ኣብ መዕቆቢ ክትኰነና ዝኣመናያ ቸርች ክንጉዳእ ከለና እንታይ ንግበር፧

ኩሉ ሰብ ዝብጽሓኒ ዝብሎ ዓንኬል ሕብረተ-ሰብ ክህልዎ ዘልዎ ድሌት ታእላው የብሉን። ከም ዘለዎ፡ ብዘይፍርድን ተጉላባን ዝቅበልዎ፡ ብርታዔዑ ጥራይ ዘይኰነ ድኻሙ ዝስከሙ መሓዙትን ኣዕሩኽን ምስ ዝረክብ ዝስምዖ ባህታ ብዙሕ’ዩ። ብቅዓቱን ክእለቱን ዘድንቁን ዘስተማቅሩን ክረክብ ዝስምዖ ዕረፍትን ሓጉስን ርዱእ’ዩ። ተላጊቡን ተኣሳሲሩን ካብ ኩሎም ዝረኽቦ ፍልጠትን ተመክሮን፡ ንሱ ዘበርክቶ ሓሳብን ርእይቶ ተቀባልነት ረኺቡ ክነብር ልዕሊ መግቢ ይመርጾ። በቲ ሓደ ሸነኽ ዝተነጽገን ዝተነፍገን እንተመሲልዎ ዝምከሮ ቃንዛ ከቢድ’ዩ። ካብኡ ዝተላዕለ ሕፍረት ተሰሚዕዎ፡ ዘይተደለየ መንደቅ ዝነድቅ፡ ርእሱ ዝግልል፡ ካብ ዝምፍናን ርክብን ዝሃድም ክንደይ ኢልካ ክቑጸር።

ነዚ ንብሎ ዘለና ዓንኬል ሕብረተሰብ ንምፍጣር ከኣ ቸርች ጽቡቅ ባይታ ኣለዋ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ብኣምላኽ ኣሚኖም፡ ሰባት ምእካቦም ጥራይ ዘይኰነ፡ ናይ ቸርች ዕላማን ጻውዒትን ከምኡ ስለ ዝዀነ’ዩ። የሱስ ከምዚ ክብል ዓምቅ ዘረባ ተዛሪቡ ኣሎ፡

“ብኣይ ዝኣቱ ክድሕን፡ ክኣቱን ክወጽእን መጓሰ ድማ ክረክብ እዩ”። ዮሃ10:8

እዚ መጓሰ እዚ ድማ “ሕብረት ኣመንቲ (community of believers) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ከምዚ ዝበለ ዓንኬል ሕብረተ-ኣመንቲ ከኣ ኩሉ ብዘይ ስክፍታን ፍርሕን ምሽቁራርን ክኣቱን ክወጽእን ከኽእሎ ኣለዎ። እቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ምሕረት፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሰተረናን ዝጸረናን ተረዲእና፡ ከምኡ ንሓድሕድና ከይተነጻጸልናን ከተነኻኸስናን ከይተደፋፋእና ክንነብር ፍቃድ ኣምላኽ’ዩ። ገላ 5:15 ከምቲ ክርስቶስ ዝተቀበልና ከምኡ ንሓድሕድና ክንቀባበል ከም ኣጽዋር ጌርና ክንሕዞ ካልእ ምርጫ ዘይብሉ መገዲ ኣምላኽ’ዩ።

ኣብዚ ጽሑፈይ ግና ኣብ ክንዲ መጓሰ ማህሰይቲ፡ ኣብ ክንዲ ይብጽሓኒ’ዩ ዝብል ስምዒት መንጸግቲ ምስ ዝገጥመና እንታይ ንግበር፧ ፈውስን ምጽንናዕን እናተጸበና፡ ማህሰይትን ቃንዛን ምስ ዝኸውን ተመኩሮና፡ ከመይ ኢልና ንመላለስ፧ እዚ ናይ ኩሉ ሰብ ውሽጣዊ ሕቶ እዩ ኢለ እኣምን። ኩሉና ኣብ ዘለናዮ ቸርች፡ ብብዙሕ ማህሰይትን መስበርት ከም ዝሓለፍና ምግማት ኣየድልን። ማሕበር ኣምላኽ ጻዊዕታ ፈውስን ምምጽንናዕን ክነሱ፡ ምኽንያት መስበርቲ ክትከውን ከላ ካብ መስመር ወጺኣ ምህላዋ ርዱእ’ዩ። ገሊኡ ንዓለም ዝተመልሰ፡ ገሊኡ ኸኣ ሕብረት ኣመንቲ ገዲፉ፡ በይኑ ክነብር ዝመረጸ ኣሎ። እዚ ግና መፍትሒ ድዩ፧ ካልእ ዝሓሸ መገዲ የለን ድዩ፧

