዎ “ኣቃልቦ” ኸኣ ንርእሰ ተኣማንነትና፡ ንርእስና እንህባ ዋጋ፡ ዘህጥሮ ኰይኑ ስለ ዝስምዓና’ዩ። እዚ ኸኣ ምልክት ስምዒታዊ ዘይምጥዓይ’ዩ።

ደለይቲ ኣቃልቦ“፡ ብፍቃድ ይኹን ብዘይፍቃድ፡ ማእኸል ቆላሕታ፡ ኣስተብህሎ፡ ሰባት ዝገብሮም፡ ንናይ ኣቃልቦ ጽምኣቶም ዘርውይሉ ዘርእይዎ ደጋዊ ባህርያት ኣለዎም። ገሊኣቶም
1. ብምጅሃርን ብምሕባንን ክረኽብዎ ዝደልዩ ኣቃልቦ ኣሎ
2. ገሊኣቶም ክቡር ዝዋግኡ፡ ነዳፊ ዝሰርሖ ክዳውንቲ ብምኽዳን፡
3. ዘረባ ብምዕብላል፡ ሰሓቅን ዋዛን ብምብዛሕ
4. ኣብ ዝገብርዎን ዝጭብጥዎን ጸብለል ክብሉ ብምፍታን
5. ዝሓዘኑ ብምምሳል፡ ካብ ካልኦት ብተደጋጋሚ ርግጹነት ብምድላይ
6. ዘይግባእ፡ ሕንከት ዘይብሉ፡ ክዳውንቲ ብምኽዳን
7. ብዙሕ ዓውታን ዘይግባእ ተግባርን ዋዛን ብምዝራብ
8. ንካልኦት ዕዉታት፡ ማእኸል ኣቃልቦ ዝገበሮም፡ ክቀድሑ ብምፍታን

በዚ ኸምዚ ዝበለ ውሽጣዊ ገድሊ ዝተፈንጠሩ ሰባት፡ ዝኸድዎ መገዲ ምኽንያቱ ይፈላለ’ዩ።

  • ገሊኣቶም ብህጻንነቶም ከለው፡ ብዘዕበይዎም ሸለል ስለ ዝተባህሉን ዝተሓድጉን ክኸውን ይኽእል።

ውሉድ ብወለዶም ምስ ዝዕመጹ ወይውን ወለዲ ኣብ ህይወት ደቆም ዘየለዉ (absent) ምስ ዝዀነ፡ ኣብ ሓሳባት እቶም ቆልዑ ከም ዘይፍቀሩ፡ ዘይድለዩ፡ ዘይቅቡላት፡ ከም ዝዀኑ ዘሰምዖም ኣሉታዊ ስምዒት ስለ ዝሓድር፡ ካብ ወለዶም ዘይረኸብዎ ኣቃልቦ ካብ ካልእ ወይውን ብኻልእ መገዲ ክደልይዎ ክፍትኑ ናይ ግድን ይዀኖም። ንርእሶም ዝህብዋ ዋጋን ምትእምማንን ስለ ዝትንክፍ፡ ኣብ ውሽጦም ከኣ ሃጓፍ ስለ ዝፍጠር፡ ኣብ ህይወቶም ዝፍጠር ቅልስ ይህሉ። ‘ቲ ሰብ ቀጻሊ ዝዀነ ኣቃልቦ ስለ ዝጸምእ፡ ርእይቶን ምርግጋጽ ሰባት ዘገድሶ ይኸውን።

እዚ ባህይር ከኣ ኣብ የሕዋት ዮስየፍ ገኒኑ ንርእዮ። ኣብ ሓዎም ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣዝዩ ዘሻቅል ተግባብሮታት፡ ዝኸድዎ ሓርፋፍ መገዲ፡ ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ረባሺ ድምጺ ዘቃልሕ’ዩ ነይሩ። ብግቡእ መገዲ ካብ ኣብኦም ዘይረኸብዎ ኣቃልቦ፡ ብዘይግቡእ መገዲ ንኽደልይዎ ኸኣ ተቀሲቦም።
ዘፍ37:3-4 “እስራኤል ንዮሴፍ፡ ወዲ እርግናኡ ነበረ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም ደቁ ይፈትዎ ነበረ።
ወለል ዚብል ቀምሽ ከኣ ገበረሉ። እቶም ኣሕዋቱ፡ ኣቦኦም ሓለፋ ዅላቶም ኸም
ዝፈተዎ ርእዮም፡ ጸልእዎ፡ ብሰላም ኪዛረብዎ ድማ ኣይከኣሉን።”
ብድሕሪ’ዚ ኣብ ሓዎም ዝገበርዎ ሕሱም ተግባር፡ ነብኦም ከመይ ጌሮም ከም ዘታልልዎ እንተርኢና፡ እቲ ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ቃንዛ ኣጉልሑ የርእየና።

  • ናይ ገሊኡ ኸኣ ካብ ኩነታት ዝተላዕለ ክኸውን ይኽእል። ናይዚ ቐንዲ መለለይ ከኣ “ቅንኢ” እዩ።

ኩሉ ኣቃልቦን ናእዳን ናብ ካልእ ምስ ዝኸይድ፡ ንገዛእ ርእሶም ከም ዝተሓተት ጌሮም ክርእይዋ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ካብ ቅንኢ ዝተላዕለ ኣቃልቦ ክረኽቡ ጽምኣት ይሓድሮም። እዚ ድማ ኣብ ሳኦል ጎሊሑ ይርአ። 1ሳሙ18:6-9 ዳዊት ንጉልያድ ብምቅታሉ፡ ኣዋልድ የሩሳሌም ምስ ወደስኦ፡ ህይወት ሳኦል ብቅንኢ ክዝወር ጀሚሩ። እዚ ኸኣ ኣቃልቦ ዘበለ ካብኡ ሓሊፉ ናብ ዳዊት ገጹ ከይዱ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ’ዩ።
“ዳዊት ከኣ ሳኦል ኣብ ዝሰደዶ ዅሉ ብምስትውዓል ይወጽእ ነበረ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብ ውግእ ሓለቓ ገበሮ። ኣብ ዓይኒ ዅሉ ህዝብን ኣብ ዓይኒ ገላዉ ሳኦልን ተፈትወ። ኰነ ድማ ምስ አተዉ፡ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ኣንስቲ ብኸበሮን ብእልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ኪቕበላ ወጻ። እተን ኣንስቲ ኸምዚ ኢለን እናደረፋ ተቓባበላ፡ ሳኦል ሽሑ ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ። ሳኦል ድማ ኣዝዩ ተቘጥዔ፡ እዚ ዘረባ እዚ ኸኣ ከፊኡ ተራእዮ እሞ በለ፡ ንዳዊት እልፊ ሀባኦ፡ ንኣይ ድማ ሽሕ ሀባኒ፡ ደጊም መንግስቲ ጥራይ እያ ተሪፋቶ ዘላ። ሳኦል ከኣ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ንዳዊት ብኽፉእ ዓይኒ ጠመቶ።” 1ሳሙ18:5-9

  • ውልቃዊ ጠባይ ናይቲ ሰብ’ውን ክኽውን ይኽእል’ዩ። ናይዚ መለለይ ኸኣ “ግብዝና” ዩ።

እዚ ድማ ብምጅርሃርን ዓቀኑ ዝሓለፈ ምትእምማን ብምርኣይ፡ ኣቃልቦ ከም ዝግብኦም ጌሮም ንርእሶም ክርእይዋ ይገብሮም። ማቴ 6:1-6 ኣብዚ ሓሳብ ጎይታና የሱስ ብግሉጽ ጌሩ ዝተዛረቦ፡ ብሰብ ክረኣየልና፡ ካብ ሰባት ኣቃልቦን ናእዳን ክንረክብ ኢልና ነገራት ክንገብር ከም ዘይብልና’ዩ። ፈርሳውያን ግና ዝሓመመ ውሽጦም ሓቢኦም፡ ኣብ ቀራና መገዲ ብምጽላይ፡ ጭሕሞም ብምንዋሕ፡ ዘፈርፈር ዝብል ክዳን ብምኽዳን፡ ኣቃልቦ ሰባት ክስሕቡ ይፍትኑ ነይሮም። ኣብ ዘመና’ውን ደጋዊ ኣካውናኦም ብምጽባቅ፡ ውርእያት ክዀኑ ብምፍታን፡ የዒንቲ ሰባት ክረኽቡ ዝፍትኑ ከም ዘለዎ ምግማት ኣየድልየናን እዩ።