እታ ፍጽምቲ ሓሳብ ኣምላኽ ዝዀነት ኣካል ክርስቶስ፡ ብፍጹማት ዘይኰኑ ሰባት ትህነጽ ስለ ዘላ፡ እዚ ንብሎ ዘለና ማህሰይትን መስበርትይ ኣይተርፍን እዩ። እዚ እንተዀይኑ እቲ ሓቂ፡ ቃንዛና ቅልል እንተበለ፡ መፍትሒ ዝብሎ ገለ ነጥብታት ክጠቅስ

1. ንማህሰይትኻን ቃንዛኻን ኣፍልጦ ሃብ

“ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ” ዝብል ምስላ ሓቂ’ዩ። ቁስልና ከነመናፍሶ ከይፈተና፡ ዝደመየ ክፋል ልብናን ስምዒትናን ኣፍልጦ ክንህቦ ናይ ፈውሲ ቀዳማይ ስጉምቲ’ዩ። ብዘይ ቃል-ዓለም “ኣነ ተጎዲአ፡ ቈሲለ፡ እየ” ክንብል ብርታዔ’ዩ። ዝደመየ፡ ዝቆሰለ፡ ነፍስና ኣቃልቦ እንተዘይሂብናዮ፡ ቃንዛኡ ክውስኽን ክሞጉልን፡ ምስ ጊዜ ኸኣ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጽቡቅ ስምዒታት ክብርዝን’ዩ። ዝምድናታትና ክሳዕ ዝብተኽ ከላሕለሖ እዩ።

ስለምታይ ተጎዲአ፡ ቆሲለ ዝብል ሕቶ’ውን ክንሓትት ግቡእ’ዩ። ኣብቲ ጉዳይ ዘለና ኢድ-ተኣታታውነት ክንፍትሽ ኣለና። ዘበላሸናዮ መገዲ፡ ኣካይዳ፡ ስለ ዘለና’ድዩ፧ ንሓቂ ደው ስለ ዝበልና እሞ እቲ ካልእ ሰብ ደስ ስለ ዘይበሎ፧ እቲ ሰብ ክፉእ ኣተሓሳስባን ጠባይን ስለ ዘለዎ፧ እዚ ሕታቶት ምምላስና ንጉዳይና ከመይ ጌርና ክንኣልዮ ከም ዘለና ክሕግዘናዩ። እዚ እንተዘይጌርና ግና ናብዚ ዝስዕብ ነጥቢ ከይመርሓና ንጠንቀቀ

2. ምረትን ቅሬታን ክይነብቁል ንጠንቀቅ

ማህሰይትናን ቁስልና ኣፍልጦ ሂብና ብዝግባእ መገዲ እንተዘይኣሊናዮ፡ ናብ ዝገደደ ኣዕናዊ መገዲ ይወስደና። ገሊኡ ንስምዒታቱ ዝንኽንኽ፡ ዝሽፍን፡ ኣሎ። ገሊኡ ኸኣ ጽቡቅ ስምዒት ዝፈጥረሉ መሲልዎ ስምዒታቱ ዘኰማስዕ ኣሎ። እዚ ኽልተ ሓሳብ ንምርዳእ፡ እቀዲመ ዝጸሓፍክዋ “ስምዒታዊ ተዓጻጻፍነት” እትብል ጽሕፍቲ ክትነብዋ እሓተኩም። እቲ ክልተ ዓይነት ኣተሓሕዛ ንዝተጎድአ ስምሚት ከኣ ዘምጽኦ ዕንወት ብዙሕ’ዩ። ንመጉዳእቱ በዚ መገዲ ክኣልዮ ዝፍትን ሰብ፡ ዘይጥዑይን ንነዊሕ ዘይቅጽልን ዝምድና ይህልዎ። ካብ ሕብረት ኣመንቲ ኸኣ ከም ኰብላሊ ናብዝን ናብትን ይብል።

ሰባት ብዘይግባእ መገዲ ክቀርቡና ከለዉ፡ ክንጉሂ፡ ክንሓርቅ፡ ክንኩሪ፡ ንቡር እዩ። እቲ ከም ፍላጻ ኣብ ነፍስና በሲዑ ዝኣተወ ኩራን ቁጥዓን ብግቡእ ክንኣልዮ እንተዘይኪልና ግና፡ ናብ ምረትን ቅሬታን ይጭጭሕ። ካብዚ ኸኣ ጸርፊ፡ ታዕታዕ፡ ነድሪ፡ ኩሉ ኽፍኣት ይፍልፍል። እዚ ከኣ ንዘለና ዝምድና ይምርዞን ይብርዞን፡ ጸኑሑ ኸኣ ይቀትሎ። እዚ መታን ከይከውን ከኣ “ይቅሬታ” ክንለማመድ፡ ነቶም ዘይግብኦም ንብሎም’ውን እንተዀነ “ይቅረ” ክንብል ክንመርጽ ኣለና። ክንዝንግዖ ዘይብልና፡ ይቅሬታ ብመጀመርያ ንዓና እዩ። ኣብዚ ኸምዚ ስምዒት ዝኸረመ ሰብ፡ ናብዚ ዝስዕብ ነጥቢ ይፍልስ።

3. ከልካሊ ቀጽሪ፡ መንደቅ፡ ከይንሃንጽ ንጠንቀቅ

ብዙሓት ንዝተጎድአ ስምዒታቶም ብግቡእ መገዲ፡ ኣብ ግቡእ ጊዜ ክኣልዩ ስለ ዝሰነፉ፡ እንደገና ምእማን እናተሸገሩ፡ ኣብ ልቦም ከልካሊ መንደቅ ዝሃነጹ ብዙሓት’ዮም። ጥዑይ ዝዀነ ርክብ ምህናጽ እናኣበዮም ስለ ዝደኹሙ፡ ወይ’ውን እንደገና ከይጉድኡ ስለ ዝፈርሁ፡ ልቦም ንዝምድና ዘይኸፍቱ፡ ሰባት ከይቀርብዎም ካብ ርሑቅ ደረት ዝሕንጽጹ፡ ምህላዎም ምግማት ኣሸጋሪ ኣይኰነን። ዝሃነጽዎ ዝምድና እናፈሸለ፡ ብድሕሪኡ ዝሓልፍዎ ቃንዛ ስለ ዝበዝሖም፡ ዘዝቀረብዎ እናሃሰዮም ስለ ዝተሸገሩ፡ ዘይምቅራብ ይሓይሽ ኢሎም ምኽሮም ብምቁራጽ፡ ኣብ ናይ በይኖም ዓንኬል ክነብሩ ዝመረጹ ኣለዎ። እዚ ኸኣ መግደራ’ዩ። ሰብ ብዘይ ርክብን ዝምድናን፡ መገዱ ከርፋሕ ይኸውን።

ነዚ ዝብሎ ዘለኹ ንምርዳእ ኣቀዲመ ዝጸሓፍካዋ፡ “ከልካሊ ቐጽሪ ንጥዑይ ዝዀነ ርክባት” ዘርእስታ ጽሕፎይ ክትነብዋ ትኽእሉ። ብፍላይ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ፡ መጉዳእቲ ስለ ዝበዝሖም፡ ዘይምእማን ንልቦም ኣሸኒፉ፡ ከም ባሕታውያን ኣብ ማእኸል ሰብ ብውልቂ ዝነብሩ ምህላዎም የረጋግጸልኩም። ኣብ ማእከል መጓሰ ከም ኰብላሊት ዝኸኑ ከም ዘለዉ ምፍላጥ ኣዝዩ የሕዝን። እዚ ኸኣ ኣንጻር ‘ቲ ኣምላኽ ንኣማንኒ ዝመደበሉ በረኸት’ዩ።