  • ንገሊኣቶም ናብ “ኣቃልቦ ምድላይ” ዝሽመሙ፡ ናብ ብጽሕና ገጾም ስለ ዘይዓብዩ’ዩ። እዚ ኸኣ ርኡይ ምልክት ቁልዕነት እዩ።

ኣብ ልቢ ቆልዓ ኩሉ ጊዜ ዕሽነት ኣሎ። ከምቲ ቆልዓ ኩሉ ነገር ኣብኡ ዝዘውር፡ ማእኸኣል ናይ ኩሉ ኣቃልቦ ዝዀነ ዝመስሎ፡ እሞ ኣቃልቦ ክወሃቦ ዝጠልብ፡ ብኣእምሮኦም ዘይዓበዩ’ውን ከምኡ ዝበለ ባህርይ ኣለዎም። 1ቆሮ13:11 “ቆልዓ ከለኹ ከም ቆልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቆልዓ ነበረኒ፡ ከም ቆልዓ ሓሰብኩ” ብምባል ባህርይ ቆልዓ ገሊጹ ኣሎ። ቆልዓ ብፍቅሪ፡ ማለት ካልኦት ካብ ገዛእ ርእሱ ኣብሊጹ ምርኣይ ኣይተማህረን። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና “ነገር ቆልዓ” ሓደጉ ብምባል፡ ባህርይ ቁልዕነት ዝሰዓር ብኣእምሮ ሰብኣይ ብምኻን ጥራይ ምኻኑ ኣነጺሩ ይነግረና።

  • ገሊኣቶም ውሽጦም ብጉርሕን ኣንነትን ምስ ዝሰዓር፡ ውሽጣዊ ማእሰርቲ ምስ ዝህልዎም፡ ናይ ኩሉ ነገር ማእኸል ክዀኑ ዘለዎም ድሌት ታእላው የብሉን።

እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ። ኣብ ግብ 8 ስምኦን ዝበሃል፡ ጠንቛሊ ዝነበረ ሰብኣይ፡ “ዓቢ እየ ብምባሉ” ሰባት ዘስተንከረ፡ ሓይሊ ኣምላኽ ምስኡ ኣሎ ይበሃል ስለ ዝነበረ፡ ኣቃልቦ ሰባት ስሒቡ ዝነበረ ሰብኣይ ነበረ። ናብ ጎይታ ምስ ተመልሰ ግና ብኢድ ሃዋርያት ግብሪ ኣምላኽ ክግበር ምስ ረኣየ፡ ከምቲ ጠንቋሊ ከሎ ዝነበሮ፡ ኩሉ ባውዛን ኣቃልቦ ናብኡ ክኸውን ብምድላይ ንሓይሊ ኣምላኽ ብገንዘብ ክገዝኦ ስለ ዝፈተነ፡ ሃዋርያት ጳውሎስ ከምዚ ክብል ተሪር ዘረባ ተዛሪብዎ፡”

“ልብኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ስለ ዘይኰነ ኸኣ፡ ኣብዚ ነገር እዚ ኽፍሊ ወይ ግደ የብልካን። እምብኣርሲ ኻብዚ ኽፍኣትካ እዚ ተነሳሕ፡ ምናልባሽ ሓሳብ ልብኻ እንተ ሐደገልካ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኖ። ኣብ መሪር መርዝን ኣብ ማእሰርቲ ግፍዕን ምህላውካ እርእየካ ኣሎኹ፡ በሎ” ግብ8:21-23

ኣብዚ ዘበና’ውን ኣቃልቦ ንምርካብ፡ ንዝገብርዎ ዋጋ ገዛእ ርእሶም ብምምዛን፡ ኣብ ዘይተዋህቦም፡ ዘይግብኦም ቦታን መድረኽን ብምእታው ድምጺ ዘስምዑ ክንደይ ክንብሎም። ናይዚ መበገሲ ኸኣ ጽምኣት ኣቃልቦ ክኸውን ስለ ዝኽእል ክንጥንቀቅን ንምእላዩ ካብ ኣምላኽ ጥበብ ክንሓትት ይግብኣና። ያእ 1:5