እሞ እንታይ ንግበር።

1) ነፍስና ኩሉ ናብ ኣምላኽ ነፍስስ

“ምንኽናኽን ምኩምሳዕን ዝተጎድአ ስምዒታትካ ዝወልዶ ምረትን ቅሬታን፡ ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ቅዛነትን ጭንቀት ኣሎ። እዚ ከይከውን ከምቲ ሃና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪባ ኩሉ ጓሂኣን ጭንቀታን ኣብ ኣምላኽ ኣፍሲሳ፡ ብድሕሪኡ ጉሂቲ ኬይና ዘይተረኽበት፡ ንሕና’ውን ከምኡ ክንገብር ጽቡቅ ምሳሌ’ዩ።

ከምቲ የሱስ ምስ ጸረፍዎ ዘይጸረፈ፡ ሓሳረ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ ነቲ ብቅንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ዝሃበ እምበር ዘየፈራርሀ (1ጴጥ2፡23)፡ ንሕና’ውን ሕነ ክንፈዲ ክይደለና፡ ነቲ ብግዚኡ ዝፈርድ ኣምላክ ነገርና ኣሕሊፍና ክንህብ፡ ኣብ ኢዱ ክንገድፎ ይግብኣና። ዝሓለፍናዮን ዝተጎዳእናዮን ቀሓር ነፍሲ እናዀነ፡ ሰላምና ክዝርግ ከነፍቅደሉ የብልናን። ኩሉ ሓልዮትናን ጓሂና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከነቅርብ ይግብኣና።

2) ክትርአ ፍቃደኛ ምዃን

ከምቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከምኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ንፈትዎምን ንኣምኖምን ኣዕሩኽትና ክንርአ ፍቃደኛታት ክንከውን ኣለና። ብዙሕ ጊዜ ነገርካ ምሕባእ፡ ምሽፋን፡ ገለ ከም ዘይኰንካ መሲልካ ምምልላስ ዝዓበናሉ ባህልን ኣካይዳን ስለ ዝዀነ፡ ብውሽጥና እናተሰቀናን እናሞትናን ክነስና፡ ሓንቲ ከም ዘይኰንና መሲልና ንመላለስ ኢና። እዚ ኸኣ ሓደገኛ እዩ። ብፍላይ ነቶም ጎዲኦምኒ ትብሎም ኣሕዋት፡ ከም ቀዳማይ ስጉምቲ ብግሊ ከተዘራርቦም ከም ክብረት ክትወስዶ ይግብኣካ። ንትኣምኖምን ክሕግዙኻ ምስ ዝኽእሉ ክትዘራረብ፡ ፍቱን ናይ ፈውሲ መገዲ’ዩ። ብዛዕባ ጉዳይካ ሓገዝ ምሕታት ብርታዔን ብጽሕናን እዩ።

ከምዚ ዝበለ ዓንኬል መሓዙት ምህናጽ ቀሊል ከይከውን ይኽእል’ዩ። ኣገዳስነቱ ተረዲእና ግና ኣምላኽ ክረድኣና፡ እሙናት ሰባት ክህበና እናጸለና፡ ክንሃንጾ ክንጋደል ኣለና። “ኣምላኽ እኹል እዩ። ነገርካ ምስ ኣምላኽ እንተወዲእካ ካልእ ኣየድልየካን እዩ” ዝብሉ ብዙሓት’ዮም። ዋላ’ኳ ልዕሊ ኩሉ ንፈጣሪ ምንጋር ዝዓበየ እንተዀነ፡ ምስ ዝቀርቡኻ ምምኽኻር ከኣ ኣምላኽ ዝሰርዓልና መገዲ’ዩ። ካብቲ ዘገርም ከኣ “ኣካል” ዝብል ኣምር ኣብ ሓሳብና ዝጸሓፈ ኣምላኽ ባዕሉ’ዩ። እቲ ኣካል ከኣ ንሓድሕዱ እናተኣሳሰረን እናተደጋገፈን እዩ ዝዓቢ። ኣምላኽ በቶም ናቱ ከም ዝሰርሕ ኣይንረስዕ።