  • ምግናንን ምውዕዋዕን እንተዀነ ብዙሕ ጊዜ ምልክት ናይዚ ንብሎ ዘለና፡ “ደለይቲ ኣቃልቦ” ምልክት’ዩ።

ብዕዮ ከም ዝተጸምዱ ኣምሲሎም፡ ናብዝን ናብትን ዝብሉ፡ ንዝገብርዎ መለኸት ብምንፋሕ ርኣዩልና ዝብሉ፡ በጺሕናዮን ጌርናዮም ዝብልዎ ታሪኽ ብተደጋጋሚ ብምንጋር ኣእዛን ሰባት የጽምሙ። ማቴ 6:1-5 2ቆሮ10:13-15 ኣብዚ ምዕራፍ ብምልኡ እንተነቢብና፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ብምውራድ ከም ድኹም ጌሮም ብምስኣል፡ ኣቃልቦ ክረኽቡ ዝደልዩ ስለ ዝነበሩ። ንዕኦም ንምእዳብ ዝተጻሕፈ’ዩ። ብርእሶም ባዕሎም ብምልካዕ፡ ንርእሶም ካብቲ ኰይናቶ ዝነበረት ንልዓሊ ጌሮም ክቅርብዋ ብምፍታን፡ ኣቃልቦ ክስሕቡ ብምፍታኖም ሃዋርያ ጳውሎስ ይግስጾም። ኣእምሮ፡ ምርዳእ፡ ዝጎደሎም ብምባል ከኣ ይግስጾም። ‘ቲ ተፈቲኑ ዝወጽእ ግና ብኣምላኽ ዝነኣድ ጥራይ ምዃኑ ብምንጋር ከለብሞም ይፍትን።

  • ንኻልኦት ምትላል፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከእትውዎም ምፍታን፡ ኣእምሮኦም ምብካልን ከኣ ካልእ ተርእዮ “ደለይቲ ኣቃልቦ”‘ዩ።

ገበንነት ክስምዖም ብምግባር ስምዒት ሰባት ይሃስዩ። ደሃልቲ (bullies) ብምኻንን ዘየድሊ ድምጺ እናስምዑ ኣቃልቦ ክስሕቡ ይፍትኑ። ምሕሳው፡ ዘይገበርዎ ከም ዝገበሩ ጌሮም ዘቅርብዎ ምኽንያት’ውን ኣቃልቦ ንምርካብ’ዩ። እዚ ኸኣ ርኡይ መርኣያ ፈርሳውነት’ዩ። ብዛረባኦም ሰባት ብምድሃል ካልኦት ክፈርህዎም ክገብሩ ምፍታን፡ ኣብ ሰባት ከም ሓያላትን ዓቢ ድርኺት ከም ዘለዎም ጌሮም ገዛእ ርእሶም ብምቅራብ፡ እንተብፍላጥ ወይስ ብዘይፍላጥ፡ ኣቃልቦ ክረኽቡ ይፍትኑ። ዮሃ9 ነቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ሓቂ ስለ ዝመስከረ፡ ኣዝዮም ከም ዝገንሕዎን ከም ዘቃለልዎምን፡ ካብኡ ሓሊፎም ከኣ ከም ዝሰጎግዎን ይነግረና። እዚ ኸኣ ዓለም ብዓለሙ ናብ የሱስ ይከይድ ኣሎ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡን ኣቃልቦ ዝህቦም እናጎደለ ዝኸደ ስለ ዝመሰሎምን’ዩ። .

ንኸምዚኦም ዝበሉ ሰባት ብኸመይ ንእለዮም፧

ብዙሓት ሰባት ንኸምዚኦም ሰባት ሸለል ክንብሎም ከም ዘለና ይመኽሮ። እዚ ጸገም ብግቡእ እንተዘይተኣልዩን እንተዘይተፈዊሱን፡ መሪር ሱር ብምስዳድ ንብዙሓት ዘሸግር እሾኽ ይኸውን። እብ12:15 ሱር ናይቲ ጸገም ኣለሊና፡ ካብ ስሩ ክዕረ ክንገብሮ ይግባእ። ዘዝገበርዎ ክንእርም እንተፈቲና ክንደክም ኢና። ኣቃልቦ ንምድላይ ዝደፍኦምን ኣብ ውሽጦም ኰይኑ ዝዝውሮም ክንርዳእ ብምፍታን፡ ዝጥዕይሉ መገዲ ምንዳይ ዝበለጸ መገዲ ኣተኣላልያ ናይዚ ሽግር’ዩ። ምስ እንርእዮ ምልክታት ጥራይ ኣብ ክንዲ ምቅላስ፡ ሱር ነገር ኣለሊኻ ምዕራይ ‘ቲ ዝበለጸ ፍቱን ኣተኣላልያ’ዩ።