3) መገዲ (perspective) ኣምላኽ ክትርዳእ ፈትን

ኣብ ህወትና ዝኸውን ኣምላኽ ንዕላምኡ ክጥቀመሉ ይኽእል’ዩ። ንሕያዎት ሰባት ክፉእ ነገር ከም ዝበገጥሞም ምትንታን ኣየድልን። ብመጉዳእቲ ሓሊፎም ድንጋጸ ዘብቆሉ፡ ካልኦት ንምሕጋዝን ምድጋፍን ልቦኖኦም ዝሰፍሐ ግና ብዙሓት’ዮም። ኣነ ምስክር’የ። እዚ ምርዳእ እዚ ኸኣ ንብዙሕ ምጉትና ክውድአልና ይኽእል’ዩ። ንዝቆሰለ ውሽጥና ብምልኣት ክፍውሶ ሓይሊ ኣለዎ። ሕነ ከይንፈዲ፡ ተነጺልና ብጓህን ቁጥዓን ከይንቁለፍ፡ መምለጢ ይዀነና።

ነዚ ምሳሌ ዝዀነና ከኣ ዮስዮፍ እዩ። የሕዋቱ ኣብ ልዕሊኡ ዝፈጸምዎ ጭካነ ዓቢ እንተነበረ፡ ሓሳብ ኣምላኽ ስለ ዝተረድአ፡ ይቅረ ክብለሎም ሓይሊ ረኺቡ። ተመሊሱ ክሓቅፎምን ኣብ መንኰቡ ወዲቆም ክበኽዩ ቦታ ክህቦም ጌርዎ። እዚ ኸኣ ጽሩይ ስራሕ ኣምላኽ’ዩ።

“ንስኻትኩም ንኽፉኤይ ሓሰብኩም። እ/ሔር ግና፡ ከምቲ ሎሚ ኰይኑ ዘሎ ኺገብር፡ ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኼድሕን፡ ንጽቡቅ ሓሰበ።

እዚ ኣብ ግሊ ኣማኒ ዝተርፍ ምኽሪ ኰይኑ፡ ማሕበር ኣምላኽ ከኣ ነቲ ኣብ ገግዚኡ ዝፍጠር ግጭትን ንሱ ዘስዕቦ ማህሰይትን ንምእላይ፡ ነዚ ዝተመዘዘ ክፍሊ ኣገልግሎት ክህልዋ ኣለዎ። ከምቲ መኪናና ብልሽት ክገጥማ ከሎ ናብ መካኒክ ንወስዳ፡ ኣብ ስራሕ ምስ መሳርሕትና ነገር ክህልወና ከሎ ናብ “ሁማን ሪሶርስስ” ንኸይድ፡ ኣብ ሓደርና ዘይምርድዳእ ምስ ዝበዝሕ፡ ናብ ናይ መርዓ ኣማኻሪ ንምርሽ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቤት ኣምላኽ ንባእስን ነገርን ዝኣልዩ ለባማት፡ ብጹሓት፡ ጥበብን መንፈስ ኣምላኽ ዝመልኣሎም ሰባት ክህልዉና ናይ ግድን ክኸውን ኣለዎ።

ከምዚ ክብል ከለኹ ግና ኩሉ ጊዜ እናተጉዳእካ፡ እናተሃሰኻ፡ እናቆሰልካ፡ ተቀመጥ ዝብል ምርዳእ የብለይን። ብፍላይ እቲ ዝጎድእን ዘቁስልን ኣብ መሪሕነት ዘሎ እንተዀይኑ፡ ነገሩ ኸኣ “ሰማይ ኣይሕረስ፡ ንጉስ ኣይኽሰስ” እንተዀይኑ፡ ነገርካ ንምዕራይን ጥርዓንካ ንምቅራብን ግቡእ መገዲ ኬድካ፡ ዝሰምዕን ዝኣልየካንን እንተተሳኢኑ፡ ዘለኻዮ ስፍራ ሓዲግካ ምኻድ ጥበብ እዩ። ነገርካ እናመናፈስካ፡ ርእስኻ ንመጉዳእትን መቁሰልትን ቃልዕ ክትገብር ጥበብን መንፈሳውነት ኣይኰነን። ከምዚ ክብል ከለኹ ግና በይንኻ ኣብ ገዛኻ ኰፍ በል ማለትይ ኣይኰነን። እዚ’ውን ጥበብ ዝጎደሎ’ዩ። ዝምችኡኻ፡ ብተዘማዲ ዘዕርፉኻ፡ ብግቡእ እትግልገለሉን እተገልግለሉን ደምብ ደሊኻ፡ ርእስኻ ክትሰኩዕ፡ ገዛእ ርእስኻ ከተማዕቁብ ፍቃድ ኣምላኽ’ዩ።