ሓደ ሰብ ትሑት ርእሰ ጠመተ ስለ ዘለዎ፡ ርእሱ መታን ከም ብቅዕቲ ከምስል ኣቃልቦ ኣብ ምንዳይ እንተተዋፊሩ፡ ነቲ ሱር ነገር ማለት ኣብቲ ሰብ ዘሎ “ትሑት ርእሰ ጠመተ” ምልላይን ንዕኡ ምውጋድን ክኸውን ኣለዎ። ካብ ቅንኢ ተበጊሱ ድምጺ ዘብዝሕ እንተዀይኑ፡ እቲ ቅንኢ መበገሲኡ ካበይ ምዃኑ ፈሊጥና ካብ ስሩ ዝምንቆሰሉ መገዲ ምንዳይ ጥራይ’ዩ ዘዋጽእ።

ካብ የሱስ ክንመሃር ይግብኣና። የሱስ ኣቃልቦ ክረክብ ሓሲቡ ተኣምር ኰነ ንብዙሓት ዘገርም ስልጣን ዘለዎ ዘረባ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን። ንገሊኣቶም “ኪድ ንወለሓደ ከይትነግር” ብምባል ግብሪ ኣምላኽ ተቀቢሎም ክኸዱ ኣሕሚሙ ነገሮም። ማቴ9:30 ዝገብሮ ዝነበረ ኩሉ፡ ነቲ ዝለኣዀ ከኽብርን ዕይኡ ክፍጽም ጥራይ ምዃኑ ብዙሕ ጊዜ ገሊጹ ተዛሪቡ። መንዚዖም ከንግስዎ ክደልዩ ከለዉ’ውን ካብ ኣምላኽ መጎስ ረኪበ ብምባል ኣየጣቅዐን። ዕላማ መምጺኢኡ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ሓዲግዎም ደኣ ኸደ። ዓስቡ ካብ ኣብኡ ይደልዮ ስለ ዝነበረ ናእዳን ጣቅዒት ሰባትን ክረክብ ኣይደለየን። ኣብ ኣብኡ ዝነበሮ ዓሚቅ ፍቅሪ ኣፍልጦ ስለ ዝነበሮ፡ ውሽጣዊ ቅሳነትን ህድኣትን ምትእምማንን ሂብዎ ስለ ዝነበረን፡ ደጋዊ መረጋገጺ ኣይደለየን። እዚ ኸኣ ኩሉና ክንስዕቦ ዘለና ኣሰር’ዩ።

1. ኣብ ፍቅሪ እ/ሔር ክንተኣማመን፡ ነፍስና ኣብኡ ከነውሕስ ይግብኣና

2. ጻውዒትና ንሕና ክንእስ፡ እ/ሔር ግና ክዓቢ ስለ ዝዀነ፡ ከም ዮሃንስ መጥመቅ ጻዕርናን ጉያንን ሰባት ብኣና ኣቢሎም ነቲ ስለ ሓጢኣትና ዝሞተ ጎይታ ክጥምቱ ክኸውን ኣለዎ።

“ጴጥሮስ ግና ምስ ረአዮም፡ ነቶም ህዝቢ መለሰሎም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ንምንታይ በዚ ትግረሙ፡ ብገዛእ ሓይልና ወይስ ብጽድቅና ነዚ ኪኸይድ ከም ዝገበርናዮስ፡ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ አሎኹም።” ግብ3:12

3. ናእዳን ጣቅዒትና ሰባት፡ ካብቲ ካብ ካልኦት ንረኽቦ ኣቃልቦ፡ ንውሽጣዊ ቅልስናን ገድልናን ፍታሕ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ስለዚ ናብ ዝፋን ጸጋ ኣምላኽ ክንቀርብ፡ ፍቅሪ ኣምላኽ ብምርዳእ፡ ውሽጥና ክመልእ ክንጽሊ ይግብኣና። ኤፌ3:16-19

“እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ አሎኹ። ፍቅሪ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጽምእን ህርፋንን ኣቃልቦ ክውሕጦን ከጥፍኦን; ካብኡ ሓሊፉ’ውን ከዕግቦ ዝኽእል።